Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

EATGS radio_main
Press Release may 24 (Tigringa only) Print E-mail
Written by EMDHR   
Tuesday, 23 May 2006

ግንቦት 24 - ኤርትራ፡ ድሕሪ ንዘመናት ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ፡ ካብ መግዛእቲ ናጻ ዝኾነትሉ ክቡር ዕለት እዩ። ኣብዚ መሪር ቃልሲ፡ በሽሓት ዝቑጸሩ ኣቦታትና፡ ኣዴታትና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብጅግንነት ተሰዊኦምን ሰንኪሎምን እዮም።

ብዙሓት ካልኦት ‘ውን ዕድመ ንእስነቶም ወፍዮም ንዓመታት ኣብ በረኻታት ከርተት ኢሎም እዮም። እዞም ብጅግንነት ዝሓለፉን ንዓመታት ኣብ በረኻታት ከርተት ዝበሉን ብሉጻት ደቂ ህዝቢ፡ ንሕና ክንከብር፡ ናጽነትና ክወሓስ፡ ወሰንቲ መጻኢ ህይወትና ክንከውንን ፍትሒ ክንረክብን እዮም በጃ ሓሊፎም። እዚ ቅያ እዚ ስለዝፈጸሙ ከኣ፡ ናጽነትን ጥጡሕ ባይታን ረኺብናስ፡ ኣብቲ ኣብ ሚያዝያ 1993 ዝተኻየደ ረፈረንደም፡ ዳርጋ ምሉም ብሙሉእ “እወ ንናጽነት ኤርትራ” ብምድማጽ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ብወግዒ እትፍለጥ ልኡላዊት ሃገር ኣረጋጊጽና። ኣብ ግንቦት 24 1993 ድማ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ከምዝኾነት ብወግዒ ኣዊጅና። ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፡ ንዓና ግንቦት 24 ፍልይቲ መዓልትን ንዘመናት ድማ ብኽብሪ ተዘኪራ ትውዕል ታሪኻዊት ዕለት እያ። ነዛ ናይ ሎሚ ዓመት ግንቦት 24 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣጋጣሚ ብምግባር ከኣ፡ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይፈቱ።


1. ናጽነት ማለት እንታይ ማለት እዩ?

ደቂ ሰባት ከቢሮምን ወነንቲ መጻኢ ህይወቶምን ምዕባልኦምን ኮይኖም ክነብሩ እንተደኣ ኮይኖም መሰረታዊ ናጽነት የድልዮም - እንተወሓደ ናይ ሓሳብካ ምግላጽን ምምራጽን ናጽነታት። እቲ ንዘመናት ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ መሪር ቃልሲ ከኣ ነዞም ናጽነታት እዚኣቶም ንምጭባጥ እዩ። እዚ ብሉጻት ደቂ ህዝቢ ዝሓለፉሉ ዕላማ ግን ህያው ኮይኑ’ዶ እናበልካ እናሻዕ ምሕታት ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ክገብሮ ዝግብኦ ሞራላውን ሃገራውን ሓላፍነቱ እዩ። ገለ ካባና እንተስ ኣዕሚቚና ክንሓስብ ግዜ ብምስኣን ድዩስ፡ ዋላ ብኻልእ ምኽንያታት ተደሪኽና፡ “እንቛዕ ጥራሕ ናጽነት መሬት ተረኽበ እምበር ካልእ ብዙሕ ጸገም ኣይኮነን” ኢልና ዕሽሽ ንብሎ ንኸውን። እቶም ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ኣሃዱ ኢሎም ቃልሶም ዝጀመሩ፡ ኣብ ግጥማት ብትብዓትን ጅግንነትን ዝወደቑን፡  ዕድመ ንእስነቶም ወፍዮም ንዓመታት ኣብ በረኻታት ከርተት ዝበሉን ግን ናጽነት መሬት ጥራይ ኣይኮነን ኔሩ ዕላማኦምን ትምኒቶምን። ንኣብነት ኣቦና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ 40’ታት ኣርሒቑ ዝጠመተ ልቦና ብዝመልኦ ኣዘራርባ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ኔሮም። “…ናጽነት ማለት ናጽነት ሃገርን ህዝብን እንበር ናጽነት መሬት ጥራይ ኣይኮነን። ሓደ ካብ ክልቲኡ እንተዘየለ ናጽነት ክበሃል ኣይከኣልን።…” እወ፡ በይኑ ናጽነት መሬት ወይ ልኡላውነት ጥራይ መዐቀኒ ክብርን ናጽነትን ደቂ ሰባት ክኸውን ኣይክእልን። እቶም ኣብ 1993 “እወ ንናጽነት ኤርትራ” ኢልና ዘድመጽና ህዝቢ ከኣ ንልኡላውነት ሃገር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኪንዮ ልኡላውነት ዝኸይድ፡ ንክብሪ፡ ናጽነትን ፍትሒን ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዘጠቓለለ እዩ ኔሩ። ካብዚኦም ሓደ ምስ ዘይክበር ከኣ ዊንታን ድሌትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተጎስዩ ማለት እዩ። ስለዚ፡ ንሕና ኣብዛ ክብርቲ ዕለት፡ ግንቦት 24፡ እቲ ድምጽና ዝሃብናሉ ወይ እቶም ንዓና ከም ህዝቢ ከቢርና ንኽንነብር ዘድልዩና ናጽነታት ተዋሒሶም’ዶ ኢልና ክንሓትት ሞራላውን ሃገራውን ሓላፍነትና እዩ ኢልና ንኣምን።

2. ህሉው ኩነታት ሃገር

ህዝቢ ከቢሩ ወናኒ ምዕባሌኡ ክኸውን እንተ ኾይኑ መሰረታውያን ናጽነታት የድልይዎ። እዞም ናጽነታት እንተዘየለው ከኣ ኣብታ ሃገር ሰላም፡ ፍትሕን ምዕባለን ክህሉ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ ጥራይ ምዃኑ ታሪኽናን ታሪኽ ህዝብታት ዓለምን ይነግረና። እዚ ከኣ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ እንተ ገምጊምናዮ ኣዝዩ ጎሊሑ ክረኣየና ይኽእል። ብዘይምግናን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ‘ውን እንተኾነ ርእይዎ ዘይፈልጥ ድቕድቕ ማሕበራዊ፡ ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ቅልውላዋት ኣትዩ ይርከብ ኣሎ። ሃገር ኣብ ክንዲ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላት፡ ሕርሻዊ ኢንዱስትሪታትን፡ ፋብሪካታትን ትሃንጽ፡ ወትሃደራዊ መዓስከራትን ንመሐየሪ ዜጋታት ዝኾኑ ጎዳጉድን ኮንተይነራትን መሊኣ ትርከብ። ዜጋታት ገሊኦም ኣብ ኣብያተ-ማእሰርትታት ይበልዩ፡ ገሊኦም ንስደት ኣምሪሖም፡ ገሊኦም ድማ ከም ገላዩ ኣብ ትሕቲ መወዳእታ ዘይብሎም፡ ዕላማኦም ዘይንጹር፡ እንትርፎ ብህጹጽ ኣዋጃትን ትእዛዛትን ብህዝቢ ዝፈልጦን ዝኣምነሉን ሕግን ስርዓትን ዘይግዝኡ፡ ብሽም ሃገራውያን ወፍርታት ዝፍለጡ ወትሃደራዊ ኣገልግሎታት ንዓመታት ህይወቶም የሕልፉ ኣለው። ናይዚ ኩሉ ድምርማር ከኣ ምዕባለ ጠፉኡስ፡ ሃገር ኣብ ድቕድቕ ድኽነት ተሸሚማ ትርከብ። ጠንቂ ናይዚ ኹሉ ሽግራት ከኣ እቶም ደቂ ሰባት ከቢሮም ንኽነብሩ ዘድልይዎም መሰረታውያን ናጽነታት ኣብ ኤርትራ ብዘይ ምህላዎም እዩ። እዞም መሰረታውያን ናጽነታት ተሓሪምና ኣብ ድኽነት፡ ስደትን ፍርሒን ክነብር ከኣ ምስ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ምዕባለ ደቂ ሰባት፡ ብዓቢኡ ከኣ ምስ ዕላማታትን ትምኒታትን ናይቶም ንኽንከብር ኢሎም ህይወቶም ዘሕለፉ ጀጋኑ ኣቦታትና፡ ኣዴታትና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዘይሳነ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ሓቂ’ዚ እዩ እምበኣር ብቐጻሊ ሕቶታት ህዝቢ ዘልዕል ዘሎ።


3.  ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.ን ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራን

ንህሉው ኩነታት ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ከም ዜጋታት ሲቪካዊ፡ ሞራላውን ሃገራውን ሓላፍነትና ብምግምጋምን፡ ብምኽንያት ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ነጥብታት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ከዘኻኽር ይደሊ።

ሀ.   እዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ፡ ንዓና ነቶም ንሕና ክንከብር፡ ናጽነትና ክወሓስ፡ ወሰንቲ መጻኢ ህይወትና ክንከውን፡ ፍትሒ ክንረክብን ከምኡ ‘ውን ልኡላውነት ሃገር ከውሑሱ በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ ኤርትራውያን መብጽዓኦም ተፈጺሙ’ዶ ኣይተፈጸመን ኢልና እንግምግመላ ክብርቲ ዕለት እያ።

ለ.   እዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ፡ ንዓና ነቶም ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ናጽነት ተነፊግዎም፡ ፍትሒ ስኢኖም፡ ኣብ ድኽነትን ማሕዩራትን ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነቶም ዶባት ሰጊሮም ኣብ በረኻታት ሳሃራ ዝሳቐዩ ዘለው ዜጋታትን፡ ነቶም ከርፋሕ ናብራ ስደት ዘሕልፉ ዘለው ዜጋታትን፡ ናይ ሽግሮም ተኻፈልቲ ምዃንና፡ ክንዮ’ዚ ናይ ሎሚ ሽግር ብሩህ ተስፋን መጻእን ኣብ ኢድ ኩልና ከምዘሎ ነዘኻኽረላን ሓድነታዊ ሰላምታና ነብጽሓላን ክብርቲ ዕለት እያ።

ሐ.  እዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ፡ ንዓና ነቶም ክንከብር፡ መሰረታውያን ናጽነታትና ክወሓሱ፡ ወነንቲ መጻኢ ህይወትና ክንከውንን ፍትሒ ክንረክብን፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ኮይኖም፡ ህይወቶምን ግዜኦምን ከይበቐቑ፡ ዝቃለሱ ዘለው ተብዓት ዜጋታት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ፖለቲካውያን ውድባት፡ ከምኡ ‘ውን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን መሓዙት ህዝቢ ኤርትራን ምስጋናናን ሓድነታዊ ሰላምታናን ነብጽሓላ ክብርቲ ዕለት እያ።

መ.  እዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ፡ ኣብ 26 መጋቢት 2006 ካልኣይ ዓመታዊ ጉባኤ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ብዘጽደቖ ውሳኔ መሰረት፡ ንዓና፡ ብዘይጎነጻዊ ኣገባብ ክብሩን ናጽነቱን ዝዕቅብን ዝከላኸልን ሓያል ሕብረተሰብ ኣብ ኤርትራ ናይ ምህናጽ መብጽዓና ደጊምና እነሐድሰላ ክብርቲ ዕለት እያ።

4. መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ

ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ኣጋጣሚ ብምግባር፡ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገርና ብምግምጋምን፡ ንጉዳይ ክብርን ናጽነትን ዓቢ ግምት ብምሃብን፡ ሓደ ሓቂ ክንግንዘብ ከምዘድልየና ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ከዘኻኽር ይፈቱ። ፈጣሪ መሰረታዊ መሰላትና ተዓቂቦም ከቢርናን ወነንቲ መጻኢ ህይወትናን ኮይና ክንነብር ኢሉ እዩ ፈጢሩና። ናጽነትን ክብርን ሓደ ውልቀ ሰብ፡ ወይ ጉጅለ ወይ ‘ውን መንግስቲ ዝህበካ ኣይኮነን። ብመብልዒ ቑርሲ ዝዕደል‘ውን ኣይኮነን። ጓይላን ዳንኬራን ናይ ዝገበርካ ‘ውን ዝወሓስ ኣይኮነን። ክብርናን ናጽነትናን ኣብ ውሽጢ ነፍስ-ወከፍና እዮም ዘለው፡፡ ዝኾነ ሰብ ከኣ ከወፍየልና ክንጽበ የብልናን።

መስርሕ ምውናን ናጽነትን ክብርን ዘገም እናበለ ብቐጻሊ ጻዕሪ ናይ ኩልና ዝረጋገጽ እዩ። እዚ መስርሕ እዚ ከኣ ኣብ ዝዀነ ሓደ ታሪኻዊ ሁሞት ወይ ናጽነት መሬት ተረጋጊጹ ኢልካ ዘቋርጽ ኣይኮነን። የግዳስ ናጽነትናን ክብርናን ንኽንዕቅብን ንኽንከላኸልን ደጋጊምና ክንለማመዶን ክንሰርሓሉን ይግበኣና። ነፍስ-ወከፍና ከምዚ ምስ እንገብር እዩ ከኣ ከቢርና ኣብ ጎደና ውሑሱን ቀጻልነት ዘለዎን ሰላም፡ ፍትሒን ምዕባለን ክንምርሽ ንኽእል። እምባኣርከስ፡ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. በዚ ኣጋጣሚ ‘ዚ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ፡ እቲ ፈጣሪ ዝሃበና ናጽነትናን ክብርናን ንኽንውንኖን፡ ወሰንቲ መጻኢ ሂወትና ክንከውንን፡ ብትብዓትን ሓቢርናን ክንሰርሕ ይጽውዕ።

ሰላም፡ ክብርን ናጽነትን ንህዝቢ ኤርትራ!!!

ፈጻሚ ሽማግለ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ
ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ
16 ግንቦት 2006

Last Updated ( Tuesday, 06 March 2007 )
 
< Prev


Voice of Meselna Delina

© 2009 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Press Releases arrow EMDHR arrow Press Release may 24 (Tigringa only)