Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

radio_main Bdho_Antsar_atahasasbana
Press Release: Festival Eritrea in South Africa Print E-mail
Written by emdhr   
Sunday, 08 October 2006

 04 ጥቅምቲ 2006

ዕላማ እዚ መልእኽቲ’ዚ: መርገጺ ኤ.ምዲ.ሰ.መ. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 6-7 ጥቅምቲ 2006 ንኽካየድ ዝሕለን ዘሎ ፌስቲቫል ንጹር ንምግባር እዩ። ቡዙሓት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቕመጡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሕቶታት ንኤ.ምዲ.ሰ.መ ከቅርብሉ ጸኒሖም። እንሆ ሕጂ በዚ ዝስዕብ መገዲ ኣቢልና ወግዓዊ መግለጺና ከነብርህ ንፈቱ።

ንሕና፡ መጀመርታ ክብረት ኣብ ሃገርና ክረጋገጽ፡ ስብአውነትና ቅድሚ ባህልና ክስራዕ፡ ህዝቢ መጀመርታ ደሓር ድማ ባህሉን ታሪኹን ክረጋገጽ፡ ኣብ ሃገሩ ብመንግስቱ ዝተዋረደ ህዝቢ ኣብ ስደት ክብሩ ክዋሃቦ ዘይሕሰብ ምኻኑ ንአምን።

እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተሓሊኑ ዝርከብ ፈስቲቫል ብመገዲ ኤምባሲ ኤርትራ ዝተጸውዓ ኮይኑ፡ ናይ ምድላው መስርሕ’ውን ምሉእ ብምሉእ ብኤምባሲ ዝተማእከለ ምዃኑ እኹል ኣፍልጦ ኣለና።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝተዘርገሓ ወረቀት ከምዝሕብሮ እቲ ተወጢኑ ዝርከብ ፌስቲቫል ኣብ ትሕቲ “1.2.3…ኤርትራ” ዝብል ቴማ ክካየድ ዝሕሰብ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ከም ዝተገልጸ ድማ ዕላማኡ (1) ኤርትራዊ ባህልን መንነትን ምድንፋዕ፡ (2) ኤርትራዊ ክብርን ሓድነትን ምሕያል ዝብል ምዃኑ ኣስተውዒልናሉ።


ከምኡ’ውን ምምስራት ዝተፈላለዩ፡ ማሕበራት ንግዲ፡ ሞያውያን፡ ደቂ-አንስትዮን ይብል!

ሀ. ስለምንታይ ነጋዶ “ስሱዓት” ተባሂሎም ካብ ሃገሮም ብውርደት ተሰጊጎም ማሕበሮም ፈሪሱ?
ለ. ስለምንታይ ኤርትራውያን ሞያውያን ክብሮም ተጋሂሱ፡ ማሕበራቶም ፈሪሱ?
ሐ. ምንታይ ጉበአን ዝፈጸማ ሓርበኛታት ደቂ-አንስትዮ ኤርትራ አብ ክንዲ ክብረት አብ ሃገረን ንስደት ሃጽ ይብላ አለዋ?
መ. ስለምንታይ ውርደት አብ ሃገርና፡ ክብረት አብ ስደት?
ሰ. ስለምንታይ ዲና ኩላትና ተሰዲድና፡ መን እዩ ኣብ ሃገርና ብክብረት ከይንነብር ገይሩና?
ረ. ኣይናይ ክብረት ዳኣዩ ሎሚ “ክንዕቅቦ” ዝባሃለና?
 
ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ኣሎ። ደቂሰብ እቶም ብፈጣሪ ዝተዓደሉዎም መባእታውያን መሰላት፡ ከም መሰል ሓርነትን ሰብኣዊ ክብርን፡ ብናጻ ክጥቐሙሎም እንተዘይኪኢሎም፡ ሓቀኛ ባህሎምን መንነቶምን ከንጸባርቑ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ሃገርና ዘሎ ሓቂ ግን፡ ምግሃስ መሰረታዊ ሓርነት እምብዛ በዚሑስ፡ ዜጋታት ግዳያት ማእሰርቲ፣ ሃለዋት ምጥፋእ፡ ስደትን ከልበትበትን ኮይኖም፡፡ ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ወነንቲ መጻኢ ህይወቶም ናይ ምዃን መሰሎም ተሓሪምዎም ይርከቡ። ንሕና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንርከብ መንእሰያት’ውን፡ ሃገርና ስለ ዝጸላእና፣ ቤተሰብና ስለ ዘሰልከዩና፣ ስደት ስለ ዝናፈቅና ወይ’ውን ስደት ስለ ዘፍቀርና ዘይኮነስ፡ ግዳያት ናይ ኩሉ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣደራዕ ስለ ዝኾንና ሎሚ ኣብ ዓዲ ጓና ተዓቑብና ንርከብ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ኤርትራዊ ዜጋ፡ እቲ ሓቀኛ ኤርትራዊ ባህልን መንነትን ከንጸባርቕ ይኽእል እዮ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራይ እዩ። ስለዚ፡ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ናይ ታሪኽና፡ ንጉዳይ ምግሃስ መሰረታዊ ናጽነትናን ክብርናን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቅና፡ ብሰላም ኣብ ሃገርና ናይ ምንባር መሰልና ዕሽሽ ብምባል፡ ፌስቲቫልን ፈንጠዝያን ጌርና ኤርትራዊ ባህልን መንነትን ከነደንፍዕ ምህቓን ፍጹም ምኽኑይ ኣይኮነን።

ምኽባር ሰብኣዊ ሓርነት፣ ክብሪ ወዲ-ሰብን ፍትሕን እቶም ቀንዲ መለለዩ ክብርታት ኤርትራውነት እዮም። ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራና ግን፡ ብዙሓት ዜጋታት ንሓንቲ መዓልቲ’ኳ ኣብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ኣብ ቤት ማእሰርትን ኮንቴነራትን ይሳቀዩ ኣሎው። እዚ ኸኣ ምግሃስ ሰብኣዊ ሓርነቶምን ኣብ ናጻን ርትዓውን ቤት ፍርዲ ናይ ምቕራብ መሰሎምን ኮይኑ ንረኽቦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዓቢኡ’ውን ቅሉዕ ምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ክብርታት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ቅድሜና ደው ኢሉ እንዳሃለወ፡ ፌስቲቫልን ዳንኬራን ጌርካ ክብርታት ናይ ኤርትራዊ ዜጋ ክትዕቕብን ከተሐይልን ምፍታን ፍጹም ቅቡል ኣይኮነን።

ከም ዝዝከር፡ ብዕለት 28 መስከረም 2006 ሓያለ ካብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንቕመጥ ኤርትራውያን ኣብ ልዳት ኤምባሲ ኤርትራ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይድና ኔርና። ካብቶም ዘቅረብናዮም ጠለባት ድማ፡ ሓደ፡ ኣብ ሃገርና ኩሎም እቶም ብዘይ ፍትሒ ተኣሶሮም ዝርከቡ ዜጋታት ብዘይቅድመ-ኩንት ክፍትሑን ክከሓሱን ዝብል እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን፡ ነዚ ዝሕለን ዘሎ ፌስቲቫል ናይ ምድላው ሓላፍነት ወሲዱ ዝርከብ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ፡ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ይትርፍ’ዶ ንሕቶታትና ክምልሽ፡ ኣብ ቅድሚ ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ክቐውም ኣይከኣለን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ ጸብጻባትና ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ስዒቡ ዝቀጸለ መዓልታት፡ ኣቶ ተስፋሚካኤል ከምዚ ዝስዕብ ክብል ተሰሚዑ “…ገለ 20 ዝኾኑ ዓጋመታት መጺኦም ኔሮም። ንሕና ኽኣ ብዙሕ ኣይተገደስናሎምን…”። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ካብ ሓደ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ንህዝቢ ኤርትራ ክውክል ተባሂሉ ዝተሾመ ኣምባሳደር ዘይትጽበዩ ካብ ስነ-ምግባር ዲፕሎማት ወጻኢ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ልዑል ክብርታት ኤርትራዊ ዜጋ’ውን እዩ። እዚ ኸኣ ንሓድነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ፡ ብታሪኽን ሕግን ዘሕትትን ሓላፍነት ዝጎደሎን ስነ-ምግባር እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ፡ ዜጋታት ህይወቶም ኣብ ፍርሕን ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላውን የሕልፉ ከም ዘሎው ካብ ነፍስ-ወከፍና ዝተኸወለ ኣይኮነን። ኣብ ሊብያን ካልኦት ናይ ስደት ሃገራትን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት’ውን ህይወቶም ኣብ ኣዝዩ ኣሰቃቂ ደረጃ ከም ዝርከብ ኣዕሙቕና ንፈልጥ ኢና። ዜጋታት ኣብ ከምዚ ኩነታት እንዳሃለው፡ ንሕና ብስም ኤርትራዊ ዝተወደበ  ዘብለጭልጭ ፌስቲቫልን ዳንኬራን ምስታፍና እንታይ መልእኽቲ ንሰድድ ኣለና ማለት እዩ? ኣረ ነቲ ሽግርናን ጸገምናን ተረዲኡ የዕቁብና ዝርከብ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ’ኸ እንታይ መርትዖ ንህቦ ኣለና ማለት እዩ? ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ወገናትና ምልጋስ’ዶ ኣይምሓሸን? እዚ’ዶ ኣይኮነን እቲ ካብ ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን ዝወረስናዮ ሰናይ ባህሊ?

ስለዚ፡ ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ሓቅታት ምርኩስ ብምግባር፡ ነዚ ተወጢኑ ዘሎ ፌስቲቫል ንኽንሕሰሞን (boycott) ንኻልኦት ኣሓትናን የሕዋትናን’ውን ከምዚ ንኽገብሩ ክንሕብርን ከነተባብዕን ሕልናውን ሃገራውን ግዴታና ከም ዝኾነ ከነዘኻኽር ንደሊ። ከምዚ ብምግባርና ካኣ ኣብ ሃገረና ንዘሎ ምግሃስ ሰባኣዊ መሰላት ደው ክብል ነብሲ-ወከፍና ንጽውዕ ኣለና ማለት’ዩ።

አብ መወዳእታ ንኹሉ ኤርትራዊ ከነተሓሳስቦ እንደሊ፡ ተቓውሞና ነዚ ምስሉይ ፌስቲቫል ንምግላጽ ንመንግስቲ ደቡብ አፍሪቃ (Home Affairs): ኣብ ደቡበ ኣፍሪቃ ዝረከባ ኤምባሲታትን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ውድባትን ብወግዒ ጥርዓንና ኣቕሪብና ምህላውና አቐዲምና ከነፍልጥ ንፈቱ። ብምኽንያት ምስታፍኩም ንዝመጽእ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ሳዕቤን ተሓተትቲ ከምዘይኮና ድማ በዚ አጋጣሚ ነፍልጥ።


ናጽነትን ክብርን ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ልዕሊ ኹሉ!!


ፈጻሚት ሽማግለ
ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.
04 ጥቅምቲ 2006

Last Updated ( Sunday, 08 October 2006 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Press Release: Festival Eritrea in South Africa