|
Written by webmaster
|
|
Wednesday, 26 September 2007 |
|
መስከረም፡ ደወል ንብሩህ መጻኢ 
ንታሪኻዊት ወርሒ መስከረም ኣጋጣሚ ብምግባር፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሽወደንን ስዊትዘርላንድን ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዕለት 22 መስከረም ኣብ ጆሃንስበርግን (ደቡብ ኣፍሪቃ) ስቶክሆልምን (ሽወደን)፡ ብዕለት 23 መስከረም ድማ ኣብ GEWÜRZMÜHLE (ስዊዘርላንድን)፡ ኣብ ትሕቲ “መስከረም፡ ደወል ንብሩህ መጻኢ“ ዝብል ናይ ሓባር ቴማ፡ ናይ ሽምዓ ምብራህ መደብ ኣካይዶም። ኣብቲ መዓልቲ፡ ኣብ ሰለስቲኡ መደባት፡ “ምስሊ ኤርትራ“ ዘርእስቱ፡ ንጽልግለግ ዝብል ስእሊ ኤርትራና፡ ባዓቢኡ‘ውን ንኩነታት ዞባና ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ዘለዎ ሓጺር ስእላዊ መግለጺ ቀሪቡ። ተሳተፍቲ፡ ንኩሎም እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለምና፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ብምክያድ (ሰላማዊ ሰልፊታት ሮማ፣ ጀርመን፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ስቶክሆልም፤ ከምኡ‘ውን ናይ ሽምዓ ምብራህ መደብ ዋሽንግተን ዲሲን ካልኦት ንጥፈታትን) ነዛ ክብርቲ ዕለት ዝዝክርዋ ዘለው ዜጋታት ሓድነታዊ ሰላምታ ኣብጺሖም። ተሳተፍቲ ብተወሳኺ፡ ንኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያንን ዓዕሩኽ ኤርትራን እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፦ 1. ፍትሒ ተጓዕጺጹ፡ ምስሊ ኤርትራና ተደዊኑ፡ መጻኢና ጽልግልግ እንዳበለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኢድና ኣጣሚርና ክንዕዘብ ብዝኾነ ዓይነት መገዲ ምኽኑይ ከምዘይኮነ፤ 2. ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን፡ ልሳን ናይቶም ፍትሒ ተሓሪምዎም ዘለው ዜጋታት ምዃን ናይ ነፍስ-ወከፍና ሓላፍነት ምዃኑ ክዝንጋዕ ከምዘይብሉን፤ 3. ቃልሲ ኤርትራ ንቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ምዕዋቱ ነፍስ-ወከፍና ተጸበይቲ ዘይኮንናስ፡ ተራና ኣለሊና ዝለዓለ ዜግነታዊ ሓላፍነት ክንስከም ይግባእ። ድምጺ መስልና ደሊና |
|
Last Updated ( Wednesday, 26 September 2007 )
|