Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

radio_main Bdho_Antsar_atahasasbana
Why do we have to struggle? Print E-mail
Written by Yoel Alem   
Sunday, 11 February 2007

ንምንታይ ንቃለስ?

ብዕለት 23 ጥሪ 2007 ኣብ ዓዋተ ዶት ኮም ዝተዘርገሓ ፖለቲካዊ መትከልን ኣገዳስነቱ ኣብ ቃልሲ ኤርትራናን ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ ንቃልሲ ኤርትራና ዘኺዲዎ ዘለው ዓብለልቲ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ብሕጽር ዝብል ኣገባብ ዝግምግም ኮይኑ፡ እዚ ቃልሲ ህዝቢ ካብዚ ዘለዎ ብዝለዓለ ናህሪ ክሕምበብ እንተኾይኑ፡ ሓደ ከም መንኮርኮር ኮይኑ ዘገልግል፡ ብሰፊሑ ንኣብ ውሽጥን ስደትን ዝርከብ ዜጋ ዝውክል፡ ንምዕባለን ምሉእ መሰልን ኤርትራና ዝዓለመ፣ ድልዱል ሰረት ዘለዎ፣ ሓድነት ዜጋታት ዘሓይል፣ ንነዊሕ ዝጠመተ፣ ተሳታፍነትን ተወፋይነትን ዜጋታት ዘደንፍዕ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሓሳባት ወይ መትከል ምህናጽ ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ጉዳይ ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ዝዓይነቱ፡ ንቃልስና ዘገልገልን ንህልው ኩነታት ኤርትራና ዝገልጽን ፖልቲካዊ ሓሳባት ከነመንጩን ከነማዕብልን እንተኾይና፡ ኣብ መንጎና ኣልዒልና ክንካትዓሎምን መልሲ ኸኣ ክንረኽበሎም ዝግባእ ከልተ ዓበይቲ ሕቶታት ህዝቢ ኣለው።

ቀዳማይ፡ እንታይ እዩ እቲ ኤርትራና ክትበጽሖ ዝግባእ፡ ንነዊሕ ዝጠመተን ንኹሉ ዜጋ ዝውክልን መቃለሲ ሓሳባት ወይ እንታይ እዩ እቲ ከቢርና ክንነብረሉ እንብህጎ ኩነታት መጻኢት ኤርትራና ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ኣየኖት መሰላት ምስ ዝጭበጡ እዩ’ኸ እቲ ዝበሃግ ኩነታት ኤርትራና ህያው ክኸውን ዝኽእል ዝብል ይኸውን።

ነዞም ክልተ ሕቶታት ንምምላሽ፡ ነቲ ኤርትራና ኣብ ዝሓለፉ ናይ ናጽነት ዓመታት ክትክተሎ ዝጸነሐት ኣካይዳ ደጊምና ምድህሳስ የድሊ። ብዓንዲ ርእሱ፡ መሰረት ኩሉ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ዜጋታታ ከም ዝኾኑን፡ ኣብታ ሃገር ድማ ሰላም፣ ራህዋ፣ ፍትሒን ምዕባለን ክረጋገጽ እንተኾይኑ፡ ኩሎም ዜጋታታ ኣብ ጉዳያ ሰብ-ብርኪ ምስ ዝኾኑ ጥራይ እዩ። ኤርትራና ግን፡ ነዚ መሰረታዊ ስነ-ሓሳብ ብዝጻረር መገዲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ንውሑዳት መሪጻ ንኻልኦት ዜጋታታ ወጊድ ክትብሎም ከምዝጸንሓት ካብ ኩሉ ዝተኸወለ ኣይኮነን።  ቀጥታዊ ሳዕቤኑ ድማ፡ እዚ ሕጂ እንዕዘቦ ዘሎና ኩሉ ዓይነት ቅልውላዋት ኮይኑ ንረኽቦ።

ስለዚ፡ ናብ ሰላምን ምዕባለን ዘሐምብብ ጎደና ንኸይንጉዓዝ ሓሊኹ ሒዙና ዝርከብ ረቛሒ እዚ ኤርትራና ክትክተሎ ዝጸንሓት ዘይምዕሩይ ኣካይዳ ካብ ኮነ፡ ኤርትራና ንኹሎም ዜጋታታ - ማለት ዓቢን እሽቶይን፣ ኣስላማይን ክስታናይን፣ ወዲ ቆላን ከበሳን፣ ተጋዳላይ ነበርን ኣገልግሎትን፣ ተምሃራይን ሰራሕተኛታትን፣ ሓረስታይን ጸሓፋይን፣ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝባን…ወዘተ - ክትሓቁፍ እንተኺኢላን፡ ኩሎም ዜጋታታ ድማ፡ ኣብ ጉዳያ ሰብ-ብርኪ ክኾኑ እንተኽኢሎም፡ እቲ ኩነታት ኣንጻር እዚ ሕጂ እንሓልፎ ዘሎና ቅልውላዋት ምሉእ ብምሉእ ክግልበጥ ይኽእል። እምበኣርከስ፡ እታ ብኽብሪ ክንነብረላ እንብህጋ ናይ መጻኢት ኤርትራና ንኹሎም ዜጋታታ እትሓቁፍ ክትከውን ኣለዋ። ስለዚ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ኤርትራና ናይ ኩሎም ዜጋታታ ንኽትከውን ምርግጋጽ እዩ።

እዚ ንነዊሕ ዝጠመተ ራኢ ኤርትራና ግን፡ ብመለኮታዊ ሓይሊ ካብ ሰማይ ዱብ ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ብውልቀ-ሰባት፣ ገለ ጉጅለ ወይ’ውን መንግስታት ዓለምና ከም ህያብ መሳሊ ከወፍዩልና ክንጽበ ኣለና ማለት’ውን ኣይኮነን። ብጽቡቅ ድሌት ናይ ዜጋታት ዝረጋገጽ’ውን ኣይኮነን። የግዳስ፡ እዚ ልዑል ራኢ ክረጋገጽ ዝኽእል፡ ጽኑዕ፡ ሓድነት ዝሓትት፣ ፈታኒን ዋጋ ዘኽፍልን ህዝባዊ ናይ መሰል ቃልሲ ብምክያድ ጥራይ እዩ። ብተወሳኺ፡ እዚ ዝዓይነቱ ራኢ ብቃልሲ ዝረጋገጽ ድኣምበር ድሕሪ ቃልሲ ክረጋገጽ ዝድለ ነገር ክኸውን የብሉን።

ኤርትራና ናይ ኩሎም ዜጋታት ክትከውን እንተኾይና፡ ነየኖት መሰላት ኢና ቀዳምነት ሂብና ንኽጭበጡ ክንቃለስ ዝግባእ ዝብል ሕቶ ክምለሽ ኣለዎ። ነዚ ሕቶ’ዚ ክንምልሽ እንተኾይንና ኸኣ፡ ነቶም ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ብሰሪ ዝንቡዕ ኣካይዳ ኤርትራና ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝርከቡ መሰላት ብደቂቅ ከነለልዮም ይግባእ። ነዚ ብዝምልከት፡ ካብ ዜጋታት ዝተፈላለዩ ሓሳባት ክውሕዙ ዝኽእሉ’ኳ እንተኾኑ፡ ከም ኣብነት ግን፡ እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝርከቡ መሰላት ኢልና ክጥቀሶም ንኽእል።

• ካብ ጊልያነት ናጻ ናይ ምዃን መሰል
• ካብ ድሃይ ምጥፋእ ወይ’ውን ብዘይ ፍትሒ እስራት ናጻ ናይ ምዃን መሰል
• ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን መድረኽን፡ ሓሳብካን ሃይማኖታዊ እምነትካን ናይ ምግላጽን ናይ ካልኦት ምቅባልን መሰል
• ኣብ ዝኾነ ግዜ ንሃገርካ ናይ ምእታውን ምውጻእን መሰል
• ሃገር ብኸመይ ፖለቲካዊ ኣገባብ ትመሓደር ናይ ምምራጽ መሰል

መልሲ ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዳህሰሱ ክልተ ኣገደስቲ ሕቶታት እምበኣር፡ ነቲ ከም መንኮርኮር ኮይኑ ከግልግለና ዝኽእል ፖለቲካዊ መትከል ወይ ሓሳባት ዘነጽር እዩ። በዚ መሰረት፡ ንምንታይ ኣብ ቃልሲ ኤርትራና ትሳተፍ ኣለኻ ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ “ምእንቲ ኤርትራና ናይ ኩላትና ክትከውን፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ መሰላት ንምርግጋጽ ይቃለስ ኣለኹ!” ዝብል ምኾነ። እዚ ዝዓይነቱ ፖለቲካዊ መትከል ድማ፡ ነዊሕ ዝጠመተ፡ ንኹሉ ዝውክልን ሓድነት ናይ ዜጋታት ዘዐዝዝን ኮይኑ ንረኽቦ።

ዋላ’ኳ ምቛም ዝተፈላለዩ ማሕበራት፣ መረረኻ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራና ብቀጻሊ ምቕራብ ወይ ዝተፈላለዩ ናይ ተቛውሞ ንጥፈታት ምክያድ ኣብ ቃልሲ ኤርትራና ኣገዳስቲ እንተኾኑ፡ ኣብዚ ጽሑፍ ብተደጋጋሚ ከነስምረኑ ዝድለ ዘሎ ሓሳባት ግን፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ብዝለዓለ ደረጃ ዝሕይልን ዝጸንዕን፡ እሞ’ኸኣ ቅልጡፍን ንኹሉ ዜጋ ዘማእክልን ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል፡ ኣብ ሓደ ሓያል መሰረት ዘለዎ፡ ንነዊሕ ዝጠመተን ሓድነት ናይ ዜጋታት ዘሓይልን ፖለቲካዊ መትከል ክስረት ምስ ዝኽእል እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መትከል ወይ ዕላማ ንምዕዋቱ እነካይዶ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ቀሊል ከምዘይኮነን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዃኑን ዝኾነ ዝስሕቶ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ ጉዕዞ ንዘጋጥሙና ዕንቅፋታት፡ ናብ ዝለኣኹና ማእዝን ንኽንእለ ዝድርኹና ዘይኮኑስ፡ ከሎ ጌና ክልለዩ ይግባእ፡ ክእለዩ ድማ ኣለዎም። ዜጋታት ካብ ፍርሕን ግዝያዊ ጥቅምን ፈንጺጎም ብምውጻእ ኣብዚ ህዝባዊ ቃልሲ ንኽሳተፉ ክተባብዑ ይግባእ፤ መሓዙት ኤርትራና ክንቀርቦምን ጻዕርታቶም ንናይ ህዝቢ ቃልሲ ከሓይልን ከነእምኖም ኣለና፤ እቶም ናብዚ ልዑል ዕላማ ንኸይንስጉም ዝጻረሩ ድማ ብደቂቁ ተጸኒዖም ክልለዩ ኣለዎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክግጠሙ፣ ክንጸሉን ኣብ መወዳእታ ድማ ክሰዓሩ ኣለዎም። ከምዚ ክንገብር ንግደድ ድማ ብጽልኢ ስለዝተላዕጠጥና ወይ ኣንጻር ገሊኦም ክንልዓል ደስ ስለዝብለና ዘይኮነስ፡ ኤርትራና ናይ ኩሎም ዜጋጋታ ኮይና፡ ኩሎም ዜጋታታ ድማ ኣብ ጉዳያ ሰብ-ብርኪ ምእንቲ ክኾኑ እዩ። ብኻልእ ኣዘረርባ፡ “ነታ ትብሀግ መጻኢት ኤርትራና ኣብዛ ሓጻር ዕድሜና ንኽንርኢ እዩ።” እቲ ካብዚ ቀጺሉ ንኽትዕ ኣብ መንጎና ክቀርብ ዝግብኦም ሕቶታት እምበኣር ነዞም ዝስዕቡ ሰለስተ የጠቃልል።

ቀዳማይ፡ ንዜጋታት እንታይ ዓይነት ጻዕርታት ጌርና ኣብዚ ንኹሉ ዘርብሕ ህዝባዊ ቃልሲ ንኽጽመዱን ብንጥፈት ንኽዋስኡን ነተባብዖም ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ በዓል መን እዮም ኤርትራና ናይ ኩሎም ዜጋታታ ንኽትከውን ዝድግፉ ወገናት ዝብል እዩ። እቲ ሳልሳይ ኸኣ፡ በዓል መን እዮም ኤርትራና ናይ ኩሎም ዜጋታታ ንኸይትኸውን ዘተዓናቅፉ ዘለው ወገናት ወይ ውልቀ-ሰባት፡ ብኸመይ ኣገባብ’ከ ክምከቱን ክሰዓሩን ኣለዎም ዝብል ይኸውን።

ኩሉ እዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዝርከብ ሓሳባት መበገሲ ድኣምበር፡ ከም ውዱእ ክውሰድ ኣይግባእን። ቀንዲ ዕላማ እዚ ጽሑፍ፡ ኣብ መንጎና ሰፊሕን ክፉትን ናይ ክትዕ መድረኽ ንክፈጥር ተባሂሉ እዩ። በዚ መሰረት፡ ሓደ ከም መንኮርኮር ናይ ቃልስና ኮይኑ ዘገልግል፡ ኣብ ኣዮናይ ቦታ ንርከብን ምስ ኣዮናይ ማሕበር ወይ ውድብ ንውከልን ብዘይገድስ፡ ብሓባር ከኺደና ዝኽእል ሓሳባት ከነመንጩ ንኽእል ኢና ዝብል እምነት ኣሎ። ምናልባት ጽምዶ ኣብዞም ዓይነት ሕቶታትን ክትዓትን ከም ኣብ ርዱእ ነገር ደጋጊምካ ምዝራብን ግዜ ምጥፋእን ኮይኑ ክስመዓና ይኽእል ይኸውን። ነዞም ሕቶታት ሓቢርና ክንምልሽ ብዘይምኽኣልና ግን፡ ማዕረ ኽንደይ ቃልሲ ኤርትራና ንድሕሪት ከም ዝጓተት ዘሎ ዘርኢ ስእሊ በዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ኣብነታት ክግለጽ ይከኣል።    

ቀዳማይ፡ ሓደ ካብ ሳዋ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኣስመራ ዝተወዘዓ መንእሰይ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ “ንምንታይ ገለ ዘይንገብር…እቲ ዘሎ ጨቛኒ ስርዓት ኣብ ምልጋሱን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምትካልን ገለ ዘይትሕግዘና” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ከምዚ ክብል መሊሱ “እንታይ ገበርኩኻ’ታ?... ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ኣስመራይ ተመዲበ ይሰርሕ ኣለኹ… ድሓር ከኣ እዚ ስርዓት ከምዚ ኢሉ’ዶ ክነብር እዩ… ከምቶም ዝሓለፉ ብገለ ድዋዕ ክብል እንደኣሉ…” ምናልባት እዚ ዘረባ ትርጉም ዘይህብ ኮይኑ ክስመዓና ይኽእል ይኸውን። ብልክዕ እንተኾይኑ ግን፡ ርእሱ ዝኸኣለ ሓቅታትን ርዝነትን ኣለዎ። ቅድም ክብል ኣሪስቶትል ከምዝበሎ “ካብ ዝኾነ ቅዋም ንላዕሊ፡ ንነዊ ዝጸንሓ ጭቖና የለን”። እዚ ማለት ሎሚ ድዩ ጽባሕ እዚ ዘሎ ስርዓት ዕልው ምባሉ ዘይተርፍ እዩ። እዚ ካብ ኮነ እቲ ዘይተርፍ ሓቂ፡ ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ኣብ ኣስመራ ወይ ኣብ ስደት ተኸዊልካ ምጽናሕ ከም ዝሓሸ ኣማራጺ ብመንእሰያት ክውሰድ ክትርኢ ዝተጋነነ ክኸውን ኣይግብኦን። እቲ ምንታይ’ሲ፡ እቶም ንናጽነት ዝተጋደሉ ሎሚ ተሚሊሶም “ዓሕ…ሕ..” ክብሉ ዝዕዘብ ዘሎ መንእሰይ ሕጂ እንታይ ሓድሽ ነገር ክረክብ ኢሉ እዩ’ሞ ኣብ ስርዓት ድዩስ ዋላ መራሒ ምልዋጥ ክሳተፍ። ግደ ሓቂ ክንዛረብ እንተኾይንና፡ ትማሊ እንግሊዝ፣ ድሕሪኡ ጃንሆይ ዳሓር መንግስቱ ሕጂ ኸኣ ኢሰያስ ድሕሪ’ዚ ድማ…። ኣብዞም ኩሎም ንናብራ ናይ ዜጋታት ዘጣጥሕ እንታይ ዝተለወጠ ነገር ኣሎ? ኤርትራና ዘድልያ ዘሎ ክንዮ ምልዋጥ መራሕቲ ዝኸይድ መሰረታዊ ለውጢ’ዶ ይኸውን?

ብተወሳኺ፡ ዕላማ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራና ደጊምና እንተ ዳህሲስናዮ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓሳባት ከራጉዶ ዝኽእል ይመስል። ንኣብነት ሓያል ጎኒ ዕላማ እቲ ቃልሲ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ምጭባጥ ዝብል እዩ ነይሩ። ብኡ መሰረት ድማ፡ ናጽነት ኤርትራና ምርግጋጽ ዝብል ይኸውን። “ናጽነት እንታይ ማለት እዩ?” ዝብል ሕቶ ግን፡ ንሰፊሕ ክትዓት ናብ ህዝቢ ይዘንብ ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ደቂቅ ትርጉም ናጽነት እንታይ ምዃኑ ብግቡእ ዝተረድኦ ኣዝዩ ውሑድ ክፋል ናይ ሕብረተሰብና እዩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ልክዕ በዚ መንጽር ድማ፡ እቲ ሕጂ ዝጥለብ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ዝብል እዩ። ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክንብል ኮነና ግን እንታይ ማለት እዩ? ንክውንነት ኤርትራና ዘንጸባርቅ’ከ እንታይ መሰላት ዝሓቖፈ ክኸውን ኣለዎ? ዝብሉ ሕቶታት ክንምልሽ የድልይ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ለውጢ ክንካፈልን ክንውፈን እንተኾይና፡ ከሎ ጌና መጻኢናን መጻኢ ኤርትራናን ውሕስነት ክንገብረሉ የድለየና። ካብዚ ተሪፉ ግን፡ ኣብ ታሪኽ ካልኣይ ጌጋ ምፍጻም ኮይኑ፡ እዚ ድማ፡ ብዝኾነ ዜጋ፡ ብፍላይ ብመንእሰይ ኤርትራና ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን።
 
ካልኣይ፡ ንቃልሲ ኤርትራና ኣብ ሓድነት ተጠርኒፉ ብዝቀልጠፈ ናህሪ ንኸይጉዓዝ ሓሊኹ ሒዚዎ ዝርከብ ጉዳይ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ምርጫታት ናይ ዜጋታት እዩ። ገለ ካብዞም ምርጫታት እዚ ቅዋም ይሓይሽ ወይስ ካልእ፡ እዚ ዓይነት ስርዓተ-መንግስቲ ዶስ ካልእ፡ ምዕቃብ ልዑላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ብዲፕሎማሲያዊ ኣገባብ’ዶስ ውይስ ብሕጋዊ ወይ’ውን ብኩናት፡ ዝብሉ የጠቃልል። ዝተፈላለዩ ምርጫታት ምህላዎም ከሓብነና ዘለዎ ነገር እኳ እንተኾነ፡ ብመሰረቱ ግን እቲ ሕቶ ናይ ምምራጽ መሰል እዩ። ናይ ምምራጽ መሰል ኣቀዲሙ ከይተጨበጠ’ዶ ምርጫታትካ ከተቕርብ ይከኣል’ዩ? እቲ ሕቶ ኣብ ናይ ምምራጽ መሰል ከም ዝውሰን ብምግባር ሓድነት ኩሉ ዜጋ ክዓዝዝ ይኽእል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ’ውን ናይ መሰል ቃልሲ ከምዝኽውን ብምግባር ፍትሓውነቱ ዘየማትእ ከምዝኾነ ክረጋገጽ ይከኣል።

ሳልሳይ፡ ካልእ ንቃልስና ዘጓትቶ ዘሎ ጉዳይ ኸኣ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ዝቀርብ “ልዑላውነት ሃገር ክንከላኸል ግቡእና እዩ…ሃገር ምህናጽ ሓላፍነትና እዩ” ዝብል ሓሳባት እዩ። እዚ ኣረኣእያ ንግቡእን ሓላፍነትን ናይ ዜጋታታ ቀዳምነት ዝህብ ኮይኑ፡ ንመሰል ናይ ዜጋታት ግን ዝኾነ ቦታ ዘይህብ እዩ። እቲ ክኸውን ዘለዎ ግን ቅድም መሰል ድሓር ግቡእ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኤርትራና ንኹሉ እትሓቁፍ ንኽትከውን ኣብ ዝግበር ናይ መሰል ቃልሲ ብንጡፍ ንኽንሳተፍ ሓላፍነት ከምዘለና ዘይክሓድ እዩ። ካብዚ ተሪፉ ግን፡ ግቡእ ኣቀዲምካ መሰል ምውንዛፍ፡ ጊላነት ኣብ ልዕሊ ገዛእ-ርእስኻ ምእዋጅ እዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዝርከብ ሕቶታትን ሓሳባትን፡ ክፉት ህዝባዊ ክትዓት ከለዓዕል ተባሂሉ ዝተወጠነ እምበር፡ ከም ውዱእ ሓሳባት ክውሰድ ኣይግባእን። እቲ ቀንዲ እዚ ጽሑፍ ከስምረኑ ዝደሊ ዘሎ ሓሳባት ድማ፡ ነዞም ሕቶታት ናይ ሓባር መልሲ ምርካብ ማለት ምሕያል ነዚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ከምዝኾነ ዘጠራጥር የብሉን። 

 

Last Updated ( Saturday, 07 July 2007 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2009 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Featured Articles arrow Featured Articles arrow Why do we have to struggle?