|
ኣባላት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ንዕለት 28 መስከረም 2006 ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ፕሪቶሪያ ንኽካይድ ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ። ኣብዚ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኩሉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ሓላፍነቱ ፈሊጡ ብትብዓት ንኽሳተፍ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ብኽብሪ ይጽውዕ። ዕላማ ሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ኣብ ሃገርና ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ምግሃስ መሰረታውያን መሰላት ብምቅዋም፡ ንኣምባሳደር ኤርትራ፡ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ናይ ኣቤቱታ ደብዳቤ ምብጻሕ እዩ። 
ዕለት ሰለማዊ ሰልፊ ሓሙስ 28 መስከረም 2006 እዩ። ልክዕ ሰዓት 9፡15 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.፡ ማለት MacDonald, Sunnyside ይኸውን። ካብዚ ቦታ ተሳተፍቲ ብኣቶቡስ ጌሮም ናብ ናይ መራኸቢ ቦታ ይኸዱ። ሽም እዚ ቦታ’ዚ ኸኣ Queens Wood Square ይበሃል። ካብ Queens Wood Square ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ጉዕዞ ዝጅመረሉ ሰዓት 10፡30 ቅ.ቀ እዩ። ልክዕ ሰዓት 11፡00 ቅ. ቀ ተሳተፍቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ይበጽሑ።
1. መእተዊ ኩልና ከምንፈልጦ፡ ወርሒ መስከረም ኣብ ታሪኽና ፍሉይ መለለዩ ኣለዋ። ኤርትራዊ ብረታዊ ቃልሲ ንሓርነት፣ ሰብኣዊ ክብርን ርእሰ-ውሳኔን፡ ቅድሚ 45 ዓመታት ኣብ ባሕቲ መስከርም 1961 ብወግዒ ተጀሚሩ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ፡ መሰል ልኡላውነትና ኣረገጋጊጽና። ኣብ 1993 ዝተኻየደ ሪፈረንዱም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ፡ ልዕሊ 99 ሚእታዊት “እወ ንናጽነት” ብምድማጽ ኣብ ዓለም ብወግዒ እትፍለጥ ኤርትራ ኣውሒስና። እዚ ዝገበርና ልኡላዊት መሬት ንምርግጋጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብቐንዱ ናጽነት፣ መሰረታዊ መሰልን ሰብኣዊ ክብርን ናይ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ንኽውሓስ እዩ። ኣብቲ ድሕሪ 1993 ዝቐጸለ ዓመታት፡ ብዓቅሊ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ናጽነትን ክብርን ናይ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ዝወሓሰላ፡ ኣብ ቅዋምን ልዕልና ሕግን ዝተመርኮሰት ኤርትራ ንክንሃንጽ እዩ ኔሩ። ይኣኽለና ከይበልና ንንውሕ ዝበለ ዓመታት፡ ኣንጻር ኩሎም ብድሆታት ደው ኢልና። እምነትናን ተስፋናን ኸኣ ሓደ መዓልቲ ሰላም፡ ናጽነት፣ ክብርን ብልጽግናን ዝተረጋገጸላ ኤርትራ ንምርኣይ እዩ ኔሩ። ኣብ ታሕሳስ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ሃገርና ሓድሽ መድረኽ ከፊቱ። እቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝቀጸለ ደማዊ ናይ ዶብ ኩናት፡ ኣገደስቲ ሃገራውያን ሕቶታትን ክትዓትን ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ኣላዒሉ። ሓደ ጉጅለ ካብዚኦም፡ ብ “ጸገንቲ” ወይ “G-15” ዝፍለጡ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ክፉት መድረኽ ኣብ ሃገርና “ግሉጽነት፣ ዲሞክራስን ቅዋማዊ ስርዓተ ምሕደራን” ንኽረጋግጽ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2001፡ ብመገዲ ንኹሎም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ዝተላእከት ታሪኻዊት ደብዳቤ ጸዊዖም። እዚ ኸኣ ነቲ ንዓመታት ዝተቃለስናሉ ቅዱስ ዕላማ ዘንጸባርቕ፡ መሰረታውያንን በዳህትን ሃገራውያን ሕቶታት ንኽትዕ ብሰፉሑ ናብ መላእ ህዝቢ ከምዝቐርብ ኮይኑ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ዜጋታት ብዛዕባ መጻኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ንፈለማ ግዜ፡ ከይፈርሑ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታት፣ ብመገዲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትናን መርበብ ሓበሬታን ይመያየጡ ኔሮም። ብሓቂ እቲ ግዜ’ቲ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ካብቶም ዝሓሸን ብሩህን እዋናት ኮይኑ እዩ ዝዝከር። እንተኾነ ግን እቲ ተስፋ ዝህብ ዝነበረ ምዕባለታት ንነዊሕ ክቕጽል ኣይከኣለን። እቲምንታይ’ሲ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ዝምራሕ፡ ሓደ ጉጅለ ካብ ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ፖለቲካዊ ክትዓት ኢሂን ምሂን ተበሃሂሉ ብሰላማዊ ኣገባብ ክብድሆ ዝፍትን፡ ተቀዳዲሙ ብጎነጽን ሓላፍነት ብዝጎደሎ ኣገባብን ጌሩ ክገጥሞ ምውሳኑ እዩ። በዚ መሰረት ኸኣ፡ ካብ ዕለት 18 መስከረም 2001 ጀሚሩ፡ 11 ካብ ኣባላት “ጉጅለ ጸገንቲ” ወይ “G-15”ን ካልኦት ምስ ጻውዒቶም ተመጻደቅቲ ይኾኑ እዮም ተባሂሎም ዝዝረበሎም ዓበይቲ ዓዲ፣ ነጋዶ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦትን ብሃውሪ ከም ዝሕየሩ ተገብረ። እዚ ተረኽቦ’ዝን ካልኦት ሲዒቦም ዝተኸስቱ ምዕባለታትን ኸኣ ምስሊ ሃገርና ኣደዊንዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ተስፋታትና’ውን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣህጢምዎ ይርከብ። ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ድማ እቲ ንዓመታት ዝተቃለስናሉን ኣብ ሪፈረንደም ድምጽና ዝሃብናሉ ዕላማ፡ ሰብኣዊ ናጽነትን ክብርን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ይርከብ። ስለዚ 18 መስከረም ነጥበ መቐይሮ ኮይና፡ ኣብ ታሪኽና ፍሉይ ቦታ ሒዛ ትርከብ። 2. ህሉው ኩነታት ኤርትራ ሎሚ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣብ ሃገርና እንታይ ፍሉይ ነገር ኣሎ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓላፍነት ናይ ነፍስ-ወከፍና’ውን እዩ። ሽሕ’ኳ ካብ መብዛሕትና ዝተሰወሩ እንተዘይኮኑ፡ እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ነጥብታት ደጊምና ከም ኣብነት ንጠቅሶም። ምግሃስ መሰረታውያን ሰብኣዊ ናጽነታት ብብዝሒ ጎሊሑ ይርከብ። እቶም ቀንዲ ኣብ ሓደጋ ወዲቆም ዝርከቡ መሰላት ድማ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፣ ምእካብን ሃይማኖትን መሰላት የጠቃልል። ነዞም መሰላት ከጥቐምሎም ዝወሰኑ ዜጋታት ኸኣ ዕጫኦም ማእሰርትን መግረፍትን ይኸውን። ምትካእ ሲቪላውያን ትካላት፡ ማህደረ ትምህርቲ’ውን ከይተረፈ፡ ብወትሃደራዊ መዓስከራት። ምምሕዳር ብድሌትን ኣፍልጦን ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ምዃን ተሪፉ፡ ምምሕድር ኣብ ሓይሊ ጥራይ ዝምርኮስ ኮይኑ። ህዝቢ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ድማ ብፍላይ፡ ምግሃስ ሰብ ኣዊ መሰላትን ክብርን ካብ ዓቀን ንላዕሊ ኮይንዎስ፡ ምዕባለ ኣብ ወጻኢ ሃገር ጥራይ ኮይንካ ዝረጋገጽ ኮይኑ ከምዝስምዖ ኮይኑ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ፡ ቁጽሪ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብተዓጻጻፊ ከምዝውስኽ ኮይኑ። ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምዕባለታት ሃገርና ንድሕሪት ተመሊሱስ፡ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ህይወቶም ንኽመርሑ ይግደዱ ኣለው። 3. ከም ዜጋታት እንታይ ሓላፍነት ኣለና? ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ዕለታት ብሃውሪ ዝተኣስሩ ዜጋታት፡ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ይኹኑ ካልኦት ብሰንኪ ሃይማኖታውን ሕልናውን እምነቶም ደሃይ ዘጥፍኡ ዜግታት፡ ክሳብ’ዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን። ገለ ካብኣቶም ስድርኦም ከይረኣዩ ዓመታት ኣቑጺሮም ይርከቡ። ስድርኦም’ውን ሃለዋቶምን ጉዳይ መእሰሪኦምን እንታይ ምኳኑ ናይ ምፍላጥ መሰሎም ተጋሂሱ ይርከብ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ብዛዕባ ጉዳዮም ኣልዒልና ክንዛረብ ከለና፡ ሰብኣዊ ክብሮም ተንፊጎምን ኣብ ናጻን ርትዓውን ፍርዳዊ ኣካል ናይ ምቕራብ መሰሎም ተሓሪሞም፡ ኣብ ስቃይ ይርከቡ ኣለው። እዚ እቲ ሓቀኛ ምስሊ ኤርትራና ኮይኑ ከብቅዕ፡ እንትርፎ ገለ ግዱሳት፡ መብዛሕትና ነዚ ኩነት እዚ ዕሽሽ ኢልና ክንሓልፎ ዝመረጽና ንመስል። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ገለ ካባና ዝተፈላለዩ ኣራኸስቲ ቃላት እንዳተጠቀምና ንዘይሕጋዊ ማእሰርቶም ከነቆናጽቦ ንስማዕ። እምበኣር ሎሚ ነፍስ-ወከፍና ንነብስና ነቶም ሰብኣዊ መሰልን ፍትሒን ስኢኖም ኣብ ድጓናታት ዝሳቀዩ ዘለው ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብዓቅምና እንታይ ክንገብረሎም ኣሎና ኢልና እንሓተሉ እዋን ኣኺሉ ይርከብ። እንታይ እዩ እቲ ቀንዲ ረቛሒ ነዞም ደሃይ ኣጥፊኦም ዝርከቡ ዜጋታት፡ ገለ ካብኣቶም ንዓመታት ንናጽነትን ርእሰ-ውሳኔን ዝተቃለሱ፡ ብቀሊሉ ከድዓት ከም ምዃኖም ንኽንኣምን ዘገደደና? አረ እንታይ እዩ እቲ ቐንዲ ረቐሒ ሰብኣዊ ክብሮምን ኣብ ናጻን ርትዓውን ፍርዳዊ ኣካል ናይ ምቕራብ መሰሎምን ብቐሊሉ ክንነጽጎ ዝደረኸና? ከመይ ኢልና ኢና’ኸ ክሳብ ክንድዚ ጭካናት ክንከውን በቒዕና? ሕጂ’ኸ ምትሕብባርና ምስ ዘይፍትሓዊ ኩነታት ክንቅጽሎ ዲናስ፡ ዋላስ ካብዚ ከቢድ ድቃስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተበራቢርና፡ ንሓቅን ቅኑዕ ተግባራትን ደው ክንብል ኢና? ዋላ’ኳ እቲ ተቢዕካ ንመሰልካን መሰል ውጹዓት ወገናትካ ደው ምባል ናይ ነፍስ-ወከፍና ምርጫ እንተኾነ፡ ኣባላት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ብወገኖም፡ ዜግነታውን ሞራላውን ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንዕለት 28 መስከረም 2006 ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ፕሪቶሪያ ንኽካይድ ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ። ኣብዚ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኩሉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ሓላፍነቱ ፈሊጡ ብትብዓት ንኽሳተፍ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.፡ ነዛ ታሪኻዊት ወርሒ መስከረም ኣጋጣሚ ብምግባር፡ ብኽብሪ ይጽውዕ። 4. ዕላማ ሰላማዊ ሰልፊ ንሕና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንቅመጥ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ንዕለት 28 መስከረም 2006፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ ከነካይድ ኢና። ዕላማና ነቲ ኣብ ሃገርና ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ምግሃስ መሰረታውያን መሰላት ብምቅዋም፡ ንኣምባሳደር ኤርትራ፡ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ናይ ኣቤቱታ ደብዳቤ ምብጻሕ ኮይኑ፡ እቲ ደብዳቤ መንግስቲ ኤርትራ ነዘን ዝስዕባ ሰለስት ጠለባት ንኸማልእ ይጽውዕ። 1. ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኩሉ ዓይነት ጎነጽ፡ ከም ብሃውሪ ምእሳር፣ ደሃይ ምጥፋእን ካልኦትን፡ ብዘይቅድመ-ኩነት ደው ክብል፤ 2. ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኩሎም ናይ ፖለቲካ፣ ሕልናን ሃይማኖትን እሱራት ብዘይቅድመ-ኩነት ክፍትሑን ክከሓሱን፤ 3. ኣብ ሃገርና ኤርትራ መስርሕ ምህናጽ ኣብ ቅዋምን ልዕልና ሕግን ዝተመርኮሰ፡ ንመሰልን ክብርን ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ዘውሕስ ስርዓተ-ምሕደራ ብዘይቅድመ-ኩነት ክጅመር። ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብዓቢኡ’ውን መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሰላማዊ ጻውዒትና ጸማም እዝኒ እንተሂቡሉ፡ መንግሰቲ ኤርትራ ናይ ምምራሕን ምእዙዝነት ህዝቢ ናይ ምጥላብ መሰሉን ባዕሉ ከምዝተሓሰሞ ብተግባር የረጋግጸልና ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ ከም ዜጋታት ብመንግስቲ ዝውሃበና ትእዛዛት ይኹን ካባና ዝጥለብ ምትሕብባር ክንገብር ብዝኾነ ዓይነት መለክዒ ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝለዓለ እገዳታት ዘስዕብ ዓለም-ለኻዊ “ንመንግሰቲ ዘይምትሕብባር” ዝብል ጎስጋስ ክንጽውዕ ድማ ክንግደድ ኢና። እዚ ቅድመ-ኩነት’ዚ ድማ ኣብቲ ንኤምባሲ ኤርትራ ዝበጽሕ ደብዳቤ ተወቂጡ ይርከብ። 5. ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣወሃሃዲ ሰለማዊ ሰልፊ፦ ሚናሴ ተኽላይ ቴለፎን፦ 012 440 4749, or 076 843 2368 ኢመይል፦
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it
or
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it
|