Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

radio_main Bdho_Antsar_atahasasbana
Political goal and its importace to Eritrean struggle Print E-mail
Written by Yoel   
Monday, 22 January 2007

ፖለቲካዊ መትከልን ኣገዳስነቱ ኣብ ቃልሲ ኤርትራናን

ፖለቲካዊ መትከል ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተሰሊፉ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ንቓልስን መጻእን ኤርትራና እቲ ዝለዓለ እጃም እዩ ዘበርክት። ስለዚ፡ ብዛዕባ ርትዓውነትን ጽልዋን እቶም ብሰፊሑ ዝስርሓሎም ዘሎ ፖለቲካዊ ሓሳባት ርእሱ ዝኸኣለ ገምጋም ምግባር ሓጋዚ እምበር ዘኽፍእ ኣይኮነን።

ብዓንዲ ርእሱ፡ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ኩነታት ሓደ ሕብረተሰብ ክኽሰት ዝኽእል እንተደኣ ዝበዝሕ ክፋል እቲ ሕብረተሰብ ኣብ መስርሕ ለውጢ ክካፈል ክኢሉ እዩ። ንጡፍ ተሳትፎን ተወፋይነትን ህዝቢ ክረጋገጽ እንተኾይኑ ድማ ሓደ ጽኑዕ፣ ሓያል መሰረት ዘለዎ፣ ዘይንቕነቕ፣ ንሰፊሕ ኣካል እቲ ሕብረተሰብ ዝውክልን ንነዊሕ ዝጠመተን ፖለቲካዊ መትከል ክህነጽን ኣብቲ ሕብረተሰብ ኸኣ ክሰርጽን ይግባእ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኽ ኤርትራና እንተ ተዓዚብና ድማ፡ እዚ መሰረታዊ ስነ-ሓሳብ ብዝለዓለ ደረጃ ክበርሃልና ዝኽእል ኮይኑ ንረኽቦ።

ንኣብነት ኣብ መጀመርታ 1940ታት፡ ኣቦታት ኤርትራና ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓሳባት ተኸፋፊሎም ኔሮም እዮም። ገለ ኣንጻር ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኮይኖም ቅጽበታዊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝልምኑ፡ ገለ ኸኣ ንኢትዮጵያ ብምጽላእ ሞግዚትነት ሓያላት ሃገራት ዝሓቱ፡ ገለ ድማ ኣንጻር መግዛእቲ ኢጣልያን ኢትዮጵያን መርገጺ ብምሓዝ ኤርትራና ናጽነት ክወሃባ ይምሕጸኑ ኔሮም። ሽሕ እኳ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ምንባሮም ብኣወንታ ዝርአይ ጉዳይ እንተኾነ፡ ትሕዝቶም ግን ሓድነትን ተሳታፍነትን ህዝቢ ኤርትራና ንኸይረጋገጽ ጋሪዶም ሒዞሞ ነይሮም እዮም። እቲ ምንታይ’ሲ ብመሰረቱ እዞም ዝተጠቕሱ ዕላማታት ደጊምና እንተ ርኢናዮም፡ ኩሎም ተሳትፎን ተወፋይነትን ህዝቢ ዘደንፍዑ ወይ ህዝቢ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ንኽውስን ዘተባብዑን ሓላፍነት ዘሰክሙን ዘይኮኑስ፡ መንቐሊኦም ኣንጻር ሓደ ኣካል ኮይኑ ምድንጋጽ ናይ ሳልሳይ ኣካል ዝሓቱ እዮም ኔሮም። እዚ ኣገዳሲ ረቛሒ’ዚ ድማ ቃልሲ ኤርትራና ንኽናዋሕ እቲ ዝዓበየ እጃሙ ኣበርኪቱ እንተበልና ካብ ሓቂ ምርሓቅ ኣይከውንን።

ብመንጽር እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ዕላማታት ድማ፡ ሓደ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝፈለቐ  ፖለቲካዊ ሓሳባት ዘገም እንዳበለ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ስደራ-ቤት ኤርትራና ሰሪጹስ፡ ኣብ 1993፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ ባዕሉ ንኸረጋግጽ ኣኽኢልዎ እዩ። እዚ ሓሳብ’ዚ ካብ ኣቦና ሸኽ ዓብደልቓድር ከቢረ፡ ኣብቲ ግዜቲ ዝተቐልቀለ እዩ። መሪሕ ትሕዝትኡ ኣንጻር ዝኾነ ኣካል ከምዝተበገሰ ዘንጸባርቅ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ፤ ኤርትራና መሰረታዊ መሰል ርእሰ-ውሳኔኣን መጻኢ ዕድላን ባዕላ ክትውስን፡ ምልማን ወይ ለበዋ ምሕንፍ ዘይኮነስ፡ ብቃልሲ ኤርትራናን ህዝባን ንኽረጋገጽ ዝጽዕድ፣ ንነፍስ-ወከፍ ዜጋ ድማ ጻውዒት ዘቅርብን ሓላፍነት ዘሰክምን እዩ ዝነበረ። ብተወሳኺ እቲ ሓሳብ፡ ነዚ መሰል’ዚ ክሳብ ሞት’ውን እንተኾነ ኣጥቢቕካ ምክልኻል ዝብል’ዩ ኔሩ። ኣቦና ሸኽ ከቢረ “ካብ ሽሕ ዓመት ብውርደት፡ ሓንቲ ዓመት ብኽብረት ምንባር ይበልጽ” ብምባል ሓሳባቶም ይድምድሙ። 

ፖለቲካዊ ሓሳባት ሸኽ ከቢረ፡ እቲ ቀንዲ መንኮርኮር ቃልሲ ኤርትራና ንሓድነትን መሰል ርእሰ-ውሳኔን ምዃኑ ኣብቲ ሽዑ እዋን’ውን ከይተረፈ ብብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ተገሊጹ ኔሩ እዩ። ኣብነት ክንጠቅስ፡ ኣብ 1949፡ ድሕሪ ክቡርነት መስዋእቲ ኣቦና ሸኽ ከቢረ፡ ኣቦና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት፡ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ዘለዎ ዘረባ ኣስሚዖም ኔሮም።

ናይ ሰብ ዕላማን ሓሳብን ቅኑዕን ጽቡቕን እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ከቶ ክቕተል ዘይክል እዩ። ሓሳብ ሰብ ኣኽናፍ ኣለዎ፡ ቀላጽም ከኣ ኣሎዎ’ሞ ባዕሉ ኪቃለስን ኪስዕርን ዚኽእል ኢዩ። ሸኽ ኣብደልቓድር ከቢረ…እቲ ሓሳቦምን ዕላምኦምን ንዓና ሓዲጎምልና ሓሊፍም ኣሎው። ንሕና ድማ ኣብቲ ዕውት መፈጸምታኡ ከነብጽሖ ዚግበኣና እዩ።

ትሕዝቶ መደረ ኣቦና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ከም ዝሕብሮ እንምበኣር፡ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ሸኽ ከቢረ፡ ጽኑዕ፣ ሓያል መሰረት ዘሎዎ፣ ንነዊሕ ዝጠመተን ተሳትፎን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘደንፍዕን ከም ዝኾነ ዘማትእ ኣይኮነን። ብሓቂ’ውን እንተኾነ፡ እዚ ፖለቲካዊ መትከል’ዚ፡ ዋላ’ዃ ኣብቲ ግዜ’ቲ ቅልጡፍ ተቀባልነት ክረክብ እንተ ዘይከኣለ፡ ፈኸም እንዳበለ ግን ንመላእ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ቃልሲ ኤርትራና ሞተረ ኾይኑ ኣኺድዎስ፡ ኣብ 1993 ድማ ኣብ መደምደምታኡ ኣብጺሕዎ እዩ።

ኮይኑ ግን ድሕሪ ዓመተ 1993 ንዝሰዓበ ወለዶ ኤርትራና፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓቀኛ ታሪኽና ምሉእ ብምሉእ ዝተጠምዘዘ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ክንገሮ እዩ ጸኒሑ እንተተባህለ ነቲ ሓቂ ምግሃድ ጥራይ እዩ ዝኸውን። ንኣብነት፡ ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ ኣብ 1994 ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ንደሓር፡ ኣብ ክንዲ ሓድሽ፣ ጽኑዕ፣ ንኹሉ ዜጋ ዝውክልን ንነዊሕ ዝጠመተን ፖሊቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣፍሊቑ ትምህርታዊን ንምዕባለ ዝጠመተን ጎስጋሳት ከካይድ ዝህቅን፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት እናተጠቀመ፡ 65 ሽሕ ስውኣት ከፊሉ ናጽነት ከምዘውሃበና’ሞ፡ ንሕና ድማ ዝበለና ንኽንገብር፡ እሺ ጎይታይ በሃልቲ ንኽንከውን፡ ፕሮፓጋንዳዊ ጎስጓሳት ኣብ ምክያድ እዩ ግዚኡ ኣሕሊፍዎ።

ግደ ሓቂ ክዝረብ እንተኾይኑ፡ ስውኣትና ዕላማ ኣቦታት ኤርትራና ከዓውቱ ኣሰር ስዒቦም ፍትሓዊ ናይ መሰል ቃልሲ ዘካይዱ ክነሶም፡ ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ ግን፡ ያኣዪ ስውኣትና ጥረ ገንዘብ ኮይኖም’ሲ፡ ካብ ጅባኡ ኣውጽኡ ጫሕ ጨርባሕ ኣቢሉ ዝኸፈሎም ከምዝኾነ’ዩ ከእምነና ዝፍትን። እቲ ኮይኑ’ቲ ግን ኣተሓሳስባና ብኸምዚ ኣገባብ ኣይተጸልወን ክንብል ኣንኽእልን። እቲ ምንታይ’ሲ ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ ናጽነት ዘምጻልና ኮይኑ ስለ ዝተረድኣና፡ ኣብ ዝወሰኖ ሃገራዊ ውሳኔታት ዓሽ እንዳበልካ ምጥቓዕ፤ ዝተሓተትካዮ ዓቀን ገንዘብ፣ ጉልበት፣ ንብረት ዋላ’ውን ህይወት ብዘይ ገለ ሕቶ ምቕራብ ዕለታዊ ንጥፈታትና ኮይኑስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝምድናና ምስ ስርዓተ-ምምሕዳር ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ ከም መንግስትን ህዝብን ዘይኮነስ፡ ከም ጎይታን ጊላን ኮይኑ ንረኽቦ።

ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ንባዕሉ ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ’ውን ጽኑዕን ሓያል መሰረት ዘለዎን ፖለቲካዊ መትከል የብሉን። እቲ ዝርካቡ ሓሳባት መንቐሊኡ ኣንጻር ናይ ጎረብበቲ ሃገራት ወይ ማሕበረሰብ ዓለም እዩ። ብሓጽር ዝብል ኣዘራርባ “ብሰንኪ እከለ” ዘስምዕ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝተዓብለለ እዩ። በንጻር’ዚ ድማ፡ ኣብ ደንበ ተቛውሞ ኤርትራና ዘሎ ፖለቲካዊ ሓሳባት እንተርኢና፡ ማዕረ ምዕሪኡ ዘሰክፍ ኮይኑ ንረኽቦ።

ገለ ዘካትዑ ሓሳባት ከምእኒ ቀያሕ ባንዴራ ዋላስ ቀጠልያ፣ 1997 ቕዋም ዋላስ ካልእ፣ ዕልመናዊ ዋላስ ሃይማኖታዊ መንግስቲ፣ ምእኩል ዋላስ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ጎነጻዊ ዋላስ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ፣ ጽገና ዋላስ ሱር-ነቀል፣ ንኢትዮጵያ ምእታው ዋላስ ዘይምእታው፡ ከም ነጥቢ ኣልዒልካ ክትዘራረበሎም ኣገደሲ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዘሎ ህልው ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታትና ግን ቀዳምነት ሰሪዕና ክንዝትየሎም ዘፍቕደልና ኣይኮነን። ከምቲ “መርዓት ከይሓዛስ ዓርኪ መርዓዊ ይቆጽራ” ዝብሃል ከይኮነና እንተጸንሓልና ይሓይሽ። ምስ መበገሲ ናይ’ዚ ጽሑፍ ኣተሓሒዝና ግን፡ ብዛዕባ እቶም ቀንዲ ቀስቀስቲ ቃልሲ ኤርትራና ኮይኖም ዝርከቡ ዓብለልቲ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ዓቅምና ዝፈቅዶ ገምጋም ክንገብር ንኽእል ኢና። ነዞም ኣተሓሳስብታት ዕሙቕ ኢልና ክንርኦም እንተኽኢልና፡ እቲ ብመልክዕ ሕጋጋት ዝቐርብ ሓሳባት ብዘይገድስ፡ ብሓፈሻኡ ነዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ነጥብታት የጠቃልል።       

1. ህዝቢ ኤርትራ ተሸጊሩን ፍትሒ ስኢኑን ኣሎ’ሞ፡ ኣብ ክንዲ ህዝብና ድምጽና ነስምዕ ኣለና።
2. ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ጨቑኑ ስለ ዝሓዞ፡ ኣንጻሩ ንቃለስ ኣለና።
3. ሃገር ትጠፍእ ስለ ዘላ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ከፊኡዎ ስለ ዘሎ፡ ንምድሓኑ ንቓለስ ኣለና።

ብሓፈሻ ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሓሳባት፡ ዋላ’ኳ እቲ ጎሊሒ ዝርአ ትሕዝታኦም ሓቅነት ዘለዎን ንኽትክተሎም’ውን ሰናይን ሰብኣውን ተግባራት እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጦም ግን ካልእ ብግልጺ ዘይተባህሉ፡ እሞ’ኸኣ ጎሊሖም ዝርኣዩ፡ ንቃልሲ ኤርትራና ከዳኽሙ ዝኽእሉ ክልተ መልእኽትታት ዘብጽሑ ኮይኖም ንረኽቦም።

ቀዳማይ፡ ኣብ ሰለስቲኦም ሓሳባት እቲ መሰረታዊ መንቐሊ ቃልሲ ኤርትራና ኣብ ሓደጋ ንዝወደቐ መሰል ወይ መሰላት ንምምላስ ወይ ንምጭባጥ ዘይኮነስ፡ ሽግር ህዝቢ ወይ ኣንጻር ግዕዙይ ስርዓተ-ምምሕዳር ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ኸኣ ምስቲ ናይ መጀመርታ 1940ታት ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባት ኣቦታት ኤርትራና ተመሳሳሊ ይገብሮ፤ ምስ መሰረታዊ ሓሳባት ኣቦና ሸኽ ከቢረ ድማ ፍጹም ዘይሳነ ኮይኑ ንረኽቦ።

ብተወሳኺ፡ እሞ’ኸኣ እቲ ዛጊት ግምት ዘይተዋህቦ ዝመስል ሓደገኛ መልክዑ፡ “ኣብ ክንዲ ህዝብና ድምጽና ነስምዕ ኣለና” ክንብል ኮለና፡ ልክዕ ከምቲ ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ “65 ሽሕ ስውኣት ከፊልና ናጽነት ኣምጺናልኩም” ዝበለና፡ “እስኻ አታ ህዝቢ ትሽገር ስለ ዘለኻ ወይ ተጮቂንካ ስለ ዘለኻ፡ ንሕና ንቃለሰልካ ኣለና” ዘስምዕ ኮይኑ ንረኽቦ። ወረ እቲ ሳልሳይ ሓሳባት’ሲ ዳርጋ ከም ራምቦ (Rambo) ወይ ከም ክርስቶስ ከነድሕነካ ንቃለስ ኣለና ዝብል እዩ ዘስምዕ። እዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ድማ ህዝቢ ኣብ ሓደ ጥሙርን ንኹሉ ዝውክልን ሓሳባት ብሓድነት ተጠርኒፉ መሰላቱን ክብሩን ንኽከላኸል ዘተባብዕ ወይ ሓላፍነቱ ዘዘኻኽር ዘይኮነስ፡ ንነብሱ ቅቃለስ ዘይክእል ባእታ ኮይኑ ንኽስምዖ እዩ ዝድርኽ። ስለዚ፡ ቃልሲ ኤርትራና ተሳታፍነትን ተወፋይነትን ናይ ዜጋታት ክንፈጎ ናይ ግድን ይኸውንን፡ ዝኾነ ዝሓሸ ለውጢ ኣብ ኩነታት ኤርትራና ናይ ምርኣይ ዕድልና ድማ ንኽናዋሕ ይድረኽ።

ካልኣይ፡ ብሓፈሻ እዞም ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት እቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ፡ እሞ ኸኣ ኣብ ቃልሲ ዘለው ዜጋታት፡ ዝኾነ ናይ መሰል ጸገም ከምዘይብሎም እዩም ዝእምቱ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቶም ዝቃለሱ ዘለው ዜጋታት መሰሎም ስለ ዝተጋህሰ ዘይኮነስ፡ ሽግርን ሕሰምን ኣብ ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ስለ ዘሻቀሎም ንሰናይ ስነ-ምግባር ጥራይ ኢሎም ዝቃለሱ ዘለው እዩ ዘምስል። እዚ ግን ርትዓዊ ድዩ? ኣብ ስደት፡ ወይ ኣብ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ዘለዎ ሃገር ትነብር ስለ ዘለኻስ ዝኾነ ምስ ጉዳይ ኤርትራና ዘተሓሕዝ ክትቃለሰሉ ዝግባእ ናይ መሰል ሕቶ የብልካን ማለት ድዩ? ምስ’ዚ ጉዳይ ብምትሓሓዝ ገለ ኣርባዕተ ዝኾኑ ናይ መሰል ሕቶታት ክንጠቅስ ንኽእል። ተወሰኽቲ ካልኦት’ውን ክህልው ይኽእሉ።

1. እስኻ፡ ሰላምካን ጸጥታዊ ውሕስነት ህይወትካን ተኸቢሩ ኣብ ገዛእ ዓድዃ ናይ ምንባር መሰልካ ኣብ ሓደጋ ስለ ዝወደቀ፡ ባህላዊ ልምድታትካን መንነትካን ኣጥፊእካ፡ ኣብ ስደት ካልኣይ ዜጋ ኼንካ ንኽትነብር ተገዲድካ ትርከብ፤
2. እስኻ፡ ብዘይገድስ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ኤትኒካዊ መቦቖልካን ሃይማኖታዊ እምነትካን፡ ከም ሓደ ክብሪ ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዝኾነ ግዜ ብዘይዝኾነ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ናብ ሃገርካ ናይ ምእታውን ካብ ሃገርካ ናይ ምውጻእን መሰልካ ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ይርከብ፤
3. ዝኾነ ዜጋ ንሃገሩን ህዝቡን ናይ ምግልጋል ውንታን ሓላፍነትን ኣለዎ። እስኻ ግን፡ ኣብ ሃገርካ ምስ ቤተሰብካን ህዝብኻን እንዳነበርካ፡ ንሃገርካ ርትዓውን ኣድማዕን ብዝኾነ ኣገባብ ዓቕምኻ ዝፈቕዶ ናይ ምብርካት ውንታኻን ሞራላዊ ሓላፍነትካን ከተተግብር ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ትርከብ።
4. ዝኾነ ዜጋ ኣብዝሃለወ ቦታ ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ንሃገሩ ዝምልከት ጉዳይ፡ ማዕረ ብርኪ ሃሊዎ ብንጥፈት ናይ ምስታፍ ውንታን ሓላፍነትን ኣለዎ። እስኻ ግን፡ ውንታኻ ናይ ምፍጻምን ሓላፍነትካ ናይ ምውጻእን ተኽእሎታትካ ተዓጊቱስ፡ ልኡላውነት ሃገርካ ብዲፕሎማሲያዊ ዱዩስ ብሕጋዊ መዳይ ናይ ምዕቃብ መሰልካ ተጋሂሱ ይርከብ።  

ኣብ ውሽጢ ሃገር’ውን ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዝርከቡ ፍልይ ዝበሉን ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝርከቡን መሰላት ከይሃለው ኣይተርፉን። ብዝኾነ ግን፡ እቲ ክበርህ ዝድለ ዘሎ ህሉውን ዓብላልን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና ዋላ ሓደ ዝብላዕ ፍረ የብሉን ንምባል ዘይኮነስ፡ ከመይ ጌርና ካብዚ ዘለና ናይ ኣተሓሳስባ ደረጃ ናብቲ ዝለዓለ  ክነብጽሓሉ ዘኽእለና ገለ ንእሽቶ ሓሳባት ንምውፋይ እዩ። ማንም ዘይክሕዶ ህሉው ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኤርትራና፡ እቲ ዝድለ እኳ ክንብል ዘይንኽእል እንተኾንና፡ ዓቕሙ ብዘፈቕዶ ኣወንታዊ እጃም ከበርክት ጸኒሑ እዩ። የግዳስ እቲ ኣብዚ ከነስምረሉ ዝድለ ዘሎ ሓሳባት፡ ልክዕ ከም ናይ ኣቦና ሸኽ ከቢረ፡ ሓደ ከም መንኮርኮር ናይ ቃልሲ ኤርትራና ኮይኑ ዘገልግለናን ንኣብ ውሽጥን ስደትን ዝርከብ ዜጋ ብማዕረ ዝውክልን፡ መሰረታዊ መንቐሊኡ ኣንጻር ዝኾነ ኣካል ዘይኮነስ፡ ንምዕባለን ምሉእ መሰል ኤርትራናን ዝዓለመ፣ ድልዱል መሰረት ዘለዎ፣ ሓድነትና ዘሓይል፣ ንነዊሕ ዝጠመተ፣ ተሳታፍነትን ተወፋይነትን ዜጋታት ዘደንፍዕ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሓሳባት ወይ መትከል ምህናጽ ማዕረ ኽንድይ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ።

ቅሬታኻ ኣስሚዕካ ዝሓሸ መፍትሒ ኢልካ ዝኣመንካሉ ሓሳባት ከይወፈኻ ምኻድ ግን ግቡእ ወይ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ስለዚ ሓደ ንኹልና ጠሚሩ ከኺደና ይኽእል ይኸውን ኢለ ዝሓሰብኩዎ፡ ካብ ዓዕሩኽን መሓዙትን ዝተረኽበ ሓሳባት በዚ ኣጋጣሚ ነምባቢ ከካፍሎ ደስ ይብለኒ። እሱ ኸኣ፦

ኤርትራና፡ ናይ ኩሎም ዜጋታታ ኮይና፡ ኩሎም ዜጋታታ ድማ ኣብ ጉዳያ ብማዕረ ሰብ-ብርኪ ክኾኑን ንሓድ-ሕዶም’ውን ብኽብሪ ዝተሓባሐቡ፡ ንማዕባለ ዝዓለመት፡ ምስ ጎረባብታን ማሕበረሰብ ዓለምን ብሰላምን ምርድዳእን እትነብር፡ ልዑላውነታን መሬታዊ ሓድነታን ድማ ጽኑዕን ዝተኸብረን ክኸውን።
 
እቲ መሰረታዊ ሓሳብ፡ እዚ ዝዓይነቱ ፖለቲካዊ መትከል ኣብ ኤርትራና ህያው ክሳብ ዘይኮነ፡ ቃልሲ ኤርትራና ዘየቐርጽ ምዃኑን ነፍስ-ውከፍ ዜጋ ድማ ነዚ ዕላማ’ዚ ክውን ኣብ ምግባር ሓላፍነት ከም ዘለዎ ብሩህ ንምግባር እዩ። እዚ መጀመሪ ናይ ውሁድን ክፉትን ሃገራዊ ክትዕ ኣብ መንጎ ኤርትራዉያን ውልቀ-ሰባት፣ ማሕበራትናን ፖለቲካውያን ውድባትን ክኸውን ተስፋ እገብር። ብፍላይ ድማ ንመራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባትና ኣብቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት 2007 ክካይድ ተወጢኑ ዘሎ ጉባኤ ኪዳን፡ ግዜ እንተረኺቦም’ሲ፡ ኣብቲ መስርሕ ከቕርብዎ ብትሕትና ይላቦ።

Last Updated ( Saturday, 07 July 2007 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Featured Articles arrow Featured Articles arrow Political goal and its importace to Eritrean struggle