|
News 12 Aug 2006 [tigringa] |
|
|
|
Written by Haileab Kidane
|
|
Monday, 21 August 2006 |
|
ሶማል፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኬንያ ምስ ግዝያዊ መንግስቲ ሶማልን እስላማዊ መጋበእያ ሶማልን ንምትሕግጋዝ ናብ ሶማል ከምዝበጽሑ ተፈሊጡ።
12 ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኬንያ ምስ እስላማዊ መጋባእያ ሶማል ንምርኻብ ኣብ ሞቓዲሾ ኣትዮም። እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኬንያ ኣብታ ካብ ሞቓዲሾ 255 ኪሎ ሜትር ዝምርሓቃ ከተማ ባይድዎ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበረሎም ክብል መርበብ ሓበሬታ ኒዊስ 24 ዶት ኮም ሓቢሩ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ነቶም ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብ 1998 መጥቃዕቲ ቦምባ ዝመርሑ ኣባላት ኣልቃዒዳ የዕቂብኩምን ተሓባቢርኩምን ብምባል ንእስላማዊ መጋባእያ ከምትከስስ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።እስላማዊ መጋበእያ ሶማል ምስ ኣልቃዒዳ ምንም ርክብ ከምዘይብሉ እዮ ዘፍልጥ። |
|
Last Updated ( Monday, 21 August 2006 )
|