|
ኣይ ውግእ ኣይ ሰላም፥ እንታይ ደኣ፡ ጉልባባት ናይ ውክልና ውግእ ብልጫ ውዕል ሰላም ኣልጀርስ፡ ኣብ ውሽጡ ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ፡ ኣብ መስርሕ ትግባረ ውዕል ክትዝትየሉን ክትዘራረበሉ ዘኽእል ስምምዕ ዝሓቆፈ ምዃኑ እዩ። ጽኑዕን መህደሚ ዘይነበሮን ሰነድ ኮይኑ፡ ንዕድል ዝግደፍ ሃጓፍ ኣይነበሮን። ካብ ምፍራም እቲ ሰነድ፡ ክሳብ ኣብ ባይታ ምሕንጻጽ ዘጠቃለለ፡ ቀጥታውን መስርዓውን መስርሕ ዝኽተል እዩ።
ድኹም ጎድኒ ውዕል ኣልጀርስ ኸኣ፡ ንኽልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ውጽኢቱ፡ ማዕረ ዋንነት ከምዘለወን ንኽኣምና ዘረጋግጽ ብዘይምዃኑ እዩ። ኣብቲ ግጭት ኢትዮጵያ ሰለስተ ቀዳምነታት ኔሮምዋ። ግና’ኸ ሓንቲ’ኳ ካብቶም ብቀዳምነት ዝሰርዓቶም ረቛሒታት ኣይረኸበትን። ስለዚ፡ ነቲ ውዕል ከም ቀያዲ ውዕል ዘይኮነስ፡ ንስለ ምክፋል ኢላ ጥራይ ክትክተሎ ዝግባእ ወግዓዊ መስርሕ ክትወስዶ ጸኒሓ። ኤርትራ ብወገና፡ ኣርባዕተ ቀዳምነታት ኔሮምዋ። ንሰለስተ ካብተን ኣርባዕተ፡ እቲ ውዕል ብብቕዓት መሊሱዎም እዩ። እታ ሓንቲ ኤርትራ ዘይረኸበታ፡ ናይ ዋሕስ ሕቶ እያ። እዚ ማለት ኢትዮጵያ ንውሳኔ ኮምሽን ዶም ምቕባል እንተ ኣብያ እንታይ ዋሕስ ክህሉ ይኽእል ዝብል እዩ። ዋሕስ ናይ ምዃን ተራ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ወይ’ውን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብቲ ውዕል ዝጠቃለል ኣይኮነን። እዚ ስለዝኾነ ኸኣ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ድሕሪ 9 ዓመታት፡ ኣይ ኣብ ሰላም ኣይ ኣብ ውግእ፡ እንታይ ደኣ ኣብ ሓያል ናይ ውክልና ውግእ ተሸሚምና ንርከብ ዘሎና። ቀዳምነታት ድሕሪ ምውላዕ ውግእ፡ ክልትኤን ሃገራት ኣብቲ ዘገድሰን ቀዳምነታት ምርኩስ ብምግባር፡ ነናይ ገዛእ ርእሰን ዛንታ ኣማዕቢለን። ናይ ኤርትራ ቀዳምነታት፡ (ሀ) ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ልዑላውነት ናይታ ሓንቲ ሃገር ከተኽብር፣ (ለ) ምሕንጻጽ ዶብ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት ክትግበር፣ (ሐ) መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ ቅልጡፍ ክኸውንን (መ) ትግባሬ ውሳኔ ዘፈጽም ዋሕስ ክህሉን ዝብሉ ኔሮም። ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ልዑላውነት ድልየታ ረኺባ ኢያ። እዚ ምናልባት ሓደ ዘይጠቅም ጉዳይ ክመስል ይኽእል ይኸውን። ምስቲ ብመንጽር ኢትዮጵያ ዝጠለበቶ ቀዳምነታት ክርአ እንከሎ ግን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ይኸውን። ኣብ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ’ውን ኤርትራ ተዓዊታ ኢያ፥ ማለት ብመሰረት መግዛእቲ ውዕላት፡ ዋላ’ኳ ነቲ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ስርዓተ-ሕጊ ዝብል ናይ ኢትዮጵያ ጠለብ ከተአንግድ እንተነበራ። ኣብ ምህንዳስ ቅለጡፍ መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ’ውን ኤርትራ ድልየታ ረኺባ ኢያ። ውሳኔ ኮምሽን ዶብ፡ ብመንጽር’ቲ ምስ የመን ዝተገብረ ውዕል ዝወሰዶ ጊዜ (4 ዓመት) ክርአ እንከሎ፡ ኣዝዩ ሓጺር ጊዜ እዩ ወሲዱ (14 ኣዋርሕ ጥራይ)። ነዚ ውሳኔ ዘውሕሱ ኣካላት ግን ክትረክብ ኣይከአለትን። ኣብዚ ጉዳይ ትሕት ኢለ ከብርህ ኢየ። ንኽሓልፍ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳምነታት እዞም ዝስዕቡ እዮም ኔሮም፦ (ሀ) ናብ ዝነበሮ ኩነታት ምምላስ፣ (ለ) ኣብ ህሉውን ኣብ መጻእን ካብ ኤርትራ ክመጻ ንዝኽእል ሓደጋ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ምቕናስ፣ (ሐ) ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብቲ ኣብ 1991 – 1997 ዝነበሮ ዓይነት ክምለስ። ከመይ፡ ከም ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር መጠን፡ ከምዚ ዓይነት ዝምድና ጥራይ ኢዩ ንኢትዮጵያ ከሰማምዓ ዝኽእል። ካብዘን ናይ ኢትዮጵያ ቀዳምነታት፡ ሓንቲ’ኳ በቲ ውዕል ኣይተማልአትን። ወይ ንኽማልኡ ዘኽእል ኣጋጣሚ ኣይነበረን ወይ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ትዕግስቲ ስለዝተጸንቀቐ። እቲ ናብ ዝነበሮ ኩነታት ምምላስ፡ ማለት ናብቲ ቅድሚ ግንቦት 6 1998 ዝነበረ ኩነታት፡ ዝብል ንባዕሉ ውጽኢት ናይ ሰናይ ድልየትን ልዝብን ዘይኮነስ፡ ውጽኢት ናይቶም ክልተ ዓበይቲ ወራራት (ለካቲት 1999፡ ግንቦት 2000) ኢዩ። እምበኣርከስ፡ ኢትዮጵያ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ከም ሓደ መዛዘሚ ናይ ሓደ ውዱእ ጉዳይ ደኣ እምበር፡ ምስኡ ወላሓደ ምትእስሳር (ዝምድና) ዘለዋ ኮይኑ ክስምዓ ኣይከኣለን። ኢትዮጵያ ዝደለየቶ ካልኣይ ነጥቢ፡ ኤርትራ ከም ኮስታሪካ ንኽትከውን ክትሰማማዕ ኢዩ። ኤርትራ ሓይሊ ምልሻን ፖሊስን እምበር ገዚፍ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ዘይብላ ክትከውን ዝብል ኢዩ። እዚ ክፍጸም ዝኽእል፡ ሓንቲ ሃገር ነታ ኻልእ ብዘየማትእ መገዲ ምስ እትስዕራ ኢዩ። ግና’ኸ እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ፡ ከምቲ ኣብ እዋን ውግእ ዝቀርቡ ዝነበሩ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ተደምሲሱን ጸኒቱን ኢዩ፡” ዝብሉ ወግዓውያን መግለጽታት ኢትዮጵያ ኣይኮነን። በንጻሩ እቶም መግለጺታት ብመርትዖ ዝተሰነዩ ኣይነበሩን። እዚ ክውንነት እዝን፡ ምስቲ ኣብቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተጠቕሰ “ምኽባር ልዑላውነት” ዝብልን ድማ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ውዕል ንኸይኣቱ ደሪቱዎ። እቲ ሳልሳይ ኢትዮጵያ ዝደለየቶ ሰናይ ድልየት ኮይኑ፡ ኣብቲ ስምምዕ ግን ዝጠቃለል ኣይኮነን። ኩነታት ናብቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበረ ሃዋህው ምምላስ ዝብል ኢዩ። እዚ ማለት ልክዕ ከምቲ ምስ ህግደፍ ኣቀድም ኣቢሉ ዝነበራ ዝምድና ክህልዋሞ፡ ንወደባት ኤርትራ ክትጥቀመሉ፣ ስግረ-ዶባዊ ንግዲ ክረጋገጽ፣ ምንቅስቓስ ኣሕዛብ ክህሉ፣ ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ስምምዕ ክረጋገጽ፣ ኮታስ ክልተ ጎረባብቲ ክህልዎም ዝኽእል ሰናይ ነገራት ንኽማልኡ ዝጠልብ እዩ። ብሓጺሩ፡ ኢትዮጵያ ምስ ህግደፍ ዝነበራ ዝምድና ከምቲ ቅድሚ’ቲ ውግእ ምጅማሩ ኮይኑ ሕጂ ግን ምስ ህግደፍ ዘይኮነስ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ ክኾነላ ደልያ። ኢትዮጵያ ንድሌታ ብሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ክልተ መገዲታት ክትረኽቦ ትኽእል። ሓደ ብመገዲ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ጠለብ፡ ድሕሪ ምሕንጻጽ ዶብ ጥራይ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ስለዚ እቲ ኻልእ መገዲ፡ መተካእታ መንግስቲ ኤርትራ ብምርካብ ማለት እዩ ክኸውን። መተካእታ መንግስቲ ኤርትራ ተዓጻጻፊ መርገጺ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ኣብ ኢትዮጵያ ኔሩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ጹቡቕ ጉርብትና ምህላው ጌጋ ስለዘይብሉ ካብ ዝብል ርድኢት ማለት እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ ኢትዮጵያ ካብ ውዕል ኣልጀርስ ሓንቲ’ዃ ትኹን መኽሰብ ከምዘይረኸበት ኢያ ትኣምን። ስለዚ ዋላ’ኳ ግቡኣ እንተነበረ፡ ዝኾነ ፍልይ ዝብል ሓሳባት ዋላ ተግባራት ክትፍጽም ትሓፍረሉ ኣብነት ከምዘይብላ እዩ ዘረድእ። ምኽንያቱ ኣብ ታሪኻ ከምኡ ዝሕብር ነገር የለን። ነዚ ንምግምጋም ብዙሕ ኣብ ታሪኽ ጠሊቕና ምፍታሽ ዘድልየና ኣይኮነን። ኣብ ነሓሰ 1999 ንኣብነት፡ ሽማግለ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (OAU) ባዕሎም ዝተላዘቡሉን ዝነደፍዎን ቅጥዒ ስምምዕ ሒዞም ቀሪቦም ኔሮም። እቶም ሽማግለ ዝነበሮም መረዳእታ፡ ነቲ ቴክኒካዊ ምትዕርራይ፡ ክልቲአን ሃገራት ወይ ክቅበልኦ ወይ ድማ ክነጽግኦ (accept or reject) እንተዘይኮይኑ ንኻልኣይ ጊዜ ንኽላዘባሉ ዘየፍቅድ ከምዝኾነ እዩ። ኢትዮጵያ ግን ንኻልኣይ ጊዜ ጥራሕ ዘይኮነ ክትላዘብ ፈቲናስ፡ እንታይ ደኣ ነቶም ሽማግለታት ስለምንታይ ኻልኣይ ጊዜ ክትላዘበሉ ከም ዝደለየት ክትነግሮም ከላ፡ እቲ ዝነደፍዎ ስምምዕ ምስቲ ቅጥዒን ኣገባብን ዘይሳነ ምዃኑ ሓቢራቶም። ስለዝስ፡ ኢትዮጲያ ንኮምሽን ዶብ፡ እሞ’ኸኣ ኣብ ዓለም ፍሉጣት ዝኾኑ ጠበቓታትን ደያኑን ዝሓዘ ጉጅለ፡ ንውዕል ኣልጀርስ ብጌጋ ተረዲእኩሞ እንተበለቶምሲ እንታይ ዘሰንብድ ኣለዎ፧ እቲ መልሲ፡ ኣየሰምበደናን። ሰለ ዘይሰምበድና ኢና ድማ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ነቲ ውሳኔ ከውሕስኦ ኣለወን ኢልና ንጸቕጠሉ። እቲ ጸገም እንተኾነ ኣብቲ ውዕል ከምዚ ዝብል ቋንቋ ዘየለ ምዃኑ እዩ። ኣብቲ ናይ 60 ዓመት ዕድመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከማን፡ እቲ ውድብ ንኸምዚ ዓይነት ሽግር ከውሕስ ይኽእል ኢዩ ዝብል መረዳእታ ወይ ሰነድ የልቦን። ዋሕስ ኣልቦ ኣብ ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ን ‘ዋሕስ’ ዝምልከት ንጹር መወከሲ አሎ። እዚ ግን ከምቲ ኣብ ኣተሓሳስባ ብዙሓት ኤርትራዊያን ዘሎ ኣይኮነን። እዚ ማለት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ከፈጽም ሓላፍነት ኣለዎ ዝብል ጽሑፍ ኣብቲ ውዕል የልቦን። ኣብቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተጠቒሱ ከም ዘሎ ግና ናይ ውሕስነት ተራ ዘለወን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ጥራይ ኢየን። እቲ ውሕስነት ድማ ብመልክዕ ዓንቀጽ 7፡ መቕጻዕታዊ ስጉምቲ ዝወስድ እማመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኢዩ። እዚ ናይ ውሕስነት ተራ ግን ካብ ምትካል ፍቕያ ክሳብ ምሕንጻጽ ዶብ ኣብ ዘሎ ጊዜ ብወገን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ናይ ወተሃደራት ምንቅስቓስ ጥራይ ዝምልከት ኢዩ። ኢትዮጵያ ወተሃደራታ ክንዮ’ቲ ቅድሚ 6 ግንቦት 1998 እተመሓድሮ ዝነበረት ቦታታት ከይተንቀሳቕስ መብጽዓ ኣትያ። ኤርትራ ድማ ወተሃደራታ ክንዮ ኣብ ንኡስ ዓንቀጽ 12 ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት ከይተንቀሳቕስ መብጽዓ ኣትያ። ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ድማ ዋሕስ ናይዞም ብኽልቲኦም ወገናት ዝተኣትው መብጽዓታት ክኸውን፥ እዚ ማለት ክሳብ ሓባራዊ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላትን ዓለምለኻዊ ሕግታትን ዝውሰን፥ ወይ ብምምልካትን ብምሕንጻጽን፥ ኣብ ኣከራኻሪ ጉዳያት ድማ ብሞንጎኝነት ክዳኒ። ስለዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝኾነት ሃገር ብሕጊ ኣብ ዘይትምእዘዘሉ እዋን፡ ንዓንቀጽ 7 እናሻዕ ዝጥቀመሉ ኔሩ እንተዝኸውን፡ ኤርትራ ሰራዊታ ኣብ ውሽጢ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ምምዕርራይ ኣብ ዘዝገበረትሉ እዋን፡ ንውዕል ኣልጀርስ ምርኩስ ብምግባር ምተጠቀመሉ ኔሩ። ኣብ ምሉእ ታሪኽ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ዓንቀጽ 7፡ ብፍላይ ከኣ ንኡሳን ዓንቀጻት ካብ 39 – 51፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝግብእ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ውሱናት እዋናት ጥራይ ኢዩ ተተግቢሩ። ዓንቀጽ 7 ተግባራዊ ዝኸውን፡ “ሰላም ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ፣ ሰላም ዝዘርጉ ንጥፈታት ምስዝካየድ፣ ወይ ወራር ምስ ዝፍጸም” ጥራይ እዩ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 192 ኣባላት ሃገራት ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ 60 ዓመት ታሪኹ፡ እቲ ውድብ፡ ንዓንቀጽ 7፡ ኣብ ልዕሊ 24 ኣባላት ሃገራት ጥራይ ኢዩ ክትግበር ጸዊዑ። ምፍጣጥ ክልተ ኣባላት ሃገራት ወይ ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣባል ሃገራት ከጋጥም ዝኽእል ምብልሻው ዝምድና ንዓንቀጽ 7 ክትግበር እኹል መለክዒ ክኾኑ ኣይክእሉን። እንታይ ደኣ፡ ውግእ (ኣብ ጉዳይ ፍልስጥኤምን ኤርትራ/ኢትዮጵያን)፣ ኣፓርታይድ (ደቡብ ኣፍሪቃ)፣ ዓሌትነት (ሮደሽያ)፣ ወራር (ዒራቕን ኣርጀንቲናን)፣ ህልቂትን ምጽናት ዓሌትን (ርዋንዳን ዩጎዝላቭያን)፣ ውግእ ሕድሕድ (ኣብ ሃይቲ፣ ሴራሊዮን፣ ላይቤሪያ፣ ኮንጎን ምብራቕ ቲሞርን)፣ ብኹር ምሕደራ መንግስቲ (ሶማሊያ)፣ ከምኡ’ውን ብመንግስቲ ዝተደገፈ ፈተነ ቅትለት (ኣብ ሱዳን)። ናይ ኡፕሳላ ዩኒቨርሲቲ፡ ንሰላምን ግጭትን ዝምልከት መጽናዕቲ ዘካይድ ክፍሊ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 1948 ጀሚሩ ንዓንቀጽ 7 ዝምልከት ዝወሰዶ ስጉምታት ጸብጻብ ኣቕሩብዎ ይርከብ። ነዚ ሰነድ ብምውካስ ከኣ፡ እቲ ብቀጻሊ ዝቀርብ ዘሎ፡ “ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሞራላውን ግዴታውን ሓላፍነቱ ክስከም ኣለዎ” ዝብል ጠለብ ኤርትራ ፍረ ክርከቦ ይኽእል ዶ ኣይክእልን ኣምባቢ ባዕሉ ክፈርድ ይኽእል። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትግባረ ዓንቀጽ 7 ካብ ምጥቃስ ኣዝዩ እዩ ዘዕጠጢ። እንተወሰነ’ውን ስጉምታቱ ኣዝዩ ድሩት እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ እዋናት’ውን ኣብ እዋኖም ዝፍጸሙ ኣይኮኑን። ኣብ ናትና ኣብነት ንርአ፤ ኣብ ለካቲት 1999 (ድሕሪ ካልኣይ ወራር)፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩለን ሃገራት ኣጽዋር ውግእ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ከይሸጣ ለበዋ ኣሕሊፉ። እቲ ለበዋ ግን በተን ሃገራት ዕሽሽ ተባሂሉ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ክሳብ ዓንቀረን ዓጢቐን። እዘን ክልተ ሃገራት ክሳብ ዓንቀረን ምስ ዓጠቓ ኢዩ እምበኣር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግንቦት 2000 ንዓንቀጽ 7 ክትግበር ጸዊዑ (ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ማለት እዩ)። ጸኒሑ ድሕሪ ሓደ ዓመት እዚ ውሳኔ ተላዒሉ። ብድሕሩኡ ዝሰዓበ እንተኔሩ፡ ውድድር መሸጣ ኣጽዋር ካብ በዓል ራሻ፣ ቤላሩስ፣ ቡልጋርያ፣ ቻይና፣ እስራኤል፣ ሰሜን ኮርያ፣ ሮማንያን ዩክሬይን ኣኸቲሉ። ከም ሳዕቤኑ፡ እልቢ ዘይብሉ ኣጽዋራት ኣብዘን ካብ ዓለም ዝደኸያ ክልተ ሃገራት ተኾሚሩ ይርከብ። ኣብ 60 ዓመት ታሪኽ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘሕለፎም እማመታት ምርኩስ ብምግባር፡ ኢትዮጵያ ነቲ ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ብይን ዕሽሽ ምባላ፡ ምስቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግባረ ዓንቀጽ 7 ዘርኣዮ ምዕጥይጣይ ዝዳረግ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ እምበኣር ነቲ ብይን ዕሽሽ ምባላ ንታሪኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ከይኮነ ኣይተርፍን። እተን መጠውቲ ሃብታማት ሃገራት ዝገብርኦ ጸቕጢ’ኸ ፍረ ክህልዎ’ዶ ይኽእል፧ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ንኢትዮጵያ ዝህብዎ ሓገዝ ደው እንተዘብልዎ . . .ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ እንተኾነ ብብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እንተላይ ብኤርትራ፡ ሓገዝ ከም ቅድመ ኩነት ናይ ጽቡቅ ምሕደራ ክቀርብ ኣይቅበሉዎን እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ንኣብነት፡ ንሙጋቤ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ጅግና ከምዘመጎስዎ ክዝንጋዕ የብሉን። ለገስቲ ሃገራት ብወገነን ረብሐአን ክሳብ ዘይተተንከፈ ሓገዝ ከም ቅድመ ኩነት ናይ ጽቡቅ ምሕደራ ጌሬን ክሰርሕሉ ዘይሕሰብ ኢዩ። ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኸኣ ረብሓ ሓያላን ሃገራት ፈጺሙ ዝተተንከፈ ኣይመስልን። ክሳብ እቲ ጉዳይ ገንፊሉ ናብ ዘዝካሕክሕ ደማዊ ህልቂት ዘይዓረገ ማለት እዩ። ዘይተፈጸመ ዕላማ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብውግእ ክትድምስሶም ስለዘይከኣለት፥ ከምኡ’ውን ነቲ በይናዊ ምውራድ ዕጥቂ ዝብል ስምምዕ ከተተግብር ስለዘይከኣለት፥ ናብ ካልእ ኣማራጺ ኢያ ኣትያ። እዚ ከኣ ምቛም ጊዜያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ እዩ። እዚ፡ ናይ ኤርትራ ሓይሊ ክድምሰስ ካብ ዘይተኻእለ፡ ኣርሕቕ ኣቢልካ (25 ኪሎ ሜተር) ከምዘለዎ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምሓዙ ካብ ዝብል ስነ-ሞገት ዝነቅል ኢዩ። ኤርትራ፡ መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ ስሉጥ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ካብ ዝብል እምነት ብምብጋስ ነዚ መሪር ውሳኔ ክትቅበሎ’ኳ እንተተገደደት፡ ንኢትዮጵያ ግን መተካእታ ነቲ ከተተግብሮ ዘይከኣለት በይናዊ ምውራድ ዕጥቂ ናይ ኤርትራ ኢዩ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ (ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2007) ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ኮምሽን ዶብ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ኣብ ሞንጎ ናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣቶ ዩመርን ፕረሲደንት ናይ’ቲ ኮምሽን ሰር ኢሉሁ ላውተርፓክት ዝተገብረ ምልልስ ምስእንርኢ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ክፋላት ኤርትራ ኣብ ምውሳን ድሌት ከምዘለዋ እዩ ዘመልክት። ኣብቲ ፈለማ ብዛዕባ እዚ ውዕል ሰላም ክንላዘብ ከለና፡ እቲ 25 ኪ.ሜ. ጊዜያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ፡ ካብ ስሙ ክሳብ ካልእ ዝርዝራቱ ንምቛም፡ እቲ ዝነውሐ ጊዜ ኢዩ ወሲዱልና። ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰዓታት ዝተወደአ ጉዳይ ኣይኮነን። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክንላዘብ ከለና ኣነ ለይትን መዓልትን ብኣካል ኣብኡ ኔረ ኢየ። ፕሮፌሰር ብሪልማየር’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ኣበርክቶ ከምዝገበረት ሓቢራትና ኣላ። እዚ ጊዜያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ምስ ቖመ ብዓቃብ ሰላም ሰራዊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሕሎ ምተገብአ። ኣብዚ እዋን እንተኾነ ንኡስ ዓንቀጽ 12 ናይ’ቲ ውዕል ሰላም፡ ማለት ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝብል ሓረግ ኣብ ባይታ ስለዝተጣሕሰ፡ ባይቶ ጸጥታ’ውን ኣስተውዒሉሉ ስለዘሎ፡ ንሕና መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ንጹርን ዘየወላውልን መርገጺ መንግስተይ ኢዩ ይብል ኣምባሳደር ዮመር። ከምቲ ኢትዮጵያ ባዕላ ዝበለቶ፡ ሓደ ካብቲ ዕላማታታ “ንኤርትራ ትምህርቲ ምሃብ” ዝብል ኢዩ ኔሩ። እዚ ትምህርቲ ውጽኢታዊ ምእንቲ ክኸውን ከኣ፡ እቲ መቕጻዕቲ ዝተናውሐን ዝመረረን ክኸውን ኣለዎ ናብ ዝብል መደምደምታ ዝበጽሐት ትመስል። ምናልባት ኢትዮጵያ ኣጥቢቓ እንተትሕተት’ውን፡ ካብ ውዕል ኣልጀርስ ዝረኸበቶ እንኮ ነገር እንተ’ሎ፡ ጊዜያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ጥራይ’ዩ ምበለት። ስለዚ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ብኽብርን ብደገፍን፡ ብዛዕባ ኮምሽን ዶብ ድማ ብምንሻው፤ ኤርትራ ከኣ ብዛዕባ ኮምሽን ዶብ ብኽብርን ብደገፍን፡ ብዛዕባ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ድማ ብምንሻው እንተተዛረባ ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኣይኮነን። ከገርመና’ውን ኣይግባእን። ብመሰረት ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ምስ ምሕንጻጽ ዶብ ከብቅዕ ኔሩዎ። “ኣብ ካርታ ምምልካት ዶብ” ወይ “virtual demarcation” ናይ መወዳእታ መስርሕ ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ክኸውን ይኽእል ዶ፧ ብፍላይ ድማ እቲ መስርሕ ኣብ መወዳእታን ግብራዊ መስርሑን ንኸይበጽሕ ኢትዮጵያ ሓኒቓ ሒዛቶ ከላ፧ ኤርትራ “እወ” ትብል፡ ኢትዮጵያ ድማ “ሕጋዊ ልቢ-ወለድ” ኢዩ ትብል። እዚ ድማ እቲ ካልኣይ ከገርመና ዘይግባእ ጉዳይ እዩ። ሰላም የለን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወይ’ውን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ብሕጊ ዝተወሰነ መሬት፡ ናብ ኤርትራ ክትመልሶ እንተ ዘይኣገዲደንኣ፡ ኤርትራ ካልእ እንታይ ኣማራጺ ኣለዋ፧ ብዙሓት ሰሓብቲ ዘይኮኑ ኣማራጽታት ኣለውዋ። ገል ካብዚኦም፡ ‘ፍትሓዊ ውግእ’ ኣዊጃ መሬታ ከተምልስ ትኽእል፥ ናይ ውክልና ውግእ ብምእዋጅ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዳኺማ ናብ መገዲ ሰላም ንኽመጽእ ምድራኽ፥ ጽዑቕ ናይ ውክልና ውግኣት ብምክያድ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምቕያር፥ ሓደ ክተዓጻጸፍን ሕጋዊ ሓላፍነቱ ክስከም ዝኽእልን መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ ምትካል። መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝዝርግሖ ወግዓዊ መግለጽታት ይኣምኖ ደኣ ከይከውን እምበር፡ እዞም ዝተጠቕሱ ሰለስተ ኣማራጺታትሲ፡ ኣብቲ ዞባ ኣዝዮ ሓደገኛ ሳዕቤን ከኸትሉ ዝኽእሉን፡ ነቲ ዝድለ ዕላማ ክወቕዑ ከኣ ጸቢብ ተኽእሎ ዘለዎምን ምዃኖም ክዝንጋዕ የብሉን። ብተመሳሳሊ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዜያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ውዒሉ ሓዲሩ ክፈርስ ምዃኑ ክግንዘብ ይግባእ። ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ክሳብ ዝሓዘ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እማመኡ ከዝንብ ምዃኑ ክሰሓት የብሉን። ብድሌትን ወለንታን ኤርትራዊ ዜጋ ድኣምበር ብናይ ደገ ጸቕጢ ዝመጽእ ምቕናስ ወትሃደራዊ ሓይሊስ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ከምዘይሰማምዓሉ፤ ከምኡ’ውን ጽቡቕ ዝምድና ብልዝብ ድኣ እመበር ብትእዛዝ ሓደ ወገን ከምዘይመጽእ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዝንግዖ ኣይግባእን። ጉልባብ ናይ ውክልና ውግእ ውግእ ንኸይውላዕ ዝዓለመ ናይ መጠረሽታ ሰዓት ፈተነ፡ ብ ሪቻርድ ሆልብሩክ ዝምራሕ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ኣብ ግንቦት 8-10 2000 ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምብጻሕ ጌሩ ኔሩ። ንሱ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ እዚ ዝስዕብ መግለጺ ንረክብ፦ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ኣብ ልዕሊ’ቲ ተልእኾ ዘለወን ኣረኣእያ ኢዩ። እዚ ብተዛማዲ ቀሊልን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ዝኽእልን ኮይኑ፡ ምስ ግዜ “ጻዑቕ ልዝብ ብምክያድ” ክፍታሕ ዝኽእል ኢዩ ይብል እቲ ጸብጻብ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ደማዊ ውግእ ተጸሚደን። እዚ፡ ኢትዮጵያ ውግእ ንኸተካይድ ኢላ፡ ዝተጠቀመትሉ ጉልባብ ምንባሩ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ናይ ብሓቂ ፍልልይ ኣሎ። እዚ ፍልልይ ግን ክልቲኦም ብዝኣምንዎ ሓያል መንጎኛ ክእለ ዝኽእል ኢዩ። ግና’ኸ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑስ፡ ከምዚ ዓይነት ዋሕስ ክኾና ዝኽእል ሰብ የብልናን። ወላ’ውን እንተዝህሉ፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ይትረፍ ዶስ “ጽዑቕ ልዝብ” ከካይዱስ፡ ብማዕዶ ኮይንካ ንዝግበር ልዝብን ዘተን ከማን ዝኸውን ትብዓትን ሓሞትን የብሎምን። ክልቲኦም መራሕቲ ዝመረጽዎ መገድስ ክልተ ሓድ ሕዶም ዘይሳነዩ ዘመተታት እዮም። እዞም ዘመተታት ከኣ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝበለጸ መንግስቲ ምዃኑ ንምርኣይ ዝዓለሙ እዮም። ትሕዝቶ ዘመተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ሰለስተ ረቛሒታት ዘጠቃለለ እዩ፦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘመተ ኣንጻር ግብረሽበራ ቀንዲ መሻርኽቲ ኣመሪካ ምዃኑ ምርኣይ፡ (ብሓጺሩ ኢትዮጵያ ማለት ግብጺ ብዘይ ኣዕራብ ማለት ምዃኑ ምርኣይ)፥ ኣብ ኩሎም ናይ ኣፍሪቃ ዓቃብ ሰላም ተልእኾታት ምስታፍ (ማለት ኣብ ብሩንዲ፣ ሶማልያን ሱዳንን)፥ ከምኡ’ውን ጽቡቕ ምምሕዳር ዘለዎን ንኢትዮጵያ ከኣ ናብ ጎደና ዲሞክራሲ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ንኽትገብር ዘኽኣለ መንግስቲ ምዃኑ ዘርኢ ምስሊ ንሃገራት ኤውሮጳ ምቕራብ። ትሕዝቶ ዘመተ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ነዞም ሰለስተ ረቛሒታት ዘጠቃለለ እዩ፦ መንግስቲ ኤርትራ ድምጺ ናይ’ተን ብሰሪ ዘመተ ምምሕዳር ኣመሪካ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝተሃስያ ሃገራት ምዃኑ ምሕባር (ዋላ’ኳ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝግበር ዘመተ ብመትከል ዝኣምነሉ እንተኾነ)፥ ሰላም ኣብ ምዕቃብ ዘይኮነስ ሰላም ኣብ ምስፋን ዝና ዘለዎ መንግስቲ ምዃኑ ምርኣይ (ሱዳን፡ ጫድ፡ ሶማሊያ)፥ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እንታይ ይብሉ ብዘየገድስ ፈታዊ ስራሕን ምዕባለን ምዃኑ ዘርኢ ምስሊ ንሃገራት ኤውሮጳ ምቕራብ። ነፍሲ-ወከፍ ትሕዝቶ ዘመተ ክዕወት እንተኾይኑ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከነውሮ ይግባእ። ክልቲኦም ድማ ነዚ ንኽፍጽሙ ዘይጽንቀቕ ሓይሊ ዘለዎም ይመስሉ። እዚ’ዩ ኸኣ “ኣይ ሰላም ኣይ ውግእ፡ እንታይ ደኣ ጉልባባት ናይ ውክልና ውግኣት” ዘብል። ብርግጽ እዚ ፍጻሜ ኣብ ሞንጎ ክልተ ናይ ርሕቐት ፍልልይ ዘለወን ሃገራት ዝኽሰት ዘሎ ውድድር እንተዝኸውን፡ ትምህርታዊ መጽናዕቲ ንኸተካይደሉ ኣዝዩ ሰሓብን መሳጥን ምኾነ ኔሩ። ግና’ኸ ኣብ ማእከል እቲ ፍጻሜ ህይወትካ እንዳመራሕካ፡ ህዝብኻ’ውን ከቢድ ዋጋ እንዳኸፈለሉስ፡ እዚ ህንጡይነት ዝዓብለሎ መደብ ንኽብርዕን ድምጺ ተቛውሞን ምሕሳም መግብን ጥራይ ኣኻሊ ምዃኑ እዩ ዘነጽር። ናይ ገዛእ ርእሰይ ምርጫ ሃናጺ ዲፕሎማሲ ኢዩ። ማለት ኢትዮጵያ ብውሳኔ ኮምሽን ዶብ ብዘይቅድመኩነት ንኽትቅየድ ክትሰማማዕ፥ ኤርትራ ድማ፡ ዋላ’ኳ ዘተ ክትገብር ግዴታ እንተዘይብላ፡ ንስለ ነባሪ ሰላምን ጹቡቕ ጉርብትናን፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘተ ክትኣቱ። ምናልባት እዚ “ንዝተናውሓ እዋን ዝኸይድ ጽዑቕ ልዝብ” ይሓትት ይኸውን። ግና’ኸ ካብዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘካይድኦ ዘለዋ ሓያል ዘመተስ ዝወሓደ ወጻኢታትን ዝሓጸረ ግዜን ኢዩ ዝሓትት። እቲ ዝበለጸ ጎድኑ ከኣ ጉልባብ ናይ ውግእ ወይ ናይ ውክልና ውግእ ምክያድ ዘድልዮ ኣይኮነን። ግና’ኸ ከም ዜጋ ድምጸይ ክህብ መሰል የብለይን፤ ብውክልና’ውን እንተኾነ። እታ ሓንቲ ዘላትኒ ዓቕምስ ሓሳባተይ ኣብ ውሑስን ርሕቕ ዝበለን ቦታ ኾይነ ምግላጽ ጥራይ እዩ። ልክዕ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገበርክዎ። (እዚ ጽሑፍ ብኣቶ ሳልሕ ዮኑስ ብቛንቛ እንግሊዝኛ ተጻሒፉ ኣብ ዓዋተ ዳት ኮም ብዕለት 18 መጋቢት 2008 ዝተዘርግሐን፥ ብኣዳለውቲ ጋዜጣ መሰለይ ድማ ናብ ቛንቛ ትግርኛ ዝተተርጎመ እዩ። ኣብ ምትርጓሙ ንዘጋጥሙ ጌጋታት ኣባላት ጋዜጣ መሰለይ ምሉእ ሓላፍነት ይወስዱ።) |