|
ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፤ ንምንታይ የገድሱ፧ ኣብ ትሕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፤ ንምንታይ የገድሱ ዝብል ኣርእስቲ ብዕለት 15 ጥሪ 2008 ኣብ ፕሪቶሪያ ዩኒቨርሲቲ (ደቡብ ኣፍሪቃ) ህዝባዊ ኣስተምህሮ ተኻይዱ። እዚ ኣስተምህሮ ብናይ ሓባር ጻዕሪ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ) ናይ ፕሪቶርያ ዩኒቨርሲቲ ማእከል ምርምር ንሰብኣዊ መሰላትን እዩ ተዳልዩ። ዕላማኡ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ገኒኑ ዝርከብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍልጦ ኣህጉራውያን ትካላትን ኣፍሪቃውያን መንእሰያትን ክብ ንምባል እዩ።
 ኣብዚ መዓልቲ ኣስተምህሮ ክህብ ዝተዓደመ ጋሻ ሚስተር ዳን ኮነል ተባሂሉ ዝፍለጥ፤ ኣብ ቦስቶን ዝርከብ ሲሞንስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮሌጅ መምህር ናይ ጋዜጠኛነትን ፖለቲካ ኣፍሪቃን እዩ። ኣብ መግለጺኡ ንታሪኻዊ ኣመዓባብላ ፖለቲካ ኤርትራ ዝምልከት ሰፊሕ መረዳእታ ኣቅሪቡ፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ኤርትራ ገኒኑ ዝርአ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ኣብ ናይ ዙምባብዌ ዝያዳ ከምዘሻቕል ንተሳተፍቲ ሓቢሩ። “ከም ኣብ ዝምባቡዌ ዘይኮነስ: ሎሚ ኣብ ኤርትራ” ይብል ዳን ኮነል “ዝኾነ ዜጋ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኮይኑ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ዘራባ ክዛረብ ኣይደፍርን እዩ፤ ምኽንያቱ ድሒሩ ዳህያ ከምዝኣቱ ስለዝፈልጥ።” ብርግጽ ኣብ ኤርትራ ብተዛማዲ “ዝያዳ ጭቖና ዘኸትሉ ኣገባባት” ዝውቱራት ኮይኖም ንረኽቦም፤ ዳን ኮነል ብምቅጻል “ንገዛእ ርእሰይ ከምዚ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ናጻ ኣፍሪቃ ይትግበር እዩ ዝብል ዘረባ ሰሚዔ ኣይፈልጥን…ነዞም ረቀቅቲ ናይ ጭቖና መሳርሒታትን ንመዓልታዊ ህይወት ኤርትራዊ ዜጋ ንምቁጽጻር ተባሂሎም ዝፍጸሙ ተግባራትን ክዕዘብ ከለኹ ንኤውሮፓውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃ ዘተግብርዎም ዝነበሩ ግፍዕታት የዘኻኽረኒ” ይብል ዳን ኮነል። ብተወሳኺ “ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰፊኑ ዝርከብ ናይ ቀጻሊ ምፍሕፋሕ መንፈስ ንስርዓት ኤርትራ ቅዋም ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል፣ ሃገራዊ ምርጫ ንኸየካይድን ናይ ፍርሕን ጭቖናን ሃዋሁው ድማ ከምዘለዎ ንኽጸንሕ ምስምስ ንኽገብር ኣኽኢሉዎ ጸኒሑ” ክብል ዳን ኮነል ገሊጹ።
ንኣምር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝምልከት፡ ንስለ ሰብኣዊ መሰላት ኢልካ “ምቅላስን ዋላ’ውን ኣድላዩ እንተኾይኑ ነፍስኻ ምውፋይ” ሓላል ነገር ምኻኑ ዳን ኮነል ይገልጽ፤ “ምኽንያቱ፡”ይብል ዳን፡ “ሰብኣዊ መሰላት ናይ ገዛእ-ርእስናን ናይ ሓባርን መንነት ንምህናጽ ስለዘኽእሉና…ወነንቲ መጻኢ ዕድል ሕብረተሰብና ምእንቲ ክንከውንሲ ኣሳታፊ ባይታ ስለዝፈጥሩልና፤ ከምኡ’ውን ንመራሕትና ብሓላፍነት ንኽንሓቶም ስለዘኽእሉና እዩ”። ንታሪኻው ኣመዓባብላ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ናይ ሕጂ እዋን ስርዓተ-ምምሕዳር ቡሽን ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ንኣምር ሰብኣዊ መሰላት ዘረድእ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። “ኣብ መንጎ መራሕትን ህዝብን ዝኽሰት ምስሕሓብ ብዛዕባ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝኾነ እዋን ህያው ምዃኑ ዳን ይገልጽ፤ ኣብ ዝኾነ ግዜ ድማ መሰላት ክዕቀቡ ክኽእሉ ኣለዎም ይብል፤ ከመይ መሰላት ዝምንዝዕ ጉጅለ ወይ ኣካል ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን ስለዘሎ፤ እዚ ድማ ባህርያዊ ምዃኑ የረድእ። ዳን ብምቕጻል “ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ መንጎ ሃገራትን ጽኑዕ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ንኽህሉ ኣገደስቲ ረቛሒታት እዮም” ይብል። እምበኣርሲ ናይ ሓንቲ ሃገር ብድሆታት ጥራይ ዘይኮኑስ ኣህጉራዊ’ውን እዩ። “ነፍሲ ወከፎና ንመሰላት ኣብ ኩሉ ክፍሊ ዓለምና ዝነበር ህዝቢ ክንቃለስ ደኣ ኣሎና እምበር ነቶም ንእዋኑ ዘገድሱና መሰላት ጥራይ ኣድህቦ ክንህብ የብልናን” ክብል ዳን ኮነል መልእኽቲ ንተሳተፍቲ ኣመሓላሊፉ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ኣሰቃቂ ክነሱስ ንምንታይ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ንናይ ዝምባቡዌ ጉዳይ ዝያዳ ኣድህቦ ዝገብራ ዝብል ሕቶ ዳን ኮነል ተሓቱቱ ክምልስ ከሎ “ምናልባት ኣብ ዝምባቡዌ ዝበዝሑ ጸዓዱ ስለዘለው ክኸውን ይኽእል እዩ” ኢሉ። ዳን ኮነል “ንኩነታት ኤርትራ ኣብ ምቅላልን ንውሽጣዊ ብድሆታት ዘተባብዕ ተኽእሎ’ውን ክፍጠር እንተኾይኑ ተራ ማሕበረሰብ ዓለም ሃናጺ ዝኸውን ንምፍሕፋሕ ኤርትራን ኢትዮጵያን መዕጸዊ ክገብረሉ ምስ ዝኽእል ጥራይ እዩ” ዝብል እምነት ኣለዎ። ጭቡጥ ንቕድሚት ዝወስድ ስጉምቲ እንታይ ክኸውን ይኽእል ንዝብል ሕቶ “ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣዝዩ ኣገዳሲ” ምዃኑ ዳን ኮነል ኣተንቢሁ። “ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.” ይብል ዳን “ብመገዲ ራድዮ… ጽሑፋት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ከምዝዝርግሑ ብምግባር ድዩስ ወረቃቅትን ካልኦት ጽሑፋትን ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝሰልኩ ብምግባር ንክብሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከምዝዓዝዝ ኣብ ምግባር ሃናጺ ተራ ይጻወት ከምዘሎን፤ ክድገፍን ክተባባዕን ድማ ከምዝግባእ” ንተሳተፍቲ ጽኑዕ እምነቱ ኣብ ልዕሊ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ገሊጹ። ብተወሳኺ “ፈቖድኡ ተጎጃጂሉ ዝርከብ ኤርትራዊ ደምበ ተቛውሞ ኣብ ሓደ ክጥርነፍ እንተዝኽእል፤ ብጥሙርን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ሓቢሮም ክሰርሑ ምስ ዝኽእሉ፤ ዝርአ ኣማራጺ’ውን ክኾኑ ምስ ዝበቕዑ እዩ እቲ ኣዝዩ ዘገድስ ነገር” ይብል፤ “እዚ ክረጋገጸሉ ዘኽእል ባይታ ንምጥጣሕ ድማ ነፍስ-ወከፍና ኩሉ ይኸውን እዩ ኢልና ዝኣመንናሉ ዓይነት ኣጋጣሚታት ክንጽዕረሉ ይግባእ” ዝብል ለበዋ ንተሳተፍቲ ኣመሓላሊፉ።
ነዚ ኣስተምህሮ ካብ መጀመርታ ክሳብ ዝዛዘም ዝመርሐ ሚስተር ማርቲን ንሲቢርዋ ኣባል ማእከል ምርምር ንሰብኣዊ መሰላት እዩ። ቅድሚ ኣስተምህሮ ዳን ኮነል’ውን ዳይሬክቶር ናይቲ ማእከል ምርምር ፕሮፌሶር ቪልዮን ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ንተሳተፍትን ንዳን ኮነልን ኣስሚዑ። ድሕሪ ፕሮፌሶር ቪልዮን ንኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ወኪሉ ዘረባ ዘስምዐ ኣቶ ሓይለኣብ ኪዳነ እዩ። ኣቶ ሓይለኣብ “ዝርዝር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጸብጺብካ ከም ዘይውዳእ” ንተሳተፍቲ ሓቢሩ። ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ናይዚ ኣሰቃቂ ተርእዮታት ውጽኢት ምዃኑ’ውን ገሊጹ። “ኣብ ፈለማ ምምስራት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.” ይብል ሓይለኣብ “እቲ ቀንዲ ንኣባላት በዲህዎም ዝነበረ ሕቶ ብኸመይ ኣገባብ እዩ ኣብ ኤርትራ ውሑስ ዝኾነ ለውጢ ክረጋገጽ ዝኽእል ዝብል እዩ” ኔሩ። በዚ መሰረት ኣባላት ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ “ናጻ ዝኾነ ምንቅስቃስ” ክምስረት ተሰማምዑ። “ኤርትራውያን ክተባብዑን ሽግራቶም’ውን ባዕላቶም ምእንቲ ክፈትሑስ” ዝተፈላለዩ ናይ ዘተ፣ ክትዓት፣ ኣስተምህሮ፣ ሰሚናራትን ከምኡ’ውን ናይ ካልኦት ሃነጽቲ ንጥፈታት “ባይታ ምቅራብን ምጥጣሕን” ቀንዲ ጻዕሪ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ምዃኑ ኣብሪሁ። ሓይለኣብ ብምቕጻል ዳን ኮነል ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝነበረን፤ ስለዚ ድማ ታሪኽ ኤርትራ ብዕምቖት ክነግር ከምዝኽእል ንተሳተፍቲ ሓቢሩ። “ብርግጽ ሎሚ” ይብል ሓይለኣብ “ካልኦት ደድሕሪ ስልጣንን ገንዘብን ክጓየዩ እንከለው ዳን ኮነል ግን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ክጸንዕ ወሲኑ፤ ንዕድመ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣኽቢሩ ፍልጠቱ ከካፍለና ምፍቃዱ ድማ ምስጋና ክወሃቦ ይግባእ” ኢሉ። ብተወሳኺ ንፕሪቶርያ ዩኒቨርሲቲ ብሓፈሻ ንኣባላት ማእከል ምርምር ንሰብኣዊ መሰላት ድማ ብፍላይ ንኣባላት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ተምሃሮ ከለው ኣትሒዞም ክሳብ ሎሚ ማዕዳን ሓገዝትን ብምውፋዮም ምስጋና ይብጸሓዮም ክብል ሓይለኣብ ሞጎሱ ገሊጹ። ኣብዚ ኣስተምህሮ ኤርትራውያን ተቀማጦ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣፍሪቃውያን ተምሃሮ ማእከል ምርምር ንሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ካብ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፣ ዲፕሎማሲያውን መንግስታውያንን ትካላት ዝመጹ ውልቀሰባት ተሳቲፎም። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኽሳተፍ ዕድመ ቀሪቡሉ’ኳ እንተነበረ ግን ኣይተረኽበን። ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ  |