Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

radio_main Bdho_Antsar_atahasasbana
Romantisizing Ghedli Print E-mail
Written by meseley team   
Saturday, 12 April 2008

ምቕንጃው ገድሊ

ንታሪኽ ህይወት ስነ-ጥበባዊት ሰናይት መሓሪ እትገልጽ መጽሓፍ ነበልባል ልቢ፡ ኣብ ዕዳጋ ካብ ትዝርጋ ኣትሒዛ ክሳብ ብፊሊም መልክዕ ዝቀረበትሉ እዋን፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜናን ኣብ መንጎ ብዙሓት ኤርትራውያንን፡ በቲ ሓደ ኣድናቖትን ሞገሰን፡ በቲ ኻልእ ድማ ክትዕን ሓያል ተቛውሞን ብዛዕባ ትሕዝቶኣ ክካየድ ጸኒሑን ኣሎን።

እዛ መጽሓፍ፡ ሰናይት ብህጻንነታ ኣብ ጀብሃ ከምዝዓስከረት፥ ውግእ ኣብ መንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ብዓይና ከምዝረኣየት፥ ከምኡ’ውን ብዝሑ ጸገማት፡ ማለት ጾታዊ ዓመጽን ካልእን ከምዘጋጠማ ትገልጽ።

 

Sample Image

 

ገለ ዜጋታት “ኣብ እዋን ገድሊ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማት ንቅድሚት ንኽወጽእ ሓጋዚት እያ” ዝብል ርእይቶ ከቕርቡ ከለው፥ ካልኦት ግን  “ዝተጋነነ ትሕዝቶ ዘለዋ እያ” ይብሉ። ገለ ኸኣ “ንታሪኽ ገድልን ህዝብን ኤርትራ ዘጸልም፡ ንውልቃዊ ጥቕማ ኢላ ሰናይት ዝኣለመቶ ሓሶት እዩ” ይብሉ። ገለ ውሑዳት ድማ ንሰናይትን መጽሓፋን ንምምካት ሓድነት ተቛወምትን ህ.ግ.ደ.ፍን ዝጽውዑ ኣለው። በንጻር’ዚ “ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ሃገርና ምግሃስ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ገኒኑ እንዳሃለወስ ብዛዕባ ናይ ሰናይት ጉዳይ ምዝራብ ኣድላዩ ኣይኮነን” ዝብሉ እዮም።

ብዝኾነ እቲ ክትዕ ይቕጽል፡ ዓበይቲ ኣርእስታት ድማ ምስኡ ይስዕቡ። እቲ ሓደ ኣብ ገድሊ ዝነበረ ሓቐኛ ታሪኽ ክድሕዳሕ ኣለዎ፥ ኣወንታውን ኣሉታውን ጎድንታቱ ክንጸር ኣለዎ፥ ህዝቢ ድማ ክፈልጦ ይግባእ ዝብል እዩ። ብኣንጻሩ ገድሊ ክቡር ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ ክትንከፍ የብሉን ዝብል ርእይቶ እዩ።

እዚ ኹሉ ክትዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ባይታታት፡ ማለት ኣብ ኣዝማሪኖ ዳት ኮም፣ ፓልቶክን ካልኦት ናይ መራኸቢ ዝካየድ እዩ። ምቕንጃው ገድሊ ዝብል ብቛንቛ እንግሊዝኛ ብ ዮሴፍ ገብሪሂወት ዝተጻሕፈ ሓጺር ጽሑፍ ኸኣ ነዞም ርሱናት ክትዓት ናብ ነበልባላዊ ሓዊ ዘዕርግ ነዳዲ ከምዝወሰኸሎም ብዙሓት ተንተንቲ ይገልጹ።

ዮሴፍ፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ጸገም መጠኑ ዝሓለፎ ምቕንጃው ገድሊ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ። ኣብዚ እዋን፡ ይብል ዮሴፍ ኣብ ጽሑፉ፡ “ኣጋጢሙና ዘሎ  ጸገማት ነቲ ኣብ ልዕሊ ተቖናጅዩ ዝቐረበ ገድሊ ዘለና ኣምልኾ ክንርሕርሖ ብዘይምኽኣልና እዩ። እቲ ጉዳይ ሓንቲ ሃገር ንሓደ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎ እምነት ምቕታል እንተዝኸውን ኔሩ ክንደይ ባህ ምበለኒ፤ ሓደ እምነት ሃገር ክቐትል ምርኣይ ግን ኣዝዩ እዩ ዘሕዝን” ይብል ዮሴፍ።

ዮሴፍ ንገድሊ ንነዊሕ እዋን ኣብ እንግድዐና ተሰኪምናዮስ ሎሚ ግን ካብ ዓቀን ንላዕሊ ከቢዱና ክንጻወሮ ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ በጺሕና ዝብል እምነት ኣለዎ። እዚ ባዕልና ዝመሃዝናዮ ፈጣሪ ይብል ዮሴፍ፡ ሃርጋፍ ሸውሃት ስለዘማዕበለ ነዚ ሸውሃት ንምርዋይ ቀጻሊ መስዋእቲ ክንከፍል ንሕተት። እቲ ዘገርም ኸኣ፡ ንዘይተነጸረ፣ ደብዛዝን ዘይተጨበጠን ራኢ ንምውሓስ ሓደ ወለዶ ድሕሪ እቲ ሓደ መስዋእቲ ንክኸፍሉ ዝግደዱ ምዃኖም ኣብ ጹሑፉ ብተወሳኺ ይገልጽ።   

ኣብ ምቕንጃው ገድሊ፡ ጀብሃን ሻዕብያን ዝላዓለ ተራ ከምዘለዎም ዮሴፍ ይገልጽ። ከምኡ’ውን ሓፋሽ ህዝቢ። ንሕሉፋት ደገፍቲ ጀብሃን ሻዕብያን ብሓባር ዝጠምሮም ሓሳባት ዝምልከት ከብርህ ከሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ይብል ዮሴፍ፡  ኣብቲ ካብ ዓቐኑ ንላዕሊ ተቀናጅዩ ዝቐረበ ሰውራ ዘለዎም ኣምልኾን፡ ኣንጻር’ዚ ዝተኳሓሓለ ስእሊ ዝቀርብ ሓቅታት ድማ ምሉእ ብምሉእ ዝኽሕድዎ ምዃኖም እዩ።

ዮሴፍ ንሕሉፋት ደገፍቲ ጀብሃ ኣመልኪቱ፥ ደገፍቲ ጀብሃ ብዛዕባ “ጀብሃ ዓባይን” “ኣደ ገድልን” ኢሎም ኣብ ዝዛረብሉ እዋን ወላሓንቲ ኢንታ ዘይነበራ ውድብ ኣምሲሎም ይቐርጽዋ። ነቲ ንጀብሃ ኣብ መወዳእታ ስዕረት ንክትከናነብ ዝደረኻ “ምልካዊ፣ ፈላላዪ፣ ፋሉልነት፣ ብልሽውናን ዘይጽፉፍ ኣወዳድባን” ግን ክኽሕድዎ ይመርጹ። ሕሉፋት ደገፍቲ ሻዕብያ’ውን እንተኾኑ፡ ካብ ናይ ጀብሃ ብዘይንእስ ዓቀን፡ ነቲ በቲ ውድብ ዝተፈጸመ ጅግንነትን ዓወትን ካብ ዓቐኑ ንላዕሊ ኣጋኒኖም ከቅርቡ ዝስልክዮም ኣይኮኑን። ነቲ ምልካውን ኣረሜናውን ተግባራቱ ግን ብጩቕ ኢሎም ኣይዛረቡሉን ጥራይ ዘይኮነስ ይኽሕድዎ ኸማን።

ዮሴፍ ንብዙሓት ኣገደስቲ ፍጻሜታት ብምኽሓድ ጥራይ’ዩ ሰውራ ዝተቀናጀወ ምስሊ ክህልዎ ዝኽእል ዝብል እምነት ኣለዎ። ነዚ ንምብራህ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ይጠቅስ፦ ኣብ እዋን ገድሊ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ከምዘይርኣኻ ዓይኒካ ዓሚትካ ምሕላፍን ከምዘይነበሩ ምኽሓድን፣ ነቶም ዘተሓታትት ታሪክ ዘለዎም “ተጋደልቲ” ከም ታአምራት ዝሰርሑ ጀጋኑ ኵናት ጌርካ ምቅራብ፣ ኣብ እዋን ገድሊ ንዝተራእዩ ኣገደስቲ ፍጻሜታት ናብ ከርብሐካ ዝኽእለሉ ዕላማ ምጥምዛዝ፣ ሰላምን ሓድነትን ህዝቢ ከምዘሎ ዘምስሉ ጽውጽዋያት ምስራሕ፣ ብቀሊሉ ክልለን ክጭበጥ ዘይክእል ሃገራዊ መንነት ከምዘሎ ኣምሲልካ ምትምያን፣ ንክትፍውሶ ዘይካአልካ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ስንፍና ንምሽፋን እዚ ዘይብሃል ምስምሳት ምፍጣርን ሓደ ድሕሪ ሓደ ጸላኢ ምጭጫሕን ኣድልዪ ሙኳኑ ዮሴፍ የብርህ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ዮሴፍ ዘልዓሎ ነጥቢ፡ ንተራ ህዝቢ ኣብ ምህናጽ ስእሊ ገድሊ ዝምልከት እዩ። መብዛሕትና ዘይነቃልበሉ፡ ምእዙዝ ናይ ምዃን ባህሊ ህዝቢ፡ እቲ ንገድሊ ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ ንኽበጽሕ ዝገበረን፥ እዚ ባህሊ እዚ ድማ ንኢሰያስ ውልቀ-መላኺ ኮይኑ ንኽቕጽል ዝሕግዝ ዘሎን ከምዝኾነ ይሕብር። ዮሴፍ ብምቕጻል ህዝቢ “ንመንን ንምንታይን ኣገልግሎቱ የወፊ” ኢሉ ንገዛእ-ርእሱ ዝሓትት ኣይኮነን፥ “ዘስተውዕለሉ’ውን ኣይመስልን”፥ እዚ “ናይ ዘይምስትውዓል ባህሊ” ኣብ ህዝቢ ኣሎ፥ እዚ ኸኣ ገለ ጸገም ኣብቲ ህዝቢ ከምዘሎ እዩ ዘርእይ ብምባል ህዝቢ ኣብ ምቕንጃው ገድሊ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ጠቂሱ።

ጽሑፍ ዮሴፍ ካብ ኣምበብቲ ዝረኸቦ ግብረ-መልሲ

ንጽሑፍ ዮሴፍ ዝተዋህበ ግብረመልሲ መዳርግቲ የብሉን። ገለ ንዮሴፍ ዘመጉስ፥ ገለ ድማ ብነቀፌታዊ ዓይኒ ዝርኢ፤ ገለ ክሳብ ገድሊ ብኻ ተሪፉና ትርጉም የብሉን ዝብል፥ ገለ ኸኣ ውልቃዊ ጸርፉ ኣብ ልዕሊ ዮሴፍ ዝፍኑ። ገለ’ውን ንዮሴፍ ንባዕልኻ ስለ ዘይተጋደልካስ ንገድሊን ተጋደልትን ተናሹ ኣለኻ፥ እዚ ድማ “ዘይስንኻስ ሑጻ ቖርጥመሉ” ኢኻ ጌርካዮ ይብል።

እቲ ጽሑፍ “ንህዝቢ ኤርትራ ዝሃሲ” ስለዝኾነ ኣስማሪኖ ዳት ኮም ከምዚ ናይ ዮሴፍ ጽሑፋት ኣቀዲማ ሳንሱር ክትገብሮ ዝጽውዕ ሓሳባት’ውን ኣይተሳእነን። ካልኦት ድማ ሳንሱር ምግባር ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል ዝገትእ ስለዝኾነ ንህዝቢ ሃሳዩ እዩ ይብሉ።

 

ካብ ጋዜጣ መሰለይ ቁጽሪ 3 ዝተረኽበ ጽሑፍ 
Last Updated ( Friday, 18 April 2008 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2009 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Featured Articles arrow Featured Articles arrow Romantisizing Ghedli