Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

radio_main Bdho_Antsar_atahasasbana
Eritrean Refugees in January 2008 Print E-mail
Written by emdhr meseley team   
Sunday, 03 February 2008

ንኹሎም ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ናይ ስራሕ ወረቀት ንክወሃቦም ተወሲኑ

Sample Image

100 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ውሽጣዊ ጉዳይት እስራኤል ናይ ስራሕ ወረቀት ተዋሂብዎም ክብል ሃርትዝ ዶት ኮም ዝተባህለ እስራኤላዊ መርበብ ሓበሬታ ብዕለት 9 ጥሪ 2008 ገሊጹ። ካልኦት 1000 ዝኮኑ ኤርትራውያን ድማ ኣብ ዝስዕብ መዓልታት ፍቃድ ክወሃቦም ምዃኑ እቲ ምንጪ ይገልጽ።

“እዚ ውሳኔ” ይብል ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እስራኤል፡ ሚስተር ዮሲ ኢደልስተይን፡ “ብፍሉይ ንግብረ-ሰናያዊ ጉዳያት ዝምልከት ኮይኑ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዓዶም ክምለሱ የብሎምን ዝብል ጠለብ ብዘቕረቦ መሰረት እዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ክኢሉ”።

እዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቅሰ፡ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝምልከት ክኸውን ከሎ፤ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግን ሓደጋ ጥርዝያ የንጸላልዎም።

ብዕለት 18 ጥሪ 2008 ዓለምለኻዊ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ሊብያ ንኣስታት ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ናይ ምብራር መደብ ተተሓሒዛቶ ከምዘላ ይሕብር። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ እዚ ሊብያ ወጢናቶ ዘላ መደብ፡ ንገለ ካብቶም ስደተኛታት ንሃገሮም በስገዳድ እንተተመሊሶም ንስቅያትን ማእሰርትን ዘቃልዖም ተግባራት ስለዝኾነ ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ፍጹም ክልኩል ምዃኑ ይገልጽ።

ምክትል ዳይረክቶር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሚስተር ፊሊፕ ሉተር፡ “መብዛሕትኦም ስራሕ ክረኽቡ ኢሎም ካብ ሃገሮም ዝተሰደዱ እኳ እንተኾኑ ሰበስልጣን ሊብያ ግን ኣብ መንጎ  ስራሕ ደልዮም ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ተራ ስደተኛታትን ከም ኤርትራውያን ዝኣመሰሉ ሓተትቲ ዑቕባን ዝኾነ ዓይነት ፍልልይ ይገብሩ የለውን” ክብል ንመንግስቲ ሊብያ ይኸስስ።

ብተወሳኺ፡ ሚስተር ሉተር ኣብ ሊብያ ንዝነብሩ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊኦም ብቀጻሊ መግረፍትን ስቅያትን ከምዝወርዶም ይሕብር፤ ንሰበስልጣን ሊብያ ድማ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክቕርቡሎምን ጉዳዮም ብሕጋዊ ኣገባብ ክገጥምሉ ዘኽእሎም ባይታ ንኽፈጥሩሎምን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ኣብ ምስሪ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ተመሳሳሊ ዕድላት ከምዞም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ከምዘጋጥሞም ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ።

ምስዚ ኣብ ዝመሳሰል ጸብጻብ፡ ነቶም ካብ መደበር ስደተኛታት ወጺኦም ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ክነብሩ ዝመርጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት መንበሪ ፍቃድ ክወሃቦም ከምዝጀመረ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ስደተኛታትን ተመለስትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕለት 18 ጥሪ 2008 ኣፍሊጡ። በዚ ውሳኔ’ዚ መሰረት፡ ናይ መጀመርታ ዙር ኤርትራውያን ዜጋታት ካብ መደበር ስደተኛታት ሽመልባ ናብ ከተማ ደብረ ማርቖስ ከምዝኸዱ እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ይገልጽ።

ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 140 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብናይ ዳግመ-ምጥያስ መደብ (resetlement) ካብ መደበር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ካናዳን ኤውሮፓን ከምዝኸዱ እቲ ምንጪ ይሕብር።

ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ከምዝነብሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይገልጹ።

 

ሱዳን ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተዓጻጸፈ ብዝሒ ወሲኹ ትብል

ብዕለት 18 ጥሪ 2008 ሱዳን ትሪቡን ተባሂሉ ዝፍለት ኣብ ሱዳን ዝመደበሩ ማዕከን ዜና “ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ሱዳን ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ብዝተዓጻጸፈ ብዝሒ ወሲኹ ዝብል መግለጺ ከምዝሃበ” ይገልጽ።

ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ሰልፊ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ዳይሬክቶር ውድባዊ ጉዳያት ኣብ ዞባ ከሰላ ኮይኑ ዝሰርሕ በዓል ስልጣን መንግስቲ ሱዳን፡ ኢድሪስ ዓሊ መሓመድ፡ “ዝተዓጻጸፈ ብዝሒ ቁጽሪ ዘለዎ ምንቅስቃስ ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ስደተኛታት ኣብ መሬት ሱዳን፡ ንመንግስቲ ሱዳን ኣዝዩ ዘሰክፍ ጉዳይ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ” ይብል።  

“መንግስቲ ሱዳን” ይብል ኢድሪስ “ኣብ መዓልቲ ካብ 50 ክሳብ 70 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ስደተኛታት ክቅበል ጸኒሑ፤ እዚ ማለት ኣብ ወርሒ 1600 ስደተኛታት፤ መብዛሕትኦም ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 20 ዝርከቡ መንእሰያት እዩም።”

ኢድሪስ ብተወሳኺ፡ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብምትሕብባር ምስ ናይ ሱዳን መንግስታውያን ትካላት ንስደተኛታት መግቢ፣ ሕክምናውን ሕጋውን ሓገዛት ኣብ ምቅራብ ተዋፊሮም ከምዘለው መብርሂ ሂቡ።

ጋልፍ ማእከል ሓበሬታ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ኣስታት 2500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ከምዝኣተው ብዕለት 16 ጥሪ 2008 ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ይገልጽ። ኣብ ሸገራብ ዝተባህለ  ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሰርሓ ሓድሽ መደበር ስደታኛታት ከምዝዕቖቡ ከምዝተገብረ’ውን ወሲኹ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዘን ዝተፈላለያ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታታት መንግስቲ ሱዳን ኣስታት 4000 ዝኾነ ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ንሰበስልጣን ኤርትራ ከምዘረከቦ ክሕብራ ጽኒሓን እየን። በዓል ስልጣን መንግስቲ ሱዳን ግን ነዚ ሓበሬታ ከምዝከሓዶ ጋልፍ ማእከል ሓበሬታ ይገልጽ። እቲ በዓል ስልጣን  “እዚ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ እዩ፤ እቲ ቁጽሪ ንገዛእ ርእሱ ኣዝዩ ዝተጋነነ እዩ፤ ጥርዝያ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ዝፍጸም ዘይኮነስ፡ ህላወ ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት ኣብ መሬት ሱዳን ንምቁጽጻር እዩ” ይብል።

“እቶም ካብ ሱዳን ን ኤርትራ ዝጥረዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቶም ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ንከሰላ ዑቅባ ክሓቱ ኢሎም ከምዘይመጹ ዝተኣመኑ እዮም፤ ዝኾነ ዑቕማ ክሓትት ንሱዳን ዝኣተወ ስደተኛ ብቀጥታ ንመደበር ስደተኛታት እዩ ዝሰጋገር” ወሲኹ ይብል በዓል ስልጣን መንግስቲ ሱዳን። 

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2007፡ መንግስቲ ሱዳን 86 ደቅንስትዮ ዝርከብዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምዘረከበ ጋልፍ ማእከል ሓበሬታ ይሕብር። መንግስቲ ሱዳን እቶም ብሓይሊ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ስደተኛ መንቀሳቀሲ ወረቀት ስለዘይብሎም ወይ’ድማ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ከብቲ ክሸጡ፣ ክነግዱን ቤተሰቦም ክበጽሑን ንከሰላ ዝመጹ ውልቀሰባት እዮም እንዳበለ ንተግባራቱ ምኽኑይ ክገብሮ ከምዝጽዕር እቲ ማእከል ሓበሬታ ወሲኹ ይገልጽ።

ምስ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓበሬታ ዝተኣሳሰር፡ 17 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሓዳስ መደበር ስደተኛታት ኣሸገራብ ንምምላጥ ብጃልባ ገይሮም ናብ ምዕራባዊ ገማግም ፈለግ ሰቲት ንምስጋር እናፈተኑ እንከለው ከምዝጠሓሉ ጋልፍ ማእከል ሓበሬታ ኣብ ናይ ዕለት 27 ጥሪ 2008 ዝዘርግሖ ሓበሬታ ይገልጽ። ጠንቂ ምጥሓል ናይ ጃልባ እቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ከባቢ ዝተራእየ ሓይል ህቦብላ ንፋስ ምዃኑ እቲ ምንጪ ወሲኹ ይሕብሩ።

ዋሕዚ ብዝሒ ቁጽሪ ዘለዎ ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን። ኣብ ኤውሮፓ እንተኾነ’ውን ብተመሳሳሊ መጠን ቁጽሪ ወሲኹ እዩ። ንኣብነት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኩለን ሃገራት ኤውሮፓ እታ ዝለዓለ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፡ ማለት 2725 ዘኣንገደት ሃገር ምዃና ሱዳን ትሪቡን ይሕብር። ስዊትዘርላን’ውን ኣብ ሃገራ ካብ ዝኣተው ስደተኛታት ቁጽሪ ኤርትራውያን ዝለዓለ፡ ማለት ኣስታት 1600 ምንባሩ ይግለጽ። ከምኡ’ውን ሽወደን ልዕሊ 800 ኤርትራውያን ስደተኛታት የኣንጊዳ።

Last Updated ( Wednesday, 26 March 2008 )
 
Next >


Voice of Meselna Delina

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Main Site