Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

Bdho_Antsar_atahasasbana EATGS
Eat our call up! Print E-mail
Written by meseley team   
Wednesday, 16 April 2008

ጻውዒትና ቖሊኻ ብልዓዮ

ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.)፡ ብዕለት 3 መጋቢት 2008፡ ኣብ ከተማ ጆሃንስበር፡ ብ “ዘመተ-ቶኽሲ-ደው-ምባል” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ሲቪካዊ ማሕበር ዝተዳለወ መኣዲ ዘተ ተሳቲፉ። እዚ መኣዲ ዘተ ኣብ ትሕቲ “ጻውዒተይ ቖሊኻ ብልዓዮ” ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ንኣብያ መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ዘተኮረ ኣርእስቲ ዘካተተ እዩ ኔሩ።

 

ኣብቲ መኣዲ ዘተ “ጻውዒተይ ቖሊኻ ብልዓዮ” ዘርእስታ ዶኩመንታሪ ፊልም ቀሪባ። እዛ ፊልም ኣብ እዋን ኣፓርተይድ ብዛዕባ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ምኽታብ ዝኣበዩ ጻዓዱ መንእሰያት ደቡብ ኣፍሪቃ እተዘንቱ እያ። ካብ 1967 ክሳብ 1993 ጻዓዱ መን እሰያት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሰራዊት ብግዲ ይኽተቡ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ነዚ ወትሃደራዊ ጻውዒት ምቕባል ንዝኣቢ ድማ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ይብየነሉ ኔሩ። ኣንጻር እዚ ፖሊሲ’ዚ ኸኣ፡ ኣብ 1983፡ “ዘመተ-ግዴታዊ-ዕስክርና-የኽትም” ተባሂሉ ዝፍለጥ፥ ብሓባር ንጸዓዱን ጸለምትን ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝሓቖፈ፥ ንኣፓርታይድ ነቅ-ነቅ ዘበለ፥ ሓያል ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከምዝተበገሰ ይንገር። እዛ ፊልም እምበኣር ንውልቃዊ ተመክሮ ኣርባዕተ ናይቲ ሽዑ እዋን መንእሰያት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ማለት እቲ ንሶም ዝሓለፍዎ ስቃይን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን እተዘንቱ ኢያ።

 

ድሕሪ እዛ ፊልም፡ ንግዴታዊ ክታበት ኣብ ሰራዊት ዝምልከት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እንተላይ ናይ ኤርትራ ኩነታት ንዘተ ቀሪቡ። ንኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ወኪሉ ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ኩነታት ንተዛተይቲ መብርሂ ዝሃበ ምናሴ ተኽላይ እዩ።

 

Sample Image

 

 

ምናሴ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ሰራዊት ምኽታብ ብሕጊ ዝጸንዓ ምዃኑ ሓቢሩ። “ኣብ ሕዳር 1991 ብግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝጸደቀ ኣዋጅ ቁጽሪ 11/91 (ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ ዝፍለጥ)፡ ኣብ ኤርትራ ዕስክርና ብሕጊ ንኽቀውም ዝገበረ እዩ” ይብል ምናሴ። እዚ ኣዋጅ ካብ 18 ክሳብ 40 ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ንዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን (ማለት ሽዱሽተ ወርሒ ንወትሃደራዊ ታዕሊም፥ ዓመት ድማ ኣብ ወትሃደራዊ ኣገርግሎት) ንኸገልግሉ የገድድ። ድሒሩ፡ ኣብ ሓምለ 1995 ኣዋጅ ቁጽሪ 11/91 ብኣዋጅ ቁጽሪ 82/95 ከምዝተተክአ ምናሴ ይገልጽ። እዚ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ንልዕሊ 40 ዓመት ክሳብ 50 ዓመቶም ዜጋታት ኣብ ሰራዊት ንኸገልግሉ ይጽውዕ። ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከምዝገልጽዎ ከኣ ዛጊት ልዕሊ 700000 ዜጋታት በዚ መስርሕ’ዚ ሓሊፎም ኣለው። ብዙሓት ካብዚኦም ክሳብ 10 ዓመት ኣብ ወትሃድራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ከምዝርከቡ ምናሴ ንተዛተይቲ ሓቢሩ።

 

 

ምናሴ ብምቕጻል፡ ብማዕከናት ዜና ኤርትራ ዝፍኖ ወግዓዊ መግለጽታት፡ ዕላማ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት፡ “ጥዑይን ኣፍራይን” ዜጋ ምምልማል እዩ ዝብል። ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ምስቲ ብቀጻሊ ዝፍኖ ወግዓዊ መግለጺታት ዘራኽብ የብሉን ይብል። “ብርግጽ” ይብል ምናሴ ወሲኹ፡ “ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ጠንቂ ምብሕጓግ ደረጃ መሃዝነትን ፍሉይ ነገር ናይ ምግባር ርእሰ-ተኣማንነትን ዓቕምን መንእሰያት ኮይኑ እዩ ጸኒሑ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።” ኣብ ኤርትራዊ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት፡ መንእሰይ ዝመሃሮ ፍሉይ ነገር እንተሃልዩ፡ ንወትሃደራዊ መኮነን “ምፍራሕን፥ ምእዙዝን ተምበርካኽን ምዃንን” እዩ ኸኣ ይብል።

ኣብ ኤርትራ፡ ህልናዊ ወይ ሃይማኖት መንቀሊኡ ኣብያ ካብ ምኽታብ ኣብ ሰራዊት ብኣዋጅ ቁጽሪ 82/95 ቅቡል ኣይኮነን ይብል ምናሴ። ንኩነታት ኣመንቲ ጆህዋ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ድማ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣመንቲ ጆህዋ ዜግነታዊ መሰሎም ተነጢቆም ከምዝርከቡ፡ ብሰሪ ኣብያኦም ንዕስክርና ድማ መሪር፣ ኢ-ሰብኣውን ስቅያት ዝመልኦን መቅጻዕቲ ብኢድ ወተሃደራውያን መኮንናት ከምዝወረዶም ምናሴ ሓቢሩ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ሰራዊት ከሎ ብዓይኑ ዝረኣዮ ምኸኑ’ውን ገሊጹ።

ኣብ ወትሃደራዊ ምምሕዳር ኤርትራ ሕጊ-ኣልቦነት፣ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣድልዎን ናይ ተበላጽነት ባህሊን ዓብሊሎም ከምዝርከቡ ምናሴ ይገልጽ። እዞም ኩሎም ስነ-ምግባር ዝጎደሎም ተግባራት ብሓለፍቲ ሰራዊት እዮም ዝፍጸሙ፥ ብተግባራቶም ድማ ኣብ ፍርዲ ኣይቀርቡን እዮም፥ ፍጹም’ውን ኣሕተቱን።

 

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን” ይብል ምናሴ “ኣብ መንጎ እቲ ሕብረተሰብ ዕስክርና ብፍኑውን ዝለዓለን ጠርዙ ይቕጽል ምህላው እዩ።” ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሲቪላውን ትምህርታውን ትካላት፡ ብወትሃደራዊ ምምሕዳርን መዓስከራትን ተተኪኡ ንረኽቦ ኸኣ ይብል። እዚ እንዕዘቦ ዘሎና ዋሕዚ መንእሰይ ኤርትራ ናብ ስደት ድማ ቀጥታዊ ግብረ-መልሲ ናይዚ ሓቂ’ዚ ምዃኑ የብርህ። ብርግጽ፡ ይብል ምናሴ፡ ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት ስውር ተቛውሞ ኣንጻር ፍኑው ዕስክርና ሃገርና እዩ።

ስርዓተ-ምምሕዳር ኤርትራ ነዚ ዝንቡዕ ኣሰራርሓን ምምሕዳርን ወትሃደራዊ ምልመላ፡ ዳገመ ግምት ክገብረሉ ድሌት ዘለዎ ኣይመስልን። መንግስቲ በንጻሩ፡ ንባህግን ድሌትን መንእሰያት ኣብ ምስላብ ኣድማዒ ክኸውን ዘይክእል መገዲ ኢዩ መሪጹ፥ እሱ ኸኣ ነቶም ጻውኢት ንወትሃደራዊ ዕስክርና ዘየኽብሩ ወይ ዝኹብሉሉ ወይ’ውን ንስደት ዘምርሑ መንእሰያት፡ ምፍርራሕ፣ ከድዓት ዝብል ጸርፊ ምውርዋርን ጎነጻዊ ስጉምታት ኣብ ልዕሊኦም ምውሳድን መንግስቲ ስርሓይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ይብል።

ምናሴ ብምቕጻል፡ ገለ ካብቶም ብወትሃደራውያን ትካላት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወርዱ ጎነጻውያን ስጉምታት ይጠቅስ። ብዘይሕግን ንዘይተፈልጠ እዋናትን እስራት፣ ስቅያት ዝመልኦ መቕጻዕቲ፣ ካብ ሃገር ክወጽእ ዝተረኽበ ድማ ብቀጥታ ቶኩስካ ምቕታል ገለ ካብኣቶም ስነ-ምግባር ዝጎደሎም ፍጻሜታት እዮም። ብተወሳኺ፡ ደቅኹም ኣምጽዎም ብዝብል ምኽንያት ምእሳር ወለዲ’ውን ከምዘሎ ይገልጽ። ብርግጽ እዚ ስጉምቲ’ዚ፡ ይብል ምናሴ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ባህሊ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዝጸንሐ፡ ንወለዲ ብኣኽብሮት ምክንኻን ዝብል ኣምር ምሉእ ብምሉእ ዝጻረርን ሓላፍነት ዝጎደሎን ተግባራት እዩ። ብሓጺሩ ወትሃደራውን ስለያውን ትካላት ሃገርና ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ-ርእሰን ዜጋታት “ግብረ-ሽበራዊ ተገባራት” ጥራይ ኢልካ ክትጠቅሶ ዝከኣል ዝርሓት ምፍጻም ስርሓይ ኢለን ተተሓሒዘናኦ ንረኽበን ይብል።

ንመጻኢ እንታይ ክግበር ኣለዎ ንዝብል፡ ብዛዕባ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.፣ ካልኦት ኤርትራውያን ማሕበራትን ኣህጉራውያና ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝገብርዎ ዘለው ጻዕርታት ንተዛተይቲ ሓጺር መግለጺ ሂቡ። እዚ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ድማ ንመንእሰይ ኤርትራ ኣብያኡ ንዕስክርና ብዝለዓለ ደረጃ ንከሐይል ንምትብባዕ ዘተኮረ እዩ፥ እዚ ማለት፡ መንእሰይ ዓው ኢሉን ካይፈርሓን “ጻውዒትና ቖሊኻ ብልዓዮ” ክብል ንኽተባባዕ እዩ። ዕላማኡ ድማ ንህሉው ደረት-ኣልቦ ዕስክርና ሃገርና ንምድኻም እዩ። ነዚ ጻዕርታት ንምሕያል ድማ ንተዛተይቲ ሞራላውን ቴክኒካውን ሓገዛት ንኸወፍዩ ምናሴ ዕድመ ኣቕሪብሎም። 

ኣብዚ መኣዲ ዘተ ንዝተፈላለያ ሲቪካውያንን መወልቲ ማሕበራትን ወኪሎም ዝመጹ ተሳቲፎም። ገለ ካብቶም ናይ ኣውስትርያ መዋሊ ማሕበር (Austrian Development Agency)፣ ኤርዝ ላይፍ ኣፍሪቃ (Earth Life Africa)፣ ኤስ.ኤ.ቢ.ሲ (SABC)ን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ተምሃሮን ገጠራትን ማሕበራት ይርከብዎም።

Last Updated ( Monday, 23 June 2008 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2009 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Featured Articles arrow Featured Articles arrow Eat our call up!