Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

Bdho_Antsar_atahasasbana EATGS
Editorial Print E-mail
Written by Executive Commitee   
Tuesday, 06 November 2007

 እትንስሕሉን: ንህዝቢ እትክሕስሉን ግዜ ኣኺሉ እዩ!!
 

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ: ሓንጎል ዝበዝሐ ኤርትራዊን መርበብ ሓበሬታ ኤርትራን ፍቕረማርያም ዝብሃል ነጋዳይ ተቐቲሉ፡ ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል ተወጊኡ፡ ሳምሶም ዝብሃል ነጋዳይ ተቐቲሉ፡ ዓፋን ዝብሃል ጀነራል ኣብ ቐይዲ ኣትዩ፡ ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ከይተኣስረ ኣይተርፍን፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ ንሂወቱ ስለዝሰግአ ሃገር ገዲፉ ወጺኡን ካልእን ብዝብል እዩ ተባሒቱ ቀንዩ። እዚ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ እንታይ ማለት እዩ? ጠንቒ እዚ ኹሉ ኸ እንታይ እዩ? ቐንዲ ተሓታቲ ኣብዚ ጉዳይ መን/ብዓል መን እዮም? ዝብል ሕቶ ክልዓል ግድን ይኸውን።

ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኣተኵርና እንተተዛሪብና፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈላለዩ ምኽንያታት  ብምጥቓም  ኣብቲ ግንባር ንዝረአ ዝነበረ ብልሽውናን ዘይስነምግባራውን ተግባራት ክእረም ሕቶታት ዘልዕሉ ተጋደልቲ ግዳያት መቕዘፍትን መቕተልትን ከምዝኾኑ ኣብቲ ግንባር ዝነበሩ ተጋደልትን ላዕለዎት ሓለፍትን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክገልጽዎ ጸኒሖምን ዝገልጽዎ ዘለዉን ጉዳይ እዩ።
እቶም ፍጻሜታት ብዙሓት ሙዃኖም እኳ ይንገር እንተኾነ ንሎሚ ካብቲ ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰለሙን ምስ መሓዛ ሰውራ ኤርትራ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት  ኣብነት እንተጠቐስና ኣብ ሰማንያታት ‘ጎስጓስ ኣንጻር ሰለስተ ሓለፋታት’ ዝፍለጥ ምጥቃስ ናይ ሕጂ ዝረኣ ዘሎ ምትፍናን መረዳእታ ክህበና ይኽእል። ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን ይብል “ንሱ (ኢሰያስ) ካብ ካልኦት ዝተፈለየ ክመስል ይፍትን ኔሩ። ብዘይክኡ ካልኦትን ኩሎም ብልሽዋት ከም ዝኾኑ ኢዩ ዝዛረብ ኔሩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሰማንያታት ዝገበሮ “ጎስጓስ ሰለስተ ሓለፋታት” ዝብሃል ውጥኑ፡ ልክዕ ከምኡ’ዩ። ከምኡ እዩ ዝገብር ኔሩ። ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ብልሽዋት ምዃኖም ነቶም ንኣሽቱ ይነግሮም ኔሩ፡ ልክዕ ከምኡ እዩ ዝብል ኔሩ፡ ኣብ መወዳእታ ሽዑ በዕርኽቱ ብበዓል ደሱ ፓፓዮን ካልኦት ጀሚሩ።” ኣብቲ ግዜ ምክትል ዋና ጸሓፊ ዝነበረ ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ነዚ ጎስጓስ ተጠቂሙ አንጻር ሓለፊቲ ጎስጓስ ከምዝገበረ ጴጥሮስ የዘንቱ። ኣብዚ  ዘመተ፡ እቶም ካልኦት ሓለፍቲ ብልሽዋት ብምግባር ኢሰያስ ከም ብጹእ ጽድቁን ንነብሱ ክስእልን በዚ ህቡብነት ከምዘጥረየን ካልኦት ጻሓፍቲ’ውን ይጠቕሱ።
ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ 1994’ ውን ተመሳሳሊ ሜላ ተጠቂሙ፡ “ጎስጓስ ኣንጻር ስርቅን ምጥፍፋእን” ኣዋጅ ብምውጻእ፡ መሰል-ይግቤታን ጥብቕናን ዘየፍቅድ፣ ብወተሃደራዊያን ሓለፍቲ ዝምእከል ፍሉይ ቤት-ፍርዲ ብሙቛም ኣብ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ተዋፊሮም ዝተባህሉ ኣባላት ኮረፖሬሽን ቀይሕ-ባሕሪ (09) ካልኦት ሕቡኣት ካምፓኒታት ዘመሓድሩ ዝነበሩ ከም ብዓል ኤርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ)ን ደሱን ካልኦት ነጋዶን ብምእሳር፤ ሃዋርያ ፍትሒን ርትዕን ክኸውን ፈቲኑ። እዞም ሓለፍቲ ኣብ ቁጽጽር ዘይብሉ ኦዲት ዘይግበር ትካላት ንክሰርሑ ዘፍቀደ ብቐንዱ መን’ዩ?
ነዚ ኣመልኪቱ  ጴጥሮስ ኣብ ዕላሉ ከምዚ ይብል፡ “ኢሰይያስ፡ ኣብ ጃፓን፣ ታይዋን፣ ወይ ሆንግ ኮንግ፡ ምስ ጌይሻ ዝተባሃላ ኣመንዝራታት ካብ 50 ክሳብ 70 ሽሕ ዶላር ኢዩ ዝኸፍለን ኔሩ። ከመይ ጌሮም ይፍስሁ ከምዝነበሩ፡ የዕልሉና ኔሮም ኢዮም፡ ብፍላይ ፓፓዮ። ነዚ ናብ ናቕፋ’ሞ ምለወጦ፡ ሽዑ ንህዝቢ ኤርትራ ክንድ’ዚ ዝኣክል ገንዘብ ንኣመንዝራ ከፊልና ኢሉ ክነግር ይግባኦ ኔሩ። እዚ ሰብኣይ’ዚ (ኢሰያስ) ነዞም ሰባት (ፓፓዮን ደሱን) ይኸሶም ኣሎ። ግን ንባዕሉ ይዓብድ ኔሩ።” ካብዚ እንርድኦ ሓደ ሓቒ ጥራይ እዩ ንሱ ድማ ኣቶ ኢሰያስ ኣካልን ቀንዲ ተዋሳእን እዚ ብልሽውና ኮይኑ ክዓብድ ከምዘይጸንሐ ተሞኽልዩ ከም ብጹእ ክከሶምን ክኣስሮምን ተራእዩ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ 2001፡ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ኣልጀርስ ኢትዮ-ኤርትራ ንኣኼባ ሃገራዊ ባይቶን ግንባርን፡ ትግባረ ቅዋም ዝጠለቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባርን፡ ስረ ብምፍታሕ፡ ትሕቲ ሃገራውነትን መሳርሒ ወያነን ሲኣይኤን፡ ብዝብል ክሲ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ ብዘይሕጊ ንሽድሽተ ዓመታት ከምዝእሰሩ ጌሩ ኣሎ። ኣብዚ ከም ኢደ-ቤዛ ከገልግሉ ዝተገብሩ ላዕለዎት ወተሃደራዊያን ሓለፍቲ እዮም። ካብዚ እዋን ኣትሒዞም እዞም ወተሃደራዊያን ሓለፍቲ ኣማሓደርቲ ዞባታት ኮይኖን ገበርትን ሓደግትን ብሙዃን ንዝደለይዎ ሰብ ክኣስሩን ክፈትሑን ስልጣን ተዋሂብዎም።
ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ክልተ ብምግምማዕ፣ ብሰሪ ንግዳዊ ረብሓታቶም ዝተበገሰ ኣብ ማእከል ሕምብርቲ ከተማና ድበያታት ከካይዱን ኣብ ሕድ-ሕድ ክታኮሱን፤ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ምስ ወተሃደራውያን ሓለፍትን ክፋጠጡ፤ ገለ ሃደንቲ ገለ ድማ ተሃደንቲ ክኾኑ ክንዕዘብ ቐኒና። እሞ እዞም ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ፋሉል ንኽኸዱ፣ ዝደለይዎ ትካላት ንኽውንኑ፣ ደቂንስትዮ እንተላይ ሰብ ሓዳር ንኽዕምጹ፣ ብጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት ደስ ዝበሎም ህንጻታት ንክሃንጹ፣ ንሃብቲ ሃገር ከምድልየቶም ንክግብቱ፣ ልዕሊ-ሕጊ ንክኾኑ ዘፍቀደሎም መን‘ዩ?
ንኣገላልጻ ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰለሙን ምልስ ኢልና እንተተወኪስና፡ “{ኢሰያስ} ኣተሓሕዛ ሰባት ይኽእለሉ’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰባት ከምዘይተኣኻኸቡ ናይ ምግባር ረቒቅ ክእለት’ ውን ኣለዎ። ሰባት ክብኣሱ እንከለዉ ንሱ ይፍሳህ። ይጥቀመሉ ድማ ኔሩ። ንነዊሕ እዋን ንኹልና ብኸምዚ በሊጹና ኢዩ።” ክብል ንባህርን ኣሰራርሓን ኣቶ ኢሰያስ ይገልጾ። ካብ ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰሎሙን ክንርድኦ ዝግባኣና፡ እቲ ታሪኽ ንካልኣይ ግዜ ይድገም ከምዘሎን ኣቶ ኢሰያስ ነዚ ጉዳይ እንዳማዕበለ ትም ኢሉ ዝርኣዮ ሙዃኑ እዩ።
ሓዳስ ኤርትራ ኣብ 24 ጥቅምቲ 2007 ሕታማ ዘቅረበቶ ሓተታ “ብልሽውና፡ ክድዓት ኣብ ልዕሊ ስውኣትና” ብዝብል ኣብ ሻባይት ዶት.ኮም ብተመሳሳሊ “Corruption: Treason against Our Martyrs” ዝተዘርግሐ ጽሑፍን፡ ኣንጻር ብልሽውና ምዝራብ ጀሚራ ኣላ። እቲ ህዝቢ ክሓቶ ዝግብኦ ግን እዚ ብልሽውና ኣብ ሓደ ለይቲ ብሃንደበት ከምወቕዒ ነቶም ጀነራት ዝለበዶም ድዩ? ወይሲ እቶም ጀነራት ሕማም ተላገብ ካብ ጎረባብቲ ስለ ዝሸልበቦም? ወይሲ ኣቶ ኢሰያስ ኣብ ናይ ጎረባብቲ ሃገርን ንናይ ዓለም ሰላም ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ከየቃለበሉ ዝማዕበለ ፈኩስ ብልሽውና? እዚ ግን ኣይመስለናን። እቲ ምንታይሲ ሲቪላውያን ነጋዶ ዝተጨማለቅሉን  መሳፍንቲ ኵናት ዘቃልዐን ንቐንዲ ናይ መንግስቲ ናይ ጸጥታ ትካል ዝመርሕ ኮለኔል ስምኦን ገብረድንግል ኣብ ሓደጋ ዘውደቐን ንቀንዲ ሓላፊ ኮምሸነር ፖሊስ ጀነራል ዓፋን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወን ብዙሕ ጉድ ኣብ ውሽጡ ዝሓዘ፤ እንተተኸፊቱ ንሃገርን ስልጣን ኣቶ ኢሰያስ ክንቕንቕ ዝክእል ሓደገኛ ጉዳይ እዩ። ብወተሃደራዊ መኪና ተጠቂሞም ዝተገብረ መጥቓዕቲ ሙኻኑ ክትርኢ እንኾሎካ ሃገር ድሓን ዶ? መራሒ ሃገር’ከ ካብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ማዕረ ኽንደይ ውሑስ እዩ ዝብል ሕቶ እዩ ዘላዓዕለልካ፡ ስለዚ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። እዚ ኩሉ ጉድ እና ዓበየ ኣቶ ኢሰያስ ኣበይ ነበረ? ብኸመይ’ከ ከይፈለጦ ክምዕብል ክኢሉ? ንሃገር ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽሩ የእትዋ ክነሱ እዚ ጉዳይ ከመይ ጌሩ ብዘይፍላጥ ናቱ ይምዕብል? ዝብል ሕቶ ክልዓሉ ናይ ግድን ይኸውን።
ንባህሪ ኣቶ ኢሰያስ ዝፈልጥ ሰብ እንተሃልዩ ግን እዚ ንኢሰያስ ብድሆ ዘይኮነ፡ ንገለ ጀነራላት ንኣብነት ነቲ ምእዙዝ ጀነራል ውጩ ብብልሽውናን ከሲሱ፡ ገንሸል ብምግባር ካብ ኣበስኡ መናገፊ ክገብሮ ሙዃኑ ናይ ኣደባባይ ሚስጥር እዩ። እወ፡ እዚ ድማ ንገለ የዋሃት የዐሹን ይኸውን። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ዝኾነ ጀነራል ይኹን ኮለኔል ካልኦት ሓለፍቲ ብብልሽውና ክኸስስ ኣቶ ኢሰያስ ሕጋዊ ሰረትን ሞራላዊ ስልጣን የብሉን። እቲ ምንታይ’ሲ ጠንቂ እዚ ኩሉ ብልሽውና ንሕጊ ጓዕጺጹ ንነብሱ ልዕሊ ሕጊ ጌሩ፡ ንኩሎም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ደረት ኣልቦ ስልጣን ብምሃብ ንክባላሸዉ ዝገበረ ንሱ እምበር እቶም ጀነራላት ኣይኾኑን። ጀነራላት ኣብ ማዓስከራቶም ከም ድሌቶም ናይ ሸቕጥ ትካላት ንኸካይዱን ዘፍቀደን ቀይዲ በተኽ ኣካያዳ ንኽስስን ዝገበረ ኣቶ ኢሰያስ ባዕሉ ሙዃኑ ዘከራኽር ነገር የብሉን። ብዝኾነ መንገዲ ድማ ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ኣይኽእልን። ንዓፋን ብምእሳር ይኹን ንውጩ ብምድጋም ክረጋጋጽ ዝኽእል ሓቂን ክሽፈን ዝክእል ሓጥያትን ኣበሳን የለን። ውጩ ይኹን ዓፋን ግዳያት ገስረጥ ኣተሓሕዛ ኣቶ ኢሰያስ እምበር እቶም ቀንዲ ሃንደስቲን ወጠንትን ግብረ-እከይ ኣንጻር ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኣይኾኑን።
ስለዚ እቲ ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ብድሕሪ እዚ ኩሉ ግብረ-እከይን ብልሽውናን ኢድ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምህላውን እዩ። ዝተባህለ እንተተባህለ ኣቶ ኢሰያስ ካብ ተሓታትነት ነጻ ኽኸውን ኣይኽእልን። ስምኦን ገብረድንግል ግዳይ ናይዚ ሙዃኑ ዋላዃ ባህ ዘየብል ነገር እንተኾነ፡ ክሳብ ቀንዲ መጋበርያ ኣቶ ኢሰያስ ዝኾነ ብከምዚ ዝኣመሰለ ሓደኛ ኩነታት እንተጠፍአ ዘገርም ኣይኮነን። እንተ ኣጋጠሞ’ውን ዘሰንብድ ኣይኮነን።
በዚ ኣጋጣሚ ኩሎም ጀነራላትን ኮሬኔላትን ታሕተዎት መኮንናት እዚ ንዓፋን ኣጋጢምዎ ዘሎ ማእሰርቲ ይኹን፤ ንውጩን ሰዓብቱን ኣንጸላላይዎም ዘሎ ሓደጋታት ኣብ ርእሰኹም ንኸይወርደኩም ዘውሓስክሞ ሕጊ ይኹን ዝተኸልኩሞ ቅዋም የለን። ትማል ንካልኦት ብጾትኩም ከም ብዓል ሸሪፎን፡ ድርዑን፡ ወዲ ሰሎምን፡ ወዲ ከኪያን ኣብ ደልሃመት ዘእተወት መዘዘኛ ኢድ፤ ሕጂ ድማ ናብ ብዓል ዓፋን ውጩን ከተወጣውጥ ንርእያ ኣሎና። ጽባሕ ንፍሊጶስን ወዲ ሃብተስሉስን ዘይተወጣውጠሉ ምክንያት እንታይ ኣሎ?
ምልስ ኢልኩም’ሞ ኣስተውዕሉ፤ ጠንቂ እዚ ኩሉ ልዕልና ሕጊ ዘይምርግጋጽ እዩ። ስለዚ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ንኸይትወድቕ፡ ሂወትኩም ካብ ሓደጋ ንምድሓን ነቲ ኣብ ከብሕኩም ዘሎ እንኮ ውሕስነትኩም ዝኾነ ቅዋም ኣብ ተግባር ንክውዕል እትሓትሉን እትጠልብሉን ግዜ ኣኺሉ’ዩ። እቲ ተሰኪምኩሞ ዘለኹም ሓለፍነት፡ ምእዝዙነትኩም ንኣቶ ኢሰያስ ብምርግጋጽን ብቡራኬ ኣቶ ኢሰያስ ዝተዋህበኩም ዘይኮነ፡ ብጅግንነትኩን ክእለትኩም ዝረኸብክሞ ሙዃን ኩሉ ዝኣምኖ ሓቂ እዩ። ስለዚ ንህዝብኹን ሃገርኩን ዘርብሕ ነገር እተውዕሉ ግዜ ሕጂ እዩ፤ ህዝቢ ድማ ብጅግንነትን ሓርበኝነትን ክዝክረኩም ክነብር እዩ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ኣቶ ኢሰያስ’ውን እንተኾነ ካብቲ ባዕሉ ዝሰርሖ ቐይዲ-በተክ ኣካይዳ ውሑስ ክኸውን ዘይሙዃኑ እዚ ናይ ለንቕነ ኣጋጣሚ ዓቢ መምህር እዩ። ስለዚ ኣቶ ኢሰያስ ኩሉ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዘይተረጋገጸሉ ሃገር ባዓል-ስልጣን ይኹን ዜጋ ካብ ሓደጋ ነጻ ዘይሙዃኑ ክግነዘብ ይግባእ። ነዚ ተረዲኡ ኣቶ ኢሰያስ ነገራት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኾነ ኸሎ፤ ናብ መንገዲ ሰላምን ዕርቕን ተመሊሱ ንኩሎም እሱራት ብምፍታሕ ኩሎም ፖለቲካዊያን ሓይልታት ዝሳተፋኦ ሕብረ-ሰልፋዊ ምርጫ ንክካየድ ክእውጅ ግዜ ይጽውዖ ኣሎ። እዚ ግዜ እምብኣር ብቀንዱ ኣቶ ኢሰያስን ጀነራላትን ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ዝነስሕሉን ንህዝቢ ዝክሕስሉን፡ ሂወቶም ብሰላም ክመርሑ ዝጅምርሉ እዋን እዩ።
ሕላገትና ፍትሒ፡ ዕጥቅና ንቅሓት፡ ዓስብና ክብሪ! 
6 ሕዳር 2007 ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኤምዲሰመ

 

Last Updated ( Tuesday, 06 November 2007 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home