|
3ይ ስሩዕ ዓመታዊ ጉባኤ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ብዕለት 12 ነሓሰ 2007 3ይ ስሩዕ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ፕሪቶሪያ ኣካይዱ። እዚ ጉባኤ ኣብ ትሕቲ “ሕላገትና ፍትሒ፣ ዕጥቕና ንቕሓት፣ ዓስብና ክብሪ!!!” ዝብል ጭርሖ እዩ ተዋዲዱ። ልዕሊ 60 ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣባላትን ዑዱማትን ኣብቲ መዓልቲ ጉባኤ ተረኺቦም ውዒሎም።
ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብራሃም ናይ እንቛዕ ደሓን መጻኹም መደረ ድሕሪ ምስምዑ፡ ቐጺሉ ኣቦ-መንበር ምንቅስቃስ፡ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን፡ ሓጺር ግን ኸኣ፡ ቀስቃሲ ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ ኣቕሪቡ። ኣቶ ሳሙኤል ኣብ መደርኡ "ምቅላስ ጸጋ እዩ!!!" ብምባል፡ ሓባራዊ ናይ ቃልሲ ውጥን፣ ተሓጋጊዝካ ምቅላሰን ስራሓትካ ምውህሃድን ካብቶም ቀነዲ ሮቓሒታት ናይ ዓወት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ፡ ንተወፋይነት ኹሎም ኣባላት ምንቅስቃስ፣ ግዱሳት ውልቀ-ሰባት፣ ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ሞጎሱ ገሊጹ። ኣብ መዛዘሚ መልእኽቱ ድማ፡ ኩሎም ወገናት ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኤርትራ ንቅዋማዊ መንግስቲ፡ ዝለዓለ ተራ ክጻወቱን ዜግነታዊ ሓላፍነት ክወስዱን ኣዘኻኺሩ።   
ኣብ መዓልቲ ጉባኤ፡ ምንቅስቃስ ኣብ 2ይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ዘሕለፎ እማመ መሰረት፡ እታ ዝቆመት ኾሚተ ከተሰላስሎ ዝጸንሓት ንድፊ ስትራተጂካዊ ውጥንን ቅርጺ ምምሕዳርን ዝምልከት ብኣቶ ምናሴ ተኽላይ ሓጺር መብሪሂ ተዋሂቡ፡፡ ካብ ተሳተፍቲ ዝቀረቡ ሕቶታትን ርእቶታትን ነቀፌታን ርሱን ክትዕ ተካይድሉ። ሓፈሻዊ ኣቓውማን ስልጣንንን ብዛዕባ እታ ንትግባረ ስትራተጂካዎዊ ውጥን እተውሕስ፣ ንንጥፈታት ኮሚተ ምሕደራ እትከታተልን እትተሓጋገዝን ሱፐርቫይዘሪ ቦርድ መብርሂ ድሕሪ ምቕራብ ካብ ተሳተፍቲ ዝቀረበ መራጉድቲ ሓሳባት፣ ሕቶታትን ነቀፌታን ሰሚዑ። ምንቅስቃስ ፋይናንሳዊ ዓቅሚ ንብድላብ ካብ ዝብል ተበጉሶታት ካብ ጉባኤኛታት ዝተፈላለየ ሓሳባት እዃ ይውሕዝ እንተነበረ፡ እታ ዕውትን ተግባራውነታ ኣብቲ ጉባኤ ዝጀመረትን ምምስራት ክለብ ኣባላት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. እዩ ኔሩ። ኣቶ ዓብደልዋስዕ መሓመድሓድሽ ‘ኣነ ብናተይ ተበጉሶ ነብሰይ ቀዳምነት ብምስራዕን ዕውትነት ናይ’ዚ መደብ ንምርግጋጽ ክሰርሕን፡ እታ ክለብ ዓብያን ዝጋሓአ ሰፊሑን ዕውትቲ ክትከውንን ክሰርሕ እየ” ብመባል ስምዒት ነውስወከፍ ተጋባኣይ ዝተንከፈ ሓሳባት ኣዕሪብ። ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ’ውን ኣባልነቶም ኣብ ክለብ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ንምርግጋጽ ኣብታ ትዘውር ዝነበረት ወረቀት ክታሞም ኣስፊሮም። ኣብ መወዳእታ፡ ጉባኤኛታት ነቶም ዝቀረቡ ጉዳያትን እማመን ድሕሪ ምዝታይን ምክታዕን፡ ነዞም ዝስዕቡ ውሳኔታት ኣሕሊፎም፦ • ጉባኤ ንስትራተጂካዊ ውጥን ምንቅስቃስ ብምሉእ ድማጺ ኣጽዲቕዎ። ነቲ ሓድሽ ዝምረጽ ኮሚቴ ምምሕዳር ድማ ቀዳምነታት ክሰርዕን ናይ ስራሕ መድብ-ዕዮ ክሕንጽጽን ሙሉእ ስልጣን ሂቡዎ። • ጉባኤ ንትግባረ ስትራተጂካዊ ውጥን እተውሕስን ንምሕያል ንጥፈታት ምንቅስቃስ እትከታተልን፡ ኣካል ቤት-ምክሪ ዝኾነት ሱፐርቫይዞሪ ቦርድ ኣቑሙ። • ጉባኤ ፋይናንሳዊ ዓቅሚ ምንቅሰቃስ ንምሕያል ግዝያዊት ክለብ ኣባላት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ንኽትቀውም ተሰማሚዑ። • ጉባኤ ንድምጺ መሰልና-ደሊና ብኹሉ መዳያት ንምሕያል ዝከኣሎ ክግብር ሙዃኑ መብጻዓ ኣትዩ። • ጉባኤ ዝምድና ምንብቅስቃስ ምስ ኩለን ኤርትራዊያን ሲቪካዊያን ማሕብራት፡ ፖለቲካዊያን ሰልፍታትን፡ ግዱሳት ውልቀሰባትን ከሐይልን ዝርጋሐኡ ንምስፋሕ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ጨናፍር ንምኽፋት ዓቅሙ ዝፈቕዶ ክስርሕ ሙኻኑ ተሳማሚዑ።   
ቐጺሉ፡ ጉባኤ ሓደሽቲ ኣባላት ኮሚቴ ምምሕዳር፣ ሱፐርቫይሶሪ ቦርድን ኣፈኛን ምክትል ኣፈኛን ቤት ምኽሪ መሪጹ። በዚ መሰረት፡ ኮሚቴ ምምሕዳር 1. ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን - ኣቦ-መንበር 2. ወይዘሪት ዮዲት ሚኪኤል - ፋይናንስን ምምሕዳርን 3. ኣቶ ዳዊት ማእከለ - ምምሕዳር ርክባት 4. ኣቶ ዮኤል ኣለም - ምወላን ምምሕዳር ፕሮጀክትን 5. ኣቶ ፋኑኤል መስፍን - ምምሕዳር ኣባላትን ጎስጓስን ሱፐርቫይሶሪ ቦርድ 1. ኣቶ መስፍን ዮሃንስ 2. ኣቶ ኣስመሮም ፍሰሃጽዮን 3. ኣቶ በረኸት ሰልጠነ ኣፈኛታት ቤት ምኽሪ 1. ኣቶ ሓይለኣብ ኪዳነ - ኣፈኛ 2. ኣቶ ኩሉበርሃን ኣብረሃም - ምክትል ኣፈኛ ኣብ መወዳእታ፡ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለዩ ውልቀ-ሰባት፣ ማሕበራትን ውድባትን ዝመጹ ናይ ደገፍ መልእክቲ ሰሚዑ። ገለ ካብቶም ናይ ደገፍ መልእክታት ዝላኣኩ ማሕበራትን ውለቀሰባት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡ • ኤርትራዊ ማእከል ምርምርን ስነዳን፡ ሆላንድ • ሰለስተ ኣቦታት ካብ ኤርትራ • ካብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኹርናዓት ናይዛ ዓለም ዝርከቡ ብመራኸቢ ቡዙሓን ፓልቶክ ኣብ ኣዳራሽ ‘Eritrean room for Strong and United opposition’ ብዛዕባ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝመያየጡን ዝዝትዩን ዜጋታት፡ • ኤ.ዲ.ሰ.መ. - ሃገረ ሽወደን፡ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን - ሽወደን • ኤርትራዊ ማሕበር ንሰላም ስቱትጋርት ጀርመን • ኣቶ ተስፋልደት ኣለም- ማሓረና፡ ወናኒ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ • ኣቶ ብርሃነ ረዳ (ባቡራይ) • ካብ ኣባላት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ሰሜን ኣመሪካ፡ ዶር. የውሃንስ ጸጋይ፡ ፍስሃየ ገብረእግዝኣብሄርን ቴድሮስ ረዲኢን ከም መዛዘሚ ናይቲ መደብ ብኣቶ የውሃንስ ሓጎስ ኣባል ቤት ምኽሪ ጨንፈር ጆሃንስበር ዝቀረበት ነቲ ኩነታት እተንጸባርቕ መሳጢት ግጥሚ ድሕሪ ምቕራብ፡ ጉባኤ ብውዕዉዕ መንፈስ ተዛዚሙ። ኮሚቴ ምምሕዳር ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. 17 ነሓሰ 2007 |