Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

radio_main EATGS
News 19 Aug 2006 Print E-mail
Written by Haileab Kidane   
Monday, 21 August 2006
ዩጋንዳ፡ ሰራዊት ዩጋንዳ ሓደ ካብ ቀንዲ ሓለፍቲ ተቓወምቲ ሓይሊ ከምዝቐተሉ ኣፍሊጦም።

ብኣህጉራዊ መጋባእያ ገበን፡ ብናይ ውግእ ገበናት ዝድለ ሓደ ካብ ቀንዲ ሓለፍቲ ኣብ ሰሜን ዩጋንዳ ዝመደበሩ ተቃዋሚ ሓይሊ ብሰራዊት ዮጋንዳ ከምእተቐትለ ሳንደይ ታይምስ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣፍሊጡ። እዚ ተቐቲሉ ዘሎ ብራስካ ሉክዊያ ዝፍለጥ ኮይኑ ሓደ ካብ ሓሙሽተ መራሕቲ ናይቲ ብ LRA ዝፍለጥ ተቓዋሚ ሓይሊ ምኾኑን ሓደ ካብቶም ብኣህጉራዊ መጋበእያ ገበን ኣብ ቲሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ዝተረቑሑን ምኾኑ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ኣህጉራዊ መጋበእያ ገበን ንሉክዊያ ብኣርባዕተ ናይ ውግእ ገበናት፤ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት፤ ባርነትን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ከምዝኽሰስ እዩ ዝፍለጥ።

መንግስቲ ዩጋንዳን እቲ ተቓዋሚ ሓይልን ቶኽሲ ደው ምባል ክሰማምዑ ብዘይምክኣሎም እቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ጁባ ዝገብርዎ ዝነበሩ ናይ ሰላም ዝርርብ ከምእተደናጎየን ንኻልእ እዋን ከምእተመሐላለፈን ዝፍለጥ እዬ።

Last Updated ( Monday, 21 August 2006 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow News 19 Aug 2006