Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

radio_main Bdho_Antsar_atahasasbana
Laws are still arbitrary Print E-mail
Written by emdhr meseley team   
Sunday, 03 February 2008

ሕጊ ብወለንታ ውልቀሰባት

ላምባ፡ ኮታስ ነዳዲ ዝብሃል ብሓፈሻ ኣብ ኣስመራ ደሃዩ ሃጢሙ፤ መካይናት መንግስቲ’ውን እንተኾነ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ተሰናኺለን፤ ኮታስ ኩሎም ዓይነት ምንቅስቃሳት ደው ንኽብሉ ተገዲዶም ይርከቡ።

እቲ እንኮ ዕዳጋ ነዳዲ፡ እቲ “ብወትሃደራዊ ኮትሮባንድ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ጸሊም ዕዳጋ ኮይኑ፡ ንሊትሮ ክሳብ 30 ናቕፋ ይሓትት። እቶም ነዊሕ ጉዕዞ ክኸዱ ዝደልዩ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ መብዛሕቱ እዋን ንባህላዊ ጉዳት ማለት ንምብጻሕ መርዓ ቤተሰቦም፡ ነዳዲ ካብቶም ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝውነኑ ጸሊምቲ ዕዳጋታት ንኽሽምቱ ይግደዱ።

ብርግጽ፡ ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ኤርትራና፡ ፍልልይ ኣብ መንጎ ዘለዎምን ዘይብሎምን ዜጋታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገፍሐ ይኸይድ።

ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ምስ ፈተነ-ቅትለት ኮሎኔል ስምኣን ምትእስሳር ዘለዎ፡ ኣብ ዝሓላፈ ዓመት ኣብ ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ምስ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ህይወቱ ካብዛ ዓለም ዝተፈልየት ኣቶ ሳምሶም መርኣያ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዝርከብ ግዕዘይ ሃዋሁ እዩ። ሳምሶም ቅድሚ ካብዛ ዓለም ብሞት ምፍላዩ፡ ነቲ ኣብዚ ፈተነ-ቅትለት ቀንዲ ተዋሳኣይ ዝነበረ ጀነራል ገብረእዝግኣብሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ካብ ኣብ ጥቃ ቲራቮሎ ዝርከብ ኣይድያል መሸጢ ናይ ገዛ ስርሓውቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ድኳን፡ ዋጋ 300000 ናቕፋ ዝትመን ምሉእ ኣቕሑ ገዛ ከም ህያብ ኣበርኪትሉ ከምዝነበረ ምንጭታት ይገልጹ። ሎሚ እዞም ኣቕሑት ገዛ ኣብ ቪላ ውጩ ተቐሚጦም ንረኽቦም። መንግስቲ እንተኾነ ነቲ ኣብ ል ዕሊ ኮሎኔል ስምኦን ዝተፈጸመ ፈተነ-ቅትለት “መጽናዕቲ” ይግበረሉ ኣሎ ይበል።

ምጥሓል ኢንዱስትሪ ዓሳ

ኣብ ኤርትራና፡ ሓደ ካብቶም ዝተዳኸሙ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪታት፡ ኢንዱስትሪ ወይ ሕርሻ ዓሳ እዩ። ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተነግረና፡ ሕርሻ ዓሳ ወይ ውሕስነት መግቢ ሃገርና ዘረጋግጽ ወይ’ድማ ንደገ ተላኢኹ ምንጪ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክኸውን ዝብል እዩ ኔሩ እቲ መደብ።

ብምትሕብባር መንግስቲን ናይ ወጻኢ ግብረሰናይ ማሕበራትን ድማ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ክኢሉ፤ ነዚ ክውን ኣብ ምግባር ኣቢ ተራ ዘለወን ትካላት፡ ማለት ኤሪፊሽን ለዳን ምስ መኻዚኖታትን በረድ ዘፍርያ ትካላት’ውን ተመስሪተን።

ግና’ኸ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን፡ ፍርያተን ንደገ ክልእኻ ኣይከኣላን።

እቲ መሰረታዊ ጸገም ናይዘን ትካላት፡ ዋጋ ነዳዲ ስለዝኸበረን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ ኮማንድ ኤኮኖሚ ዝኽተል ስርዓተ-ምምሕዳር ብምዃኑን እዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ይገልጹ። ከም ሳዕቤኑ ዓሳ ብ ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ፡ ማለት 50 ናቕፋ ንኹሎ ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ይሽየጥ። ነዚ ዋጋ’ዚ ክኸፍል ዝኽእል ድማ ኣዝዩ ውሑድ ክፋል ናይ ሕብረተሰብና እዩ።

“ንምዃኑ ተሰነይ ኣካል መሬት ኤርትራ ድያ፧”

ጎማ ማኪና’ውን ዳርጋ ጠፍኡ ክበሃል ይከኣል፤ ብጀካ ኣብ ከተማ ተሰነይ። ብመሰረት ኣዋጅ መንግስቲ፡ ኣብ ወጻኢ ዝፈረዩ ኣቕሑ ካብ ተሰነይ ክወጹ ኣይፍቀደሎምን እዩ ዝብል። ስለዚ፡ እቶም ሓድሽ ጎማ ማኪና ዘድልዮም ሰባት ንተሰነይ ክወርዱ ይግደዱ። ካብ ቀይድን ኬላታትን ንኸምልጡ ድማ፡ ነቲ ኣብ ተሰነይ ዝገዝእዎ ሓድሽ ጎማ ኣብ ማኪናኦም ኣልጉቦም ናብ ኣስመራ ይምለሱ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ምምሕዳር ዝተገብረ ኣኼባ፡ ሓደ ዓቢ ኣቦ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ በዓልስልጣን መንግስቲ ከምዚ ዝብል ሕቶ ኣቅረብሉ፡ “ተሰነይሲ ገና ኣካል መሬት ኤርትራ ድያ ዘላ፧” እቲ በዓል ስልጣን ብቅጽበት “እወ፡ ከመይ ደኣ!” ክብል መለሰ። እቶም ኣቦ ትቅብል ኣቢሎም “እሞ ንምንታይ ደኣ ኣቶም ኣብ ተሰነይ ኣብ ቃልዕ ዕዳጋ ዝሽየጡ ኣቑሑ ኣብ ኣቁርደትን፣ ከረንን ኣስመራን ክንቀሳቀሱ ዘይፍቀድ፧ እዚ ኣሰራርሓ ደው ክብል ክኽእል ኣለዎ።” እቶም ኣቦ ከምዚ ምስ በሉ፡ ኩሎም እቶም ተጋባእቲ ብጣቅዒት ጨደሩ። እቲ መራሕ ኣኼባ ብወገኑ ጭቡጥ መልሲ ከምዘይብሉ፤ ግን ከኣ “ነቲ ዝምልከቶ ኣካል ክሓትት” ምዃኑ ገለጸሎም።

እቲ እገዳ እንተኾነ ኣብ ጎማ መኪና፣ ዲቪዲ፣ ሲዲን ሰዓትን ዝሕጸር ኣይኮነን። ቡን፣ ጣፍን ማሸላን’ውን ካብ ከተማ ተሰነይ ናብ ካልኦት ቦታ’ታት ኤርትራ ክሰግሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ። “መሸላ’ውን መንቀሳቀሲ ወረቀት ደልያ” ይብሉ ደቂ ኣስመራ ክዋዘዩ።

በርበረ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ንኺሎ 60-80 ናቕፋ ከምዘይነበረ፡ ሎሚ ግን 180 ናቕፋ ንኽሎ ይሽየጥ ኣሎ። እዚ ብሰንኪ እገዳ ኣብ ል ዕሊ ምንቅስቃስ ኣቕሑ ትራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ኣፍሂምቦል (ሕርሻዊ ኢንዱስትሪ ምኒስትሪ ምክልኻል) ኮሚደረ ጥራይ ደኣምበር በርበረ ንኸየፍሪ ስለዝተኣዘዘ እዩ። ኣብ ኣፍሂምቦል ዝፈርይ ኮሚደረ ፋብሪካ ሳልሳ አለቡ እዩ ብብዝሒ ዝጥቀመሎም።

ፋብሪካ ሳልሳ፡ ልክዕ ከም ፋብሪካ ቢራን ዓሳን፡ መሰረት ምንጪ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክኸውን  ምተገብአ።

ክፍሊትን ኹቦንን

ኮማንድ ኢኮኖሚ ኹቦን እዩ ዝጠልብ፤ ስርዓት ኤርትራ ድማ ብብዝሒ ኹቦን ይጠልብ። ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ካብ ቤት ትምህርት ህጻናት ጀሚርካ ክሳብ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ናይ ቤት ትምህርቲ ኹቦን ክሕዙ ይሕተቱ። ንጠበቃ፣ ናይ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ ልደት ወረቀትን ካልኦትን ኹቦን ይጠልቡ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ን ኣብ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋትታ ዕላማ ዝገበረ ናይ ቦሎ ክላውዶ፡ ማላት ናይ መኪና ወረቀት ኹቦን ተኣታትዩ ይርከብ። ብዙሓት ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት መኪናኦም ከመስግብዋ እንተደኣ ኾይኖም 2% ካብ ኣታዊታቶም ከምዝኸፈሉ ዘረጋግጽ ወረቀት ክህልዎም ይግባእ።

እገዳ ኣብ ልዕሊ ናይ ምንቅስቃስ መሰል

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንናይ ምንቅስቃስ መሰል ዜጋታት ዝገትእ ሓድሽ መምርሒ ኣውጺኡ ይርከብ። እዚ መምርሒ፡ ሲቪል ኢንጂነራት፣ ተክኒሻናት፣ ክኢላታት ኤሌክትሪክ፣ ኣማኸትን ካልኦት ክኢላታትን ንወግዓዊ ይኹን ንንግዲ ዝምልከት ጉዕዞ ናብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ምግያሽ ይገትእ፤ ካብ ዓዲ መውጽኢ ቪዛ ንኸይረኽቡ ድማ ይጠልብ።

እዚ መምርሒ በንጻሩ ነቲ ብወትሃደራዊ መኮንናት ዝመሓደር ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝፍጸም ናይ ሕቡእ ጉዕዞ ንኽስስን ሓጋዚ ኮይኑ ይርከብ።

ዶብ ንምስጋር ነቶም ዘምሉቑ ወትሃደራዊ መኮንናት ወይ ካልኦት ተራ ዜጋታት ዝኽፈል ክፍሊት ክሳብ 20000 ናቕፋ ይበጽሕ። እቲ ክወጽእ ዝኸኣለ ናይ ምስጢር መልእኽቲ ካብ ሱዳን ወይ ኢትዮጵያ ናብ ቤተሰቡ ምስለኣኸ እቲ ገንዘብ ካብ ቤተሰቡ ነቶም ዘምሎቑዎ ሰባት ኣብ ኢድ ይውሃብ። 

ድሓን ዝኾነ እቶት ዘለዎም ቤተሰብ ኤርትራ፡ ንወትሃደራውያን መኮንናት ክሳብ 7000 ናቕፋ ብምኽፋል ንወዶም ወይ ጓሎም ካብ ዕስክርና ክገላግልዎ ይኽእሉ።

እገዳ ዘይሰርሓሉ እዋን

እገዳ ኣብ ልዕሊ ናይ ምንቅስቃስ መሰል ነቶም ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዘለው ሰባትን ቤተሰቦምን ዝምልከት ኣይኮነን። ምናልባት ንዕረፍቲ ናብ ዓዲ ጥልያንን ኣሜሪካን ምጋሽ ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጽብጸብ እንተዘይኮይኑ፡ “ወዲ ፕረሲደንት ከማን ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናጻ ኣይኮነን” ተባሂሉ ብብዝሒ ዝንገረሉ ዘረባ ከም ሓቂ ክውሰድ ይከኣል እዩ። ግና’ኸ ኣባላት ወትሃደራዊ ሃገልግሎት ንስድራኦም ምእንቲ ክበጽሑስ ናይ ዓሰርተ መዓልቲ ዕረፍቲ ንኽረኽቡ ዘለዎም ዕድል ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

እገዳ ኣብ ኩሉ እቲ ሕብረተሰብ ብማዕረ ዝትግበር እንተኮይኑ፡ ህዝቢ ነዚ ክጻወሮ ቅሩብ ምዃኑ ስርዓት ኣስመራ’ውን ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ግና’ኸ ወትሃደራውያን መኮንናት ንደረት ዘይብሉን  ካበይ ከምዝብገስን ንጹር ዘይኮነ ሃብቶም ስግንጢር ብዝኾነ ኣገባብ ክዘርውዎ ብትዕግስቲ ይዕዘብ ንዘሎ ህዝቢ፤ እቲ ወትሩ ኣብ ቃልዕን ኣብ ዓይኒ ህዝብን ዝፍጸም ብልሽውና፤ ወትሃደራዊ መኮንናትን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ምቹእ ናብራ እንዳነበሩስ ዓመት መጸ ንመስዋእቲ ጻውዒት ምግባር፤ እሞ ድማ እቲ ሕግን ጻውዕትን ንኹሉ ዝምልከቶ ብዘይምዃኑ፡ እዚ ኹሉ ሓቅታት ነቲ ዓመት መጽት መስዋእቲ ዝጠልብ ጻውዒት መንግስቲ ትርጉም ዘይብሉ ይገብሮ።

[እዚ ጽሑፍ ብ ዕለት 14 ጥሪ 2008 ብኣገልግሎት ዜና ገዳብ ብቛንቛ እንግሊዝኛ ተጻሒፉ ኣብ ዓዋተ ዳት ኮም ዝተዘርግሐ ጽሑፍ እዩ። ብኣባላት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ድማ ናይ ቛንቛ ትግርኛ ተተርጉሙ። ኣብ ምትርጓሙ ንዘጋጥሙ ጸገማት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ብሓላፍነት ይሕተት።]

Last Updated ( Monday, 10 March 2008 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2009 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Laws are still arbitrary