|
|
September: Announcment for Candle Vigil |
|
|
|
Written by webmaster
|
|
Tuesday, 18 September 2007 |
|
ሓበሬታ ወርሒ መስከረም፡ ቅድሚ ኣርባዓን ሓሙሽተን ዓመታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ዝጀመረሉ፡ በቲ ሓደ ድማ ኣብ 2001 ቃልሲ ንምርግጋጽ ብቅዋም ናይ ምምሕዳር መሰልና ዝተጓሃሃረሉ እዋን ስለዝኾነ፡ ኣብ ታሪኽና ፍሉይ ቦታ ሒዛ ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ ዝተፈላለዩ ንቃልስና ዘደንፍዑ ንጥፈታት ብምክያድ ክንዝክራ ጸኒሕና። ነዛ ናይ ሎሚ ዓመት መስከረም ድማ ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይ ዓለም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዘኪሮማን ይዝክርዋን ኣለው።  ንሕና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሽወደንን እንነብር ኤርትራውያን ብወገንና፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ዝዝክርዋ ዘለው ዜጋታት ሓድነታዊ ሰላምታና እናብጻሕና፤ ንዕለት 22 መስከረም 2007፡ ኣብ ትሕቲ “መስከረም፡ ደወል ንብሩህ መጻኢ“ ዝብል ቴማ፡ ንኹሉ ኤርትራና ክትሓልፎ ዝጸንሐት መድረኻት እንዳስተንተንና፡ በቲ ሓደ ድማ ብሩህ መጻኢ ከምዘለና ብምእማን፡ ሽምዓ ብምብራህ ብኽብሪ ክንዝክራ መዲብና ኣሎና። ዕላማና፦ 1. ፍትሒ ተጓዕጺጹ፡ ምስሊ ኤርትራና ተደዊኑ፡ መጻኢና ጽልግልግ እንዳበለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኢድና ኣጣሚርና ክንዕዘብ ብዝኾነ ዓይነት መገዲ ምኽኑይ ከምዘይኮነ ናብ ኩሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣቦታትናን ኣዴታትናን፡ ኣዕሩኽ ኤርትራን መልእኽቲ ምብጻሕ፤ 2. ልሳን ናይቶም ፍትሒ ተሓሪምዎም ዘለው ዜጋታት ኣብ ምዃንን ቃልሲ ኤርትራ ንቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ምዕዋቱን ነፍስ-ወከፍና ተራና ኣለሊና ዝለዓለ ዜግነታዊ ሓላፍነት ንኽንስከም ጻውኢት ምግባር ይኸውን። ንኹሎም ዜጋታትን ኣዕሩኽ ኤርትራን ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ መዓልትን ሰዓትን ሓቢርና ከነምሲ ንዕድም።  |
|
Last Updated ( Tuesday, 18 September 2007 )
|
|
|
Voice of Meselna Delina |
-
VoMD October 10, 2008 Broadcast
Voice of Meselna Delina October 10, 2008 
-
VoMD Octorber 06, 2008 Broadcast
Voice of Meselna Delina October 06, 2008 
-
VoMD October 03, 2008 Broadcast
Voice of Meselna Delina october 03, 2008 
-
VoMD September 29, 2008 Broadcast
Voice of Meselna Delina September 29, 2008 
-
VoMD September 26, 2008 Broadcast
Voice of Meselna Delina September 26, 2008 
|
|