|
|
Editorial |
|
|
|
Written by Executive Committee
|
|
Friday, 19 October 2007 |
|
ሓፈሻዊ፣ ዘላቕን ርትዓውን ፍታሕ ዘድልዮ ጸገም ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ካብ ዝፈራረማ 7 ዓመታት ሓሊፉ። እቲ ብመሰረት ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ዝቖመ ኮምሽን ዶብ ውሳነኡ ካብ ዝህብ ድማ ልዕሊ 5 ዓመት ኮይኑ። ክሳብ ሕጂ ግን ኣብቲ ዞባ ነባሪ ሰላም ክሰፍን ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ነናሻብ ዝግንፍል ቆይቅን ምጉብዕባዕን ካብ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት በብግዚኡ ክቐርብ ጸኒሑ ኣሎ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ ኢትዮጵያ ብዕለት 25 መስከረም 2007 ብመገዲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣቢላ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ ኣሰካፊ መልክዕ ሒዙ ተቐልቂሉ ኣሎ። ኢትዮጵያ ኣብቲ መግለጺ ከም ዝሓበረቶ፡ ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ዶብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘሎ ዞባ ጸጥታ ወተሃደራት ስለ ዘስፈት ከምኡ ‘ውን ንውዕል ኣልጀርስ ጥሒሳ ካልእ ዕንቅፋታት ስለ ዝፈጠት፡ እቲ ውዕል ሰላም ንሓደጋ ተቓሊዑ ኣሎ ክትብል ኣጠንቂቓ ኣላ። ነቲ ውዕል ሰላም ክትጽጎ ተኽእሎታት ከም ዘሎን ካልእ ኣድላይ እትብሎ ስጉምታት ክትወስድ ከም እትኽእል ‘ውን ኣሚታ ኣላ። ነዚ ዘረባ’ዚ እንደገና፡ ፕረዚደንት ናይታ ሃገር፡ ብዕለት 08 ጥቅምቲ 2007 ኣብ መኽፈቲ ፓርላማ ኣብ ዘስምዖ መደረ ብተመሳሳሊ ቃና ደጊምዎ ኣሎ። ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝወጽእ ዘሎ መግለጽታት ኩነታት ቅርዕው ከም ዘየለ፡ ወጥሪ ‘ውን እንዳገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘርድእ ኢዩ።
ኤርትራ ብወገና፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብደገፍ ኣመሪካ ሻዲኑ፡ ንትግባረ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ይዓናቕፍ ብምህላዉ፡ እቲ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳነ ከይትግበር ብኡ መሰረት ድማ ዶብ ከይሕንጸጽ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ኣሎ ክትብል ትኸስስ ኣላ። ተንተንቲ ፖለቲካ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝኾነ እዋን ዳግማይ ኩናት ክውላዕ ከም ዝኽእል ንጹር ኮይኑ ኣሎ። እቲ ግጭት ኣብ ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ከይተሓጽረ ናብ ምሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክልሕም ከም ዝኽእል‘ውን ስግኣታት ኣሎ። ኣብ ሞንጎ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድን ኣዕናውን ወተሃደራዊ ረጽሚ ከኽትል ዝኽእል ተኣፋፊ ፖለቲካዊ ጉርፍጥ፡ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልቲአን ሃገራት ክሳብ ወርሒ ሕዳር ነቲ ውሳነ ኣብ ምትግባር እንተዘይተሓባቢረን፡ ሕንጻጻት ናይ ዶብ ኣብ ካርታ ኣስፊሩ ስርሑ ዛዚሙ ክፍደስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ካብኡ ንደሓር እቲ ጉዳይ ንኽልቲአን ሃገራት ጥራይ ዝምልከት ምዃኑ‘ውን እቲ ኮሚሽን ኣሚቱ ኣሎ። እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኢዩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብተን ኣብ ዓለም ዝደኸያ ሃገራት ክነሰን፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝኸሓነ ፖለቲካዊ ቅርሕንቲ ዘለወን ሃገራት ኮይነን ይቕጽላ ኣለዋ። ህዝበን ብጥሜት፣ ድኽነትን ድንቁርናን እንዳተሳቐየ መንግስታተን ንወተሃደራዊ መዓላ እልቢ ዘይብሉ ወጻእታት ይገብሩ። እቲ ጸገም፡ ካብ ንኢትዮጵያ ዝያዳ ንኤርትራ ኣዳኺምዋን ሃስይዋን ስለ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ርእይዎ ብዘይፈልጥ ጭቆናን ኣደራዕን ይድሰቕ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ግዳይ ናይቲ ብሰንኪ ሕቶ ዶብ ዝተማህዘ ሰንፈላልነትን ሸፈጥን ኮይኑ ንስቅያትን ሕሱም ጭኮናን ተሳጢሑ ይርከብ ኣሎ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ምስቲ ዘይተፈትሐ ዶባዊ ሕቶ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተተሓሓዘ ምኽንያታት ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ህውከትን ዕርግርን ይርከብ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ብሰር’ቲ ገና ዘይተፈትሐ ሕቶ ዶብን ባዕሉ ብዝፈጠሮ ጸገማትን እንጽርጽሮቱ ክጸውር ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ ብምሉኡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋ ከሕድረሉ ይኽእል’የ ብዝበሎ ኣገባብ (እንኮላይ ውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ) ዕሉል ዘይሕጋዊ ተግባራት ይፍጽም ኣሎ። በዚ ድማ ከባቢ 127 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ (ብምሉኡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ) ኣብ ቅልውላውን ዘይርጉእን ኩነታት ይርከብ ኣሎ። ብማዕዶ ክርአ እንከሎ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትጵዮያን ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ዝፈጠሮ ጸገም ይመስል’ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ንዝፈልጦ ተዓዛቢ ግን እቲ ጸገም ንሱ ኣይኮነን። ብልክዕ ንምዝራብ፡ ሕቶ ዶብ ከም መበገስን መመሳመስን ጌሩ ዝተላዕለ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ዲፕሎማስያውን ካልእን ጸገማት ዘጠቓለለ ሰንሰለታዊ ጠነግ ኢዩ። እቲ ጸገም ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕ ክርከቦ እንተኾይኑ፡ ምሕንጻጽ ዶብ ጥራይ ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን። ኣብ ዶባት ናይ ክልቲአን ሃገራት ኣዕኑድ ስለ እተተኸለ፣ ዶባተን ድማ ብኽኢላታት ስለ እተጠረረ እቲ ዘሎ ጸገም ሓንሳብን ንሓዋሩን ተፈቲሑ ማለት ኣይኮነን። በዚ ጥራይ እቲ ጸገም ከም ግመ ክቕንጠጥ ትጽቢት እንተሎ የዋህነት ኢዩ። ምሕንጻጽ ዶብ፡ ኣካል ናይቲ ክህሉ ዝግብኦ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ድኣ እምበር ንበይኑ ፈውሲ ኹሉ ሕማማት ኣይኮነን። ሓቀኛን መሰረታውን ፍታሕ እንተድኣ ዘይተረኺቡ፡ ዋላ እቲ ዶብ ምስተሓንጸጸ‘ውን ምኽኒት እንዳፈጠርካ ግጭታት ምብላሕ ክቕጽል ከም ዝኽእል ርዱእ ኢዩ። ምሕንጻጽ ዶብ፡ ሓደ ካብቶም መሰረታውያን ነገራት’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝድለ ዘሎ መትፍሕሲ ንኹሉ ምስቲ ዶባዊ ምስሕሓብ ተተሓሒዙ ዝማዕበለ፡ ቅድምን ድሕርን እቲ ዶባዊ ምስሕሓብ ዝነበረ መሰረታዊ ሕቶታት ክምልስ ዝኽእል ሓፈሻዊ፣ ዘላቕን ርትዓውን ሰማላዊ ፍታሕ ኢዩ ዝድለ ዘሎ። ክልቲኦም ወገናት በብዝጥዕሞም መገዲ ነቲ ጉዳይ ከናውሕዎን ክመጥዎን ንዝደለይዎ ዕላማታት ድማ መመሳመሲ ክጥቀምሉን ኣብ ክንዲ ምፍታን፡ ኣጀማምራን ኣመዓባብላን ናይቲ ግጭት ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ንሳቶም ስለ ዝፈልጥዎ፡ ካብ ቃልን መንፈስን ናይቲ ብኮምሽን ዶብ ዝተወሃበ ውሳኔ ከይወጹ ኣብ ኣጠቓላሊ ዘላቕን ርትዓውን ሰላማዊ ፍታሕ ከድህቡን ብኡ መሰረት ድማ ክሰርሑን’ዩ ዝግብኦም። ኣብዚ ዕዮ’ዚ ድማ ብተወፋይነት ክጽመዱ ይግብኦም። ነቲ ጸገም ዝፈትሕ እምበር ነቲ ጸገም ዘጋድድ መግለጽታትን ርእይቶታትን ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ቅኑዕ ናይ ሰላም መገዲ ክኽተሉ ይግባእ። እቲ ናይ 1998-2000 ኵናት ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ዘኸተሎ ዕንወት፣ ዘስዓቦ ናይ ዘይምትእምማንን ምጥርጣርን መንፈስ በሰልኡ ንነዊሕ ዓመታት ዘይሓዊ ረኻሲ ቁስሊ ኮይኑ ክነብር ክሕደግ የብሉን። መራሕቲ ግቡእ ተርኦም እንተዘይተጻዊቶም ህዝቢ ናይ ክልቲአን ሃገራት ጸቕጢ ክገብር ሓላፍነት ኣለዎ። ብፍላይ እቲ ዝሓሸ ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ምግላጽን መሰል ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ይግብኦ። እዚ ዞባ’ዚ ውሑድ ኣይተሳቐየን። እዚ ህዝቢ’ዚ ውሑድ ኣይተናቖተን። ዝሓለፈ ኣኺሉ ዝተረፈ ብሩህ መጻኢ መታን ክኾነሉ፡ ነቲ ተንጠልጢሉ ተሪፉ ዘሎ ሕቶ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልቲኡ ህዝብታት ኣጠቓላሊ፣ መሰረታዊ፣ ዘላቕን ርትዓውን ፍታሕ ረኺቡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከዕርፎ ይግባእ። ሕላገትና ፍትሒ፣ ዕጥቅና ንቕሓት፣ ዓስብና ክብሪ! ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኤምዲሰመ 17 ጥቕምቲ ፕሪቶርያ |
|
Last Updated ( Friday, 19 October 2007 )
|
|
|
Voice of Meselna Delina |
-
Voice of Meselna Delina January 28, 2008
Voice of Meselna Delina January 28, 2008 
-
Voice of Meselna Delina January 24, 2008
Voice of Meselna Delina January 24, 2008 
-
Voice of Meselna Delina January 23, 2008
Voice of Meselna Delina January 23, 2008 
-
Voice of Meselna Delina January 22, 2008
Voice of Meselna Delina January 22, 2008 
-
Voice of Meselna Delina January 21, 2008
Voice of Meselna Delina January 21, 2008 
|
|