Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Syndicate

EATGS Bdho_Antsar_atahasasbana
EMDHR: General Council Meeting Print E-mail
Written by emdhr   
Friday, 17 August 2007

ሓጺር ጸብጻብ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.

ቀዳም ዕለት 11 ነሓሰ 2007፡ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ንኣስታት 12 ሰዓታት ዝቀጸለ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ማለት፡ ካብ ኬብታውን፡ ብሉምፎንቴን፡ ካርተንቪል፡ ባንዳቪኤል፡ ፖርት ኤልዛቤት፡ ፒተርስበርግ፡ ጆሃንስበርግን ፕሪቶርያን ዝመጹ ወከልቲ ድሮ እቲ ኣኬባ ናብ ቀንዲ መጋባኢ ቦታ ፕሪቶርያ ክውሕዙ ጀሚሮም።

ኣብዚ ኣኼባ፡ ቤት ምኽሪ ማሕበር፡ ንቃልሲ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንማሕበር ዝምልከቱ ኣገደስቲ ጉዳያት ኣልዒሉ ሰፊሕ ክትዕ ኣካይዱ። ገለ ካብቶም ኣልዒሉ ብደቂቅ ዝዘተየሎም ጉዳያት፦ ጸብጻብ ስራሕ ዝሓለፈ ዓመት፣ ህሉው ኩነታት ማሕበር፣ ንድፊ ስትራተጂካዊ ውጥን፣ ቅርጺ ምምሕዳር ማሕበር፣ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ጨናፍር ክኽፈተሉ ዘኽእል ኩነታትን ካልኦትን የጠቃልል።  እቲ ዝልዓለ ኣካል ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ዝኾነ፡ ሓፈሻዊ ቤት ምክሪ ነቲ ብምምሕዳር ኮሚተ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሰርሐ ዕማማት ብጸብጻብ መልኽዕ ካብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ንምስማዕ ተጋበአ።

 

ኣኼባ ልክዕ ሰዓት 10፡00 ቅ.ቀ. ብኣላይነት ኣፈኛን ምክትል ኣፈኛን ቤት ምኽሪ (ቤ/ም) ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብርሃምን ኣቶ ምናሴ ተኽላይን ተጀሚሩ።

ኣቶ ኩሉ ብርሃን ንተጋባእቲ፡ ንዝኽሪ ናይቶም ንፍትሒ በጃ ዝሓለፉን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለውን ናይ ሓደ ደቒቕ ዝኽሪ ደው ክብሉ ድሕሪ ምምሕጻን ናይ መኽፈቲ መደረ ኣስሚዑ፡፡ ቀጺሉ ኣቦ መንበር ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሓጺር መልእኽቲ “ሎሚ ክንመሳገን ጥራይ ዘይኮነ ክንነቓቐፍን ክንተኣራረምን‘ውን ኢና ተኣኪብና ዘለና” ክብል ገሊጹ። ብድሕሪኡ ጸብጻብ ክፍልታት ሓደ ብሓደ ብሓለፍቶም ቀሪቡ።

ክፍሊ ጎስጓስን ምክትታል ኣባላትን
ጸብጻብ ብሓላፊ ክፍሊ ኣቶ ፋኑኤል መስፍን ቀሪቡ። ንሱ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ። እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም። እዚ ክፍሊ’ዚ ንኩነታት ኣባላት ከም ዝከታተል መጠን ኣብ ኣተዓዳድላ ካርድ ኣባልነት ጸገማት የጋጥሞ ኔሩ። ኣብ ጎስጓስ ብዝምልከት ግን ብመገዲ ድምጺ መሰልና ደሊና ብዙሕ ዕማማት ተሰላሲሉ። እቲ ዝዓበየ ዕላማና ሰማዕቲ ምጥራይ’ዩ ኔሩ። ብስነ-ምግባር፣ ፖሊስን ትሕዝቶን ደረጃ መደባት ድምጺ መሰልና ደሊና ቅጥዒ ዝሓለወ ክንገብሮ ብዙሕ ጽዒርና። እዛ ረድዮ መርበብና ኣብ ምስፋሕ ሓያል ግደ ተጻዊታ። ፋይናንስያዊ ዓቕምና ‘ውን ብመገዲ እዛ ረድዮ ብዝተጠርየ ደገፍ ኢዩ ክድንፍዕ ክኢሉ ኢሉ። ግን ኽኣ ወጻኢታታ ቀሊል ኣይኮነን። ሰብኣዊ ዓቕሚ ከይሓወስካ፡ ንፈነወ (ኤር ታይም) ጥራይ ንዓመት ዳርጋ 20 000 (ዕስራ ሽሕ) ዶላር የድልያ። ህዝቢ እንድሕር ዘይሕግዝ ኮይኑ ክትዕጾ መደብ ኔሩ። ገንዘባዊ ሓገዝ ግን ይቕጽል ኣሎ። ብደረጃ ኣሳታፍነት ንኹሉ ፖለቲካዊ ርእይቶታት ከተአንግድ ትፍትን ኣላ። ጸገም ግን ኣለና - ጻዕቂ ስራሕ። ምስቲ ክንበጽሖ ንደሊ ብዙሕ ይተርፈና። ብኻልእ ቋንቋታት እንተወሓደ ብቋንቋ ዓረብ ፈነወ ክንጅምር መደብ ኣሎ። ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ስሩዕን ዝተፈላለየን መደባት ኣለና። ክብል ገሊጹ።

ክፍሊ ምምሕዳር ርክባት
ጸብጻብ ብሓላፊ ክፍሊ ኣቶ ሓይላኣብ ኪዳነ ቀሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባትን ማሕበራትን እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ርክባት ቀጺሉ እዩ። ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ምስ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ንምልላይ ዝተገብረ ርክባት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ማዕከናት ዜና፡ ከም በዓል ኤስ.ኤ.ቢ.ሲ. ዝኣመሰሉ ንጉዳይና ኣቓልቦ ክገብረሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ዋሺንግተን ፖስት ዝተባህለ ናይ ኣማሪካ፡ ከምኡ ውን ክልተ ካልኦት ናይ ስዊድንን ዳች ጋዜጣታት’ውን ምስ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ተላልዮም ኣለው። ተሓፊሱ ዘሎ ዓወታት ምዕቃብ ከድሊ ኢዩ። ምስ ፖለቲካውያን ውድባት ወግዓዊ ርክባት ኣለና ክንብል ኣይንኽልን። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝርከቡ ኣባላትና ዝገብርዎ ንጥፈታት ከም መራኸቢ ክንጥቀመሎም ኪኢልና ኢና።

ክፍሊ ምወላን ምምሕዳር ፕሮጀክትታትን
ጸብጻብ ብሓላፊ ክፍሊ ኣቶ ዮኤል ኣለም ቀሪቡ። ኣብዚ ግዜ’ዚ “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” ኣብ ጀርመን ልዕሊ 200 ቅዳሕ ተሓቲማ ተዘርጊሓ። ኣብ ካልእ ቦታታትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ንምዝርግሓ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ። ንምወላ ዝምልከት ኣቶ ዩኤል ኣለም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሎሚ ዓመት ከም ትጽቢት ዝተገብረሉ ከምዘይከደ፡ እንተዀነ ግን ተስፋታት ከምዘለዉ ኣብሪሁ። ኣብ ቀጻሊ ናብ መወልቲ እማመታት ከነቐርብ እንተዀንና ቅድም እቲ ተኣሚሙ ዘሎ ስትራተጅያዊ ውጥን ከነጽድቖ ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ካብ ዝተዛዘሙ ዕውታት መደባት እቲ ብ”ካንቫስ” ዝብሃል ማሕበር ዝተወሃበና ስልጣን ብዛዕባ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ኢዩ። ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ወርልድ ሶሻል ፎረም ብሓደ ወኪል ተኻፊልና። ኣብ መስርሕ ዘሎ ብዙሕ ናይ ምወላን ካልኦት መደባት ኣሎና። ምስ መወልቲ ዝግበር ርክብ ብዙሕ ጸገማት ኣለዎ። ካብ ኤርትራውያን ሓገዝ ክርከብ እንተዝክኣል ግን ዝሓሸ ኢዩ። ዕላማና ነቲ ስትራተጂክ ውጥን ምዕዋት ኢዩ። ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ። ካልኦት ኣብ መስርሕ ዝርከቡ ምስ ካልኦት ኤርትራዊያን ኮይና ነናጣጥፎ ዘሎና ፕሮጀክትታት ኣለዉና።

ክፍሊ ፋይናንስን ምምሕዳርን
ጸብጻብ ብሓላፊ ክፍሊ ኣቶ ዓብደልዋስዕ መሓመድሓድሽ ቀሪቡ። ናይ 2006 ከምኡ‘ውን ፍርቂ ዓመት 2007 ገንዘባዊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። እቲ ዝነበረና ገንዘብ ቆጢብና ተጠቒምናሉ። ኣብኡ’ዩ ኔሩ ኣድሆቦና - ኣብ ቁጡብ ኣካይዳ። ውጽኢት ኣባላት ኣብ 2007 ክረአ ከሎ፡ ብመልክዕ ወፈያ (ህያብ) ከባቢ $30000 ካብ ዝተፈላላየ ምንጭታት ዝተረኽበ’ዩ ኔሩ። ብኣጠቓላሊ ክርአ እንከሎ ማሕበር ህላወኡ ከረጋግጽ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ገሊጹ።

ስዒቡ ኣቦ መንበር ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን ንዝነበረ ንጥፈታት ብዝምልከት ሓፈሻዊ መብርሂ  ከምዚ ዝስዕብ ኣብሪሁ። ካብቲ ዝነበረ ዝዓበየ ጸገምና ናይ ገንዘብ ሕጽረት ኢዩ። ከምቲ ዝድለ ተሰሪሑ ድዩ ኢልካ ምሕታት ግን ከድሊ ኢዩ። ረድዮ ድምጺ መሰልና ደሊና ዝዓበየ ተራ ክትጻወት ከምትኽእል ስለዝታኣምነላ ምሉእ ብምሉእ ካብ ደሊና ፋውነደሺን ተረኪብና ቀጺልናያ። እቲ ስራሕ ስለዝታአምነሉ ናይ ገንዘብ ወፈያታት ቀጺሉ። ብዙሕ ክስራሕ ዝግብኦ ነገር ግን ኣሎ። ኣብ ልዕሌና ካብ ህዝቢ ኣዝዩ ልዑል ትጽቢት ኣሎ፤ ብመንጽርዚ ሰሪሕናዶ ነዚ ክንበቕዖ ክኢልናዶ ዝብል ሕቶ ብዑምቀት ክሕሰበሉ ዘለዎ ነገር ሙዃኑ ኣሚቱ።

ድሕሪ’ዚ ንምሕያል እቲ ምንቅስቃስን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ድኽመታት ኣተኩሩ ቤት ምኽሪ ብዙሕ ተካቲዑን ዘትዩን። ገለ ካብቲ ብዑምቀት ዝተካታዓሉ ጉዳይ፡ ‘ምሕያልን ምስፋሕን ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ብኸመይ ይረጋገጽ’ ዝብል ጉዳይ እዩ ኔሩ። ኣባላት ቤት ምኽሪ ዘቅረብዎ ክትዓትን ዘተን እንተሪኢና፤ ‘ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ፤ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኣሎ፧ እዚ ኢዩ እቲ ዝዓበየ ሕቶ ነዚ ብኸመይ ንርእዮ፧ ማሕበር ኣብ ከቢድ ብድሆታት ዘሎ’ዩ ዝመስል። ካብዚ ዘሎ ኩነታት ንምውጻእ እንታይ እንተተገብረ ይሓይሽ፧ ኣብ ኣካይዳ ዳግመ ስርርዕን ውደባን ዘድሊ ይመስል። እዚ ምንቅስቓስ ቁጠባዊ ኩነታቱ ይደልድል። ንህዝቢ ኣርባሕን ኣድላይን እንተዀይኑ’ውን ብዙሓት ተመሳሰልቲ ማሕበራት ኣለዋ፡ ኣብ ሓደ ጽላል ምጥርናፍ ኣደንፋዒ እንተኾይኑ ንጠርነፍ።’ ዝብሉ ዛዕባታት ቀሪቦም።

እቲ ክትዕ ብምቅጻል ካብ ገለ ኣኼበኛታት ፍልይ ዝበለ ርእይቶ በክምዚ ዝስዕብ ቅሪቡ “ ነዚ ጉዳይ ንሕና ብመንጽር ቃልሲ ወይ ኣድቨንቸር ኢና ንርእዮ። ብድሆታት ከም ዝሕይለና ግን ንኣምን። ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ክሕይል’ዩ ጸኒሑ። እቲ ሕቶ መሪሕ ተራ ይጻወት ዶ ኣሎ የለን ኢዩ እምበር ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኣይኮነን። ኩነታት እዚ ምንቅስቃስ ምስ  ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ክንርእዮ ይግባእ፡፡ ኣብ ፖለቲካዎ ስጉሚ ሃገርና ናይ ምስልቻው ተርእዮ ኣሎ፡፡ እዚ ነቲ ምንቅስቃስ ክጸልዎ ይክእል እዩ፡፡ እቲ ሕቶ ‘ከመይ ጌርካ ንሰብ ኢንስፓየር ትገብሮ ወይ ተበራብሮ’ እዩ። እዚ ግን ናይ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ጸገም ጥራይ ኣይመስልን። ኩለን ማሕበራትን ውድባትን ብዝተዋሃሀደ መልክዕ ብዑቱብ ክሰርሓሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ። ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣብዚ ብኸመይ እዩ መሪሕ ተራ ክጻወት ዝብል ሕቶ እንተመለስናዮ ይሓይሽ’ ዝብል ርእይቶ ቀሪቡ፡፡

ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳባት ኣዕሪቡ “ናይ ርእይቶ ፍልልይ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ። እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ፡ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ስለ ዝሓየለ ይመስለኒ። ጸገም ክህሉ ግድን ኢዩ፤ እንዳፈታሕካዮ ኢኻ ትኸይድ። ከመይ ጌርካ ሪስትራክቸር ትገብሮ ኢዩ እቲ ሕቶ። እቲ ስእሊ ገጂፉ፤ ኣብ ታሕቲ ከምቲ ዝግባእ ኣሎ’ዶ፧ እቲ ቃልሲ ግን ቃልሲ ስለ ዝኾነ ብኸምኡ ተራእዩ ክቕጽል’ዩ። ድኽመት ኣብ ኣሰራርሓ ክህሉ ይኽእል’ዩ። ድኽመት ምልላላይ ድማ መፍትሒ ንምርካብ ይሕግዝ። ሎሚ ዝተራእየ ድኽመት ጽባሕ ተገምጊሙ ክርአ ይግባእ” ብምባል ሓሳባቱ ኣፍሲሱ።

ብድሕሪዚ ቤት ምክሪ፡ እቲ ንኣስታት ሸውዓተ ወርሒ ዝኸውን ዘተ ዝተገብረሉ እስትራተጂካዊ ውጥን ብኣቶ ሚናሴ ተኽላይ ቀሪቡ ብዙሕ ክትዕ ተካይድሉ። ገለ ካብቲ ኣዝዩ ዘካራከረ ጉዳይ እንተኔሩ፡ ሓደ ምንቅስቓስ ብቑጠባ እንተዘይሓይሉ ናበይ ክኸይድ ይኽእል፧ መን ይድግፎ፧ ነዚ ዝኸውን ሓገዝ ካበይ ይመጽእ፧ ዝምድና ማሕበር ምስ ፖለቲካዊያን ሰልፍታት እንታይ እዩ ዝብል ኔሩ። እቲ ኣብ ወረቐት ዘሎ ንጹር’ዩ ግን ዓቕምና ኸኣ ኣነኣኢስና ኣይንርአ። እቲ ኮኣሊሽን/ልፍንቲ ናይ ፖለቲካውያን ውድባት ዝብል ብንጹር ይቀመጥ። ቀዳምነታት ክንፈልጥ ኣለና። እዚ ተዳልዩ ዘሎ ስትራተጂካዊ ውጥን ዝበዝሐ ክፋሉ ንነዊሕ ዝጠመተ ኢዩ። ኣብ ቀዳምነታት ነድህብ። ኣቶ ሚናሴ ብወገኑ፡ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ግዜ መደባት ኢልካ ምፍላላይ ከገድስ’ዩ። ግን እቲ ናይ ነዊሕ እዋን መደብ ብጽፉፍ ክዳሎ ‘ውን ኣገዳሲ ኢዩ። ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ወይ ሓዪሉ ክድንፍዕ ኣለዎ ወይ  ምስ ገለ ማሕበራት ተጸንቢሩ ብዝሓየለ መልክዕ ቃልሱ ክቕጽል ኣለዎ።

ኣብ መወዳእታ ቤት ምኽሪ ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ኣሚሙ፦ ቤት ምኽሪ ንኣባላት ኮሚተ ምሕደራ ክመዝዝን ከውርድን ስልጣን ክወሃቦ፡፡ ንዕለት 12 ነሓሰ 2007 እዚ ስልጣን ንቤት-ምኽሪ ክወሃብ ንጉባኤ ቀሪቡ ክጸድቕ ተጋባእቲ ኩሎም ተሰማሚዖም።

ኣቐዲሙ ቤት ምኽሪ ዝተኻትዓሉ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ‘ውን ንጉዳይ ምኽፋት ጨንፈራት ብዝምልከት ኮይኑ፡ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት  ዓቕሙ ብዝፈቕዶ መሰረት ጨንፈራት ክኸፍት ኣሚሙ።

ብተወሳኺ፡ ቤት ምክሪ ማሕበር ብፋይናንሲያዊ ጉዳያት ተሓሊኩ እንዳሃለወ ዘውጽኦም ውጥናት ከዐውት ከምዘይክእል እቲ ኣኬባ ተረዳዲኡ ነዚ እታ እትምረጽ ሓዳሽ ኮሚተ ምምሕዳር  ብምሉኦም ኣባላትን ኣተኩሮም ክሰርሑሉ ከምዝግባእ እቲ ኣኬባ ኣሚሙ።

ነቶም ብተገዳስነት ኣብ መራኸብያ ቡዙሓን ፓልቶክን ካልኦት መገድታትን ንምሕያል ሬድዮ ድምጺ መሰልና ደሊናን ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.ን ክገብርዎ ዝጸንሑን ዘለውን ዕዙዝ ጉልበታውን ገንዘባውን ሞራላውን ደገፍ ድሕሪ ምምስጋን፡ ብዑቱብ ክቅጽልዎ ቤት ምኽሪ ተላብዩ። ንኹሎም ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ክተሓባበሩ ዝጸንሑን ዘለውን ውልቀሰባትን ማሕበራትን ድሕሪ ምምስጋን፡ ቀጻሊ ናይ ስራሕ ርክባትን፡ ናይ ቃልሲ ውህደትን ከምዘድሊ፡ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.  ነዚ ብዑቱብ ክሰርሓሉ ምዃኑ ቃል እንዳኣተወ፡ ቤት ምኽሪ ማሕበር ተሳታፍነት ናይ ነውስወከፍ ማሕበር ጸዊዑ።

“ሕላገትና ፍትሒ፣ ዕጥቕና ንቕሓት፣ ዓስብና ክብሪ”

ኮሚቴ ምምሕዳር
ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.
17 ነሓሰ 2007

Last Updated ( Friday, 17 August 2007 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.