Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

EATGS radio_main
Who is undermining Eritrea's future Print E-mail
Written by Executive Committee   
Monday, 22 October 2007

መን’ዩ ንኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቃ ዘሎ፡

ኣብዚ ቅንያት ጀነራል እከለ ምስ እከል ጽቡቅ የሎን፤ ኮሎኔል እከለ’ውን ካብ ሞት ወጺኡ፤ እከለ ድማ ክሃድም ይሓስብ ኣሎ፤ ዝብሉ ዜናታት ንከታተል ኣሎና። ወረ ገለ ሰባት’ሲ እዛ ዓዲ፡ ሶማል ክትከውን እያ ዝብል ስግኣት ኣሕዲሮም ኣለው። እምበርከ ሃገር ዓመጽን ተበላጽነትን ዝዓብለሎ፤ ናይ ግበረለይ ክገብረልካ፣ ሓውኻ ግፋዕ ጽሩራ ክበዝሓልካ፣ ብሓሶት’ውን መስክረለይ’ሞ ከርብሓካ ዝመለለይኡ ግዕዙይ ስርዓተ ምምሕዳር እንዳተሓመሰት ደኣ እንታይ ኮይኑ’ዩ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ክኽሰት ዘይክእል፧ ብሕጂ’ውን ከምዚኦም ዓይነት ተርእዮታት ብዝለዓለ ደረጃ ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም።

 

ግና’ኸ ንምንታይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ንኩለንተናዊ ህላዌና ዝደናደን ደረጃ ክንበጽሕ ኪኢልና፧ አረ ንምንታይ ኢና ምስ ክቡር ባህልናን ስነ-ምግባራዊ እምነታትናን ፍጹም ዘይሳነ፡ ሓድ ሕድና ከናቑት ዝኽእል፡ ግዕዘይ ስርዓተ-ምምሕዳር ክንሃንጽ ኪኢልና፧ እዚ ክሳብ ዝኾነ’ኸ ከመይ ኢልና ኢና’ሞ ድኽነት ክንስዕሮ፧ ሓድነትና’ኸ ከመይ ኢሉ ክጸንዕ፧ ስደት’ከ ከመይ ኢሉ ክንኪ፧ ቀጻልነት ሃገርና”ኸ ከመይ ኢሉ ይረጋገጽ፧

ፕረሲደንት ኢሰያስ ንምንታይ ብስርዓተ-ሕጊ ወይ ብቅዋምና ዘይንመሓደር ዝብል ሕቶ ምስዝቐርበሉ “ሰላምን ጸጥታን ሃገር ቀዳምነት ክዋሃቦ ስለዝግባእ ቅዋምና ኣብ ግብሪ ከነውዕል ኣይከኣልን” ዝብል መልሲ ይህብ።

ንምዃኑ ኣብ ዝኾነ እዋን ካብ መንጎና ምርግጋጽ ህላወን ጸጥታን ሃገር ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዘለዎ ዘይኣምን ዜጋ ኣሎ ድዩ፧ ዋላሓደ’ኳ የልቦን። መዘኻኸሪ ዘድልየና’ውን ኣይኮነን። ንስለዚ ክንብል ብዙሓት ሕድገታት ክንገብር እንመርጽ ዜጋታት ኢና፤ ንገብር’ውን ኣሎና።

ግን’ከ ቅዋማና ኣብ ግብሪ ብዘይምውዓልናስ ኣደዳ ግዕዘይ ስርዓተ-ምምሕዳር ኮይንና ኣሎና፤ ጸጥታ ሃገር’ከ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ፧

ጸጥታን ሰላምን ሓንቲ ሃገር ኣብቲ እታ ሃገር ምስ ጎረባብታን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝህልዋ ዓይነት ዝምድና ብሰፊሑ ይምርኮስ። ናትና ጸጥታን ሰላምን’ውን ኣብቲ ምስ ጎረባብትናን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘሎና ዝምድና ምርኩስ ዝገብር እዩ። ዝምድናና ግን ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ፧

እቲ ዝዓበየ ንጸጥታን ሰላምን ሃገርናን ዞባናን ጸልዩ ዝርከብ ጉዳይ ሓሽካር ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃኑ ኩልና ንፈልጥ። ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ድማ እምነኹርናዕ ናይዚ ዝምድና ምዃኑ’ውን ንፈልጥ። ንውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ኢትዮጵያ ዓንቂፋቶ ከምዘላ’ውን ንፈልጥ።

ግና’ኸ ንሕና ብወገንና ንውዕል ሰላም ኣልጀርስ ክንጥሕሶ ወይ ፍሩስ ክንገብሮ የምሕረልና ድዩ፧ ብሓቂ ኢትዮጵያ ሰላምናን ጸጥታናን ክትዘርግን ህላዌና ከኽትምን ድሌት ኣለዋ ንብል  እንተኾይናኸ ንሕና ንውዕል ሰላም ኣልጀርስ ብምኽባር ዲና ወይስ ብምጥሓስ “ንድሌት ኢትዮጵያ” ንገትኦ፧

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ እዋን መገዲ ሰላም ከምዝመርጽ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ስለዝኾነ’ዩ ድማ ሰላምናን ጸጥታናን ምእንቲ ክኽበር ንውዕል ሰላም ኣልጀርስ ከነኽብሮ ንመርጽ። ምኽንያቱ፡ መገዲ ሰላም መገዲ ሓርነትን ምዕባለን ስለዝኾነ። ግና ብሓቂ ነዚ ውዕል ጸኒዕና ዶ ነኽብሮ ኣሎና፧

ማንም ዘይስሕቶ ፕረሲደንት ኢሰያስ ምስ ሒደት ሰዓብቱ ብዘይፍቃድና ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ህልኽ ዝመልኦ ንትርኽ ምስ ኢትዮጵያ ስርሓይ ኢሉ ተታሒዝዎ ጸኒሑ። ንኹሎም ተቛወምቲ ኢትዮጵያ ከላዕልን ክዕጥቕን ምጽንሑ’ውን ንፈልጥ። እዚ ንትርኽ ኣብ ኩሉ ኣጋጣምታት፡ ኣብ ሶማል’ውን ከይተረፈ፡ ጽልዋኡ ንዕዘቦ ኣሎና። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ኢሰያስ ሰራዊትና ኣብ “ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ቦታ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ከምዝኣትው ብምእዛዙ ብወገን ኤርትራ ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ተጣሒሱ ብምባል ኢትዮጵያ ከም ነዚ ምስምስ ብምግባር ንውዕል ኣልጀርስ “ፍሩስ ክገብሮ እየ” ብምባል ተጠንቅቕን ተፈራርሕን አላ።

ኣብ ናይ ትማል ሓሙስ 18 ጥቅምቲ መግለጺኣ ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ቀንዲ መፍትሒ ደባዊ ግርጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምክባር እቲ ኣካል ውዕል ኣልጀርስ ዝኾነ ውዕል ቶኽሲ ዶው ናይምባል ስምምዕ ሙዃኑ፡ ምምልካትን ምሕንጻጽን ዶብ ብዘይ ምኽባር እዚ ውዕል ክትግበር ከምዘይክእል ብምንጻር፤ ኤርትራ ነዚ ውዕል ብምጥሓስ ካብ ናይ ጸጥታ ዞባ ሰራዊታ ከተውጽእ ከምዘለዋ ኣጠንቂቓ ኣላ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብዚ ቕንያት ንሰራዊታ ኣብ ተጠንቀቕ ንክጸንሕን ቅድመ-ዝኣገረ ስጉምቲ ንምውሳድ ስልጣን ኣብ ዝሃበትሉ እዋን እዩ።

ኢትዮጵያ ንውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ስለ ዝዓንቐፈት፤ ኣነ ኸኣ ንገለ ሕጋጋት ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ክጥሕሶ መሰል ኣለኒ ምባልሲ ብሓቂ ምዙን ኣተሓሳስባ ክኸውን ይኽእል’ዶ፧ እዚ’ኮ “እዚ ጡብ ኣዴኻ እዚ ጡቡ ኣዴኻ” እንዳበሉ ክልተ ቖልዑ ዝጻወትዎ ጉዳይ ኣይኮነን፤ እዚ፡ ንመጻኢ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝምልከት’ዩ። ጥበብን ትዕግስትን ደኣምበር ህልኽ ዘንቀሎ ድፉን ድፍረት ዝሓትት ጉዳይ ኣይኮነን።

ብሓቂ ኢትዮጵያ ሰላምናን ጸጥታናን ክትዘርግ ድሌት ኣለዋ ዝብል ዜጋ እንተሃለወ’ውን፡ ኢሰያስ ንውዕል ሰላም ኣልጀርስ ብምጥሓስ ድሌታ ንኽትፍጽም ምቹእ ባይታ ይፈጥረላ ከምዘሎ ክግንዘቦ ይግባእ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኢሰያስ ካብ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ፡ ብውልቃዊ ናይ ህልኽ መንፈሱን ንዝብኢ ክህበና ወሲኑ ኣሎ ማለት እዩ።

ብተወሳኺ፡ ህልኽ ዝመልኦ ንትርኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንረብሓታት ሓያላን ሃገራት’ውን ጸሊዎ ይርከብ። ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ኢድ-ኣእታውነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዘተሓሰሰቦ ይመስል፤ ኣንጻር ረብሓ ኣሜሪካ ከምዝኾነ’ውን ብተደጋጋሚ ክግለጽ ንሰምዕ።

ንምዃኑ፡ ንሕና ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ጉዳይ ሓው ህዝቢ ሶማል ኣወንታዊ ተራ ክንጻወት እንተፈተንና እንታይ ሓጥያት ኣለዎ፧ ከምዚ ክንገብር’ኮ ሓላፍነት ከምዘሎና ክዝንጋዕ የብሉን። ግና’ኸ ብኸመይ ኣገባብ ኢና ኣብ ጉዳይ ሶማል ኣወንታዊ ተራ ክንጻወት ንኽእል፧

ኣብ ልዕሊ ሶማል ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወስደ ናይ ኣጽዋር እገዳ ጥሒስና ኣጽዋራት ናብ ሶማል ምልኣኽ ምምራጽናስ ኣወንታዊ ተራ ንጻወት ኣለና ከብለና’ዶ ይኽእል፧ ኢሰያስ ምስ ሒደት ሰዓብቱ ግን ብዘድሌት ህዝቢ ነዚ ክገብር ዝመረጸ እዩ ዝመስል፤ ንውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ኣጽዋራት ናብ ሶማል ከምዝኣቱ ጌሩ። እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ኣብ ጸብጻብ ሓንቲ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ጉጅለ ብወግዒ ተሰኒዱ ንረኽቦ።

ምናልባት ገለ ስምዒት ዝዓብለሎም ዜጋታት “ኢትዮጵያስ ብሓይሊ ንሶማል ወሪራታ እንድያ፤ ስለዚ ንሕና ድማ ድላይና ንገብር” ብምባል ኢሰያስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ቅኑዕ’ዩ ኢሎም ክኣምኑ ይኽእሉ ይኾኑ። ሕጂ’ውን እዚ፡ ናይ ስምዒት ጉዳይ ኣይኮነን፤ ናይ ህዝብን ሃገርን ጉዳይ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ዝፈጸመቶ ወራር  ቅቡል እዃ እንተዘይነ ካባና ዝቕበሎ ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ እንተዘየለን፡ እከለ ጌጋ ስለዝፈጸመ ኣነ’ኸኣ ድሌተይን ዝመሰለንን ክገብር’የ ምባል ግን ፍትሓዊ ክኸውን ይኽእል’ዶ፧ ኣይፋሉን፤ ከምዚ ዓይነት ጠባይ’ውን የብልናን።

ኢሰያስ እንተኮነ፡ ንውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ነዚ ጉዳይ ፈጺምዎ። ምምሕዳር ኣሜሪካ ድማ ከም ግብረ መልሲ ንኤርትራ ሃገርና ምስተን ኣሸበርቲ ኢሉ ዝሰምየን ሃገራት ክሕውሳ ይሸባሸብ። ሓንሳብ ምስ ዝሕውሳ ድማ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ኩሉ ዓለም ዝነብር ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ከመይ ደረጃ ክወድቕ ከምዝኽእል ነስተውዕለሉ ኣሎና’ዶ፧

ምናልባት ሕጂ’ውን ገለ ዜጋታት “ኣይ! ኣሜሪካ ድኣ ካብ ቀደም ኣትሒዛ ጸላኢትና እንዳኣላ፤ እዚ ትገብሮ ዘላ ድማ ንጽበዮ ዝነበርና ነገር እዩ” ብምባል ነቲ ክመጸና ዝኽእል ሓደጋ ፍጹም ዲል ክህብዎ ዘይደልዩ ክኾኑ ይኽእሉ። ግና’ኸ ብሓቂ ኣሜሪካ ክትዕምጸናን ከተጥፍኣና እትሓልም ጸላኢትና እንተኾይናስ ንሕና ንውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ዲና ዋላስ ብምኽባር “ንሕልሚ” ኣሜሪካ ክንገትኦ እንኽእል፧ ኣሜሪካ ኣሸበርቲ ኢላ ኣብ መዝገባ ዝሓዘቶም ወልቀሰባት ወይ ጉጅለ ብምሕጋዝን ብምሕብሓብን’ከ “ሕልማ” ኣብ ልዕሌና ንኽትፍጽም ነተባብዓ’ዶ ዋላስ ንገትኣ፧
 
ብሓቂ ኣሜሪካ ሰላምናን ጸጥታናን ክትዘርግ ድሌት ዘለዋ እንተኾይናስ፡ ኢሰያስ ንውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ድሌታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንኽትፍጽም ምቹእ ባይታ ፈጢሩላ ይርከብ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኢሰያስ  ንኣሜሪካ የሕሊፉ ክህበና ወሲኑ ማለት እዩ።

እምበኣር ኢሰያስ ምስ ህዝቢ ከይተማኸረን ከይዘተየን ንሰላምናን ጸጥታናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ጥበብ ዝጎደሎም ኣዕነውትን ዓንደርትን ስጉምትታት ዝወስድ ካብኮነ፡ ከም ህዝቢ ንምንታይ ንሕግዞ፧ ንሕና ኤርትራውያን  ነዚ ንምግታእ ዜግነታዊ ሓላፍነት ኣሎና። ካብ ዊንታን ድሌትን ውልቀሰባት ወጺእና፡ ነታ ክንዮ እዚ ከዋሕ እዋን እነማዕድዋ፡ ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን እትማሓደርን ምስ ዞባናን ዓለምን ብሰላም እትግስግስ ኤርትራና ብምቁማት እዚ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን ክስከም ክንጽውዕ ይግባእ። እዚ ካብ ዘይተኻእለ  ድማ ናይቲ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዝሸምም ዘሎ ሓሸውየ መጋበርያ ካብ ምዃን ነብስና ገቲእና ነቲ ኩነታት ንምቕያር እጅገና እንስብስበሉ እዋን ኣኺሉ ምዃኑ ኩሉ ዜጋ ከቕልበሉ ይግባእ።

ሕላገትን ፍትሒ፡ ዕጥቅና ንቅሓት፡ ዓስብና ኽብሪ!!
ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኤምዲሰመ
19 ጥቅምቲ 2007

 

Last Updated ( Wednesday, 26 March 2008 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home