Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

radio_main EATGS
Border Issue (Tigringa Article] Print E-mail
Written by Yoel Alem   
Wednesday, 16 August 2006

ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ዝለዓለ ሃገራዊ ኣጀንዳና ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ ይርከብ። እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ቀንዲ ጠንቂ ንኣብ ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላዋት’ዩ ክንብል ንኽእል ኢና። ሓንሳብ ዶብ ምስ ተሓንጸጸ ከኣ ኩሉ ጸገማት ናይ ኤርትራ ዝፍታሕን፡ ራህዋ፣ ሰላምን ፍትሕን ድማ ዝረጋገጽ ኮይኑ ክስምዓና ይኽእል እዩ።

ስለዚ ኩሉ ዓቅምና፡ ኣተሓሳስባና‘ውን ከይተረፈ ኣብ ምሕንጻጽ ዶብ ጥራይ ከቕንዕ ኣለዎ ኢልና ንማጎት። ነዚ ኣጀንዳ ዘየካትት ሓሳባትን ርኢቶታትን ከኣ ክውገዙ ኣለዎም ብዘስምዕ ቃና ክንቕበሎ ፈጺምና ኣይነፍቅድን። ንኣብነት ገለ ካባና ከምዚ ዝመስል እምነት ኣለና… ኤርትራ ኣብ ኩናት እያ ዘላ፡ ስለዚ ንሽግራትናን ካልኦት ሕርኽርኽ ዝብሉና ነገራትን ክሳብ ዶብና ምስ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ዝሕንጸጽ ክንዛረበሎም የብልናን። ምልዓል ሕቶታት ብዛዕባ መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ድማ ሕጂ ግዜኡ ኣይኮነን እንዳበልና ኣትሪርና ንማጎት፡፡

ብተወሳኺ ብዛዕባ ናይ ዜጋታት መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ምዝራብ ንጸላኢ ዝጠቅም ሃጓፍ ምፍጣር እዩ ብምባል፡ ንዝኾነ ብዛዕባ እዚ ሕቶ’ዚ ዘልዕል ኤርትራዊ ዜጋ ሃዳሚ፣ ጠራራይ፣ ከዳዕ፣ ስረ ዝፈትሓ፣ ኣውራጃዊ፣ ወገናዊ፣ ዓሌታዊ፣ ሃይማኖታዊ ወዘተረፈ… እንዳበልና ንሕውነትናን ዝምድናናን ንዘርጎን፡ ንሓድነታዊ ሓይልና ከኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ነእትዎ። እዚ ብዋጋ ሕውነትናን ሓድነትናን ንገብሮ ንጥፈታት ድማ ንስለ ኤርትራ ኢልና ስለ ንገብሮ ሰናይ ነገር ኢዩ ኢልና ንኣምን። እዚ ካብ ኮነ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ነዚ ኣተሓሳስባናን ርድኢትናን ብዕሙቕ ዝበለ ደረጃ ክንድህስሶ እዋናውን ኣገዳሲን ኮይኑ ይስምዓካ። 

ብመሰረቱ እዚ ሕጂ መሬት ኤርትራ ኢልና ንጽውዖ ዘለና ኣብ ሓደ ክፍለ-ዘመን ወይ ኣብ ሓደ ዓመት ዝተፈጥረ ኣይኮነን። ዓለም ክትፍጠር ከላ ዝነበረን ዘሎን ጅኦግራፊካዊ ቦታ እዩ። ኤርትራ ትበሃል ልኡላዊት ግዝኣተ-መሬት ክትህሉ ዝኸኣለት ግን፡ ኤርትራውያን ኣቦታትናን ኣዴታትናን ተሰማሚዖም ኤርትራ ትበሃል ሃገር ክትህሉ ከምዘለዋ ቅድም ክብሉ ስለዝኣመኑን ስለዝወሰኑን እዩ። እዚ ራኢ’ዚ ክውን ክኸውን እንተ ኾይኑ፡ ኤርትራውያን ሓድነትና ከነሓይል ኔሩና። ሓድነት ሓደ ሕብረተሰብ ክሕይል እንተኾይኑ ከኣ ኣብ መንጎ ኣባላት እቲ ሕብረተሰብ ሓድ ሕድ ናይ ምክብባር፣ ናይ ዝምድናን ሕውነትን ምርድዳእን መንፈስ ክዓዝዝ ይግባእ። ሓድነትና ድማ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘካየድናዮ መሪር ቃልሲ ተረጋጊጹ እዩ፡፡ ከም ውጺኢቱ መሰረታዊ ክብርና፡ ናጽነትናን መሰል ርእሰ-ውሳኔናን ኣረጋጊጽናስ፡ ኣብቲ ብ1993 ዝተኻየደ ሪፈረንደም ከኣ ልዕሊ 99% እወ ንናጽነት ኤርትራ ብምድማጽ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ብወግዒ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ግዝኣተ-መሬት ኣረጋጊጽና።

ካብዚ ሓቂ’ዚ ኸኣ፡ ሓድነት ህዝብን ኤርትራዊ ግዝኣተ-መሬትን ክወሓስ ዝኽእል ቅድም መሰረታዊ ክብሪን ናጽነትን ኤርትራዊ ዜጋ እንተ ተኸቢሩን፡ ኣብ መንጎና ድማ ሓድ ሕድ ናይ ምክብባር፣ ናይ ዝምድናን ሕውነትን ምርድዳእን መንፈስ ምስዝዓዝዝ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ምስ ዘይከውን ግን ሓድነታዊ ሓይልና ኣብ ምልክት ሕቶ ይኣትውን፡ ህላዌና ከም ህዝብን ሃገርን ድማ ኣብ ሓደጋ ይወድቅ። ስለዚ ምሕንጻጽን ዘይምሕንጻጽን ዶብ ንመንነትና፣ ቅንዕናና፣ ሕጋውነትና፣ ሓድነትናን ሓይልናን ክውን ወይ ፍሩስ ክገብሮ ፍጽም ኣይክእልን። በንጻሩ እኳ ደኣ መሰረታዊ ክብርናን ናጽነትናን ኣብ ሓደጋ እንተ ወዲቖም፡ ሓድነታዊ ሓይልናን ህላወናን መንነትናን ከም ሃገርን ህዝብን ኣብ ምልክት ሕቶ ይኣትዉ ማለት እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓቂ ኸኣ ብኻልእ ንዕኡ ዝመሳሰል መገዲ ክንድህስሶ ንኽእል ኢና። ንኣብነት እቲ እወ ንናጽነት ኤርትራ ኢልና ዘድመጽናሉ ሪፈረንደም ትርጉሙ… ኣብ ቅዋምን ልዕልና-ሕግን ዝተመስረተት፡ ንመሰረታዊ ክብርን ናጽነትን ኩሉ ዜጋ እተኽብር፡  ዲሞክራሲያዊት፣ ልኡላዊትን ብልጽግቲን ኤርትራ ንኽትህነጽ እዩ። እዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ራኢ እዩ። ንራኢና ከነተግብር እንተደኣ ኮይንና፡ ህዝቢ መሰረት ናይ ኩሉ ምዕባለ ሃገር ምዃኑ ኣሚንና፡ ኣብ ዝኾነ ግዜ ነቲ ሓደ ሕብረተሰብ ክበጽሖ ዝግብኦ ዝለዓለ ደረጃ ሰብኣዊ ክብሪ፣ ናጽነትን ምዕባለን ንኸነራጋግጽ ኣበርቲዕና ክንሰርሕን ክንቃለስን ይግባእ። ባህርያዊ ኮይኑ ኣብ መስርሕ ናይዚ ቃልሲ’ዚ ከጋጥሙና ዝኽእሉ ብድሆታት፡ ከምእኒ ናይ ዶብ ሽግር ድማ፡ ሓድነትና ዓቂብና በብደረጁኦም እንዳፈታሕናዮም ክንከይድ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ እዞም ኣብ መስርሕ ቃልስና ዘጋጥሙ ብድሆታት፡ ሚዛኖም ብዘየገድስ፡ ነቲ ቀንድን መሪሕ ራኢናን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕና ክንገጥሞም ምፍታን ቅሉዑን ሓደገኛን ኣንፈት ምስሓት ይኸውን። ስለዚ ናይ ዶብ ከይተሓንጸጸ ብዛዕባ መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ክንዛረብ የብልናን ዝብል ስነ-መጎት ሚዛን ክህልዎ ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዓቢኡ‘ውን ኣንጻር መሪሕ ራኢ ህዝቢ ኤርትራ እዮ።

እምባአርከስ፡ እንተ ደኣ ንሓደ ፖሊሲ ወይ ውጥን ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ናይ ኤርትራውያን ቀዳምነት ዘይህብ ኮይኑ፤ እንተ ደኣ እዚ ፖሊሲ‘ዚ ንክብርን መሰላትን ዜጋታት ብምግሃስ ሃገራዊ ስሚዒቶም ዘዳኽም ኮይኑ፤ እንተ ደኣ እዚ ፖሊሲ‘ዚ ንዜጋታት ካብ ኤርትራ ንኽስደዱ ዘገድዶም ኮይኑ፤ እንተ ደኣ እዚ ፖሊሲ’ዚ ንዜጋታት ወነንቲ መጻኢ ህይወቶምን ምዕባሊኦምን ንኽኮኑ ዘይሕግዝ ኮይኑ፤ እንተ ደኣ እዚ ፖሊሲ’ዚ ኣብ መንጎ ዜጋታት ናይ ምክብባር መንፈስ ዘየዕዝዝ ኮይኑ፤ እንተ ደኣ ንሕና ነዚ ፖሊሲ ከነዐውት ንህቅን ኮይንና፡ እዚ ማለት ንሕና ባዕልና ንሓድነትና፣ ሕጋውነትናን መንነትናን ኣብ ሓደጋ ነውድቖ ኣለና ማለት እዩ። በዚ መሰረት፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ፖሊሲ ንምትግባር ምእዙዝ ምዃን ፍጹም ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን። በንጻሩ’ኳ ድኣ ንሰናይ ናይ ኤርትራና ንምነ እንተ ኮይና፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ናይ ዜጋታት ክብሪ፣ መሰልን መነባብሮን ዘቐድሙ ፖሊሲታት ክንድግፍን ከነተባብዕን ሞራላዊ ሓላፍነትና እዩ።

Last Updated ( Saturday, 07 July 2007 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Border Issue (Tigringa Article]