Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

EATGS Bdho_Antsar_atahasasbana
SEPTEMBER Print E-mail
Written by emdhr   
Saturday, 01 September 2007
Sample Image

ቅዋማውነትውን ንሓደ ህዝቢ ብሓደ ጉጅለ ወይ ውልቀ-ሰብ ዝውፈ ህያብ ኣይኮነን። ጽንዓት ዝሓትትን ክቡር ዋጋ ዘኽፍልን ቃልሲ ብምክያድ ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ!!!

ሕቶ ቅዋማውነት 

ምስግጋር ኤርትራ ናብ ቅዋማውነት ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ክስረሓሉ ጸኒሑ እዩ። ጎሊሑ ዝተራእየሉ እዋን ግን፡ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተካየደ ኣዕናውን ትርጉም ዘይብሉን ዶባዊ ኹናት፡ ኣብ 2000 ዓመተ-ምሕረት ብመገዲ ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ሕጋዊ መዕለቢ ምስተገብረሉ እዩ። ብርግጽ፡ ምኽታም ውዕል ኣልጀርስ ንኤርትራና ናብ ሓድሽ መድረኽ ምዕባለ ንኽትሰጋገር ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑዩ። ነቲ ንግዜኡ ደስኪሉ ዝጸንሐ መስርሕ ምስግጋር ኤርትራ ናብ ቅዋማውነት ድማ ንኽበራበር ኣኽኢልዎ እዩ።  

ኣብቲ ኣገዳሲ መድረኽ፡ ሰላማውን ሕጋውን ተበግሶታት ብብዙሓት ዜጋታተ ተወሲዶም ኔሮምዮም። ተስፋ ዝህብ ውጽኢት ድማ ኣምጺኦም። ንኣብነት፡ ዓቀኑ ካብ ዝሓለፉ እዋናት ፍልይ ብዝብል መጠን፡ መሰረታውን በዳህትን ሃገራውያን ሕቶታት ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታት፣ ብመገዲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን መርበባት ሓበሬታን ብሰፊሑ ናብ ህዝቢ ክቀርቡ ክኢሎም ኔሮም። ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራውን ንታሕሳስ 2001 ሃገራዊ ምርጫ ንኽካየድ ተሰማሚዑ። ሕጊ ምርጫ እትሕንጽጽ ኮሚቴውን ኣቑሙ ኔሩ። ብሓቂ እቲ ግዜ ኣብ ታሪኽ ኤርትራና ካብቶም ዝሓሹ፣ ግልጹነት ዝተመስከረሉ ብሩህ እዋናት ኮይኑ እዩ ዝዝከር።  

ኮይኑ ግን፡ ካብ ሓደ መድረኽ ምዕባለ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ትሰጋገረሉ እዋን ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። ነዞም ምስሕሓባት ብኸመይ ኣገባብ ትኣልዮምን ናብ ረብሓ ህዝቢ ትቕይሮምን ከኣ ርዝነትን ልቦናን ዝጠልብ እዩ። ስለዚ መስርሕ ምስግጋር ኤርትራ ናብ ቅዋማውነት ምስሕሓባት ከጋጥምዎ ናይ ግድን እዩ ኔሩ። ኣጋጢሞምውን። እቶም ምስሕሓባት ግን ብኸመይ ኣገባብ ተታሒዞም ካልእ ሕቶ እዩ። 

ማንም ዘይክሕዶ፡ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ዝምራሕ፡ ሓደ ጉጅለ ካብ ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ጻዕርታት ኣወንታውን ሃናጽን ተራ ዝጻወት፤ ተቀዳዲሙ ኣብ ልዕሊ እቶም ኤርትራ ብቅዋም እትመሓደርን ንኹሉ እትሓቑፍን ሃገር ንኽትከውን ኢሎም ንነዊሕ ዝጠመተ ሰላማዊ ጻዕሪታት ዘካይዱ ዝነበሩ 15 ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራና፣ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፣ ጋዜጠኛታት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ነጋዶን ዝርከብዎም ብዙሓት ግዱሳት ዜጋታት ኣዝዩ ዘሕዝን፣ ኣዕናዊ፣ ብቀሊሉ ዘይፍወስ፣ ልቦና ዝጎደሎ፣ ምስ ኤርትራዊ ባህልን ስነምግባርን ዘይሳነ፣ ጎነጻውን ዘይሕጋውን ስጉምቲ ምውሳድ መሪጹ።  

በዚ መሰረት፡ ካብ 18 መስከረም 2001 ጀሚሩ፡ 11 ላዕለዎት መራሕቲ ሃገርን ካልኦት ምስ ሰላማዊ ጻዕርታቶም ተሓጋገዝትን ተመጻደቅቲን ዝኾኑ ዜጋታት ብዘይፍትሓውን ርትዓውን ኣገባብ ከም ዝሕየሩ ተጌሩ። እተን እግሪ ተኽሊን ልሳን ህዝቢን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ተዓጽየን። ኣሰናዳእተንውን ብዘይሕጊ ተሰዊሮም። ሃገራዊ ባይቶን ቤት-ፍርድን ደስኪሎም።ኤርትራዊ ዜጋ ባዕሉ ብዘርቀቖን ዘጽደቖን ቅዋም ክመሓደር ዘይክእልን ዘይነቕሐን ህዝቢ!” ዝብል ስያሜ ተዋሂቡዎ። ብኸምዚ ኣገባብ እምበኣር ኤርትራ ብቅዋማ እትመሓደር ሃገር ንኽትከውን ተባሂሎም ዝተወስዱ ሰላማውያን ጻዕርታት ኣብ ወርሒ መሰከረም 2001 ብጎነጽ ተደቑሶም ተሪፎም። ግን መን ረቢሑ?

  Active Image Sample Image

ቃጭል ተደዊሉ፡ ቃልሲ ተጓሃሂሩ 

ብዙሕ ኣብ ደቂቅ ዝርዝራት ከይኣተና፡ ምስሊ ኤርትራ ድሕሪ ወርሒ መስከረም 2001 እንተወሲድና፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብራ እናጸበበን ተስፋ ዝኸልእል እንዳኾነን ክመጽእ ጸኒሑ። ክብርን መሰረታዊ መሰልን ናይ ዜጋታት ንሓደጋ ተቓሊዖም። ደረት ዘይብሉ ኣስገዳድ ዕስክርና እምብዛ በዚሑ። ናይ ዓመጽን ተበላጽነትን ባህሊ ነጊሱ። ፍርሕን ራዕድን ኣመና ገኒኑ። ድኽነት ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ ክኸይድ ጸኒሑን ኣሎን። ሲቪላዊ ምምሕዳራት ብወትሃደራዊ ተተኪኡ። ትምህርቲ ኣብ ወትሃደራዊ መዕስከራት ኮይኑ። ዋሕዚ ናብ ስደት ብዘገርም ቁጽሪ መዓልታዊ ኮይኑ። ጸጥታን ልዑላውነትን ኤርትራና ናብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ በጺሑ። ሰላምን ጸጥታን ዞባናውን ኣሰካፊ እንዳኾነ መጺኡ። ብርግጽ፡ ሳዕቤን ጎነጻውን ዘይሕጋውን ስጉምታት ኣብ ልዕሊ ቅዋምን መራሕትን ኤርትራና፡ ምስልና ኣደዊንዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኤርትራዊ ክብርና፣ ሓደነትናን መንነትናንውን ኣብ ሓደጋ ከምዝወድቕ ጌርዎ ይርከብ። 

ልክዕ እዩ፡ ኩሎም እቶም ድሃይ ዘጥፍኡ መራሕቲ ሃገር፣ ዓበይቲ ዓድን ጋዜጠኛታትን፡ ዋላ ኣብ ፍርዲ ንኽቀርቡን ንኽፍትሑን ዝተፈላለዩ ጻዕርታትን ጻውዒትን ክግበር እንተጸንሐ፡ ክሳብ ዕለት ግን ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን። ስድርኦምውን ሃለዋቶም ናይ ምፍላጥ መሰሎም ተጋሂሱ ይርከብ። ዋላናህና ኣሰራርሓ ኣለና፤ ፍርዶም ቀሊል ኣይኮነን፤ ንዓና ኸኣ ይቀርቡና!” ዝብሉ ናይ ኣሽካዕላል ዘረባታት ካብ ገለ ሰበ-ስልጣናት ከም ምኽንያት ክቀርቡ እንተጸንሑ፡ ገለ ካብኦም ግን ከምዝተሰውኡ ዝፍለጥ። ኣብዚ ግን ኣዕጋቢ መልሲ ክዋሃቦም ዝግባእ መሰረታውያን ሕቶታት ኣሎው። እዞም ተብዓት ዜጋታት ከንቱ ድዮም ተሰዊሮምን ተሰዊኦምን? ዘልዓልዎ ሕቶ ትርጉም ዘይብሉ፣ ግዜኡ ዘይሓለወን ንድሌትን ረብሓን ኤርትራና ዘየንጸባርቕን ድዩ ኔሩ? 

ሓቂ ክዝረብ እንተኾይኑ፡ ልክዕ ከምቲ ቕድሚ 45 ዓመታት ብሃጸይ ሃይለስላሴ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ቅዋምን ፓርላማን ኤርትራ ዝተወስደ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ንቃልሲ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ዘጓሃሃረ፤ ጎነጻዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ መራሕትናን ጋዜጠኛታትናንውን ንምርግጋጽ ብቅዋምና ናይ ምምሕዳር መሰልና ዝካየድ ቃልሲ ዘጎሃሃረ ታሪኻዊ መደረኽ እዩ። እወ! እዚ ጎነጻዊ ስጉምቲ ዘዘኻኸረና ነገር እንተነይሩ፡ ቅዋማውነት ብሰናይ ድሌትን ሰላማዊ ተበግሶታትን ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነስ፡ ጽንዓት ዝሓትትን ክቡር ዋጋ ዘኽፍልን ሓያል ቃልሲ ብምክያድ ከነረጋግጾ ከምዝግባኣና ዘዛኻኽር ቃጭል ከሎ ጌና ብምድዋል ካብ ድቃስና ንኽንበራበር ኣኽኢሉና እዩ።

   Sample Image  Active Image

ብርግጽ፡ እዞም ደሃይ ኣጥፊኦም ዝርከቡ መራሕቲ ሃገርን ተብዓት ዜጋታትን፡ ክብርን መሰልን ብሓደ ጉጅለ ወይ ውልቀ-ሰብ ዝዕደል ዘይኮነስ፡ ብቃልሲ ጥራይ ከም ዝረጋገጽ ደጊሞም ኣዘኻኺሮምና። ሕጂውን እንተኾነ፡ ዋላ ካባናን ብዓቢኡውን ካብ ደቖምን ስድራ-ቤቶምን ተፈልዮም እንተሃለው፡ ንነብሶም ከም ሽምዓ እንዳመኸኹ ንዓና ግን መብራህቲ፣ ብሩህ መጻኢ ተስፋን ቀንዲ መንኮርኮር ናይ ቃልስናን ኮይኖም የገልግሉና ኣለው። እዚኣቶም እምበኣር ሕማቕ ዘጋጠሞም ውጹዓት ዘይኮኑስ፡ ኣብቲ ዝግባእ መድረኽ ናይ ታሪኽና ብጋህዲ ፍትሒ ክጉዕጸጽ ትም ክብሉ ዘይመረጹን፡ ንቃልሲ ኤርትራ ንቅዋማዊ መንግስቲ ብቕጽበት ሰማይ ንኽዓርግ ዓቢ ተራ ብምጽዋት ዜግነታዊ ሓላፍነቶም ዝፈጸሙን እዮም። 

ብሰሪ ተባዕ ጻዕርታቶምን ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ጎነጻዊ ዓመጽን፡ ብዙሕት ዜጋታት ከይፈርሑ ካብ መንግስቲ ናጻ ዝኾና ማሕበራት ክምስርቱ ተተባቢዖም። ብዙሓት ካልኦትውን ሓሳቦምን ተቛውሞኦምን ዓው ኢሎም ክገልጹ በቒዖም። ፖለቲካውያን ውድባት ሓይለን። ካልኦት ብዙሓትውን ተመስሪተን። ዕሙት ምእዙዝነት እናቐሃመ መጺኡ። ኣብያን ሕንጋደን ድማ እምብዛ ገኒኑ። ብርግጽ ኤርትራና፡ ካብ ሰላማዊ ጻዕርታቶም ረቢሓ እምበር ኣይተጎድአትን።

 

 

 Sample Image 

 Sample Image 

እዞም ተብዓት ዜጋታት እምበኣር ከሲቦም እምበር ኣይከሰሩን። ሓርበኛታት እምበር ግዳያት ኣይኮኑን። ስለዚ፡ ንዘበናት ኣብ ናይ ክብሪ ታሪኽ ዝዝከሩ ጀጋኑ ኤርትራ እዮም። ወርሒ መስከረም ድማ፡