Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

radio_main Bdho_Antsar_atahasasbana
Editorial Print E-mail
Written by Executive Committee   
Monday, 12 November 2007

ሓድነት ህዝቢ ውሕስነት ሃገርን መጻኢ ወለዶን እዩ!

ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ንዘልዓለም ተተኺሉ ዝነብር ስርዓተ-መንግስቲ የለን። ባህርያቶም ብዘየገድስ፡ ኩሎም ስርዓታት ምስ ግዜ ይቕየሩ እዮም። እቶም ባህርያቶም ግዕዘይን ዘይፍትሓውን ኮይኑ፡ ደገፍ ህዝቢ ድማ ዝሓጽሮም ስርዓታት ንነዊሕ ክጸንሑ ኣይክእሉን እዮም፤ ኣዝዮም ተነቀፍቲ ኸኣ እዮም፤ ብእዋኑ ኸኣ የብቕዑ። ብቐንዱ ኣንጻር ተፈጥሮኣዊ ምዕባለ ወድ-ሰብ ስለዝኾኑ።

ሓደ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ኣብቒዑ ማለት ግን ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝሓሸ ስርዓት ይፍጠር ማለት ክይከውን ይኽእል እዩ። ስቅያት ሕብረተሰብ ዘጋድድን ዘናውሕን ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት’ውን ክኽሰት ተኽእሎ ኣለዎ። ንኣብነት ሓደ ግዕዘይ ስርዓት ንሓድ-ሕዱ ተበላሊዑ መሽሚሹ ከኽትም ይኽእል እዩ። ብግቡእ እንተዘይተአልዩ ግን ውጽኢቱ ኸም ንሶማል ዝመሳሰል ስርዓት-ኣልቦ ምምሕዳር ክኽውን ይኽእል። ሓደ ካልእ ስርዓት’ውን ብሓይሊ ተልግሶ’ሞ፡ ንናይ ሎሚ ኢራቕ ዝመሳሰል ስርዓት ድማ ክውለድ ይኽእል።

ተንተንቲ ፖለቲካ ከምዘብርህዎ፡ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ኣዝዮ ዘሰክፍ ኩነታት ንኽወድቃ ዝደረኸን ቀንዲ ረቛሒ፤ ኣብ ግዜ ምፍራስ እቲ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ካልእ ብህዝቢ ተቀባልነት ዘለዎ፣ ንህዝቢ ዝውክልን ብውድዓውነት ሕጋዊ (legitimate) በትረ-ስልጣን ክርከብ ዝኽእል ጥርኑፍ ሓይሊ ብዘይምንባሩ እዩ ይብሉ።

ንሕና ኤርትራውያን፡ ናይ ዓመጽን ተበላጽነትን ባህሊ ዝዓብለሎ፡ ሓድ-ሕድና ከናቑት ዝኽእል ግዕዘይ ስርዓተ-ምምሕዳር ዕረ እንዳጠዓመና ንሕመሎ ከምዘሎና ዝከሓድ ኣይኮነን። እዚ ዘይፍትሓዊ ስርዓተ-ምምሕዳር ድማ ከኽትም ክኽእል ኣለዎ። ድሌት ኩልና ኸኣ እዩ። ግና’ኸ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓደ ንኹልና ዝውክል፡ ናብ ዝሓሸ ኩነታት ድማ ከሰጋግረና ዝኽእል ኣብ ሓድነት ዝተጠርነፈ ሓይሊ ህዝቢ ኣሎና ድዩ፧ ኣይፋሉን፤ ፍጹም የብልናን።

እቲ ኩልና ንብህጎ እቶም ኣብ ስልጣን ተቖይጦም ዝርከቡ ውልቀሰባት፡ ማለት ፕረሲደንት ኢሰያስን ሒደት ሰዓብቱን፡ ትዕቢትን ጎንጽን ኣብ ልዕሌና ኣወጊዶም፤ ሓድነትና ደጊምና ከነጽንዓሉ ዘኽእለና ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ኣወነታዊ ተራ ምስዝጻወቱን፤ ብቅዋም ሃገርና ድማ ክምእዘዙ ፍቓደኛታት ምስዝኾኑ እዩ። ግና’ኸ ኣይተዓደልናን፤ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምቲ ኩልና ክኾነልና ንምነዮ ዘይኮነስ ኣዝዮ ዘሕንኽን ተስፋ ዘቁርጽን እዩ።

እወ፡ ኣዝዩ እዩ ዘሕዝን፤ ኣብ ቅድሚ ኢሰያስን ሒደት ሰዓብቱን ብዛዕባ ሰላም፣ ዕርቂ፣ ሓድነት፣ ቅዋምን ልዕልና-ሕግን ምዝራብ ንጋህነብ ዘእቱ ሓጥያት ከምዝፈጸምካ‘ዩ ዝቑጸር። ክንደይ’ሞ ንስለ ስርዓተ-ሕጊ ክብሉ መስዋእቲ ዘይከፈሉ፤ ክንደይ’ከ ደሃይ ዘየጥፍኡ፤ ክንደይ’ከ ብጭካኔ ዘይተገርፉ፤ ክንደይ’ከ ኣብ ልዕሊኦም ኣነወርቲ ሓርጋት ዘይዘነቦም፤ ክንደይ’ከ ኤርትራዊ መንነቶም ኣጥፊኦም ኣብ ስደት ንኽበልዩ ዘይተደረኹ።

ግና’ኸ ኢሰያስ ፍቃደኛ ስለዘይኮነስ ንሕና ሓድነትና ተዘሪጉ ናብ ኣርባዕተ ኩርናዓት ዓለም ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ክንተርፍ ኣለና ማለት ድዩ፧ ክስብ መዓስ ኢና’ኸ ኤርትራዊ መንነትና ተቐንጢጡ ኣብ ስደት ክንበሊ፧ ክሳብ መዓስ ኢና’ኸ ኣደዳ ንህላዌና ዝፈታተን ግዕዙይ ስርዓተ-ምምሕዳር ክንከውን፧ ክሳብ መዓስ ኢና’ኸ ብውልቀሰባትን ዘይፍትሓውያን ስርዓታትን ክንምለኽ፧ ኣረ! ክሳዕ መዓስ ኢና ወነንቲ መጻኢ ህይወትና ከይኮንና ክንነብር፧ እንታይ ዓይነት ባህሊ ኢና’ኸ ንመጻኢ ወለዶ ከነመሓላልፍ፧ ኣማን ብኣማን ነዚ ነፍስ-ወከፍና ብዕምቖት ክሓስበሉ ይግባእ፤ ግዜኡ ድማ ጽባሕ ዘይኮነስ ሕጂ እዩ።

ሓደ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ ኣሎ፤ ዝኾነ ክመልኽ ዝደሊ ፍጡር ብዘይንጡፍ ምእዙዝነት ናይ ልኡኻቱን ኣሜን ምባል ናይ ሰፊሕ ህዝብን ንዓለም ናይ ምቑጽጻር ሕልሚ ጥራይ’ዩ ሒዙ ዝተርፍ። ንሕና’ኮ ኢና፡ እንተስ ብዘይ ምስትውዓልና እንተስ ስቅ ብምምራጽና እንተስ ርእሰ-ተኣማንነት ኣጥፊእና፡ ንኢሰያስ መላኺ ንኽኸውን ዝገበርና። ብዘይፍቃድና’ኮ ሕልምታትን ትልምታትን ኢሰያስ ክትግበርሉ ዝኽእሉ ኣጋጣሚታት ኣዝዮም ድሩታት እዮም፤ እዚ ሕጂ ዕረ እንዳጠዓመና እነስተማቅሮ ዘሎና ስርዓተ-ምምሕዳር’ውን ፍጹም ህያው ኣይምኾነን። ኢሰያስሲ መላኺ ናይ ምዃን ሕልሚ ጥራይ ሒዙ ምተረፈ ኔሩ። እምበኣርከስ፡ ኢሰያስ ይደግፎ ይንጸጎ ብዘየገድስ፡ ሓድነትና ንምጽናዕን ልዕልና ሕጊ ንምስፋንን ናይ ባዕልና ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ዝገትኣና ዋላ’ሓደ’ኳ የልቦን። 

ልክዕ’ዩ፡ ንስለ ፍትሒ ኢሎም ናይ ባዕሎም ተበግሶ ዝወሰዱ ውሑዳት ኣይኮኑን። ብዙሓት ዜጋታት፡ ብውልቂ ይኹን ዋላ’ውን ኣብ ማሕበርን ውድብን ተጠርኒፎም፡ ሓያልን ኣዝዩ ዝነኣድን ጻዕርታት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም፤ የካይዱ’ውን ኣለዉ። መን’ሞ ይኽሕዶ ብዙሓት ውልቀሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ግዕዘይ ስርዓተ-ምምሕዳር ኮይኖም ትብዓት ዝሓቱ ንጥፈታት የካይዱ ምህላዎም፧

ግና’ኸ እዞም ምንጪ ብሩህ መጻኢ ተስፋና ዝኾኑ ጻዕርታት ሓደ ንሰፊሕ ክፋል ሕብረተሰብና ዝውክል ድምጺ ከስምዑ ክሳብ ዘይከኣሉ ኣብ ሓድነት ዝተጠርነፈ ወካሊ ኣካል ኣለና’ዶ ክበሃል ይከኣል፧ ኣይፋሉን! እምበኣርሲ እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ሓድነትና ንኽጸንዕ ምርግጋጽ እዩ። ምኽንያቱ፡ መሰረት ኩሉ ምዕባለ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ሓድነት ዝተጠርነፈ ህዝቢ ስለዝኾነ።

ሓድነት እንተኾነ ግን ብድሌት ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ብጎንጽን ምፍርራሕን ዝረጋገጽ’ውን ኣይኮነን። ብፍላይ ዓመጽ፣ ምትላል፣ ሽጣራ፣ ፍርሕን ዘይምትእምማንን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝለዓለ ቦታ ሒዞም ኣብዘለውሉ እዋን ድማ ሓድነት ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። ትዕግስቲ፣ ሓድ-ሕድ ምጽውዋርን ሕድገታት ምግባርን እምነኹርናዕ ናይቲ ኣብ መንጎና ሓድነት ንኽረጋገጽ እንገብሮ ጻዕሪ እዩም። እዚ’ዩ ኸኣ ነቲ መስርሕ ሓያል፣ ፈታንን ዋጋ ዘኽፍልን ዝገብሮ፤ ግና’ኸ ካልእ ኣማራጺ ኣሎና ድዩ፧

ካባና ሓደ’ኳ እታ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ንሶማል ወይ ኢራቕ ክትመስል ዝደሊ የልቦን። ነዚ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዝርከብ ግዕዘይን ፍትሒ-ኣልቦን ስርዓተ-ምምሕዳር ከምዘለዎ ክቕጽል ዘፍቅድ’ውን የልቦን። ሓድነትና ክሳብ ንሓደጋ ተቃሊዑ ዝሃለወ ግን እዚ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ምብትታንና ኮይኑ ዘሎ ስርዓተ-ምምሕዳር ኣይከኽትምን እዩ። ወዝቢ እንተኣብቐዐ’ውን እቲ ዝስዕብ ኩነታት ንኽብርን ረብሓታትን ሃገርናን መጻኢ ወለዶናን ዘንጸባርቕ ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ድሩት እዩ።

እምበኣርሲ፡ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ክልተ ዘይተደለይቲ ኣማራጽታት ክንናገፍ እንተኾይንና ሓድነትና ደጊም እነመስክረሉ፤ ንድሌትን ረብሓን ሰፊሕ ክፋል ናይ ሕብረተሰብና ዘንጸባርቕ፤ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፣ ማሕበራትን ውድባትን ሓቑፉ ዝቖመ፤ ብቅዋም ናይ ምምሕዳር መሰልና ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ድማ መሪሕ ተራ ዝጻወት ህዝባዊ ወካሊ ኣካል ኣብ ምህናጽ ነፍስ-ወከፍና ዝለዓለ ዜግነታዊ ሓላፍነት ክንስከም ይግባእ።

ብኽልእ ኣዘራርባ፡ እዚ ህዝባዊ ወካሊ ኣካል ነዛ ናይ ሕጂ ዘይፍትሓዊት ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ነታ ካልእ ኤርትራ፡ ማለት ነታ ኣሽሓት ብሉጻት ዝሓለፉላ ኪኖ እዚ ድነ ተደኩና ትርከብ ኤርትራ ከም ስእሊ ዘንጸባርቕ ኣካል እዩ። እዚ ጠፍጢፍካ ጠፋጢፍካ ኣብ ወርሒ ወይ ክልተ ወርሒ ዝህነጽ ኣካል ኣይኮነን። ንምህናጹ ዓመታት ዝወስድ’ውን ኣይኮነን። ነፍስ-ወከፍና ዜግነታዊ ተራና ኣለሊና ኢደይ ኢድካ እንተኢልናስ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክህነጽ ይኽእል እዩ። ከምኡ’ውን እዚ ኣካል ኣብ ካርቱም ዝህነጽ ኣይኮነን፤ ኣብ ኣስመራ ዝፍጠር’ውን ኣይኮነን። እንታይደኣ እታ ኣብ ሓድነት ዝሰመረት ናይ ጽባሕ ኤርትራስ ኣብ ኣእምሮ ነፍስ-ውከፍና እያ ክትሕነጽ። እዚ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ድማ ኣብኡ እዩ ዝውዳእ።

 

Last Updated ( Wednesday, 26 March 2008 )
 
Next >


Voice of Meselna Delina

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home