|
ኤርትራና ናይ መን? ንድሕሪት ተመሊስና፡ ንዝሓለፋ 15 ዓመታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ “ኤርትራና ንመን ሒዛ ንመን’ከ ገዲፋ? ሕጂ’ኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት ትርከብ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒልና ኣብ ንዝትየሉ ግዜ፡ መልሲ ናይዞም ሕቶታት፡ መጻኢ ዕድል ኤርትራና እንታይ ምዃኑ ዘአንፍት፡ ርእሱ ዝኸኣለ ስእሊ፡ ዘቕርብ እዩ።
ድሕሪ ዓመተ 1994 ክሳብ’ዛ ሎሚ ዕለት፡ እቶም ንዓመታት ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ክብሉ ኣብ በረኻታት ዝሰፈሩ ተጋደልቲ ናጽነት ኤርትራና፡ መብጽዓኦም ኣሓዲሶምን፡ እጅግኦም ሰብሲቦምን፡ ኤርትራና ናብ ጎደና ምዕባለ ኣብ ምሕምባባ ዝገበር ሃገራዊ ጻዕሪ፡ ሓላፍነት ከምዘለዎም ተረዲኦም፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ምህናጽ ህዝባውን ወትሃደራውን ትካላታ ብኣወንታ ንምስታፍ፡ ከርኢይዎ ዝጸንሑን ዘርእይዎ ዘለውን ቅርቡነትን ተበግሶን፡ ካብ ኩሉ ዝተኸወለ ኣይኮነን። ኤርትራና ግን በንጻሩ፡ ንውሑዳት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ፣ በጻብዕቲ ኢድ ዝቑጸሩ፣ ኪኖ ኣፍንጫኦም ኣርሒቖም ክጥምቱ ዘይክእሉ ውልቀ-ሰባት መሪጻ፡ ንሰናይ ተበግሶ ጀጋኑኣ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ክትነጽጎ ጸኒሓ። እወ፡ ብቐጻሊ ነጺላቶም፣ ኣደስኪላቶም፣ ኣሲራቶም፣ ናብ ዓዲ ሃገር’ውን ኣሳዲዳቶም። ኤርትራና ምርጫኣ በንጻር’ዚ ኔሩ እንተዝኽውንሲ፡ ስርዓተ-ምሕደራኣ ከምዚ ናይ ሎሚ’ዶ ምኾነ ኔሩ? መንእሰያት ኤርትራና፡ “ኣደየ ፍልጠት ኣቅስምኒ፡ ጥበብ ኣምህርኒ’ሞ፡ ንነብሰይ ኮይነ ድሓር ንቤተሰበይ ብዓቢኡ’ውን ንዓኺ ንኤረየ ከማዕብለኪ፡ ብግቡእ ከኣ ክሃንጸኪ!!!” ኢሎም ንኤርትራና ብቐጻሊ ተዳህዮማ። ክንዮ’ዚ እውን “ኣጆኺ ኤረየ ልኡላውነትኪ ክንከላኸለኪ ኢና! መሬታዊ ሓድነትኪ ድማ ከም ዝጸንዕ ክንግብር ኢና!” ኢሎም ተማባጺዖምላ ጥራይ ዘይከነስ፡ ብግብሪ’ውን ኣመስኪሮምላ። ኤርትራና ግን፡ ኣንጻር ድሌትን ውንታን መንእሰያታ፡ ቅድም ሞራል መምሃራኖም ደዊናቶ፡ ነታ እንኮ ምንጪ ምዕባለ ዝነበረት ዪኒቨርሲቲኦም ዓሺጋታ፡ ክንዮ’ዚ ውን ንዓመታት ንኽዕስከሩ ውሲናትሎም፡ ረሺናቶም፡ ከደምቲ ውሑዳት ጌራቶም፡ ደቂ-ኣንስትዮ መንእሰያት ክብረ-ንጽህናአን ንኽድፈራ ኣደሪኻተን፡ ብሓፈሻ ካብ ሃገር ወጺዮም ኣብ ዓዲ ሃገር ስደተኛታት ኮይኖም ንኽነብሩ’ውን ኣገዲዳቶም። ኤርትራና ነዞም ኮኾብ-ጽባሕ መንእሰያታ፡ ሓብሒባ፣ ኣንቂሓን ኣምሂራን ከም ዊንታኦምን በብኽእለቶምን፡ እጃሞም ከበርክቱ እንተ ተፍቅደሎም’ሲ፡ ኣብዚ ሕጂ ትርከቦ ደረጃ ምዕባለ ተዓጊታ’ዶ ምተረፈት? መራሕቲን መማህራንን ሃይማኖትና፡ ዜጋታት ብሞራላውን መንፈሳዊን ህይወት ንኽህነጹ፡ ኣብ ቤት-መስተን ምንዝርናን ንኸይውዕሉ ኣድላዩ ዘበለ ጻዕርታት ከካይዱ’ኳ እንተፈተኑ፡ ኤርትራና ግን ንኹሉ ጻዕርታቶም ዓንቂፋቶ፡ ብእኩብን ብውልቅን ሓይራቶምን ረሺናቶምን፡ ኣብ ኮንቴነራት ንዓመታት ዳጉናቶም፡ ማሕበሮምን ቤተ-መቅደሶምን ካብ ስራሕ ወጻኢ ጌራቶ…ወዘተ። ብተወሳኺ፡ ነቶም ሰሪሖም ዘስርሑን፡ ተጋዲሎም ዘጋድሉን ወለዲ ኤርትራና፡ ብፍላይ ድማ ኣዴታት፡ “ሃገረይ ስልማተይ!” እንዳበላ ምንጪ ተስፋን ሓቦን ኩሎም መንእሰያት ኮይነን ከብቕዓ፡ ኤርትራና ግን፡ ኣንጻር ናይ ገዛእ-ርእሳ ባህልን ክብርን፡ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ዳጉናቶም። እቶም ኣቀድም ኣቢሎም ብሰንኪ መግዛእቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ ዜጋታት፡ ገለ ካብኦም ኣካል ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ህዝባ ዝኾኑ፡ ኤርትራና፡ “ብኽእለት፣ ብፍልጠት ዋላ’ውን ብንዋት ኣብ ህንጸትኪ ተኻፈልቲ ክንከውን ውንታናን ሓላፍነትናን እዩ’ሞ፡ ፍቃድኪ እንተኾይኑስ፡ እጃምና ከነበርክት!” ኢሎም ሃገራዊ ተበግስኦም ኣበሲሮማ። ኤርትራና ግን፡ ኣብቲ መጀመሪያ “እንታዎት ኢኹም!” ኢላቶም። ጸኒሓ ድማ “ካባኹም ዘድልየኒ ወላሓንቲ ነገር የለን!” ኢላ ሰናይ ድሌቶምን ትምኒቶምን ቆጽያቶ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መሬታ መሬት ዓደ-ኣብኦም ንኸይረግጹ’ውን ከልኪላቶም። መርሓባ ኢላ እንተ ትቅበሎም ኔራስ፡ ቁጠባውን ምምሕዳራውን ሃለዋታ ከምዚ ናይ ሕጂ’ዶ ምኾነ ኔሩ? ነጋዶና፡ “ኤርትራና: ንግዳዊ ንጥፈታትኪ ማዕረ ዓለምኪ ክንሰርዖ ኢና!” ኢሎም ተበጊሶም። በዚ መሰረት ድማ፡ ንግዳዊ ዓቅምታታ ምስ ኣህጉራዊ ዕዳጋጋት ብዝዳረግ ደረጃ ንኽመጣጠን ጻዕርታቶም ከካይዱ ጀሚሮም። ኤርትራና ግን፡ ብግስ ከይበሉ ክትቅፍዶም ጀሚራ። ንግዳዊ ፍቓዶም ሰሪዛቶ። ሰሪሖም ዘጥረይዎ ንብረቶም ብዘይ ሕጊ ገቢታቶ። ዘጸይፉ ጸርፍን ዘልፋታትን ኣዝኒባትሎም። መብዛሕትኦም ድማ ሃገር ራሕሪሖም ንኽስደዱ ኣገዲዳቶም። ዝበዝሑ ካብኣቶም ሎሚ፡ ከምቲ ኤርትራና ዝሰመየቶም ዘይኮነስ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከም እኒ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣንጎላን፡ ኣካል ቁጠባዊ ህይወት እተን ሃገራት ኮይኖም ንረኽቦም። ነጋዶና፡ እዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝረኸብዎ ምቹእ ናይ ንግዲ ባይታ ኤርትራና እንተ ተቅርበሎም’ሲ፡ ኣብዚ ሕጂ እንዕዘቦ ዘሎና ቁጠባዊ ዓዘቅቲ ምወደቀት’ዶ? ኩሉ ዝፈልጦ፡ ኤርትራና ምሁራታ ገዲፋ ደቂ ርሒቕ ምብራቕ ህንዳውያን መሪጻ። ሽሕ እኳ ኤርትራና ንምሁራታ ተበለጽትን ስሱዓትን ዝብል ሽም ብምሃብ፣ ኩሉ እቲ ንሶም ብኣወንታ ከበርክትሉ ዝኽእሉ መገድታት ብምዕጻው፡ ንስደት ንኸምርሑ እንተ ደረኸቶም፡ ሎሚ መብዛሕትኦም ኣብ ስደት ቀንዲ መንኮርኮር ቁጠባ እተን ሃገራት ብምዃን፡ መማህራን፣ ኣማሓደርቲ፣ ኣካይድትን ኣማኸርትን ዓበይቲ ውጥናት፣ መጽናዕትታትን ዮኒቨርስታት ዓለምናን ኮይኖም ንረኽቦም። ክንሰግሮ ዘይንኽእልን ዘየማትእን ሓቂ እንተሃልዩ፡ መሰረታዊ ሃብቲ ሓንቲ ሃገር ዜጋታታ ምዃኖም እዮ። ኤርትራና ግን፡ ኣንጻር እዚ ሓቂ’ዚ ንውሑዳት መሪጻ፡ ንኻልኦት ዜጋታታ ድማ ወገን ክትብሎም ጸኒሓ። እምበኣርከስ፡ ኤርትራና ንኹሎም ዜጋታታ ብማዕረ ትውክል ሃገር ክትከውን ስለዘይከኣለት እዩ እዚ ሕጂ እንዕዘቦ ዘሎና ጠርዙ ዝሐለፎ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ኣብ ኣዳራሻታ ኣራጢጡ ዝርከብ። ብኸምዚ ኣገባብ ክትቕጽል ግን ፍጹም ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ምንታይ’ሲ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዕዘቦ ዘሎና ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሳዕቤኑ ንዜጋታታ ኣዝዩ ፈታኒ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህላዌኣ ከም ልኡላዊት ሃገር ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ስለዝኸእል። እቲ ኾይኑ’ቲ፡ ሽሕ እኳ ኤርትራና ንዜጋታታ ወገን ክትብሎም እንተጸንሓት፡ ኣደ ምዃና ስለ ዘይተርፋ ግን፡ ገለ ክፋል ናይ ዜጋታታ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ዘንጸላልዋ ዘሎ ሓደጋ ፍሉይ ግምት ብምሃብ፡ ሞራላውን ሃገራውን ሐላፍነቶም ምዃኑ ተረዲኦም፡ ብውልቂ፣ ኣብ ውሽጢ ዋላ’ውን ኣብ ስደት ኮይኖም፡ ኣብ ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ተጠርኒፎም ዓቅሞም ዘፈቕዶ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ይርከቡ። እዚ ቃልሲ’ዚ ኣብ መጠረሽታ ብዓወት ኤርትራና ክድምደም እንተኾይኑ ኸኣ፡ ሓሙሽተ ኣገደስቲ ረቛሒታት ኣብ ግምት ክኣትው ይግባእ፦ 1. እዚ ህዝባዊ ቃልሲ ክዕወት እንተኾይኑ፡ ናይ ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራና ተሳትፎን ተወፍይነትን ከም ዝሓትት ምግንዛብ የድሊ። 2. ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታዊ ዋላ’ውን ካልኦት ማሕበራዊ እምነታትን ኣተሓሳስባታትን ብዘየገድስ፡ እዚ ጉዳይ ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዝብጽሖ ምዃኑ ከሎ ጌና ክእመነሉ ይግባእ። 3. ኤርትራና ሰላም፣ ራህዋ፣ ቅሳነት፣ ፍትሒን ምዕብለን ክሰፍና እንተኾይኑ፡ ናይ ኩሎም ዜጋታታ ምዃናን፡ ኩሎም ዜጋታታ ድማ ኣብ ጉዳያ ብማዕረ ክውከሉ ከምዘለዎምን ክእመነሉ ይግባእ። 4. ኤርትራና ናይ ኩሎም ዜጋታታ ንኽትከውን ዝግበር ጻዕሪን ቃልስን ይጽንሓለይ ዝበሃሎ ጉዳይ ከምዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እዚ ጉዳይ ብቃልሲ ዝረጋገጽ ደኣ’ምበር፡ ድሕሪ ቃልሲ ክረጋገጽ ዝድለ ነገር ክኸውን የብሉን። 5. ኣብ ታሪኽናን ታሪኽ ካልኦት ህዝብታት ዓለምን ምርኩስ ብምግባር፡ ኤርትራና ናይ ኩሎም ዜጋታታ ንኽትከውን ኣብ ዝካይድ ቃልሲ፡ ተስፋ ዝኸልእ እንተዘይኮይኑ ተስፋ ዝህቡ ነገራት ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም ከነስተውዕል ይግባእ። ስለዚ፡ ብቀሊሉ ተስፋ ቆረጽትን ዘልሓጥሓጥ ብሃልትን ዘይኮነስ፡ ሓቦ፣ ጽንዓትን ትዕግስትን እቶም ብዝለዓለ ደረጃ ዝጥለቡ ኣገደስቲ ረቛሒታት ምዃኖም ምግንዛብ የድሊ። ኤርትራና ብወገና፡ ዝሓለፈ ስንኩፍ ኣካይዳ ተረዲኣ፡ ኩሎም ዜጋታታ ብማዕረ ኣብ ጉዳያን መጻኢ ዕድላን ክዘራረቡ፣ ብኣወንታ ክጽመዱ፣ እቲ ንኹሉ ዝውክል ዝሓሸ መገዲ ድማ ንኽቕይሱ ለበዋኣ ተቅርብ ኣላ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኤርትራና ካብ ዝኾነ ነላዕሊ ሎሚ ናይ ዜጋታታ ሓልዮትን ተውፋይነትን የድልያ ከምዘሎ ተረዲኣ ጻውዒታ ተቕርብ ኣላ። ጻውዒት ኤርትራና ዝሓሸን ኣድማዕን ውጽኢት ክህልዎ ዝኽእል ኸኣ፡ ኩሎም ዜጋታታ፡ ሕሉፍ ታሪኽ ከይጸብጸቡ፡ ተኻፈልቲ ሽግራ ናይ ሙዃን ሞራላውን ሃገራውን ሓላፍነቶም ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ጻውዒታ ከኽብሩ ምስዝብገሱ ጥርይ ይኸውን። ከምዚ ምስ ዝገብሩ፡ እቲ ሰላምን ራህዋን ዝረጋግጽሉ ዕለት ርሒቕ ኣይክኸወንን እዩ። |