Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

Bdho_Antsar_atahasasbana radio_main
Is increasing militarization justified? Print E-mail
Written by webmaster   
Thursday, 13 March 2008

ደረት-ኣልቦ ዕስክርና: ምኽኑይ ድዩ፧

ካብ መጠን ንላዕሊ ዕስክርና ኣብ ኤርትራ ሎሚ ንፈለማ ግዜ ዝርአ ዘሎ ተርእዮ ኣይኮነን። ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዙ ዝተኸስተ ክውንነት ኮይኑ፡ ምስ ምትእትታው መግዛእቲ ጥልያን ድማ ቁጽሪ ዕስክርና ብዝያዳ ናህሩ ወሲኹ። መዛግብቲ ታሪኽ ከምዝገልጽዎ፡ መግዛእቲ ጥልያን ልዕሊ 20 ሚእታዊት ናይ ህዝቢ ኤርትራ የዓስኪሩ ከምዝነበረ ይገልጹ። እዚ ዝዓቐኑ ዕስክርና፡ ጥልያን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ማለት ኣብ ሊብያን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ሃገራት ንኸስፋሕፍሕ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ፈተነታት ዓቢ ግደ ከምዝነበሮ እቶም መዛግብቲ ብተወሳኺ የዘንትው።

 Sample Image
ኤርትራውያን
ዓስከር ጣልያን ኣብ ታዕሊም

ሽሕ’ኳ ጥልያን ኣብ እዋን ካልኣይ ኵናት ዓለም ተሳዒሩ ከኽትም እንተኸኣለ፥ ኣብ ኤርትራ ግን ዕስክርና ብዝተፈላለየ መልክዑ ከምዝቀጸለ ታሪኽና ይሕብር። ንኣብነት ኣብ 1940ታትን 50ታትን ካብቶም ቀንዲ ንሰላማውን ተስፋ ዝህብን ዝነበረ ፖለቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ንኽወድቕን ሓድነት ህዝቢ ድማ ኣብ ምልክት ሕቶ ንኽኣቱ ኣቢ እጃም ዝነበሮም ረቛሒታት እቶም ብስርዓት ሃይለስላሴ ተደጊፎም ብገለ ኣብ ሽፍትነት ዝተዋፈሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝካየዱ ዝነበሩ ሽርሕታት ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ ዕስክርና ብዝተፈላለየ መልክዑ፥ ማለት ብመልክዕ “ኮማንድስ”፣ “ብሔራዊ ውትድርና” ድዮስ ዋላስ ብመልክዕ “ስርናይ ምልሻ” ቀጺሉ እዩ። ምምሕዳር ሲቪላዊ ትካላት ብወታሃደራዊ መኳንንቲ’ውን ልሙድ ተርእዮ እዩ ኔሩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ እንተኾነ ብናይ እቲ እዋን ሰውራታት ዝተፈላለዩ ህዝብታት ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ተጸልዩ፥ ንኩነታት ዝሑል ኵናት ኣብ ግምት ዘእተወን፥ ብመገዲ ዕጥቃዊ ኣገባብ ንኽፍጸም እዩ ተደሪኹ። እምበኣርከስ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራና ዕስክርና ንነዊሕ እዋናት ዝኸይድ ዓሙቕ ሰራውር ዘለዎ እዩ።

ድሕረ-ናጽነት ተመክሮ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ’ውን ፍኑው ዕስክርና እዩ። ልክዕ’ዩ ኣብ ፈለማ ናጽነት፥ ኤርትራ ኣስታት 95000 ዕጡቃት ተጋደልቲ ኔሮምዋ። ዋላ’ኳ ምጥያስ ንቑጽሪ ተጋደልቲ ናብ 50000 ከውርዶ እንተኽኣለ ዕስክርና ኣብ ኤርትራስ ብመሰረት ሃገራዊ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ወሲኹ እምበር ኣይቀነሰን። ኣብ እዋን ናይ “ዶብ ኵናት” ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣብነት ልዕሊ 10 ሚእታዊት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰራዊት ተሰሊፉ ኔሩ። ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ኣልጀርስ፡ ምጥያስ ክትግበር ትጽቢት ኩሉ ዜጋ’ኳ እንተነበረ ብስም ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ ዕስክርና መሊሱ ወሲኹ። እዚ ወፍሪ’ዚ ኣብ ብዝሒ ምምልማል ሓደስቲ መንእሰያት ጥራይ ዝሕጸር ዘይኮነስ፥ ሲቪላውያን ዋላ’ውን ትምህርታዊ ትካላት፥ ብወተሃደራውን ስለያውን ትካላትን መኮንናትን ንኽትክኡ ዘረጋግጽ እዩ። ብዝኾነ ዛጊት ልዕሊ 700000፥ ማለት ልዕሊ 17 ሚእታዊት ዝዳረግ ቁጽሪ ዜጋታት ኣብ ዕስክርና ዝርከቡ ወይ’ውን በዚ ዝሓለፉ ምዃኖም ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ዳርጋ ምልእቲ ኤርትራ ወትሃደራዊት መዓስከር ኮይና እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ግና’ኸ እዚ ካብ ነዊሕ እዋናት ኣትሒዙ እናተወራረስ ዝመጸ ታሪኽ ዕስክርና ኤርትራናስ ጽልዋኡ እንታይ ክኸውን ይኽእል፧

ብመጽናዕቲ ከምዝተረጋገጸ ካብ መጠን ንላዕሊ ዕስክርና ርእሱ ዝኸኣለን ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ጎሉሖም ዝረአዩን ኣሉታዊ ጎድንታት ኣለዎ። ብቀንዱ ዕስክርና ንውሱን ዝዓቀኑ ሃብቲ ሃገር ዝጫረት ደኣምበር መሰረት መንኮርኮር ኤኮኖሚያዊ ምዕባለስ ኣይኮነን፥ ኮይኑ’ውን ኣይፈልጥን። በንጻሩ’ኳ’ደኣ መጠኑ ዝሓለፎ ዕስክርናስ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክቱር ኤኮኖምያዊ ቅልውላው እዩ ዘኸትልል። ማዕረ’ዚ፥ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸገማት’ውን የስዕብ። ኣብ ዝኾነ እዋን፡ እቶም ካብ ፍኑው ዕስክርና ዝኸስቡስ እቶም ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዝርከቡ ፖለቲከኛታት፣ ወትሃደራዊ መኮንናትን ምስኦም ጥቡቅ ምትእስሳር ዘለዎም ውሑዳት ዜጋታትን ጥራይ እዮም። እቲ ዝበዝሕ ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ ናይ ገዛእ-ርእሱ ህይወት ክመርሕ ዘይክእል፥ ዝተባህሎ ወይ ዝተኣዘዞ ጥራይ ዝፍጽም ኣገልጋሊ ናይ ውሑዳት ኮይኑ እዮ ዝተርፍ። ብርግጽ ሃብቲ ሃገር ኣብ ውሑዳት ፖለቲከኛታትን ወትሃደራውያን መኳንንቲን ጥራይ ተሓጺሩ ይተርፍ። ሕጊ-ኣልቦነትን ብልሽውናን እምብዛ ይገኑ። ኣብ ዝተናውሐ እዋናት ድማ እቲ ሕብረተሰብ ማሕበራውን ባህላውን ልምድታቱ ንኸጥፍእ ይግደድ። በንጻሩ ወትሃደራዊ ኣተሓሳስባታት ኣብቲ ሕብረተሰብ ይነግሱ። ከም ሳዕቤኑ ንዝኾኑ ኣብ መንጎ እቲ ሕብረተሰብ ይኹን ካብኡ ወጻኢ ዝኽሰቱ ምስሕሓባት ብጎንጺ፣ ጭካነን ሓይሊ ብረትን ጥራይ ናይ ምፍታሕ ድሌት ይዛይድ። ድኽነት፣ ድሕረትን ምግሃስ መሰረታውያን መሰላትን ድማ ብኡ መንጽር ይውስኽ። እምበኣርሲ፡ ድሕረትን ምግሃስ ሰብኣዊ ክብርን ሳዕቤን ድኣምበር እቲ ቀንዲ ጠንቅስ ደረቱ ዝሓለፎ ፍኑው ዕስክርና እዩ።

እዞም ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ኣሉታዊ ጎድንታት ናይ ፍኑው ዕስክርና ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራና’ውን ጎሊሖም ዝርኣዩ ሓቅታት እዮም። መርኣያ ናይዚ ምሕር ጽልኣት ኣብ ልዕሊ ወትሃደራዊ ምምሕዳራት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደ ክመጽእ ንዕዘብ። ዝበዝሕ ክፋል መንእሰይ ኤርትራ ንኣብነት “እዚ ብሕጊ ዘይቅየድ ዕስክርና መጻኢ ህይወትና ካብ ምምራሕ ገቲኡና፥ ንወለድና ብዓቢኡ’ውን ንሃገርና ብኽብሪ ናይ ምብርካት ውንታናን መሰልናን’ውን ነፊጉና” እንዳበሉ የማርሩ። ቁጽሪ ናይቶም ዓዲ ገዲፎም ንስደት ዘምርሑ ዘለው’ውን ውሑድ ኣይኮነን። ካልኦት ወገናት’ውን “እዚ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዝርከብ ደረት-ኣልቦ ዕስክርና፡ ኮነ ተባሂሉ ነቲ ኣፋራዩን ዳይናሚክን ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ ንምድቛስ ዝግበር ዘሎ እዩ” ዝብል እምነት ኣለዎም። “እቶም ውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለው ፖለቲከኛታትን ወትሃደራዊ መኮንናትንሲ” ይብሉ ንሶም “መድቖሲ ንዝኾነ ተቛውሞ ህዝቢ፣ ስልጣኖም መናውሕን ውልቃዊ ሃብቲ መዃዕበትን እዮም ዝጥቀሙሉ ዘለው” ይብሉ። ብዘየገድስ ኣረኣእያ ናይ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ፍኑው ዕስክርና ኣብ ሕብረተሰብና ፈጢርዎ ዝርከብ ጸገማት ዝከሓድ ኣይኮነን። ግና’ኸ ንምንታይ ምኽኑይ ኮይኑ ዝርከብ፧

 

Sample Image
ሳዋ፥ ቀጠልያ ሕብሪ ቀሚሽ፡ ሓምላይ ዘመን!

“ካልእ ኣማራጺ የልቦን” ዝብል ሓረግ ገለ ካብቶም ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ፡ ማርጋሬት ታቸር ትዝከረሎም ብሂላት እዩ። ብሰሪ እዚ ሓረግ’ዚ ዝተፈላለዩ ኣተሓሕዛን ኣፈጻጽማን ጉዳያት ሰፊሕ ተቀባልነት ክረኽቡ ጸኒሖም እዮም። ሓደ ካብዚኦም ድማ ካብ ዓቀን ንላዕሊ ወትሃደራዊ ዓቅሚ ምኹማር እዩ። ብርግጽ ኣብ መብዛሕቱ ኣጋጣሚታት፡ ጸጥታ ናይ ዝኾነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ወራር ወዲቑ ከምዝርከብ ወይ’ውን ድሕሪ ዝተወሰነ እዋናት ኣብ ሓደጋ ክቀድቕ ከምዝኽል ዝእምት ርድኢት ዝውቱር እዩ። እቲ እንኮ ኣማራጺ ንዝኾነ ወትሃደራዊ ሓደጋታት መግትኢ ክኸውን ዝኽእል እምበኣር ሓያል ወትሃደራዊ ሓይሊ ምህናጽ ጥራይ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዓብሊሉ ይርከብ። ናይ መብዛሕትኣን ሃገራት ወትሃደራዊ ዓቕሚ ድማ ነዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ከም ርዱእ ብምውሳድ ዝተኾመረ እዩ። ኣብ ኤርትራና ገኒኑ ዝርከብ ካብ መጠን ንላዕሊ ዕስክርና ንገዛእ-ርእሱ ምኽኑይ ኮይኑ ዝርከብ፡ “ጸጥታ ሃገር ንሓደጋ ወራር ወያኔ” ንኸይቃላዕ ካብ ዝብል እምነት ዝተበገሰ እዩ። ግና’ኸ ደረቱ ዝሓለፎ ዕስክርናስ እቲ ዝበለጸ ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋጽ ተባሂሉ ዝምረጽ ስትራተጂ ክኸውን ይኽእል’ዶ፧ ብሓቂ ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ የለን ድዩ፧

ልክዕ’ዩ ካብቲ ዓብሊሉ ዝርከብ ኣተሓሳስባ ፍልይ ዝበል ሓሳባት ሒዝካ ምቕራብ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ግና’ኸ ምልስ ኢልና ንታሪኽ ህዝብታት ዓለምና ምስንግንዘብ፥ ብፍላይ ድማ ንቅድም ኢለን ኮሙኒስት ስነ-ሓሳብ ዝኽተላ ዝነበራ ሃገራት ከም ኣብነት ምስ እንወስድ፥ ኣብ ወትሃደራዊ ዓቅሚ ልዑል እምነት ኣምቢረን፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ንህዝበን’ውን የዓስኪረን ክነሰን ውድቀተን ዘቀላጠፋ ውሑዳት ኣይኮናን። ብሓቂ እዘን ሃገራት ዕስክርና መሰረት ጸጥታን ምዕባለን ሓንቲ ሃገር ከምዘይኮነ ህያው ኣብነት ክኾና በቂዓን እየን። ካብ ተመኽሮአን’ውን ብዙሕ ክንመሃር ምተገብአ።

ኣብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ኣሜሪካ ዘጋጣመ “ግብረሽበራዊ” መጥቃዕቲን ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝሃበሉ ግብረ-መልሲን ኣብ ግምት ምስእነውቱ’ውን ተመሳሳሊ ኣብነት እዩ ዘቕርብ። እቲ እንኮ ልዑል ትኹነት ዝተዋህቦ ግብረመልሲ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ “ግብረሽበራውያን” ትህብሕብ ሃገር ተባሂላ ዝዝረበላ ኣፍጋኒስታን ምውሳድ ዝብል እዩ ኔሩ። ዋላ’ኳ ዝኾነ ዓይነት ወትሃደራዊ ምቅርራባት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ከምክኖ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ርዱእ እንተኾነ፡ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ግን “ካልእ ኣማራጺ የልቦን” ዝብል ሓረግ ተጠቂመን ምኹማር ወትሃደራዊ ዓቕመንን ስርሒተንን ምኽኑይ ክገብርኦ ክኢለን። ኣሜሪካ ዋላ’ውን እዛ ዓለምና እንተኾነት ብዝያዳ ክትርበሽ እንተዘይኮኑ ርግኣትሲ ምሒር ተነፊግዋ ይርከብ።

ልክዕ በዚ መንጽር ኣብ ኤርትራና ዘሎ ሓቅታት ብዕምቖት ምስንዕዘብ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ክልተ ኣብነታት ዝፍለ ኣይኮነን። እቲ “ሓደጋ ወራር ወያኔ” ምእንቲ ካየጋጥም ወይ ጸጥታ ሃገር ንኸይድፈር ብምባል “ካልእ ኣማራጺ የልቦን” ኢልና፣ ሳቮያን ኢደይ ኢድካን ኢልና፣ ገንዘብናን ዕድመ ንእስነትናን ወፊና፣ ንኽቡር ልምዳዊ እምነትናን ባህልናን ኣወንዚፍና፣ ንንግዳውያንን ሲቪላውያንን ትካላትና ኣደስኪልና ዝሃነጽናዮ ገዚፍ ወትሃደራዊ ዓቅሚ፥ ሎሚ ነቶም ጸላእትና ኢልና ንጽውዖም ወገናት ዘይኮነስ ንናይ ገዛእ-ርእስና ጸጥታ፣ ውሕስነትን ምዕባለን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቅዎ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታትሲ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎ፣ ንናይ ገዛእ-ርእሱ ዜጋታት ዘጥቕዕን ዘፈራርሕን ዘይኮነስ ዋልታ ኾይኑ ዘገልግል፣ ወትሃደራዊ ድስፕሊን ዘለዎ፣ ሓያልን ፕሮፌሽናልን ሃገራዊ ናይ ምክልኻል ሰራዊት ክንሃንጽ ምስተገብአ። ፕሮፌሽናል ሓይሊ ፖሊስ’ውን ከነቅውም ምኸኣልና። ግና’ኸ እዚ መገዲ’ዚስ ኣይተመርጸን። የግዳስ ጸጥታ ሃገር ዶስ ልዑላውነት ሃገር ብምባል ፍንው ዕስክርና ከምዘለዎ ቀጺሉስ ኣሉታዊ ጽልዋኡ ድማ እንሆ እቲ ዝለዓለ ሃገራዊ ብድሆ ኮይኑ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ይጽበየና። ስለዝስ ከመይ ኢልና ኢና’ሞ ንፍኑው ዕስክርና ኤርትራና ምኽኑይ ክንገብሮ፧

ብርግጽ ኣተሓሳስባና ዳግመ-ግምት ክንገብረሉ ኣሎና! ብመሰረቱ ደቂ-ሰባት ብባህርያትና ንገዛእ-ርእስና ከነዕኑ ኢልና ንሕልን ፍጡራት ኣይኮናን። ግና’ኸ ብቀጻሊ ኣብ ጸቢብ፣ ስምዒት ዝደረኾን ንሓጺር ዝጠመተን ኣተሓስባታት ተዋሒጥና ንመነባብሮና ጥራይ ዘይኮነስ ብዓቢኡ’ውን ንህላወና ኣብ ሓደጋ ንኸነውድቖ ንድረኽ። ደጋጊምና ነቲ ዝለዓለ ስእሊ ክንርኢ ብዘይምምራጽና፥ ናይቶም ንመርጾም መገድታት’ውን ኣብ ዝተናውሐ እዋናት ሳዕቤናቶም እንታይ ምዃኑ ክንግንዘብ ብዘይምኽኣልና፡ ኣብ መስርሕ ህይወት ብቀጻሊ ዕንወትን ስዕረትን የጋጥሙና። ንጸጥታ ወይ ውሕስነት ኣብ ዝምልከት ድማ እዚ ሓቂ’ዚ ኣዝዩ ኣገዳስን ጎሉሑ ዝርአይን ጉዳይ እዩ።

ኣብ መብዛሕትኡ እዋናት ውሕስነት ክበሃል ከሎ ንውሕስነት ወይ ጸጥታ ሃገር እዩ ዝምልከት። ግና’ኸ ብመሰረቱስ ውሕስነት ዜጋታት ደኣምበር ውሕስነት ሃገር ኣይኮነን እቲ ኣዝዩ ዘገድስ። ሃገር ደቂ-ሰባት ንናይ ሓባር ዕላማታት ከዓውቱ ኢሎም ዝፈጥርዋን ዝዕቅብዋን ስርሓት ወድሰብ እያ። ሓደ ካብቶም ዕላማታት ድማ ጸጥታ ናይ ዜጋታት ምርግጋጽ እዩ። ደቂ-ሰባት እንተኾነ ጸጥታ ሃገር ከረጋግጹ ኢሎም ኣይኮኑን ኣብዛ ዓለም ዝነብሩ ወይ ዝተፈጥሩ። እንታይደኣ፡ ሃገር እያ ብቀንዱ ንስለ ጸጥታ ዜጋታ’ታ ኢላ ዝተማህዘት። እምበኣርከስ ጸጥታ ዜጋታት ደኣምበር ጸጥታ ሃገርሲ እቲ መሰረታዊ ነገር ክኸውን ኣይክእልን።

ትርጉም ጸጥታ ወይ ውሕስነት ሃገር፡ ወትሃደራዊ ዓቅምኻ ክብ ብምባል፣ ሓይሊ ተጠቂምካ ወይ ሓይሊ ክትጥቀም ምዃንካ ብፍርራሕ ንጸላኢኻ ኣብ ፍርሒ ከምዝነብር ብምግባር ዝረጋገጽ ነገር እዩ ዝብል ርድኢት ኣዝዩ ጸቢብ ኣተሓሳስባ እዩ። ውሕስነት ሃገር ኪንዮ እዚ እዩ ዝኸይድ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዓለምና ኣትያቶ እትርከብ ሓድሽ ናይ ሓበሬታን ግሎባላዜሽንን እዋን። ሎሚ ብጥበብ፣ ውሕልነትን ንነዊሕ ዝጠመቱን  ስትራተጂካውን ስልታውን ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ጸወታታት ዘካይድ ደኣምበር ካብ ዓቀን ንላዕሊ ወትሃደራዊ ዕስክርና ዘደንፍዕሲ ኣብዛ ዓለምና ውሑስ ቦታ ክህልዎ ኣይክእልን። ብርግጽ ስልጡናት፣ ውጺኢታውያን፣ ትሑት ዋጋ ዝሓቱን ዝሓሹን ኣማራጽታት እንዳሃለውና ደረት ዘይብሉ ዕስክርና ምኽኑይ ክኸውን ፍጹም ኣይክእልን። “ካልእ ኣማራጺ የልቦን” ዝብል ሓረግ፡ “ድሌት እንተሎስ ዘይከውን ነገር የልቦን” ብዝብል ሓረግ ክንትክኦ ይግባእ።

እምበኣርሲ ማዕረ ዓለምና ክንጓዓዝ እንተኾይንና ነዚ ንዘመናት እንዳተወራረሰ ክመጽእ ዝጸንሓ ባህሊ ዕስክርና ሓንሳብን ንሓዋሩን መግትኢ ክንገብረሉ ክንብገስ ኣሎና። እዚ ባህሊ’ዚ ኣብ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሕሉፍ ታሪኽና ርእሱ ዝኸኣለ ኣወታዊ ጎድንታት ከምዝነበሮ ዝከሓድ’ኳ እንተዘይኮነ፥ ግና’ኸ ደጊም ነዚ ባህሊ’ዚ ተቀቢልና ንመጻኢ ወለዶ ክሰጋገርሲ መድረኹ ዝጠልቦ ኣይኮነን። ፍጹም ከነፍቕድ’ውን የብልናን። እወ፡ ኣብያና ኣብ ልዕሊ ዕስክርና ብዝለዓለ ጠርዙ ከነሓይሎ ይግባእ። ብፍላይ መንእሰይ ኤርትራ “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” ብምባል፥ ነቲ ንምክሓሉን ሃብታምን ኤርትራዊ ማሕበራውን ባህላውን ያታናን ልምድታትን ደጊምና ብዕምቖት መርሚርና፥ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ነዚ ስልጡን እዋን ዘንጸባርቅ ዝተፈልየ ሓሳብ ሒዝና ክንቀርብ መድረኹ ዝጠልቦ ጉዳይ እዩ። ስለዝስ ኣርኣያ ህጻናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ መጻኢ ወለዶናን ህዝብታት ጎረባብቲ ሃገርናን ኣብ ምዃን ዝለዓለ ዜግነታዊ ሓላፍነት ክንስከም ይግባእ። ከመይ፡ ፍኑው ወትሃደራዊ ዕስክርና ጠንቂ ድሕረት፣ ሕጊ-ኣልቦነት፣ ኵናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ስለዝኾነ።

ካብ ጋዜጣ መሰለይ ቁጽሪ 2፡ 2008 ዝተረኽበ ጽሑፍ

Last Updated ( Monday, 23 June 2008 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Is increasing militarization justified?