|
ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ንሕና ኤርትራውያን፡ 20 ሰነ፡ ሰማእታትና ብኽብሪ እንዝክረላ መዓልቲ ኮይና’ያ ጸኒሓ። እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ሰማእታት ክትከውን ዝኸኣለት መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ 1991 ብዘጽደቖ ውሳኔ መሰረት እዩ።
ብወግዒ ብመሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ከም ዝተገልጸ ድማ፡ 20 ሰነ ክትምረጽ ዝበቅዓትሉ ምኽንያት “ዝበዝሕ መስዋእቲ ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ 6ይ ወራር ስለ ዘጋጠመን፡ ወርሓቱ ድማ ወርሒ ሰነ ስለዝነበረ” እዩ። ገለ‘ውን 20 ሰነ ዝተመርጸት “ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ 1991 ንከተማ ኣስመራ ካብ ለንደን ንመጀመርያ ግዜ ዝኣተወላ ዕለት ስለ ዝኾነት” ይብሉ። ብዝኾነ እዛ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ሰማእታትና፡ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ኣብ ትርከበሉ ግዜ ትኽበር ብምህላዋ፡ ካብ ቅድሚኣ ዝነበራ መዓልታት ብዙሕ ትፍለ ይገብራ። ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ፡ እስከ ብዛዕባ ትርጉም ሰማእታት፣ ሰማእታትናን መዓልቲ ሰማእታትን እንታይን ንምንታይ ዕላማን ምዃኑን ደጊምና ብሕጽር ዝበለ ንዘራርበሉን ንመርምሮን። ሰማእታት ክንብል ኮለና እንታይ ማለት እዩ? ዝተፈላለዩ መዛግብቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ሰማእታት ዝብል ቃል ንሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ወይ ህዝቢ ዝውክል ዕላማ ወይ ሃይማኖታዊ እምነት ንምክልኻል ወይ ንምዕዋት ክብሉ ህይውቶም ዘሕለፉ ሰባት ይውክል። እዞም ሰባት ኣብ ቤት-ማሕቡስ፡ ኣብ ዘይጎናጻዊ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊታትን ኣብያታትን፡ ዓውደ-ኹናትን፡ ኣብ ካልኦት ኣገባባት ቃልሲ እናካየዱ ዝወደቁ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡ ኣብ’ዚ እቲ ኣገዳሲ ረቛሒ ሓደ ውልቀ-ሰብ ወይ ጉጅለ ሰማእታት ዘብሎ፡ ኣብቲ ዝወደቀሉ ዕላማ ወይ ሃይማኖታዊ እምነት ምርኩስ ብምግባር ይኸውን። ንኣብነት ሓደ ሰብ ንምስልምና ሃይማኖት ክከላኸልን ክጣብቕን ክብል እንተሞይቱ፡ እዚ ሰብ‘ዚ ብኣመንቲ ምስልምና ሰማእታት (ሹሃዳእ) ተባሂሉ ብኽብሪ ይዝከር። ከምኡ ድማ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ናጽነትን ፍትሕን ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ፡ እቶም ነዚ ሓደጋ ንምክልኻል ክብሉ ህይውቶም ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልየት፡ እቲ ሕብርተሰብ ሰማእታት ኢሉ ይጽውዖም። እዚ ብሓደ ጉጅለ ወይ ሕብረተስብ ወይ’ውን ብህዝቢ ደረጃ ክኸውን ከሎ፡ ንሓንቲ ወላዲት ኣደ ወይ ኣብ ሓንቲ ቤተሰብ ደረጃ ወሪድና ነዚ ጉዳይ ክንሪኦ እንተፈቲንና ግን ትርጉም ናይ ሰማእታት ዝተፈልየ ኮይኑ ንረኽቦ። ንኣብነት ሓንቲ ወላዲት፡ ኣደ ክልተ መወቲ ደቂ-ኣንስትዮ ክትከውን ትኽእል። ሓንቲ ካብ ክልትኤን ኣብቲ ሕብረተሰብ ንዝተጋህደ ምግሃስ ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ንምግታእ ኣብ ትገብሮ ዝነበረት ንጥፈታት ብሞት ክትፍለ ከላ፡ እታ ሓንቲ ግን ብሕማም ምኽንያት ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልየት ትኽውን። ኣደ እዘን ክልተ ውጹዓት፡ ብፈላላዩ ዓይኒ፡ ነታ ሓንቲ ጅግና ንናጽነትን ክብሪ ወድ-ሰብን ክትብል ዝተሰወአት፡ ነታ ሓንቲ ኸኣ ብሕማም ዝዓረፈት፡ ኢላ ኣይኮነትን ትገልጸን። እንታይ ደኣ፡ ዕላማን ዓይነትን ኣማውተአን ብዘይገድስ፡ ክልቲኤን ሎሚ ኣብዛ ዓለም ብህይወት ዘየለዋ ብሉጻት ደቃ ከምዝኾና እያ ትኣምን። ስለዚ፡ ዋላ’ኳ ነታ ቀዳምይቲ እቲ ሕብረተሰብ ጅግና ወይ ስውእቲ ኢሉ ዝኣምነላ እንተኾነ፡ ኣደ ወላዲታ ግን ብፍልይ ዝበለ እያ ትዝክራን ትገልጻን። በዓል መን እዮም ሰማእታት ኤርትራ ተባሂሎም ዝፍለጡ? ኣብ ናይ ኤርትራ ኩነታት ምስ እንምለስ፡ ከም ልሙድ ሰማእታት ኢልና ንጽውዖም ነቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ብረታዊ ትጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፎም ንናጽነት ዝተቓለሱን ህይውቶም ድማ ዘሕልፉ ክኸውን ከሎ፡ ከምኡ‘ውን ነቶም ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ልኡላውነት ሃገር ንኸውሕሱ ዝወደቑ ኣባላት ወትሃደራዊ ኣገለግሎትን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ይሓቑፍ። ኣቐደም ኣቢሉ ከም ዝተገልጸ ግን፡ ትርጉም ሰማእታት፡ ናይ ሓደ ማሕበር፣ ውድብ፣ ወይ ምክልኻል ሃገር ኣባል ብምዃን ዘይኮነ ዝግለጽሲ፡ ኣብ ዕላማ ናይ መስዋእቲ ምርኩስ ብምግባር ጥራይ እዩ ዝግለጽ። ስለዚ፡ ትርጉም ዕላማ ናይ መስዋእቲ እንታይ ምዃኑ ኣቀዲሙ ከይነጸረ፡ እከለ ስውእ’ዩ ወይ በዓል እከለ ስውኣት ኣይኮኑን ምባል ፍጹም ዘይከኣል ይኸውን፡፡ ካብ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓሳባት ብምቕጻል፡ ኣምር ሰማእታት ኤርትራ ርትዓዊ ብዝኾነን ዕሙቕ ብዝብልን ኣገባብ ክንሪኦ ክንፍትን ንኽእል ኢና። እዚ ንምግባር ኸኣ ኣብ ክልተ ናይ ግዜ ሰሌዳ ከፊልና ክንርእዮ ንኽእል። እቲ ሓደ ቅድሚ ኣብ 1993 ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኻየደ ሪፈረንዱም ክኸውን ከሎ፡ እቲ ሓደ ክፋል ድማ ድሕሪ 1993 ኮይኑ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ዘካተተ ይኸውን። ቅድሚ 1993 ዝነበረ ቃልሲ ህዘቢ ኤርትራ እንተወሲድና፡ ዕላማኡ “ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ከምኡ’ውን መሰል ርእሰ-ውሳኔ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ምክልኻልን ምውሓስን” እዩ ኔሩ። ስለዚ ኩሎም እቶም ነዚ ቁዱስን ናይ ህዘቢ ውንታን ድሌትን ዘንጸባርቅን ዕላማ ከዐውቱ ክብሉ ህይወቶም ዘሕለፉ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ህዝቢ ሰማእታት ኤርትራ ኢሉ ክጽውኦም ይኽእል። እዞም ሰማእታት ኸኣ ነቶም ኣብ 50ታት ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ ዝተቀትሉ፡ ኣብ ናይ ናጽነት ብረታዊ ቓልሲ ተሰሊፎም ዝወደቑ፡ ብውልቖም ነቲ ዘይፍትሓዊ መግዛእቲ ኣብ ከተማታት እናተቓወሙ ከለው ዝተረሸኑ፡ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ብሰሪ ከቢድ መቕጻዕቲ ህይወቶም ዝሓለፈትን ካልኦት ነዚ ቅዱስ ዕላማ ንምዕዋት ዝወደቑን የጠቓልል ማለት እዩ። ኣብ ድሕሪ 1993 ዝተኸስቱን ዝኽሰቱ ዘለውን ኩነታት መስዋእቲ እንተ ዳህሲስናዮ ግን ትርጉም ሰማእታት ኤርትራ ካብቲ ቅድሚ 1993 ዝነበረ ኩነታት ብኸፊል ዝተፈልየ ኮይኑ ንረኽቦ። እቲ ምኽንያት ድማ ቅድሚን ድሕርን 1993፡ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላለየ ስለዝኾነ እዩ። ድሕሪ 1993፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሪፈረንደም ድምጹ ብዝሃበሉ መሰረት፡ ዕላማን ራኢን ህዝቢ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ‘…መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብምውሓስ፡ ልኡላዊት፣ ዲሞክራሲያዊትን ብልጽግትን ኤርትራ ምህናጽ እዩ…’። ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ኩሎም እቶም ነዚ ናይ ህዝቢ ራኢ ወይ ዕላማ ንኸዐውቱ ህይወቶም ዝሰኣኑ ዜጋታት ድማ ንሕና ሰማእታት ኤርትራ ኢልና ክንጽውዖም ይግባእ። ንኣብነት ኩሎም እቶም ድሕሪ 1993 በብዓመቱ ምስ ጎረባብትና (ማለት ምስ ሱዳን፣ የመንን ኢትዮጵያን) ዋላ’ውን ኣብ ስግረ-ዶብ ብምኻድ (ማለት ኣብ ኮንጎ) ኣብ ዘካየድናዮም ወትሃደራዊ ግጥማት ዝወደቁ መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ወትሃደራዊ ኣገልግሎትን ሰራዊት ምክልኻልን ሰማእታት ኤርትራ ተባሂሎም ክጽውዑ ይኽእሉ። በንጻሩ ኸኣ፡ እዞም ዝተኻየዱ ወትሃደራዊ ግጥማት ብመሰረቱ ንረብሓ ህዝብን ምክልኻል ሃገርን ተባሂሎም ኣይኮኑን ተኻይዶም ዝብሉ ርእይቶታት ኣለው። ገለ’ውን እዞም ወትሃደራዊ ግጥማት “ንጥቕምን ምንዋሕ ስልጣንን ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ” ተባሂሎም ዝተኻየዱ ደኣምበር “ንረብሓ ህዝብን ምክልኻል ሃገርን” ኣይኮኑን ዝብሉ ኣተሓሳስባታት’ውን ኣለው። ስለዚ፡ እዞም ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ዜጋታት፡ እቶም ወትሃደራዊ ግጥማት ንረብሓ ህዝቢ ክሳብ ዘይኮኑ፡ እቶም ኣብኡ ዝወደቑ ዜጋታት ሰማእታት ኤርትራ ኢልና ክንጽውዖም ርትዓዊ ኣይኮነን ኢሎም ይኣምኑን ይምጉቱን። እዞም ክልተ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ድማ “ኣየናዮም እዮ ርትዓዊ” ኢልና ክንሓትትን ዝግባእ መልሲ ኸኣ ክንረኽበሉ ከምዘለና ይእምቱልና። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ወትሃደራዊ ግጥማት ግዜ ባዕሉ ከብርሃልና’ኳ እንተኾነ፡ ሓደ ኩልና ክንስሕቶ ዘይግባእ ግን እቶም ኣብዞም ግጥማት ዝወደቑ መንእሰያት ቅድሚ ብሞት ምፍላዮም፡ ብቅንዕናን ሙሉእ ልቦምን ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ናይ ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ንኸይወድቅ ኢሎም፡ ረብሓ ህዝቢ ንምሕላው ወይ ልኡላውነት ሃገር ንምክልኻል ንቃለስ ኣለና ዝብል እምነት እዩ ኔርዎም። ክሳብ ንራኢን ዊንታን ናይ ህዝቢ ዝውክል ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ድማ ሎሚ ንሕና ሰማእታት ኤርትራ ኢልና ብኽብሪ ክንዝክሮም ይግባእ። ካልእ ካብ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ፍልይ ዝብል ኮይኑ፡ ምስ ኣምር ሰማእታትና ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ድማ ኣሎ። ንኣብነት ድሕሪ 1993 ጥራይ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ናይ ዜጋታት ንምክልኻል ክብሉ ተቓውሞን ካልኦት ንጥፈታትን ዘካየዱን፡ ብሰሪ ናይዚ ኸኣ ዝተኣስሩ’ሞ ክሳብ እዛ ዕለት’ዚኣ ደሃይ ዘይብሎምን ዝተሰወሩን ዜጋታት ውሑዳት ኣይኮኑን። ገለ’ውን ደሃይ ኣጥፊኦም ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ምሟቶም’ውን ብታሕቲ ታሕቲ ወይ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ክንገር ጸኒሑ እዩ። ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ኣስታት 17 ዝኾኑ መንእሰያት ጋዜጠኛታት ገለ ከም ኣብነት ክጥቐሱ ይኽእሉ። እዞም መንእሰያት ሓደ ካብቶም መሰረታውያን ናጽነታት (ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት) ኣብ ኤርትራ ንኸውሕሱ ኣበርቲዖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ተባዓት ዜጋታት እዮም። ብሰሪ’ዚ እዞም ጋዜጠኛታት ኣደዳ ማእሰርትን ድሃይ ምጥፋእን ኮይኖምሲ፡ ክልተ ካብኣቶም ድማ ዓሪፎም ክብሃል ብተደጋጋሚ ንሰምዕ ኣለና። ስለዚ፡ እዞም ንመሰረታዊ ናጽነትና ከውሕሱ ክብሉ ህይወቶም ዝሰኣኑ መንእሰያት፡ ሰማእታት ኤርትራ ኢልና ብኽብሪ ክንጽውዖምን ክንዝክሮምን ሰብኣውን ሞራላውን ሓላፍነትና ይኸውን። እምበኣርከስ ሓደ ሰብ ወይ ጉጅለ ሰማእታት ዘብሎ ኣብቲ ዝሞቶሉ ዕላማ ምርኩስ ብምግባር ጥራይ ይኸውን። ብተወሳኺ ኣብዛ ዓለም ብህይወት ዘየለ ውልቀ-ሰብ ወይ ጉጅለ ንሓደ ሕብረተሰብ ወይ ህዝቢ ሰማእታት ወይ ስውእ ክኸውን ይኽእል፡ ንኻልኦት ህዝብታት ኸኣ ከይከውን ይኽእል። ብተወሳኺ ሓደ ሕብረተሰብ ንሰማእታቱ ብፈላላዩ ዓይኒ፡ ስውእ እከለ ካብ ስውእ እከለ ይበልጽ ወይ ይትሕት ብምባል ፍጹም ኣይገልጾምን። ንኹሎም ሰማእታቱ፡ ምዓስን ብኸመይን ተሰዊኦም ብዘየገድስ፡ ነቲ ሕብረተሰብ ዝውክል ዕላማ ከዐውቱ ክሳብ ዝተሰውኡ፡ ብሓደ ዓይኒን ብኽብርን እዩ ዝዝክሮም። ሰማእታትና ንዓና ንኤርትራውያን እንታይ እዮም? ኣብ ዝቐደመ ጽሑፍ ሰማእታት ኤርትራ ክንብል ከለና ንብዓል መን ከም ዘጠቓልል ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ሰማእታትናስ ኣብዛ ዓለም ብህይወት የለውን፡ ንዓና “ንህልዋት” ግን “እንታይ እዮም” ዝብል ሕቶ ዳርጋ ነፍስ-ወከፍና ዝተፈላለየ መልሲ ክንህበሉ ዝጸናሕና ይመስል። ናይ ሓባር ሰማእታትና ክነሶም፡ ንሕና ግን ብዛዕባኦም ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ክህልወና ፍጹም ርትዓዊ ክኸውን ስለዘይክእል ድማ፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ግቡእን ንኹልና ብሓባር ዝውክልን ምላሽ ክንረኽበሉ ንግደድ። ነዚ ሕቶ ግቡእን ርትዓውን መልሲ ክንረኽበሉ እንተኮይንና፡ እቲ ሰማእታትና ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ቅድሚ ምፍላዮም ዝነበረ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ሕብረተሰብናን እቲ ንሶም ነቲ ኩነታት ንምልዋጥ ዘርኣይዎ ንጥፈታትን ደጊምና ምድህሳስ የድልየና። ብሓፈሽኡ ሰማእታትና ንሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ናይ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ኣብ ሕብረተሰብና ምስ ነገሰ፡ ነቲ ሓደጋ ንምክልኻልን ሰብኣዊ ናጽነትን ክብርን ናይ ዜጋታት ንምውሓስን፡ ትብዓትን ጅግንነትን ዝሓቱ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ቃልሲ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ ሁሞት፡ ህይወቶም ብመስዋእቲ ካብዛ ዓለም ዝተፈልየት እዮም። እምበኣርከስ፡ ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡ ንዓና ሰማእታትና እንታይ እዮም ንዝብል ሕቶ ክንምልሽ እንተኾይንና፡ “…ሰማእታትና ትብዓትን ጅግንነትን ዘውረሱና ኮይኖም፡ ንዝኾነ መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርናን ናጽነትናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት፡ ምእዙዛትን ተምበርከኽትን ካብ ምዃን ክንቑጠብን ካብ ናይ ፍርሒ መንፈስ ኸኣ ናጻ ክንከውን ከምዘለና ብግብሪ ዘርኣዩናን ዘምሃሩናን ጀጋኑ…” እዮም። እዚ ኸኣ ልዑል ባህሊ ካብ ሰማእታትና ዝወረስናዮ እዮ። ሰማእታትና ብኸመይ ንዝክሮም? ከም ልሙድ ተርእዮ ሓደ ሕብረተሰብ ንሰማእታቱ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ሰዓት ድዩስ ወይስ መዓልታዊ ወይ’ውን ሓንሳብ ኣብ ዓመት ብዘየገድስ፡ ብናይ ሓደ ደቂቅ ጸሎት ብኽብሪ ይዝክሮም። ንሕና ኤርትራውያን‘ውን ካብቲ ናይ ካልኦት ህዝብታት ዓለም ብዘይፍለ መገዲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ብናይ ሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ጸሎት ብኽብሪ ንሰማእታትና ክንዝክሮም ጸኒሕና። ኣየኖት እዮም እቶም “ኣጋጣምታት” ንሰማእታትና ክንዝክረሎም ዝግብኣናን፤ “ትርጉም ናይ ሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ጸሎት’ከ” እንታይ’ዩ መልእኽቱ ዝብሉ ሕቶታት ግን ብግቡእ ዘይተመለሱ ኮይኖም እዮም ጸኒሖም። ሓደ ሕብረተሰብ ንሰማእታቱ ብወግዒ ዝዝክረሎም ኣጋጣምታት ነዞም ክልተ የጠቓልል። ሓደ፡ ዕላማ መስዋእቲ ናይ ሰማእታት ሸቱኡ ምስ ዝወቅዕን፡ እቲ ዓወት ብወግዒ ኣብ ዝጽንበለሉ ግዜ ክኽውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ዕላማ መስዋእቲ ገና ሸቱኡ ዘይሃረመ ኮይኑ፡ ነቲ ዕላማ ኣብ ምዕዋት ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ትብገሰሉ ግዜ ይኸውን። ብመንጽር እዞም ክልተ ኣጋጣምታት ድማ ትርጉም ናይ ሓደ ደቂቅ ጸሎት ይፈላለይ። ንኣብነት ዕላማ መስዋእቲ ሸቱኡ ወቂዑ እንተኾይኑ፡ ነዚ ዓወት ብወግዒ ኣብ ምጽንባል ንሰማእታት ብኽብሪ ንምዝካር ኣብ ዝግበር ናይ ሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ጸሎት ትርጉሙ ነዚ ዝስዕብ ይመስል “…ነቶም ነዚ ዕላማ ንኸዐውቱ ትብዓትን ጅግንነትን ዝሓትት ሓያል ቃልሲ ብምክያድ ኣብነት ዝኾኑና፡ ሎሚ ግን ምሳና ብህይወት ዘየለው ንልዑል ፈጣሪ ጸሎት ምብጻሕ…” ይኸውን። ኩሉ ኣባል እቲ ሕብረተሰብ ድማ በብቛንቑኡን በብሃይማኖቱን ንልዑል ፈጣሪ ናይ ሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ጸሎት የብጽሕ ማለት እዩ። እቲ ካልኣይ ኣጋጣሚ እንተወሲድና ግን ትርጉም ናይ ሓደ ደቂቅ ጸሎት ካብዚ ቀዳማይ ቅሩብ ዝተፈልየ ኮይኑ ንረኽቦ። ዕላማ መስዋእቲ ሸቱኡ ዘይወቕዐ እንተኾይኑ፡ ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ዝኾነ ትብዓት ዝሓትት ንጥፈታት ንምግባር ኣብ ትብገሰሉ እትገብሮ ናይ ሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ጸሎት ትርጉሙ ነዚ ዝስዕብ ይኽውን “…ቅድሚ ምብጋሰና ነቶም ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ትብዓትን ጅግንነትን ዝሓትት ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ባህሊ ዘውረሱና ሰማእታትና ንልዑል ፈጣሪ ጸሎት ምብጻሕ…” ይኽውን። ስለዚ ዕላማ መስዋእቲ ሕመረት ናይቲ ጉዳይ ምዃኑ ብቀሊሉ ክንርዳእ ንኽእል። ዕላማ መስዋእቲ ሰማእታት ኤርትራ ብሰፊሑ “መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ክወሓስ” እዩ። ነዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ኩነታት ምስ ዝገሃድ ከኣ ነዚ ሓደጋ ንምክልኻል ካይፈራሕና ኣድላዩን ፍትሓውን ዝኾነ ስጉምቲ ክንወስድ ምዃንና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከምዚ ንገብር ከኣ ሰማእታትና ዘውረሱና ልዑል ባህሊ ስለዝኾነ እዩ። ሰማእታትና “ሰማእታት” ኢልና ነኽብሮም ብመሰረት ቅዱስ ዕላማ መስዋእቶምን ንዓና ሓያል ባህሊ ኣውሪሶምና ብምሕላፎምን እዩ። ዕላማ መስዋእቲ ሰማእታትና ሸቱኡ ወቂዑ’ዶስ ኣይወቐዐን ንዝብል ሕቶ ኣብ ግምት ብምእታው ኸኣ ነፍስ-ወከፍና ንሰማእታትና ብኽብሪ ኣበየናይ ሃገራዊ ኣጋጣምን ብኸመይ ኣገባብን ንዝክሮም ክንውስን ምሉእ መስል ኣለና። ካብዚ ሓሊፉ ግን ዝኾነ ውልቀ-ሰብ ወይ ጉጅለ ወይ’ውን መንግስቲ ንሰማእታትና ምዓስን ብኸመይ ኣገባብን ንዝክሮም ክውስነልና ፍጹም ኣይግብኣን። ብተወሳኺ ብዓል እከለ ስውኣትኩም እዮም በዓል እከለ ግን ኣይኮኑን፡ ወይ ስውእ እከለ ካብ ስውእ እከለ ይበልጽ ወይ ይንእስ ኢሉ ዝነግረናን፡ ሕጋዊ መሰል ዘለዎን ጉጅለ ወይ መንግስቲ የለን።
|