|
|
Editorial |
|
|
|
Written by Executive Commmittee
|
|
Thursday, 18 October 2007 |
|
ደምበ ተቓውሞ ነብሱ-ንክፍትሽ ግዜ ይጽወዖ ኣሎ!!
እዚ ዘሎናዮ መድረኽ፡ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ብስትራተጂካዊ መገዲ ክንሓስበሉ ዘሎና፡ ግዜ ኣንጻርና ይሰርሕ ከምዘሎ ክንርድኣሉ ዘሎና እዋንን እዩ። እወ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ብመንገዲ ዲፕሎማሲያዊ መርበባቱ ኣቢሉ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፤ መንግስቲ ኤርትራ እንተድኣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ንግብረ ሽበራ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዛት እንተዘይኣቋሪጹዎ “ኤርትራ ኣብ መዝገብ ‘ተሓባባሪት ግብረሽበራ’” ከእትዋ ሙዃኑ እጠንቂቕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብኻልእ ሸነኽ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ናይ ጸጥታ ዞባታት እንተዘይኣንሳሒቡ ንውዕል ኣልጀርስ ፍሩስ ክገብሮ ሙዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ መጠንቀቕታ ኣብ ዝህበሉ ዘሎ እዋን፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ዕለት 8 ጥቅምቲ መግለጺኡ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕን ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድን ኣሚሙ ኣብ ዘለወሉ እዋን ንርከብ ኣለና። ብሰሪ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኹነታትን፤ ዘይርጉእን ዘይጽጹይን ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ቁጠባዊን ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ሕማቕ ቁጠባዊን ስነ-ኣእምራዊ ጸገም ተሸሚምዎም ይርከቡ።
ዋላ’ኳ እዚ ኹሉ ጸገም ብናይ ህግደፍ ቀቢጸ-ተስፋ’ውን ዕብድብዳዊን ዲፕሎማሲያ፡ ዝተሐንከረ ቁጠባዊን ፖለቲካዊ ፖሊሲ ዝመጸ ጸገም ሙዃኑ ዘጠራጥር እንተዘይኮነ፤ ደምበ ተቓውሞ ነዚ ኣብ ምቕያር ዝተጻወቶ ተራ ምህሙን ሙዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዋላኳ ካብ ህግደፍን ፖሊሲታቱን ዝርኣዮ ጽቡቕ እንተዘየለ፤ ከም ተወዳደሪ፡ ኣማራጺ፡ መተካእታን ክኸውን ዝኽእል ሓይሊ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብዘይምህላዉ፤ ህዝቢ ከምቲ ዝግባእ ኣብ ጎኒ ደምበ ተቓውሞ ክዓስል ኣይተራእየን። ዋላ’ኳ ህግደፍ ብጌጋታቱ ክወድቕ ዝኽእል እንተኾነ፤ ብሰሪ ዘይምርድዳእ ፖለቲካዊያን ሰልፍታትን ውድባትን ህዝቢ ኤርትራ ከብዱ ሓቁፉ “ጽባሕ እንታይ ኮን ትወልድ ትኸውን” ኣብ ዝብል ዘይርጉእ መንፈስን ራዕድን ተዋሒጡ ይርከብ። ህዝቢ፡ “ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክትኣቱ?”፡ “ብኢትዮጵያ ዝዝወር መንግስቲ ዲዩ ክትከል?”፡ “ወይስ ሓደ ካብ ጀነራላት ኤርትራ ንዘሎ ስርዓት ገልቢጡ መንግስቲ ክተክል?”፡ “ወይ ኤርትራ ካብ ድሑር ሕማማት ዝተላዕለ ብጸቢብ ኣውራጃውነት፡ ዓሌትነትን፡ ቀቢላውነትን ትሕመስ’ዶ ትኸውን?” እንዳበለ ክጭነቕን ተስፋ-ሓጣእን ኮይኑ’ሎ። ነዚ ዘሎ ስርዓት ክትክእ ዝኽእል ውድብ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክረኣዮ ስለዘይከኣለ ከኣ፡ ከም ኣማራጺ ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣብ አካይድኡ ለውጢ ኽገብር ኣብ ምምናይ ይርከብ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከምዝተገልጸ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ፖለቲካዊያን ሰልፍታት ኤርትራ ሓንሳብ ክሓብራ ሓንሳብ ክፍንጥሓ እየን ግዚኤን ዘሕልፍኦ ዘለዋ። ካብዚ ክውንነት እንግንዘቦ ነገር እንተሃልዩ፡ እዘን ሰልፍታት ካብ ናይ ህዝቢ ድልየትን ሃረርታን ንላዕሊ ውድባዊ ረብሓን ህልኽን ዘቐድማ ሙዃነን እዩ። እቲ ዝተዋህበ መብርሂታት ብዘየገድስ፡ ኣብ ወርሒ የካቲት ኣብ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዘጋጠመ ናብ ክልተ ወገናት ናይ ምግምማዕ ተርእዮ ምጥቃስ ጥራይ እኹል ኣብነት እዩ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን’ውን እንተኾነ ካብ ኽልቲኡ ወገናት ዝመጽእ ርእይቶታት፡ ገለ ንኺዳን ናብ ንቡር ምምላስ ዝብልን፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ኣብ ዘዘለኻዮ ኾይንካ ምስራሕ ዝብልን ክርክራት ተጸሚዱ ይርከብ። ብሰሪ’ዚን ካልእን ብግብሪ ክጭበጥ ዝኽእል ለውጢ ክህንድሱስ ይትረፍ፡ እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ስምረት’ውን ኣብተን ክልተ ወገናት ኪዳን ክርአ ኣይተኻእለን። ሲቪካዊያን ማሕበራትን- (እንተላይ ኤምዲሰመ)- ምሁራትን እንተርኢና፡ ኣብ ሂወት ብዙሓት ስደተኛታት ምድሓን፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቅላዕን፣ ህዝቢ ወዲብካ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያድን ዝለዓለ ተራ ከምዝተጻወታ ዝክሓድ ኣይኮነን። እዚ ንበይኑ ግን ንኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ስቓይን መከራን ኣብ ክልዋጥን ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ምትካልን ዝተጻወቶ ተራ ዓዕጋቢ ኢዩ ክበሃለ ፍጹም ኣይንኻኣልን። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ኩለን ሲቪካዊያን ማሕበራት ስትራተጂካዊ ውጥን ሓንጺጸን ከም ህዝባዊ ሓይሊ ተረአን ክጻወታ ብዘይምኽኣለን እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ እዘን ስቪካውያን ማሕበራት ነተን ናይ ምሕባርን ምፍንጣሕን ሽግር ኣጋጢምወን ዘሎ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ውድባትን ሃናጺ ነቐፌታ ብምሃብ እተን ውደባት ናይ ህዝቢ ድልየት ከንጸባርቓ ከምዘለወንን ናብ መድረኸ መሪሕነት ንኽመጻ ኣብ ምድራኽ ግቡእ ተራአን ኣይተጻወታን። እተን ፖለቲካውያን ሰልፍታት ነዚ ራእይ ከዐውተኦ ምስዘይክእላን ብቕዓት ምስዘይህልወንን፡ ንኹለን ሲቪካዊያን ማሕበራት ዝውክል ሓደ ጥሙር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ናይ ምምስራት መሰለን ተጠቒመን ንናይ ህዝቢ ጸገማት ክፈትሓን መሪሕ ተራ ክጻወታን ኣይከኣላን። ንኣብነት ኣብ ከም በዓል፡ ሰርብያ፡ ፖላንድን ቺለን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝነበራ ስቪካውያን ማሕበራትን እንተሪኢና ንሃባራዊ ድልየት ህዝቢ ዝውክል ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብምምስራት እየን ንምልኺ ከምዘኽትም ዝገበራ። እሞ ኤርትራዊያን ምንቅስቓሳት ድኣ እንታይ ስለዝኾና ኢና ከምዚ ዓይነት ተራ ክንጻወት ዘይክኣልና? እወ፡ እዘን ዘለዋና ስቪካውያን ማሕበራት ከም ተራ ዜጋ፡ ከዕዘምዝማን ተጸበይቲ ለውጢ ኮይነን፡ “ኪዳን እባ ዘይሓበራ”፡ “እዛ ሰልፊ እባ ከምዚ ኾይና” እንዳበላ ኣብ ምንቃፍ ግዜአን ከባኽና ምርኣይ ስንፍና ጥራይ እዩ። ስለዝኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኣንጻሩ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ መሪሕ ተርአን ክጻወታ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ መርበባት ሓበሬታ፡ ናይ ፈነወታት ሬድዮን፡ ኣገልግሎታት ቴለቪዠንን፣ ንህዝቢ ግቡእ ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ንተግባራት ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ምቅላዕን፤ ንኹነታት ደምበ ተቓውሞ ኣብ ምእራምን ምህናጽን እዚ ዘይብሃል ኣበርክቶን ዝነኣድ ተራን ተጻዊተንን ይጻወታን ኣለዋ። ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራን ሃገርና ኤርትራን ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ኣብ ዘለወሉ ግዜ’ውን ተርአን ልዑል ክኸውን ከምዝኾነ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ግዜ፡ እተን ህቡባት መርበብ ሓበሬታታት ካልእ ዘይእዋናዊ ኣርእስትታት ከም መዛረቢ ብምውሳድ ኣብ ዘይተደልየ ክትዓት ጥሒለን’የን፡ ንኣብነት ኣብዚ ቐረባ እዋን መንግስቲ ኣሜሪካ “ንኤርትራ ኣብ ማሕደር ተሓባበርቲ ግብረ-ሽበራውያን” ንምእታው ኣብ ዝተሸባሸበሉ ህሞት፡ ኣሰናዳእተንን ብሎጎራትን ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ምንቕቓፍ ክዋፈሩ ክትሪኢ ዘሕዝን ኣጋጣሚን፡ ዘገም ኢልና ምሕሳብ ከድልየናን ሙዃኑን ብሩህ ይኸውን። እዚ ግን ንመን የርብሕ? እቲ ዝውከል ዘሎ ህዝቢኸ ካብቲ ዝተራእየ ምንቅቓፍ እንታይ ረቢሑ? እዚ ምስሕሓባት ናይተን መርበባት ሓበሬታ ብዕቱብ ሓሲበን ብቕልጡፍ ገለ መግትኢ ኽገብራሉ ይግባእ። እቲ ዘሎና ንእሽቶ ዓቕሚ፡ ኣብ ንዝላዓለ ዕላማ ካብ ምውዓል ሓሊፉ ንህዝቢ ኣብ ዘየርብሕ ጉዳያት ከነውዕሎ ዘይሓላፍነታዊ እዩ። እቲ ጉዳይ ንህዝብን ሃገርን ዝትንክፍ ተኣፋፊ ጉዳይ ብሙዃኑ፡ ግዜ ተዋሂብዎ ብዑምቀት ክምርመር ዝግብኦ ኣብ ርእሲ ሙዃኑ፡ ካብ ኢድ ደምበ ተቓውሞ ወጻኢን፡ ብቐንዱ ንረብሓ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ንዲፕሎስያዊ ኣተሓሕዛ ስርዓት ህግደፍን ዝምልከት እዩ። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝግባእ፡ ስርዓት ህግደፍ ተማእዛዝነቱ ንመንግስቲ ኣሜሪካ እንተ ኣረጋጊጹ እዚ ጉዳይ ሃጢሙ ዝተርፍ ጉዳይ ሙዃኑ እዩ። ኣገዳስነት ኣለዎ ዝበሃል እንተኾይኑ’ውን ብዕቱብ ተታሒዙ ብዙሓት ማሕበራት ኣብ ጎኑ ከምዝዓስላ ብምግባር ቀጻሊ ዝኾነ ዝተፈላላየ ጎስጓስ ክግበረሉን ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ተሰንዩ ምስ ሃረርታ ህዝብን ስትራተጂካዊ ትልሚ ደምበ ተቓውሞ ብዘንጸባርቕን መንገዲን ክግበር ይግባእ። እዚ ድማ ዘይከኣል ኣይኮነን። ነንሓድሕድና ንትሓባሐበሉን ሃናጺ ተግሳጽ ክንወሃሃበሉን እንኽእለሉ እዋን እምበር፡ ቅንጸላ-ስምን ቅንጸላታት ሓሳባትን እንገብረሉ መድረኽ ኣይኮነን። እዚ ዘሎና መድረኽ ናይ ምጽሓፍ ዓቕምን ክእለትን፡ ንህዝቢ ኣብ ከርብሕ ዝኽእል ስጥመትን ሓድነትን ኤርትራዊያን ዘንጸባርቕን፡ ኣብ ምምካት ስርዓት ህግደፍን ክነውዕሎ ዝግባእ ግዜ እዩ። እዚ ማለት ግን ምጽሓፍ ጠጠው ይበል ዲሞክራሲያዊ ምፍትታሕ ኣካላት ኣይካይድ ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ እንተሃልዩ ግን፡ እቶም ብሎጎራት ይኹኑ ወነንቲ መርበባት ሓበሬታ፡ ንሓሳባቶም ክድግፋ ዝኽእላ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ካብ ምምስራት ዓጊትዎም ዘሎ እንታይ’ዩ? ንምንታይዮምከ እዞም ጸሓፍቲ ነቐፍቲ ጥራይ ዝኾኑ? እምበኣርከስ ዝመርሕ እንተተሳእነ ናይ ምምራሕ ተራ ክትጻወቱ ዝገትኣኩም ዘሎ እንታይ እዩ? ነቲ ኣብ ጽሑፍኩም ወሪቕኩሞ እትርከቡ ስትራተጂካዊ ትልምታት፡ ኣብ ባይታ ማሕበራት ብምውዳብ ግብራዊ ለውጢ ክትቅይሱ ዘይምኽኣልኩም ሓላፍነትኩም ምዝንጋዕ ሙዃኑ ትግንዘብዎ ዶ ኣለኹም? ስለዚ እቲ መራሕቲ ናይ ሙዃን ሓላፍነት ከምቲ ኣብ እንግድዓ መራሕቲ ሰልፍታት ዘሎ ኣብ እንግድዓኹም ከምዘሎ’ውን ክትዝንግዑ ኣይግባእን። እዚ ምሰዘይከኣል ድማ ክመርሑ ብቅዓት ዘለዎም ሰልፍታት ወይ ስምረታት ብምሉእ ዓቕምኩም ናይ ምድጋፍን ምህናጽን ሓላፍነት ከምዘለኩም ክትፈልጡ ይግባእ። ወረጃ ማዕዶ ካብ ሙዃን ሓሊፍኩም፡ ግብራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ንጭቡጥ ለውጢ ክትሰርሑ መድረኽ ዝጠልቦ ዕማም ኮይኑ አሎ። ብኻልእ ወገን፡ እቲ ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ስርዓት ህግደፍ መሪርዎ ሃገር ራሕሪሑ ዝወጽእ ዘሎ ይኹን፤ እቲ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ምስተላእኸ ነቲ ዘሎ ኣተሓሕዛ ስርዓት ተቓዊሙ ናብ ሃገር ዘይተመልሰ መንእሰይ ኣብ ቃልሲ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝጻወቶ ዘሎ ተራ ኣዝዩ ምህሙን ሙዃኑ ዘየተሓታትትን ዘየተሓሳስብን ኣይኮነን። መንእሰይ ኤርትራ ግን ከምዝድዩ? ገለ ካብ መንእሰያት ናብ ደምበ ተቓውሞ ዘይመጸንበሪኦም ዝቐርብ መጎተታት እንተርኢና፡ እተን ብመብዛሕትኦም ተጋደልቲ ነበር ዝምርሓ ሰልፍታት ኣብ ዘየድሊ ናይ “ጀብሃን-ሻዕብያን” ዝብል ቆይቂ እየን ግዜአን ዘባኽናኦ፤ ’ንጹር ዝኾነ መደብ-ዕዮ የብለንን”፤ “መንእሰያት ኣይሕብሕባን እየን” ዝብልን ካልእን ምኽንያታት ዝብል እዮ። እዚ ድማ ተስፋ ዘቑርጽ ከምዝኾነን እተን ውድባት ከምዘይረብሓን ግዜአን ኣብ ዘየድሊ ምንቅስቓሳት ከምዘጥፍኣኦን እቶም መንእሰያት ይዛረቡ። ዋላ’ኳ እዚ ዝብሃል ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ዝኽሓድ እንተዘይ ኮነ እቲ መንእሰይ ብከምዚ ምስምሳት ተሓሊኹ ምርኣይ ግን ዘይ መንእሰያዊ ባህሪ እዩ የብለካን፤ እዚ ኣረኣእያ እዚ ግን ካብ ሓደ መንእሰይ ዘይትጽበዮን ዘሐፍርን ቃና እዩ። እወ! ኣብ ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይኹን ኣብ ህዝባዊ ግንባር እንተርኢና፤ መንእሰያት እዮም ነቲ ለውጢ ዝዝውርዎን ዝመርሕዎን ዝነበሩ። እሞ እቲ ሓቂ እዚ እንከሎ ድኣ እንታይ ስለዝተረኽበ እዩ፣ ሎሚ እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ነቶም ዕድመ ዝደፍኡ ሓርበኛታት ከነብርየኩም፡ ኣብዚ ተጋጊኹም ኣለኹም ብምባል ኣራምን ገሳጽን ተራ ክጻወት ዘይክአለ? እምበኣር ሃገርና ዘላቶ ኹነታት ኣብ ግምት የእቲኻ እዚ ዘለናዮ ግዜ፡ ኩሉ መንእሰይ ሓላፍነቱ ክስከመሉ ዝግብኦ ግዜ ምዃኑ’ዩ ዝሕብር። ሰለዚ እምበኣር ወይ ኣብ ፖለቲካውያን ውድባት ኣትዩ ኣገዳሲ ቀጥታዊ ተራ ክጻወት ወይ’ውን ንዕኡ ዝውክል ኣብ ሃገር ለውጢ ኸምጽእ ዝኽእል ምንቅስቓስ ክሃንጽ ይግባእ። እዚ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ፡ ኩለን ፖለቲካዊያን ሰልፍታት ካብ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓ ተኣልየን ባህግን ድልየትን ህዝቢ ዘንጸባርቅ ሃገራዊ ወዓላ ብቅልጡፍ ብምክያድ፤ ነዚ ኤርትራን ህዝባን ዘንጸላልዎም ዘሎ ሓደጋ ኣብ ምእላይ ዝላዓለ ሓላፍነት ክወስዳ ይግባእ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኩለን ሲቪካዊያን ማሕበራት (እንተላይ ኤምዲሰመ) ማዕከን ሓበሬታ ደምበ ተቓውሞ፡ ምህራትን ጉድሳት ውልቀሰባትን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ከድሕን ዝኽእል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዋዓል ሕደር ዘይብሃሎ ሓላፍነቶም ክትዓሙ ታሪኽ ይጽውዓኩም ኣሎ። እዚ ምንታይሲ፡ እዚ ተኣፋፊ መድረክ ግዜና ኣብ ናይ ሓድሕድ ምንቕቓፍ ከነሕልፎ ዘይኮነ፤ ኣብ ኣታሓሕዛ ጉዳያትና ስትራተጂካዊ ጠመተና መሰረታዊ ለውጢ ብምግባር ኣብ ባይታን ብግብሪ ንምትካል ቅዋማዊ መንግስትን ውሕስነት ሃገርን እንሰርሓሉ እዋን እዩ። እዚ ምስዘይንገብር ግን ናይ ግዜ ባቡር ቀዲሙና ንኩነታትና ኣብ ቁጽጽሩ ክእትዎ ሙዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ሕላገትና ፍትሒ፡ ዕጥቅና ንቕሓትና፡ ዓስብና ክብሪ! ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኤምዲሰመ 12 ጥቅምቲ 2007 ፕሪቶርያ |
|
Last Updated ( Thursday, 18 October 2007 )
|
|
|
Voice of Meselna Delina |
-
Voice of Meselna Delina January 28, 2008
Voice of Meselna Delina January 28, 2008 
-
Voice of Meselna Delina January 24, 2008
Voice of Meselna Delina January 24, 2008 
-
Voice of Meselna Delina January 23, 2008
Voice of Meselna Delina January 23, 2008 
-
Voice of Meselna Delina January 22, 2008
Voice of Meselna Delina January 22, 2008 
-
Voice of Meselna Delina January 21, 2008
Voice of Meselna Delina January 21, 2008 
|
|