Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

radio_main Bdho_Antsar_atahasasbana
September: Report Print E-mail
Written by webmaster   
Wednesday, 26 September 2007

መስከረም፡ ደወል ንብሩህ መጻኢ

 Sample Image

 

ንታሪኻዊት ወርሒ መስከረም ኣጋጣሚ ብምግባር፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሽወደንን ስዊትዘርላንድን ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዕለት 22 መስከረም ኣብ ጆሃንስበርግን (ደቡብ ኣፍሪቃ) ስቶክሆልምን (ሽወደን)፡ ብዕለት 23 መስከረም ድማ ኣብ GEWÜRZMÜHLE (ስዊዘርላንድን)፡ ኣብ ትሕቲ “መስከረም፡ ደወል ንብሩህ መጻኢ“ ዝብል ናይ ሓባር ቴማ፡ ናይ ሽምዓ ምብራህ መደብ ኣካይዶም።  

 

ኣብቲ መዓልቲ፡ ኣብ ሰለስቲኡ መደባት፡ “ምስሊ ኤርትራ“ ዘርእስቱ፡ ንጽልግለግ ዝብል ስእሊ ኤርትራና፡ ባዓቢኡ‘ውን ንኩነታት ዞባና ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ዘለዎ ሓጺር ስእላዊ መግለጺ ቀሪቡ።

 

     Sample Image 

   Sample Image  

  Sample Image

 

ተሳተፍቲ፡ ንኩሎም እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለምና፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ብምክያድ (ሰላማዊ ሰልፊታት ሮማ፣ ጀርመን፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ስቶክሆልም፤ ከምኡ‘ውን ናይ ሽምዓ ምብራህ መደብ ዋሽንግተን ዲሲን ካልኦት ንጥፈታትን) ነዛ ክብርቲ ዕለት ዝዝክርዋ ዘለው ዜጋታት ሓድነታዊ ሰላምታ ኣብጺሖም።

 

 

     Sample Image

 

ተሳተፍቲ ብተወሳኺ፡ ንኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያንን ዓዕሩኽ ኤርትራን እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፦ 

1.    ፍትሒ ተጓዕጺጹ፡ ምስሊ ኤርትራና ተደዊኑ፡ መጻኢና ጽልግልግ እንዳበለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኢድና ኣጣሚርና ክንዕዘብ ብዝኾነ ዓይነት መገዲ ምኽኑይ ከምዘይኮነ፤

2.    ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን፡ ልሳን ናይቶም ፍትሒ ተሓሪምዎም ዘለው ዜጋታት ምዃን ናይ ነፍስ-ወከፍና ሓላፍነት ምዃኑ ክዝንጋዕ ከምዘይብሉን፤

3.    ቃልሲ ኤርትራ ንቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ምዕዋቱ ነፍስ-ወከፍና ተጸበይቲ ዘይኮንናስ፡ ተራና ኣለሊና ዝለዓለ ዜግነታዊ ሓላፍነት ክንስከም ይግባእ። 

ድምጺ መስልና ደሊና

Last Updated ( Wednesday, 26 September 2007 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home