|
|
What went wrong with us? (Tigrigna only) |
|
|
|
Written by Estifanos Mengisteab
|
|
Thursday, 26 October 2006 |
|
ህዝቢ ኤረትራ አበይ ኢዩ እቲ ጉደለትና ? ምጅማር ቃልሲ ካብ 1961 ክሳብ 1991 ን30 ዓመታት ብዙሐት አሽሓት በራዉር አሕዋትን አሐትን ኣብ ፈቆዶ ጎቦታትን ስንጩሮታትን ጎላጉልን ደሞም ዛሪዩ ኣእማን ተጸቂጦም፣ ነፍስወከፍና ካብ ስድራቤትና፣መዓብይቲና፣መማህርቲና፣ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን በጃ ሐሊፎም ፡፡ አየ ! ውሕልነት አየ ! ጅግንነት፣ ( ንሕና ብደምና፣ ብደምና ምስ ሐፋሽ ህዝብና ) አናበሉ ብመስዋእቲ ለይለይ ዝብሉን ዝብላን መንእሰያት ብቦምብ ኢድ ታንክታት ተማሪኸን ካልእ በብዓይነቱ ብረት ተሰሊቡ ፣ብስልቲን፣ ብዓቕሚን፣ ሐያል ሰዉራ ኮይኑ ተገቲሩ ጠጠው በለ። ካብ አብዓለም ዝተረስዔ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰውራ ፣ንጸላኢ ብብረቱ ሲዒሩ ሐዲሽ ምዕራፍ ቅያ ጅግንነት ኣብ ዓለም አመስከረ።
እቲ ዝጎደለ እንታይ ኢዩ፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ናይ ሐንቲ ዩኒቨርስቲ ሐላፊ ፕሮፈሶር….ብናይ ኤርትራውያን ውሕልነት ኩናት ተገሪመ፡ መን ኢዩ እዚ ሀዝቢ’ዚ ንክዕዘብ ብ1994 ዓ.ም ናብ ኤርትራ በጺሐ። መላእ ሃገር ቖላን ከበሳን ዘይረዮ ጽቡቕ ሃገር ሑጉስ ህዝቢ ምኳኑ ተዓዚበ ይብል፡፡ አብ አተሐሕዛ ፖለቲካ ምስ ምሁራትን መስተውዓልትን ኦዕሊለ ፡ ቡዙሐት ዳረጋ ተማሳሳሊ ስክፍታ ስልጣን ኣብ ሐደ ሰብ እናተደራረበ ከምዝኸይድ ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ አብ ሜዳ መራሒ ኮይኑ ንነዊሕ ዝጸንሔ፡ ቡዙሐት ተቓለሰቲ ይዋዳደሩኒ እዮም ዝብሎም አሐቂቑ ብሐደስሰቲ ምትካእ ባህርያት ዘለዎ ፡ ቡዙሐት ዓበይቲ መድረኻት ምስተሰጋገረ ሰባት ከምጨርቂ ክለዋውጥ ዘየሰክፎ መራሒ ኢዩ ዘለዋ እዛሃገር። ወትሀደራዊ ግዝአት አታአታቲዉ ከይረግጻ ዘተሐሳስብ ኢዩ ዝብሉ ሐያሎ ሰባት ረኺበ ይብል። አጋጣሚ ኮይኑ አብ ሐደ ሆቴል አኸባ አሎ ሰሚዔ ኽዕዘብ ምስ ከድኩ ፕረሲደንት መጺኡ ምሰተባህለ ፡ ኩሉሰብ ተንሲኡ ብጣቓዒትን ዕልልታን ክሳብ ኮፍ ዝብል አሰነይዎ። መደረ አስሚዑ ምስወድኤ ንሕቶታት ዕድል ሃበ’ሞ ፡ መረቕትን፣ ወደስትን ኮኑ። ወራቓቅቱ አኪቡ ብድድ ምሰበለ ኩሉ ተንሲኡ እናተንጨብጨብሉ ወጺኡ ከደ። አነ ከበድቲ ሕቶታት ክወርዱ’ሞ ከመይ’ሉ ክምልሳም ክሰምዕ ዝነበረ ትጽቢትይ መኪኑ። ሃገር ከም ሃገር ዘብሎ ኩሉቅጥዕታቱ ምስ ዝማላእ ኢዩ። ኩሉ ነገር ከኣ ከብ መጀመሬያ ኢኻ ትጅምሮ አቲ ዝጅምር ግን አንዳዕዲዑ ጀሚሩ አሎ ፡ ኢሉ ንዝመጽእ እዋን አመተልና፡፡ አሞ ንሕናስ ሕግና ክሳብ ንነድፍ ስርዓተ ሕጊ አታአታቲና ክሳብ ንብገስ ንጸጥታ ተባሂሉ ዝስራሐሉ ድአ’ንበር አዚ ውድብ ንሃገር ዝሐሊ አብ ዝዓለ ምዕባሌ ከብጽሐና ምኻኑ ኢና አንአምን ምስበልናዮ ፡ ድኸነት አታሐሳስባና ተረዲኡ ፍሽኽ በለ፡ ቀጺሉ ንሱ እኮ ኢዩ እቲ ጌጋ። ከመይሲ ንሱ አንተደልዩ ኢዩ እንበር እንተዘይደልዩስ ነቲግዜ ንረብሑኡ ክጥቀመሉ ዓብዪ ተኽኡሎ አለዎ። ድምጺ ህዝቢ መታን ከስማዕ፡ ድግ ዝበለ ተቓዉሞታት የድሊ፡ ፡ሞትን ምእሳርን ባህሪያት ኢዩ። ብሐባር ምምጓት ዉሑዳት ተሃሲዮም ኩሉ ይድሕን ፣ ስቅ መስትመርጽ ግን በብሐደ ትሃልቕ። እንተ ኣይትበሉ፡ አብ ኩዉንነት እመኑ ፡ ሐይሊ ናይ ህዝቢ ክኸዉን ብድሆ በሉ ተባሃልና። ኣየ’ወ ! ኣካለስንኩላት ሐርነት ሰላማዊ ሰልፊ ጌርኩም ተባሂሎም ክምልዓሱ ከለዉ፡ ሰራዊትን ህዝብን ብርቱዕ ሰላማዊ ሰልፊ ጌርና አንተ ንኸዉን ቀልጢፍና ስርዓተ ሕጊ ከነተኣታቱ ተኽእሎ ነሩና፡ ስቕ ስለ ዝመረጽና ግን ፡ እንሆ ኣብ አዓዲአበይቶ፣ኣብ ኣፈፈት ገዛና ሕፃናት ደቅና ኣብ ጋህሲ ደርቢዮሞም ፡ ተናዒቕና ከም’ቲ ህዝቢ ኖርወይ ናጽነቶም ምስረኸቡ ዘይኮኑስ ስርዐዓተሕጊ ኣታኣታቲዎም ብኡ መሰረት ህዝባዊ መንግስቲ ተኺሎም ባዓል ናጽነትና ሎሚ ኢዩ ዝበሉ ፡ ከምኦም ኣይተዓደልናን ተአኪብና ሳዕሲዕና ተኪብና ንነብዕ አለና።ተማሂርናሉ ግን እንሆ ኣብ ደቡበ አፍሪቓ ዝጀመረት ባና ዋሽነከቶንዲሲ ተወሊዓ አብ ኤርትራ ክትባራዕ ነዊሕ አያኮነን ፡ ህዝቢ ኤርትራ አይትመልብስ አሎኹ በል። ዓወት ንሐድነትና ወድቀት ንጠላማት። ኢስጢፋኖስ መንግስትኣብ ጀርመን።
|
|
Last Updated ( Saturday, 17 February 2007 )
|
|
|
Voice of Meselna Delina |
-
VoMD September 05, 2008 Broadcast
Voice of Meselna Delina September 05, 2008 
-
VoMD September 01, 2008 Broadcast
Voice of Meselna Delina September 01, 2008 
-
VoMD August 29, 2008 Broadcast
Voice of Meselna Delina August 29, 2008 
-
VoMD August 25, 2008 Broadcast
Voice of Meselna Delina August 25, 2008 
-
VoMD August 22, 2008 Broadcast
Voice of Meselna Delina August 22, 2008 
|
|