Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

radio_main Bdho_Antsar_atahasasbana
Editorial Print E-mail
Written by Executive Committee   
Wednesday, 17 October 2007

 ዕቱብ ንቕሓት ዝሓትት ወሳኒ መድረኽ


ብዝተፈላለዩ ወገናት ተደጋጊሙ ይግለጽ ከም ዘሎ፡ እዚ ዘለናዮ እዋን ፖለቲካ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘገርም ኣካይዳ ዝተቐየረሉ ወሳኒ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ’ዩ። ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ክርእ እንከሎ ድማ ኣቓልቦ ዘድልዮ መሰረታዊ ሕቶታት ክቕልቀል ጀሚሩ ኣሎ። ቅድም ቀዳድም ምስትብሃል ዘድልዮ ነገር ኣብ ስርዓት ህግደፍ ክርአ ጀሚሩ ዘሎ ሰንከልከልን ንዕኡ ዘቀላጠፈ ረቛሒታትን’ዩ። እቲ ዝርአ ዘሎ ሰንከልከል ብኸመይ ክግምገም ይከኣል ዝብል ነጥቢ ዝቐለለ ስለ ዝኾነ ብኡ ምጅማር ከድሊ ኢዩ።

ሓደ ስርዓት ክፈራኸሽ እንከሎ ዘርእዮ ምልክታት ብምሉኡ ኣብ ኤርትራ ብዘየማትእ መገዲ ተጋሂዱ ኣሎ። ተንተንቲ ፖለቲካ ከም ዝሕብርዎ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስርዓት ንፖለቲካዊ ስልጣኑ (ሓይሉ) ከም ባላ ኮይኖም ብዝድግፍዎ፡ ኣዕኑድ ደገፍ ብዝበሃሉ ባላታት ዝቖመ ኢዩ። እዞም ባላታት እዚኣቶም ኩላቶም ዘቢሎም ወይ ዘጢጦም ይረኣዩ ኣለዉ። እቲ ጨቋኒ ስርዓት ሎሚ ራዕ በለ ጽባሕ ጻሕ በለ ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ንዝኾነ ክኽወሎ ዘይክእል ግሁድ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ንፖለቲካዊ ስልጣን (ሓይሊ) ህግደፍ ዘቖሙ ኣዕኑድን ባላታትን ኩሎም ብርእዮ ፈርከሽከሽ ይብሉ ኣለዉ። ገሊኦም ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝዘጠጡ ክኾኑ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ኣብዚ ሓጺር እዋን ዝተሃስዩ ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዝረአ ተርባጽ፣ ፍርህን ዘይምርግጋእን ድሮ ኣብ መራሕቲ ህግደፍ ብዝተፈላለየ መገዲ ከንጸባርቕ ጀሚሩ ኣሎ። ካብ ዓበድበድ ዝተበገሰ ዘይምዙንን ዘይቅርዕውን ፖሊስታት ህግደፍ ወግሐ ጸብሐ ብዘስደምም ኣገባብ ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌራ ኮይኑ ተኾሚሩ ይርአ’ሎ። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ኣብ ዕምሪ ህግደፍ ምናልባት እቲ ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሕብር ብዙሕ ኣመታት ኣሎ። እዚ ኩነታት’ዚ ምስቲ ስርዓት ደርግ ዝወደቐሉ ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ እንተነጻጺርናዮ ብልክዕ ምስ ምስኡ ዝወዳደር ተመሳሳልነት ኣለዎ።

ስርዓት ደርግ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ናይ ውድቀት እዋኑ ካብ ዘተኣታተዎም ፍሹላት ሜላታት ሓደ፡ እቲ ብሞገድ (ሞራል ገንቢ ድርጅት) ዝፍለጥ ዜናውን ፕሮጋንዳውን ዘመተ ኢዩ። ናይ ሓሶት ዜናታትን ወረታትን ኮነ ኢልካ ህዝቢ ክኣምኖ ብዝኽእል መገዲ ይመሃዝን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ይዝርጋሕን ኔሩ። ንገለ እዋን ድማ ከም መደናገሪ ይጠቅም ኔሩ። ሎሚ ድማ ህግደፍ ብስም ዕሉላት ደገፍቱ፣ ብእተፈላለየ ናይ ብርዒ ስማት ከምኡ ‘ውን ብኻልእ መጋበርያታት ንሓሶትን ናይ ምድንጋር ፕሮፖጋንዳን ስርሐይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ኣሎ። ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ናይ ዜና ማዕከናት ከይተረፈ ናይ ሓሶት ዜናታት እንዳመሃዘ፡ “ሓደ ተመራማሪ ከም ዝሓበሮ፣” “ገለ ምሁራት ከም ዝገለጽዎ፣” ወዘተ … ዝብል ምንጪ ወይ ስም ናይ በሃሊኡ ዘይጠቅስ፡ ብዓይኒ’ብለይ ስኒ’ብለይ ዝተማህዘ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ወፍሪ ጀሚሩ ኣሎ። ንህዝቢ ኤርትራ ብሓሶት ይደፍፎን ከደናግሮ ድማ ይፍትንን ኣሎ። ኩሎም ፍሹላት ስርዓታት ኣብ ኣጋ ውድቀቶም ከምኡ’ዮም ዝገብሩ። ህግደፍ ድማ ፍሹልን ውዱቕን ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ናብቲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ብገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝላደየሉ ዝበለየ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ ተመሊሱ ንዝሓጸረ ዕምሩ ክልቅብ ህርዲግ ይብል ኣሎ።

ደገፍቲ ናይ’ቲ ስርዓት ‘ውን ገሊኦም ብሰንኪ ጽበት ኣተሓሳስባ፣ ገሊኦም ብውልቃዊ ናይ ጥቕሚ ምትእስሳርን ካልእን፡ ነቲ ትልኽ ዝብል ዘሎ ተሰሓጊ ስርዓት “ኣነ ምሳኻ ወለል” ብዝብል ዕሙት ፖለቲካዊ መርገጺ ፍናን ኣብ ዘይብሉ ፍናን እንዳሃቡ ዕምሪ ክልቅብሉ ህርዲግ ይብሉ ኣለዉ። እዚ ጉዳይ’ዚ ብታሪኸ፣ ብሕግን ብሞራልን ዘሕትት ገበን ምዃኑ ዘከራኽር ነገር’ኳ እንተዘየለ፡ ግጉይ መርገጽታቶም ኣደብ እንተገበሩሉ መዘኻኸሪ ምሃብ ግን ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓላፍነት ኢዩ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዋጣሪ እዋን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝስንዝሮ ዘሎ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ሳዕቤናትን ‘ውን ብጽሞና ክርአ ዝግብኦ ጉዳይ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ዶብ ጸገም፡ ካብ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ከይወጸ ብዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን መዳያት፡ ብተዓጻጻፍነትን ብሜላን ብስለት ሓዊሱ ፍታሕ ክረኽበሉ ዝግብኦ ነገር ምዃኑ ካብ ማንም ዘይተኸወለ ሓቂ ኢዩ። ኮሚሽን ዶብ ንረብሓ ኤርትራ ምውሳኑ ከም ዓቢ ብልጫ ተራእዩ ህግደፍ ነቲ ብልጫ’ቲ ክኸስበሉን ናብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከውዕሎን ዝግባእ’ኳ እንተበረ፡ ብዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ብቕዓት ዝጠፈሸ ስርዓት ስለ ዝኾነ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ጥፍሽንኡ ግዳይ ዝገበሮ ከይኣክል ብኾር ተገልበጥ ነቲ ፍዳ ባዕልኻ ተፈደዮ ይብሎ’ሎ። ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምትግባር ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ከም መሰረታዊ ጸገም ዝርአ ነገር’ኳ እንተኾነ ነዚ ጸገም’ዚ ከስግር ዝኽእል ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ብቕዓት ግን ኣብ ጃንዳ ህግደፍ የለን። ህግደፍ ብሕሉፍ ልግምን ድርቅናን ዝልለ ምርኡይ ስርዓት’ዩ። ሕልኩስ ስንፍንኡ ከይኣክል ንናይ ገዛእ ርእሱ ጸገማትን ሕጽረታትን ናብ ካልኦት ብምልጋብ፡ ንምሉኡ ዞባ ቀርኒ ዞባ ኣፍሪቃ ሃዊኹ ዳግም ዞባ ኩናትን ዕግርግርን ጌርዎ ኣሎ። ብመምዘንታት ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ክዕቀን እንከሎ ፈጺሙ ምኽኑይ ዘይኮነ ሃዋኽን ጻሕታርን ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ብምኽታል ኣብ መጠረሽትኡ ምስታ ርእሰ-ሓያላን ዝኾነት ኣመሪካ ኣብ ረጽሚ ስለ ዝኣተወ ንህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ይርከብ ኣሎ።

ብመለክዕታት ስትራተጅያዊ ረብሓ ኣመሪካ ህግደፍ ድሕሪ ደጊም ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዘይግብኦ እቡሽ ስርዓት ምዃኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣመሪካ ደጋጊሞም ክገልጹ ቀንዮም ኣለዉ። ብሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ክርአ እንከሎ ‘ውን ህግደፍ ማለት ሰፍ ዘይብል ዕዳ ማለት’ዩ። መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ክወስዶ ወጢንዎ ዘሎ ስጉምታት እንተተግቢሩ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብኸመይ ክጸሉ’ዩ ዝብል ነጥቢ ግን ዕቱብ ቆላሕታ ዘድልዮ ናይዚ እዋን’ዚ መሰረታዊ ሕቶ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዘይዓቕሙን ኣብ ዘይክእለቱን ኣብ ክሑን ህልኽ ተጸሚዱ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ጥርጠራን ጽልእን ኣመሪካ ኣውዲቕዎም ይርከብ ኣሎ። እዚ ሓደጋ’ዚ ዘኸትሎ ሳዕቤን ርዱእ ብምዃኑ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓድነቶም ኣትሪሮም ክመጽእ ንዝኽእል እንተታት ብዘዕግብ ክዳለውሉ ናይዚ መድረኽ’ዚ ይጸንሓለይ ዘይበሃል ቀዳማይ ዕማም’ዩ። ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ‘ውን ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘዕግብ ኣቃውማ ክሳብ ሕጂ ኣይተራእየን። እዚ ኣዝዩ ዘሰክፍ ጉዳይ’ዩ።
 
እቲ መንግስቲ ኣመሪካ ዝኽተሎ ናይ መወዳእታ ኣገባብ ከመይ’ዩ ክኸውን ዝብል ሕቶ ደፋእ ኢልካ ዝርአ’ኳ እንተኾነ፡ ልዕሊ ኸሉ ዘሻቕል ጉዳይ ግን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክጥርንፍ ዝኽእል ኣብ ሓደ ጽላል ዝዓሰለ ፖለቲካዊ ጥምረት ክሳብ ሕጂ ብኣድማዕነት ዘይምምስራቱ’ዩ። እዚ ጸገም’ዚ ነቲ ኹነታት ኣሰካፍን ተኣፋፍን ጌርዎ ኣሎ። ናይዚ እዋን’ዚ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝፈጠሮ ዕድላት ፈጺሙ ክኽሰር ዘይግብኦ ነገር’ዩ። ደንበ ተቓውሞ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ነብሱ ምውዳብን፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ክመጽእ ንዝኽእል ዝኾነ ይኹን እንተታትን ዘይምኽኑይ ምትእትታው ሓይልታት ወጻእን ንምግታእ ዘኽእሎ ፖለቲካዊ ብቕዓትን የድልዮ ኣሎ። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ርጉእ፣ ሰላማዊ፣ ዲሞክራስያዊ፣ እዱብ፣ ካብ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ድማ ናጻ ዝኾነ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ክተክል ከም ዝኽእል ደንበ ተቓውሞ ብብቕዓት ከርኢ ኣለዎ። ነዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት ክገጥም ዝኽእል ጥሙር ፖለቲካዊ ሓይሊ ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ይድለ ኣሎ። ኩሉ ሃገራዊ ዓምቕምታት ኣብዚ መስርሕ’ዚ ክጽመድ ይግብኦ።

ሕላገትና ፍትሒ፡ ዕጥቅና ንቅሓት፡ ዓስብና ክብሪ!
ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ
02 ጥቅምቲ 2007

Last Updated ( Thursday, 18 October 2007 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2009 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Editorial