|
ፊልም “ነበልባል ልቢ” ሰራሕቲ ፊልም፥ ንዛንታ ዕስክርና ኤርትራዊት ህጻን ትገልጽ ፊልም ይጣበቑ
“ነበልባል ልቢ” ኣብ ፈለማ፥ ብመልክዕ ፊልም ክትቅረጽ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፥ መብዛሕትኦም ተዋሳእታ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ስርሖም ከቛርጹ ተገዲዶም። ተሰሪሒ ካብ ዝወድኣትሉ እዋን ኣትሒዛ ድማ ብዙሕ መጥቃዕቲ ከጋጥማ ጸኒሑ። ከም ሳዕቤኑ፡ ቀንዲ ተዋሳኢት እታ ፊልም ኣብ ኤውሮፓ ዕቑባ ክትሓትት ተገዲዳ ትርከብ። ሰራሕቲ ፊልም ግን “ይቕረ በሃልቲ ኣይኮኑን” ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።
ስነ-ጥበባዊት ሰናይት መሓሪ ኢጣልያዊ ሉዊጂ ፋሎርኒ ዳይረክቶር ፊልም “ነበልባል ልቢ” እዩ። ፊልም “ነበልባል ልቢ” ንተመክሮ ኣብ እዋን ህጻንነታ ኣዳዳ ዕስክርና ዝኾነት ንእሽቶ ኤርትራዊት ቆልዓ እትገልጽ እያ። “ታሪኽ ኣመራሲሓ” ተባሂላ ድማ ትንቀፍ። ሉዊጂ ግን ኣብ ትሕዝቶን ስራሓትን እዛ ፊልም ጌጋ ርድኢት ከምዘሎ እዩ ዝኣምን።
እቶም ነዛ ፊልም ዝነቕፍዋ፥ “ሓይልታት ተጋድሎ ናጽነት ኤርትራ ቆልዑ የዐስኪረን ኣይፈልጣን” ይብሉ። ሉዊጂ እንተኾነ ፊልም ነበልባል ልቢ ብመሰረቱ “ኣብ ልብ-ወለድ ዝተመርኮሰት እምበር ዕስክርና ህጻናት ሕመረት ናይቲ ከተብጽሖ ዝድለ መልእኽቲ ኣይኮነን” ይብል።
“ንዓይ” ይብል ሉዊጂ ብምቕጻል “ፊልም ነበልባል ልቢ ብዛዕባ ፖለቲካ ኣይኮነትን፥ እንታይደኣ ብዛዕባ ብሩህ መጻኢ ተስፋ፥ ብዛዕባ ኣብ ናይ ውግእ ሃዋሁ ዝተሸመመት ቖልዓ ጓለንስተይቲ፥ ብዛዕብኡ እንታይ ትሓስብ፥ ካብኡ’ኸ እንታይ ትመሃር ዝብል እዩ።”
እዛ ፊልም ኣብ ታሪኽ ህይወት ሰናይት መሓሪ ተባሂላ ትፍለጥ ኣብ 1970ታት ኣብ ኤርትራ ዝተወልደት፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሃገረ ጀርመን እትነብር ውርይቲ ኤርትራዊት ደራፊት፥ ብቛንቛ ጀርመን ተጻሒፋ ናብ ካልኦት ሰለስተ ቛንቛታት’ውን ዝተተርጎመት፥ ኣብ መላእ ኤውሮፓ ዓቢ ዝና ዘትረፈት “ነበልባል ልቢ” ዘርእስታ መጽሓፍ ምርኩስ ብምግባር ዝተሰርሓት እያ። ሰናይት ኣብ መጽሓፋ፥ ኣብ ቤት ትምህርቲ መስከር ጽባሕ፥ ህጻናት ወትሃደራዊ ስልጠና ከምዝወሃቦም ዝነበረ፥ ከምኡ’ውን ምድፋር ክብሪ ንጽህና ደቅንስትዮ ቖልዑ፣ ጭካነ፣ ማህረምትን መግረፍትን ኣብ ልዕሊኣ ከምዝወረደ ትምስክር።
በንጻሩ ሰናይቲ ታሪኽ በሊላ ዝብል ነቀፌታ ካብ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ነበር ብቀጻሊ ክቀርበላ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ቤት ፍርዲ በርሊን’ውን፡ ሰናይት ኣብ መጽሓፋ ስም ምስኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ መስከር ጽባሕ ዝነበረት ጓለንስተይቲ ኣጸሊማ ዝብል ክሲ ቀሪቡስ፡ ሰናይት 13000 ዶላር ኣሜሪካ ንኽትክሕስ ተበይኑላ። ጠበቃታት ሰናይት ግን ይግባይ ኢሎም ኣለው።
ኣብዚ መስርሕ ምኽሳስ ሰናይት መሓሪ፥ ሓላፊ ምርምርን ስነዳን ህ.ግ.ደ.ፍ.፡ ኣቶ ዘምህረት የውሃንስ፡ ብስውር እቲ ዝለዓለ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም ብዙሓት እሙናት ምንጭታት ይሕብሩ። ወግዓዊ መግለጺ ሰበስልጣን ኤርትራ እንተኾነ ኣቶ ዘምህረት ንሕክምና ኢሎም ኣብ ኤውሮፓ ከምዘለው እዮም ዝገልጹ። ኣቶ ዘምህረት ዮውሃንስ
ኣደ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተባሂላ ትፍለጥ፡ ኤልሳ ጭሩም፡ ግን ዛንታ ህይወት ሰናይት መሓሪ “ከምዝመሰጣን ኣዝዩ’ውን ከምዘሕዘና” ትገልጽ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክንደይ ጽንኩር ምንባሩን፥ እዚ ድማ “ናይ ኣደባባይ ምስጢር” ምዃኑ ኤልሳ ወሲኻ ትገልጽ። ተመሳሳሊ ዛንታ ካብ ካልኦት ደቂኣንስትዮ ከምዝሰምዓት’ውን ኣይሓብኣትን። “ግዜ ወሲድኪ እዚ ዝኣክል ዛንታ ምስ ኣንባቢ ምክፋልኪ ንዓኺ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዓቢ ሓበን እዩ” ብምባል ኤልሳ ሞጎሳ ንሰናይት ትገልጽ።ዳይረክቶር ሉዊጂ ብዕለት 14 ለካቲት 2008 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “ዛንታ ሰናይት” መሳጥን፥ ቀንዲ ረቛሒ ንፊልም “ነበልባል ልቢ” ንኽትስራሕ ዝደረኸን እዩ ይብል። እዛ ፊልም ንኩነታት ፈለማ 1980ታት ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ሕዝባዊ ሓይልታትን ዝተኻየደ ውግእ ሓድ-ሕድ እተንጸባርቕ እያ። ንዛንታ ዕስክራና ዓወት ዝስማ ቖልዓ ኤርትራዊት ጓለንስተይትን ምዕባይ ሓፍታን ትትርኽ ፊልም ምዃና ሉዊጂ ኣብሪሁ። ዓወት ኮይና ኣብታ ፊልም ዝተዋስኣት ኣብ ኬንያ ትነብር ዝነበረት፡ ሕጂ ግን ኣብ ኤውሮፓ ዑቕባ ንኽትሓትት ተገዲዳ ትርከብ ለተኺዳን ሚኪኤል ትብሃል ጓል 10 ዓመት እያ። ኤልሳ ጭሩም
ሉዊጂ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፥ ሓደ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ “እዛ ፊልም ንናይ ሰላሳ ዓመት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተነኣእስን ተጸልማን እያ። ኣብ እዋን ቃልሲ ቆልኡ ዓስኪሮም ኣይፈልጡን” ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ኔሩ። ሉዊጂ ብወገኑ ነዚ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ነጺግዎ። በንጻሩ ማዕረ ኽንደይ ብናይ ኤርትራውያን ጅግንነት ይምሰጥ ከምዝነበረ ይገልጽ። “ኣብ ኤርትራ ቆልዑ ኣብ ውግእ ብድሌቶም ይሳተፉ ኔሮም እዮም። እቶም ወግዓዊ መግለጽታት፥ ቖልዑ ብሓይሊ ንትምህርቲ ይስደዱ ከምዝነበሩ እዩ ዝሕብር። ነዚ ዝጻረሩ ስእልታት ኣለው። እንተደኣ መጥቃዕቲ ተጌሩለይ ነዞም ስእልታት ከቅርቦም እየ፡ ንገዛእ-ርእሰይ ድማ ክከላኸል እየ” ይብል ሉዊጂ።
ፊልም ነበልባል ልቢ ኣብ ኤርትራ ንኽትስራሕ ሓሳብ እኳ እንተነበረ፥ ካብ ሰበስልጣን ኤርትራ ፍቃድ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ስለዚ ኣብ ኬንያ ንኽትስራሕ ተደሪኻ። ቅድሚ ምቕራጽ ፊልም ምጅማሩ፥ መብዛሕትኦም ተዋሳእታ ናይ ምፍርራሕ መልእክቲ ካብ ሰበስልጣን ኤርትራ ብኣካልን ተሌፎንን ስለዝበጽሖም ስርሖም ከቛርጹ ተደሪኾም። ነዚ ዝምልከት ሰበስልጣን ኤርትራ ተሓቲቶም ክነሶም፥ መልሲ ክህቡ ግን ፍቃደኛታት ኣይኮኑን።
“ምቕራጽ ጅምር ከነብል ኮለና፥ ብጀካ ለተኺዳን፣ ሓፍታን ካልኦት ብዙሕ ተራ ዘይነበሮምን ሰባት ዳርጋ ሰብ ኣይነበረናን። ተስፋ ቖሪጽና፥ ከነቛርጾ ዝሓሰብናሉ እዋናት’ውን ኔሩ” ይብል ሉዊጂ። ጸኒሖም ግን ተወሰኽቲ ተዋሳእቲ ካብ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኬንያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ክረኽቡ ከምዝኸኣሉ ይገልጽ። ኣብ ገለ ክፋል ናይታ ፊልም ድማ ክልተ ኢትዮጵያውያን ንኸሳትፉ ከምዝተገደዱ የብርህ።
ኣብ መስርሕ ምቕራጽ እዛ ፊልም፥ ለተኺዳን ምንጪ ኩሉ ተስፋ ከምዝነበረት ሉዊጂ ገሊጹ። “ምስ ኩሉ ዝነበረ ጸገማትና፡ ብሓቂ ለተኺዳን ምንጪ ብርሃንን ጸጋን ናይዛ ፊልም ኮይና። ንቕድሚት ከንስጉም ዘኽኣለና ዓቕሚ፥ ናይ ለተኺዳን ሓይልን ብርቱዕ ስምዒትን እዩ” ይብል። ለተኺዳን ኣበየናይ ናይ ኤውሮፓ ሃገር ዑቅባ ትሓትት ከምዘላ ግን ንድሕነታ ክብል ሉዊጂ ክሕብር ኣይፈቀደን።
ፊልም “ነበልባል ልቢ” ኣብ ኤርትራ ጥራይ ኣይትሕጸርን እያ፥ እንታይደኣ ዕስክርና ቖልዑ ሓደገኛ ጽልዋ ከምዘለዎ ዘጠንቅቕ “ሓፈሻዊ መልእኽቲ” ንምትሕልላፍ ዝዓለመት እያ ይብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት።
ካብ ጋዜጣ መሰለይ ቁጽሪ 2፥ 2008 ዝተረኽበ ጽሑፍ ርእይቶ ኣምበብቲ: http://cs.asmarino.com/?itemid=822 1. Nebarai እታ እትሕበኑላ ተጣባቒትኩም ኤልሳ ጭሩም እንታይ ደኣ ወሪድዋ።ሳልሕ ጆሃር እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ ምሰላት ኢሉ ዝግዕር እንታይ ደኣ ርኢቶ ዘይሃበ ገንዘብ ጥራይ ለኣኹ ዝብል ከማይ ገይሩ ጀብሃ ዝፈልጣ የሎን እንድዩ ዝብል እቲ ጎብለል ተጋዳላይ ዘይዛረብ ደኣ። 2. ተምሃራይ ናብ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን
ታሪኽ ናይ ሰናይት መሓሪ „ሃልሃልታ ላቢ“ (feuer herzen) ናይ ሓሶት ታሪኽ እዩ። ሰናይት መሓሪ ናብ ቤት ትምህርቲ ጽባሕ ኣትየ ዝበለትሉ ግዜ ማለት ጋል 6 ዓመት ከላ ብ1981 ተሓኤ ብምትሕብባር ህዝባዊ ግንባርን ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተወልዐ ውግእ ሕድሕድ ተደፊኣ ንሱዳን ኣብ መደበራት ኮሮኮንን ታህዳይን ዝነበረትሉ ግዜ እዩ። ኣብቲ ግዜቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብመንግስቲ ሱዳን ዕጥቃ ከተውርድ ብዝተገብረ ጸቕጢ ምኽንያት ጃለ ዝኾነትሉ ግዜ እዩ ኔሩ። ስለዚ እቲ ጋል ሽዱሽተ ዓመት ከላ ዝዓጠቐቶ ካላሽን ኮቭን ተሳቲፈዮ ትብሎ ውግእን በቲ ተሓኤ ኣብ ሱዳን ዝነበረቶ ኩነታት ውግእ ኣይነበረን ብረት ዝተዓጥቀ’ውን ኣነበረን። ዋላ ኣብ ሜዳ እንተኾነ’ውን ቤት ትምህርቲ ጽባሕ ምእለዪ ደቂ ተጋደልትን ስውኣትን ብነጻ ድልየቶም ክመሃሩ ዝመጹ ትሕተ ዕድመ መንእሰያት ደኣ’ምበር መደበር ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣይነበረን። በዓል ኣጋ ወጋሕታ ድማ ህጻናት ተማሃሮ ደኣ’ምበር ከምቲ ሰናይት መሓሪ ኣብ መጽሓፋ ዝጠቐሰቶ ጨካንን ዓማጺትን በዓልቲ መዚ ኣይነበረትን። እቲ ሕቶ ኣብ ገድሊ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝሕሉ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ሕጊ ኔሩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ተበዲለ ንዝበለ ኣነ ብወገነይ ክድግፍ ቅሩብ እየ ግን ካብ ሓቂን ርትዓውን ጭብጢ ዝነቐለ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ሰናይት ታሪኽ ግን ቤት ትምህርቲ ጽባሕ መደበር ወተሃደራዊ ታዕሊምን ስነ ስርዓት ዘይብሉ ናይ ዓመጽ ማእከል እያ ትብል ዘላ እዚ ድማ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ፈጠራ ዛንታ እዩ። ኣነ ብወገነይ ኣብ ተሓኤ ነሬ’የ ንቤት ትምህርቲ ጽባሕ ብቀረባ’የ ዝፈልጦ ዓለም ለኻዊ ገበርቲ ሰናይ ካብ ኤውሮጳ ኣንዳተመላለሱ ዝከታተልዎን ሓገዞም ዘወፍዩሉ ናይ ኣካዳምያዊ ቤት ትምህርትን መዕበይን መደበር እዩ ኔሩ። ዘምህረት የውሃንስ ኣብ ተሓኤ ከም ዝነበረ መጠን ውን ብዛዕባኡ እንተተዛረበ ዋላ ኣንተተቓወመ ነውሪ የብሉን ኣባል ህግደፍ እንቶኾነ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ግን ልክዕነትን ሓቅነትን ኣለዎ። ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ማለት ሳግም (ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ)ን ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽባሕ መምሃራንን ተመሃሮን ዝነበሩ ነቲ ነገር ብዕቱብን ብሕግን ተታሓሒዞሞ ኣለዉ እዚ ጉዳይ እዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ድማ ንኣባላት ተሓኤን ተሓኤ ነበርን ዝምልከት ነገር’ዩ ሎሚ መርገጾም ብዘየገድስ። ስለዚ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን በሃልቲ እዚ ናይ ሰናይት መሓሪ ጉዳይ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብፍጹም ዘራኽብ ነገር የብሉን እንተደኣ ንሰናይት መሓሪ ብውልቅኹም ትፈልጥዋን ትዛመድዋን ክትሕግዝዋን ደሊኹምን ኮንኩምን ብስም ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ቁንጣር ሓቂ ዘይብሉ ጸሎሎ ሓሶት ክትድግፉ ደሊኹም ኣብ ልዕሊ ማሕበርኩምን እታ ትሕበኑላ ኤልሳ ጭሩምን ዘለኒ እምነት ናይ በሓቂ ፎኪስ ክኸውን’ዩ። ከምዚ ክብል ከለኹ ታህዲድ ኣይኮነን በዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብጣዕሚ’የ ዝግደስ ግን ብዚ ከም በዓል ሰናይት መሓሪ ብህርፋን ገንዘብ ንነብሰን ፈኺሰን ንወለደንን ሃገረንን ዘፍኩሳን ዘጸልማን ከም ሓደ ሓቂ ወሲድኩም ብስም ሰብእዊ መሰል ኤርትራ ክትሽቅጡ ከለኹም ብወገነይ ኮነ ብወገን ኣሽሓት ኤርትራውያን ብፍጹም ቅቡል ኣይኮነን። ሓቅታት ናይዚ ከተረጋግጹ እንተደሊኹም መጽናዕቲ ክትገብሩ እዩ ዝግበእኩም’ምበር ስቕ ኢልካ ዘይነበረ መናፍሕ ብዘይ ገለ መጽናዕቲ (research) ብሽም ማሕበር ትድግፉ እንተኾንኩም ንዚ ክቡር ሽምኩም ተሕስርዎ ኣለኹም። ማሕበርኩምን ወካሊትኩም ኤልሳ ጭሩምን ድማ serious ከም ዘይኮንኩም በዚ ክዕዘበኩም ኪኢለ። 3. Zgeremo ናብ ተምሃራይ,
ታሪኽ ሰናይት መሓሪ ሓሶት እዩ ትብል ኣለኻ፡ እቲ እስኻ ትብሎ ዘለኻ ሓቂ ምዃኑ’ኸ እንታይ መርትዖ ኣለካ? ናይ ሰናይት መጽሓፍ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ጽባሕ ጥራይ ኣይኮነን ዝትርኽ፡ ብዛዕባ ህይወት ታሪኻ እዩ። እስኻ ግን ዘገደሰካ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽባሕ ተጌሩ ዝተባህለ እዩ። ኣንባቢ ነታ መጽሓፍ ብምልእታ ኣንቢቡ እዩ ዝፈርድ እንበር እቲ ንኣኻ ዘገደሰካ ጥራይ ኣይኮነን። “እዚ ናይ ሰናይት መሓሪ ጉዳይ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብፍጹም ዘራኽብ ነገር የብሉን” ኢልካ፡ ምስ ምንታይ ድኣሉ ዝራኸብ?ብናተይ ኣረዳድኣ ናይ ሰናይት መጽሓፍ ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እዩ ዝገልጽ። እሳ ድኣ ትጽሓፎ’ ምበር፡ ብሰንኪ ምፍልላይ ስድራቤትን በቲ ዝነበረ ኩነታትን ከምቲ ናይ ሰናይት ዓይነት ህይወት ዘሕለፍ በሽሓት ዝቑጸሩ መሰሎም ዝተግሃሱ ህጻውንትን ኣዴታትን ደቀንስትዮን ከምዘለውና ኩላህና ንፈልጥ ኢና።
“እቲ ሕቶ ኣብ ገድሊ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝሕሉ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ሕጊ ኔሩ እዩ” ኢልካ፡ እዋእ! መንግስቲ ኤርትራስ ንመሰል ደቀንስትዮ ዘኽብር ጽኑዕ ሕግታት ኣለዎ እንድዩ፡ ግና እቲ ሕጊ ነዘን ብኣሽሓት ኣብ ሳዋን ኣብ ፎቖዶ ሓይልታት ዝዕመጻን ዝግፍዓን ዘለዋ ደቀንስትዮ ኣሕዋትና ክከላኸለለን ኣይክኣለን። ህ.ግ.ሓ.ኤ’ ውን ዝበለጸ ሕጊ ኔሩኒ እያ ትብል፡ ግና እቲ ሓቂ ካልእ እዩ።ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፍኩም ከምዝገለጽኩሞ፡ ሰናይት ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽባሕ ከምዝነበረት ተኣሚንኩም ኣለኹም። ኣብኡ ኣብዝነበርኩሉ ጊዜ ተዓሚጸ ተሳቕየ ድማ ትብል ኣላ። ኣይነበረትን ኢልኩም እንተትኾኑ ሓደ ነገር እዩ፡ ግና እወ ነይራ፡ ግና ኣብቲ ዝነበረትሉ ጊዜ ኣይተዓመጸትን ኣይተሳቀየትን ዝብል ዘረባ ሒዝኩም ግን ሰብ ከተእምኑ ኣይትፈትኑ።
ዘምሕረት ዮውሃንስ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ በቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ህጻውንትን ብሓፈሽኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ሓደ ካብቶም ተሓተቲ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ምስ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ኣንጻር ሰናይት መሓሪ ክጉስጉስ ከሎ ጸርፍን ውርደትን ፍኽሶትን ንኣባላት ተ.ሓ.ኤ ን ኣባላት ቤት ትምህርቲ ጽባሕ ነበርን እዩ። ስለዝስ መንዩ ንመን ክወራዘየሉ። ሰናይት እኮ ተዓሚጸ ተገፊዔ እያ ዝበለት እንበር ሰብ ኣይእሰረት ኣየቅተለት ኣይቀተለት።
ብሓፈሽኡ እቲ መብዛሕትኡ ኣብቲ መጽሓፍ ተዘርዚሩ ዘሎ ግፍዕታት ዋላ ሰናይት እንተደይጽሓፈት፡ ብኹለን ውድባት ይፍጸም ዝነበረን ሕጂ’ ውን ብመንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዘሎን እዩ። ከምቲ እስኻን ካልኦት ዝርድእዎን ን ተ.ሓ.ኤ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን፡ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ’ውን ይፍጸም ኔሩ እዩ።
እሞ እቲ ጉዳይ ከምዚ ካብ ኮነ፡ ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ንመጻኢ እንታይ ንግበር ኢልና እንተሓሰብና ይሓይሽ እንበር፡ ካብዚ ተኣትዩ ዘሎ ዕንክሊል መውጽኢ ዝርከቦ ኣይመስለንን።
ካልእ ክንርድኦ ዘለና፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቓ ማሕበራት ኣይነበራን። እቲ እሳተን ዝጻወትኦ ግደን ኣሰራርሓን ካብ ናይ ፖለቲካ ማሕበራት ዝተፈልየ ስለዝኾነ እቲ ፍልልዩ ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ክንርድኦ ይግብኣና። ከምኡ’ ውን ውልቀሰባት ይኹኑ ማሕበራት ኣብቲ ጉዳይ ርእይትኦም ክህቡሉ መሰሎም ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። እስኻትኩም ነቲ ጉዳይ ብሕጊ ተታሓሒዝኩሞ እንተሊኹም ብዛዕባ ናይ ውልቀሰባት ወይ ናይ ማሕበራት ርእይቶ ከገድሰኩም የብሉን። ካብ ኣጸሓሕፋኻ ግና ምሳና ኮንኩም ንሰናይት እንተዘይኮኒንኩማ ነቲ ትገብርዎ ምንቅስቃስ ኣይንኣምነሉን ኢና፡ ኣብ ልዕሌኹም ዝነበረ ኣረኣእያ ተቐይሩ ዓይንት እዩ ዘስምዕ። እሞ እዚ ድኣ ልክዕ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ተግባራት’ ዶ ኣይኮነን? ነቶም ካባኹም ዝተፈልየ ርእይቶ ዘለዎም ወይ ድማ ሓሳብ ዘቕረቡ፡ ኣብ ስልጣን ኔርኩም እንተትኾኑ ኣብ ዒራዒሮ ከትዳጉኑዎም ከምትኽእሉ ኣየጠራጠርን። ዘሕዝን እዩ! ይቛወም ኣለኹ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ተጻዋርነት ክህልወና ይግባእ። ከምቲ ኣብዝሓለፈ ቅነ ኣብ ፓልቶክ ብዛዕባ ናይ ሰናይት ጉዳይ ዓበይቲ ሰብኡት ብስምዒት ተድሪኾም ክግዕሩ ምስ ሰማዕኩዎምን ሎሚ ድማ ነዚ ናትካ ርእይቶ ምስረኣኹ፡ እንበር’ ዶ ኤርትራስ ክሓልፈላ እዩ ዝብል ሓሳብ እዩ ኣብ ኣእምሮይ ዝመላለስ ዘሎ። ነቲ ዝዓበየ ጸገማት ረሲዕካ ብስምዒት ተደፊእካ ምኻድ ክንድምንታይ ብስለት ጐዲልኩም ከምዘሎ እዩ ዘርእይ።
ኣምላኽ ንህዝቢ ኤርትራ ይርኣይ እንበር ካባኻትኩም’ሲ ተስፋ የብልናን. 4. ተምሃራይ ዝኸበርኩም ኣንበብቲ
ኣብዛ ዓለም ዘይጋገ ፍጹም-ሰብ የለን (no one is perfect) ስለዚ ኣብ ኤርትራ’ውን ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎ ኮነ ሕጂ ኣብ እዋን ነጻነት ብዙሕ ጉድለታትን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዝነበሩን ሕጂ’ውን ህልዋት ከምዝኾኑ ንማንም ንጹር እዩ። ሓደ ሰብ ብዝኾነ ውድብን ማሕበርን ወይድማ መንግስቲ መሰለይ ተጋሂሰ ክብል ከሎ ርጉጽን ጭቡጥን መርትዖን እንተ ተኻኢሉ’ውን ምስክር ከቕርብ ግቡእ እዩ ፡ ስለምንታይ ዝኮነ ሰብ ንባዕሉ ዓማጺ ክንሱ ተዓሚጸ እንዳበለ ከእዊ ስለ ዝኽእል’ዩ። ስለዚ ሰናይት መሓሪ ብዛዕባ ታሪኽ ሂወታ ክትጽሕፍ ከላ ምስኣ ዝነቡሩ ተማሃሮ ብዘይውዓልዎን ንሕስያ ብዘይብሉ ጸለመን ተጠቂኖም ኣለዉ። ዋላ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ሓቢረን ምስኣ ዝነበራ ምዕባያ ክልተ ኣሕዋታን ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽባሕ’ውን ዝመሃሩ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም እቲ ኣብቲ መጽሓፍ „ሃልሃልታ ልቢ“ ተተሪኹ ዘሎ ብፍጹም ሓቅነት ዘይብሉ ፈጠራ’ዩ ብምባል ይቃወምዎ ኣለዉ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ሓደ ብሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ማሕበር ወይ ውልቀ-ሰብ መጽናዕቲ ብምግባር ሓቅነት ናይቲ ነገር ብምርግጋጽ ክድግፍ ዋላ’ውን ናይ ደገፍ ሰልፊ ክውድብ ከሎ የጸብቐሉን ዝእመንን ክኸውን ይኽእል’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ግን ብዝይ ዝኾነ መጽናዕቲን ክእመን ብዘይከኣል እገለ ኣባል መንግስቲ’ዩ ወይ ኣባል ናይዚ ውድብ’ዩ ስለዚ ንሶም ዘለውዎ ንቃወሞ ዝዓይነቱ ኣሰራርሓ ሕጂ ኮነ ንመጻኢ ቅንዕና ዘለዎ ነገር ኮይኑ ኣይስማዓኒን ፡ ክእረም ዘለዎ ነገር እዩ። 5. ተምሃራይ ዝኸበርካ ዝገረሞ
ነዚ ብሰናይት መሃሪ ዝተጽሕፈ መጽሓፍ ብዙሕ ዘገድስ ኣይኮነን ሸለል ዘይትብልዎ ዲኻ ትብል ዘለኻ ወይ ነዚ ብስም ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ዝቀረበ ንሉዊጂን ሰናይት መሓሪን ዝድግፍ ጽሑፍ ኣንቢብኩሞ ሕለፉ ርእይቶኹም ኣይትሃቡ’ዩ። 6. ሓዊ ዋርሳይት ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ታሪኽ ጀግንነት፡ ተወፋይነት፡ ፍቕርን ሓድነትን ጥራይ’ዩ ኔሩ ኢልካ ትሙግት እንተሊኻ ዓዘራ እዩ። ግህሰት መሰል፡ ዓመጽ፡ ዘመደይ ዘመድካ፡ ስስዐን በለጽን ኣይነበረን ኢልካ ትኸስስ እንተሊኻ እዚ’ውን ዓዘራ እዩ። ጽባሕ ሓደ ክፋል ተ.ሓ.ኤ እዩ። ንጽባሕን ካልኦት ክፍልታትን ኣሃዱታትን ወዘተ ዝጠምር ድማ ተ.ሓ.ኤ ዝብል ጠርናፊ መጸውዒ ኣሎ። ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ ድማ ህዝባዊ ግንባር ከመይ ጌሩ ከምዝተረኾ ባዕልና ንፈልጦ ኢና። ሓቅነት ኣለዎዶ የብሉን ንዝብል ስነሞገት ክምለሰሉን ንህዝቢ ክበርሃሉ እንተዳኣ ተደልዩ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ሰኒድካ ናብ ህዝቢ ከምዝበጽሕ ብምግባር እምበር ነቲ ተራኺን ሰናድን ታሪኽካ ምምራርን ብምጽራፍን ኣይኮነን።
ታሪኽ ናብ ወለዶታት ዝሓልፍ ምስዝስነድ ጥራይ እዩ። ህ.ግ እንተ ንተ.ሓ.ኤ ከጸልም ኢሉ እንተ ሓቅነት ሃልይዎ ምስሊ ህ.ሓ.ኤ. ክገልጽ ከሎ፡ ‘ተ.ሓ.ኤ ብሩሱን ባዴላ ጌራ መቀመጫ ገባር ትትኩስ ከምዝነበረት። ከብቲ ትዘምት ከምዝነበረት። መርዓትን መርዓውን ፈላልያ ትወስድ ከምዝነበረት። ካብ ኣፍ ድኻታት ቆልዑ መንጢላ ቅጫ ትወስድ ከምዝነበረት። ጸቢባዊ ኣታሓሳስባ ከምዝነበራን ኻልእን” ብምባል እዩ ናብ ወለዶ ኣማሓላሊፍዎ። ዝበዝሕ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቕመጥ ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ከም ሓቂ ዝወስዶ ታሪኽ እዩ። ነዚ ታሪኽ ኣብ ሽኽና ዝበዝሕ ህዝቢ ንክሰርጽ ካብ ዝጻዓሩ ሰባት ሓደ ድማ ዘምህረት ዮውሃንስ እዩ። ‘ክሰርቀካ ዝርኣካዩስ ክመልሰልካ ነይትኣምኖ’ ክምዝባሃል መን ክኣምኖ’ዩ ዘምህረት ሕጂ ብዛዕባ ጽባሕ እንተተጣበቀ?
ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ እኾ ታሪኽ ጽባሕ እዩ። ተ.ሓ.ኤ. ጸሊሙ ማለት ጽባሕ ጸሊሙ ማለት እዩ። ተ.ሓ.ኤ እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ብ ህ.ግ ዝተጎራዓሉ ታሪኽ ከም ሓቂ እንተ ወሲድካዮ እዚ ብ ሰናይቲ ዝተጻሕፈ ታሪኽ ካብ ንኸይትኣምኖ ንኽትኣምኖ ይቀልል። ህ.ግ ብዓቢኡ ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. ከጸልም ደኒንካ ከምዘየሕለፍኻ ሓንቲ ውልቀሰብ ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ተሞክሮኣ ገለ ምስበለት፡ ሃገር ብሙሉኣ ኣብ ዕግርግራ ከም ዝኣተወት ተኣንጎት ተሸርበት ምባልሲ ካብ ምስሉዩነት ሓሊፈ ካልእ ዝብሎ የብለይን። እቲ ዘገርም ኻኣ ን ተ.ሓ.ኤ. ዘጸልሞ ዝነበረን ንሰናይቲ ሓሳዊት ኢሉ ዝማጎትን ዘሎ ማሕበርን ኣብ ክሊቲኡ ዘምህረት ብምህላው እዩ። ወይ ጉድ…
ዳሓር ኻኣ ‘ታሪኽ ጽባሕ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ’ እንዳበልካ ምሽቃጥ ንግደፎ። ኩሉ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ፍጻሜታትን ኣብ ኤርትራ ዝተከስት ክውንነትን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። መን እዩ ንህዝቢ ኤርትራ ሕማቕ ታሪኽ የብሉን ዝበለ? ንኤርትራ ምስ ኢትዩጽያ ክትጽምበር ዝተኻየደ መስርሕ እኾ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ንዓይ ታሪኽ ሰናይትን፡ ሶፍያ ተስፋማርያም (ብዛዕባ ሳልሕ ጋዲ) ዝጻሓፈቶ ጽሑፍ ሓደ እዩ። ሰናይት ተጋሲሰ ኢላ። ሆ... ኢልኩም። ሶፍያ ‘ሳልሕ ተጋዳላይ ህ.ሓ.ኤ ከሎ ንሓንቲ ህጻን ተጋሲሱ’ ክትብል ከላ ኣበይ ሃጢምኩም? ንሶፍያ ነቲ ዝተባህለ ጽሑፍ ብድሕሪት ኮይኑ ዘስንቕ ዝነበረ ርግጽ እየ ወይ ዘምህረት’ዩ ወይ ድማ መሰልቱ እዮም።ብዛዕባ ታሪኽ ዲኹም ትግደሱ ወላ ብዛዕባ እቲ ዝበለ ውልቀሰብ?
ብዛዕባ መሰል ኣይኮንነ እቲ ጉዳይ ድማ ኢልኩም። ወይ ጉድ። መን እዩ መሰል ኣብ ጽፍሒ ታሪኽ ኣይኣቱን ዝበለ? እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ሰናይት ከምውልቀ ሰብ ዘይኮነስ ብዛዕባ መሰል እታ ተጋሂሰ ዝበለት ህጻንን፡ ክሳብ ሕጂ ዝጋሃሳ ዘለዋ ደቀንስትዮን ህጻናትን እዩ። እዚ ካኣ ክፋል ናይቲ ጸሊም ታሪኽ ኤርትራና እዩ።
ፈቲኹም ጽልኡ፡ ደቀንስትዮና ኣብ ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ቃልሲ፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ይኹን ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ይቅመጻ ኔረን፡ ሕጂውን ይዕመጻ ኣለዋ። ነዚ ከምይ ጌርና ሓንሳብን ንሓዋርን ከምዝጠፍእ ኣብ ክንዲ ምቑማት፡ ሰናይት ሰናይት ክትብሉ ሞኽ ኣይተብሉና።
ታሪኽ ኤርትራ መሸቀጢ ኣይትግበርዎ። ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራ ትግደሱ እንተኾንኩም ኪዱ እቶም ኣብ ገድሊ ዝነበሩ ግቡዛት ኣብ ልዕሊ መሳኺን ደቀንስትዮ ኣሓትና እንታይ ዓይነት ኣሰቃቒ ዓመጽ ይፍጽሙ ኣለዉ መጽናዕቲ ግበሩ እሞ ሽዑ ታሪክ ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ከምዝሓተለ ክትፈልጡ ኢኹም።
ዘምሕረት ያኣይስ ብዛዕባ ታሪኽ ጽባሕ ተገዲሱ? ወይ ጉድ… 7. Zgeremo ተማሃራይ,
እቲ ተጻሒፍ ዘሎ ኣንቢብና ርእይቶና ንክንህብ ዕድል ተዋሂብና ኣሎ። እቲ ተጻሒፍ ዘሎ ከም ጸብጻብ ድኣ እዩ ቀሪቡ ዘሎ እንበር ንማንም ዝድግፍ ወይ ዝነቅፍ ኣይኮነን። ካብቲ ናትካ ርእይቶ ዝገረመኒ ግን እዚ ካብዚ ዝስዕብ እዩ፡
“ስለዚ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን በሃልቲ እዚ ናይ ሰናይት መሓሪ ጉዳይ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብፍጹም ዘራኽብ ነገር የብሉን እንተደኣ ንሰናይት መሓሪ ብውልቅኹም ትፈልጥዋን ትዛመድዋን ክትሕግዝዋን ደሊኹምን ኮንኩምን ብስም ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ቁንጣር ሓቂ ዘይብሉ ጸሎሎ ሓሶት ክትድግፉ ደሊኹም ኣብ ልዕሊ ማሕበርኩምን እታ ትሕበኑላ ኤልሳ ጭሩምን ዘለኒ እምነት ናይ በሓቂ ፎኪስ ክኸውን’ዩ። ከምዚ ክብል ከለኹ ታህዲድ ኣይኮነን በዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብጣዕሚ’የ ዝግደስ ግን ብዚ ከም በዓል ሰናይት መሓሪ ብህርፋን ገንዘብ ንነብሰን ፈኺሰን ንወለደንን ሃገረንን ዘፍኩሳን ዘጸልማን ከም ሓደ ሓቂ ወሲድኩም ብስም ሰብእዊ መሰል ኤርትራ ክትሽቅጡ ከለኹም ብወገነይ ኮነ ብወገን ኣሽሓት ኤርትራውያን ብፍጹም ቅቡል ኣይኮነን። ሓቅታት ናይዚ ከተረጋግጹ እንተደሊኹም መጽናዕቲ ክትገብሩ እዩ ዝግበእኩም’ምበር ስቕ ኢልካ ዘይነበረ መናፍሕ ብዘይ ገለ መጽናዕቲ (research) ብሽም ማሕበር ትድግፉ እንተኾንኩም ንዚ ክቡር ሽምኩም ተሕስርዎ ኣለኹም። ማሕበርኩምን ወካሊትኩም ኤልሳ ጭሩምን ድማ serious ከም ዘይኮንኩም በዚ ክዕዘበኩም ኪኢለ።”
ኣብ ምፍርራሕ ኢኻ ኣቲኻ። እቶም ኣብ ፓልቶክ ክዛረቡ ዝሰማዕኩዎም’ ውን ይግዕሩን ይፍክሩን እዮም ኔሮም። እቲ እስኹም ትብሉዎ ጥራሕ ሰብ ክድግፍ ትደልዩ እንተድኣ ኮንኩም፡ ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ዝገደድኩም ከምዝኾንኩም እዩ ዝገልጽ። ገና ታንክታትን መዳፍዕን ኣብ ኢድኩም ከየእተኹም ንሰብ ክትህድዱን ከተፈራርሑን ካብ ጀመርኩም፡ ስልጣን ምስሓዝኩም እንታይ ክትገብሩ ከምትኽእሉ ንምግማቱ ቀሊል እዩ። ስለዝኾነ’ ድማ’ ዩ ሕዝቢ ኤርትራ ከም ተቓወምቲ ኣሚንልኩም ምሳኹም ክጐዓዝ ዘይክእል ዘሎ። ኣተሓሳስባኹም ጸቢብን ስሚዒታውያን ከምዝኾንኩም እንሄለ ንርእዮ።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፡ እዚ ተጻሒፍ ዘሎ ጸብጻብ እዩ፡ ግና ከምቲ እስኹም ትገብሩዎ ዘለኹም ብጸርፊ ጀሚሮም ብጸርፊ ኣይኮነን ወዲኦሞ። ንሰናይት ስነጥበባዊት ኢሎም እዮም ጸዊዖማ። ስነጥበባዊት ድማ እያ። እሱ ድማ እዩ ዝኸውን ኣንሂርካ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ጽሑፍ ንሰናይት ዝጸርፍን ዘዋርድን ኔሩ እንተዝኸውን እስኻ’ ውን ምስተሓወስካዮ ኔርካ ዝብል ግምት እዩ ዘለኒ።
ብዛዕባ ናይ ሰናይት መጽሓፍ ኣነ ሸለል በሉዎ ኣይትበሉዎ ዘብል የብለይን። መጽሓፋ ኣብ ሙሉዕ ዓለም ተዘርጊሑ ይንበብ ኣሎ። እቲ ፊልም’ ውን ተሰሪሑ ኣሎ። ባዕልኹም ስለዘዋዋዕኩሞ እቲ መጽሓፋ ብብዝሒ ይሽየጥ ኣሎ። በቲ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ሕጋዊ መስርዕ ክትዕወቱ እንተኺኢልኩም ቀጽልዎ። ፡ ካብቲ ክትገብሩዎ ትደልዩ ንድሕሪት ኣይትበሉ። ግና ነቲ ርእይትኡ ዝህብን ብዛዕባ ናይ ሰናይት ክጽሕፍ ዝደልን ምዝላፍን ምፍርራሕን ምጽራፍን፡ ተመሊሱ ንዓኹም ዘንዕቐኩም ምዃኑ ክትፈልጥዎ ይግብኣኩም።
ብናተይ ኣረዳድኣ ኤርትራዊ ኣብቲ ዝመስሎን ዝኣምነሉን ከይተሰከፈ ርእይቱኡ ክህብ ምእንቲ እዩ መስለኒ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ። 8. ተምሃራይ ዝኸበርካ ዝገረሞ
ኣነ ብቐዳምነት ኣባል ጉጅለ ጽባሕ ኣይኮንኩን ፡ ብምቕጻል ኣብ ጽሑፍካ ዝነበረ ወቐሳን ነቐፌታን ዋላ’ካ ዝይቅበሎ እንተኾንኩ ጸይረዮ ኣለኹ። ርእይቶይ ኣብዚ ኣንዳሕጸርኩ ግን ንመደምደምታ ጽሑፍካ ይቕበሎን ይሰማማዓሉን’የ። 9. Buwza-EYR Greetings Everyone,
"No one would know better than Senait about what happened to her, her body. Can anyone claim to know what happened to Senait body? If so, are we not claiming we have God like power?
I am very amazed by some people who profess to own the truth. I am also amazed by those who try to tell us that Senait is lying without proving her she is lying? Without telling us the truth? They want us to take them for granted because they from Tsebha or ELF. Moreover, the same people who claim to own the truth, who are telling us Sanait is lying, are telling us to believe them, that I consider an insult to my intelligent. How is that they expect us to believe them than Senait, on what basis? Emotional, denial, irrational pride or perhaps based on the imaginary book that they wrote that accounts the armed struggle?
If you have the guts and know how, please stop bashing Senait, please write the history of armed struggle & Tsebha. Include in the book that child soldiers (any one under 18 years old) never existed and that there were never instance of rape, back then everyday was fun, happy, no trauma, no fear and no abuses. You may also want to include that the armed struggle & Tsebha life style was like paradise island. Then let the reader be the judge of Senait book vs. your book. But right now we are comparing apple and nothing.
Senait was lucky; she attended therapy sessions for six years, how about our unlucky sisters who are leaving Eritrea in Exodus who carry the stigma of rape, recurring horror experiences and abuses. I wonder what therapy those victims of rape are getting, what support system do they have? How we going to help Eritrean rape victims if we as a society deny the very existence of rape?
Let’s eat our pride and move on, we Eritrean are human beings just like anyone else…let’s not pretend to be Angeles from heaven, stop fooling ourselves. Senait cleverly did just that, she showed us that, we Eritreans are human beings with shortcomings...we not perfect...Eritrean society is not perfect; the armed struggle is not perfect either. She freed herself by talking boldly about those shames that we are not even dare to mention let alone write about them.
I don’t know why people accused her of money greedy, has any one seen her bank account? Does any know for sure if she profiting from this book? But we all do know that Isaias is stashing hundreds of millions at offshore banks, now who is greedy, who is profiting, and who is exploiting? Should not we leave alone Senait and go after Isaias? Let’s use our common sense please.
It is sad that many people are going after Senait to protect the already damaged image of Eritrea. I am sure you are misfiring at the wrong person. I know Senait is an easy target that we all can attack, but she is no Isaias, she is not criminal. Eritrea image has been damaged and destroyed not by Senait but by Isaias and his cronies. Eritrea image was damaged due to Isaias mishandlings and mismanagements even by African standard. No amount of misfiring at Senait would recover Eritrea image. Please aim right and fire at Isaias and his cronies & generals who are raping our sisters and stashing hundreds of millions at offshore banks. I respectfully ask those who are pursuing legal action against Senait, to cease and desist and put their energy to remove criminal Isaias and those generals and PFDJ cronies who raping our sisters. Perhaps you can shift your legal muscles to support Awate Defense Fund and to bring one of the PFDJ cronies Sophia to justice…that would have been something to celebrate.
Senait should be thanked for writing the book and sharing her life, and making us talk on issues that are taboo. She is just an innocent Eritrean with so much to give and so much to share; I understand she is doing a lot of free community & humanitarian services, which says a lot about her. May be we should think of how we reach out and embrace Sanite so she becomes part of our Eritrean community in Germany.
I personally want to thank her for the book and congratulate her on her movie, and her movie has received rave review and three stars. Not bad for an Eritrean girl who has been through many obstacles. I am proud of her and we all should be proud of her. Is there anyone who know Senait or who can share her contact information? My email address is,
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it
, please share it with Senait Mehari.
Those who stand behind Senait are very courageous and keep it up. Now it is very clear that there are Eritreans who can think out of box and make their stand on principles. God bless you all. |