Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

Bdho_Antsar_atahasasbana radio_main
Be part of History! Print E-mail
Written by Yoel Alem   
Monday, 18 December 2006

ወይ ኣካል ታሪኽ ንኹን ወይ ሓተላ ታሪኽ!!!

ኣብ መስርሕ ምዕባለ ሓደ ውልቀ-ሰብ ወይ ሕብረተሰብ፡ ካብ ሓደ መድረኽ ናብቲ ሓደ ከምእተሰጋገርካ እተረጋግጽ፡ እዋናዊ ገምጋም ንጥፈታት ብምክያድ እዩ። ዝኾነ ውልቀ-ሰብ ይኹን ሓደ ሕብረተሰብ፡ ፈለማ ካብቲ ዘለዎ ደረጃ ምዕባለ ናብቲ ዝለዓለ ዘሰጉሞ ዕላማ ወይ ራኢ ጉዕዞ ህይወቱ ኣነጺሩ ክፈልጥ ይግባእ። ቀጺሉ፡ ባህርያዊ ኮይኑ፡ ነዚ ዕላማ ንምጭባጥ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ መስርሕ ክሓልፍ ምዃኑን፡ ነቶም መሰናኽላት ድማ፡ ብወለንታን ሕጉስ መንፈስን ክብድሆም ምዃኑ ቅርቡነቱ ከረጋግጽ ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ እሞ ኸኣ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር፡ እቲ ውልቀ-ሰብ ወይ ሕብረተሰብ፡ ምዓስ፣ ካበይን ናበይን ክበጽሕ ምዃኑን፡ በቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተወጠነ ኣገባብ ይኸይድ ምህላውን ዘረጋግጽ እዋናዊ ገምጋም ንጥፈታቱ ከካይድ ይግባእ። እዚ ምስ ዘይተግብር ግን ነቲ ኩነታት ህያው ንኽኸውን ዝጽዕት ዘሎ እቲ ውልቀ-ሰብ ወይ እቲ ሕብረተሰብ ዘይኮነስ፡ ባዕሉ እቲ ዘሎ ኩነታት ወይ ካልእ ናይ ደገ ሓይሊ ይቖጻጸሮ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ነቲ ውልቀ-ሰብ ወይ ሕብረተሰብ “ኣንፈቱ ዘጥፍአ” ኢልካ ክትሰምዮ ይከኣል። 

ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መባእታውን ኣድማሳውን ስነ-ሓሳብ ኣዛሚድና መስርሕ ምዕባለ ኤርትራና ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ናጽነት ዓመታት እንታይ ከምዝመስልን ኣበየናይ ኩነታት ከምዝርከብን፡ ኣብ ስምዒት ከይጥሓልና፡ ብክውንነታዊ መገዲ፡ ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ንገምግሞ። ልክዕ እዩ፡ ኣብ 1991፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ኣብቒዑ መስርሕ ምህናጽ ሃገር ኣብ ዝጅምረሉ ዝነበረ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ንጹር ዝኾነ ራኢ ጎዕዞ ህይወት ኔሩዎ እዩ። እሱ ኸኣ “ኤርትራና ፍትሒ ዝሰፈና፣ ሰብኣዊ መሰል ኩሉ ዜጋ እተኽብር፣ ንምዕባለ እትጥምትን ንኹሎም ዜጋታታ ኸኣ ብማዕረ እትብጽሖም ሰላማዊት ሃገር ክትከውን” ዝብል እዩ። ሎሚ ካብ ዓመተ 2006  ናብ 2007 ኣብ እንሰጋገረሉ ዘሎና እዋን፡ ራኢ ኤርትራና ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ? ነዚ ቅዱስ ራኢ ንምዕዋት’ከ እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ከነካይድ ጸኒሕና?  ኢልና ምሕታትን ምግምጋምን ኣገድሲ ነገር ኮይኑ ንረኽቦ። ነዞም ሕቶታት ክንምልሽ እንተኾይንና ድማ ንህሉው ማሕበረ-ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓቅታት ኤርትራና ደጊማና ክንፍትሽ የድልየና።

ኣብ ማሕበረ-ፖለቲካዊ መዳይ እንተወሲድና፡ ኤርትራና ንዜጋታታ ብጀካ ወትሃደራዊ ዕስክርናን፡ ግፋን ወረ ግፋን እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ፍሉይ ኣማራጺ ዘይትቅርብ፤ ንዜጋታታ ንዓዲ ሃገር ተሳድድ እንተዘይኮይኑ፡ ዊንታኦምን ሰብኣዊ መሰላቶምን ዘይተኽብር - እዚ ማለት ባህሎም፣ እምነቶም፣ ተውህባኦም፣ ሞያኦም፣ ውልቃዊ ሕልሞምን ኣተሓሳስባኦምን ዘይተኽብር፤ ንዜጋታታ ወላሓንቲ ስነ-ምግባራዊ በደል ዘይብሎም ክነሶም፡ ንዓመታት ኣብ ምስጢራዊ ጎዳጉዲ ትዳጉንን ህይወቶም ድማ ኣብኡ ከም ዝሓልፍ ትገብርን፤ መንእሰያታ ንሕብረተሰብ ዘጸይፍ ወላሓንቲ ተግባራት ዘይብሎም - ማለት ኣብ ቅትለት፣ ስርቕን ሓሽሽን ዘይተዋፈሩ - ክነሶም፡ ኮብሊልኩም’ዶ ካብ ዓዲ ክትወጹ ሓሲብኩም ኢላ ትርሽን፤ ኮታስ ኤርትራና ብወለንታ ዜጋታታ እትመሓደርን ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝተሰረተተ ሃገር ዘይኮነትስ፡ ብውንታ ውሑዳት ውልቀ-ሰባት እትመሓደር ኮይና ትርክብ።

ኣብ ቁጠባዊ መዳይ እተወሰድና፡ ያኢዪ ንሕና ኤርትራውያን ካብ ካልኦት ህዝብታት ዓለም ዝደኸምና ኮይንና ተፈጢርናስ፡ ኤርትራና ካብተን ኣብ ዓለምና ዘለዋ ሃገራት ኣብ ዝተሓተ ናይ ድኽነት ተርታ ተሰሪዓ ንረኽባ። ኣብተን ካልኦት ሃገራት ዓለም እንዕዘቦ ቁጠባውን ተክኖሎጂካውን ምዕባለ እኮ ከም ማና ካብ ሰማይ ዱብ ኡሉ ዝመጸ ኣይኮነን። የግዳስ፡ እተን ሃገራት፡ ወዲ-ሰብ ዕድል እንተተዋሂብዎ ታእምራት ክፈጥር ከም ዝኽእል ብምእማን፡ ንዜጋታተን ምቹእ ናይ ስራሕ ሃዋሁ ብምፍጣር፡ ዜጋታተን ድማ ብወለታኦም፡ ከከም ክእለቶምን ተውህቦኦምን ብምስራሕ ኣብዚ ሕጂ እንዕዘቦ ዘሎና ቁጠባዊ ምዕባለ ንሃገራቶም ከብጽሕወን ክኢሎም። ኤርትራና ግን ንዜጋታታ ኣብ ሃገሮም ከም ውንታኦም ሰሪሖም ንኽነብሩ ዕድል ኣይሃበቶምን። ከም ሳዕቤኑ፡ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ተዘፊቆም ህይወቶም ክመርሑ ንዕዘብ። እዚ ሓቂ’ዚ ንገለ ዜጋታት ንካብ ደገ ዝለኣኸሎም ገንዘብ ተመጽወቲ ጌርዎም፤ ነቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ድማ መሰረታዊ ሃለኽቲ ከም ትኳቦ ብመገዲ ኹቦን ኣቢሎም ንኽረኽቡዎ ኣገዲድዎም ይርከብ። በዚ ኹሉ መለክዒታት፡ እቲ ናይ ፈለማ ራኢ ኤርትራና ምስዚ ህሉው ኩነታት ሃገርና ፍጹም ዘይራኸብ ኮይኑ ንረኽቦ። ግን ንምዃኑ ኤርትራና እንታይ’ያ በዲላ? ነገራት’ከ ከምዚ ኢሎም ክቕጽሉ ይግብኦም’ድዩ?


ኤርትራና ደኣ እታ ንፈትዋ ሃገርና፡ ንዓመታት ምእንቲ ናጽነታን ሓርነት ህዝባን ኣቦታትና፣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝተቃለሱላ፡ ክሊማኣ ሰናይ፡ ትሕዝቶኣ ብርኩት፡ ንዝመጽእ ወሎዶ ብግቡእ ከነመሓላልፋ ከም ዜጋታት ሓላፍነት ዘለና ብርኽቲ ዓድና እንደኣላ። እዚ ኹሉ እነሕልፎ ዘሎና መከራ እምበኣር ኤርትራ ስለ ዝጠለመትና ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ እቶም ንዓመታት ኣብ ስልጣን ንኽጸንሑን ግዕዙይ ስርዓተ-ምምሕዳር ኣብ ኤርትራና ንኽሃንጹ፡ ዕድል መጻኢናን መጻኢ ወለዶናን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕና፡ ክብረትና፣ ስልማትና፣ ክእለትና፣ ጉልበትናን ገንዘብናን ዘረከብናዮም፤ ብሰንኪ እቶም ብጀካ ንሶም ዝበልዎ ካልእ ዜጋ ዝብሎን ዝሓስቦን ገበን ዝቖጽርዎ፤ ብሰንኪ እቶም ኤርትራና ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ትብጽሖ ዘይኮነስ፡ ናቶም ጥራይ ኮይና ትስምዖም፤ ብሰንኪ እቶም ንተቓውሞን ኣውያትን ህዝቢ ብፈኽራ፣ ምግቡዕባዕ፣ ሓሶት፣ ምፍርራሕ፣ ዓመጽን ጎነጽን እንተዘይኮይኑ፡ ብኻልእ ውሕሉልን ጥበብ ዝመልኦ ኣገባብን ዘይምልሹ፤ ብሰንኪ እቶም ብዕድመ ኣዝዮም ዝደፍኡ ክነሶም፡ ስቅያት ደቆምን ደቂ ደቆምን ፍጹም ኣብ ግምት ዘየእትውን ንለውጢን ምዕባለን  ፍጹም ዘይሓስቡን፤ ብሰንኪ እቶም በጻብዕ ኣእዳው ዝቑጸሩ፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝመራሒኡ ጉጅለ መርሒነት ህ.ግ.ደ.ፍ. እዩ።

ገለ ዜጋታት፡ ዝተፈላለዩ ነጥብታት እንዳልዓሉ፡ ነዚ ኤርትራና ኣትያቶ ትርከብ ድቅድቅ ማሕበረ-ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ክንጻወሮን ምትሕብባርና ድማ ምስ ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ ክንቕጽሎን ከምዘለና ንኽንኣምን ህርዲግ ክብሉ ንዕዘብ ኢና። ገለ ካብቲ ንሶም ዘምጽዎ ምኽንያት ክጥቀስ እንተኾይኑ፡ ኤርትራና ናብ ጎደና ምዕባለ ትሕምበብ ከምዘላን፡ ሳላ ጉጅለ መርሒነት ህግደፍ፡ ቡዙሓት ዲጋታት፣ ጽርግያታትን ህንጻታትን ይህነጹ ከም ዘለው ክሕብሩና ይፍትኑ። ንኤርትራና ዘጋጥምዋ ዘለው ጸገማትን፡ ብፍላይ ኸኣ መጻኢ ዕድል መንእሰያትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ግን ክዛረቡ ቅሩባት ኣይኮኑን። እዞም ሰባት ካብ ህጻን ቖልዓ ፈሊኻ ክትሪኦም ኣዝዮ የጸግመካ። ህጻን ቖልዓ ነዲኡ ከጋጥምዋ ዝኽእሉ ጸገማት ከስተብህለሉ ዓቕሚ ስለዘይብሉ፡ ብዘይምቁራጽ ብኽያቱ ይቕጽል፡  ክሳብ ሓንቲ ንኡሽቶይ መጻወቲት ባንቡላ ወይ ዕንክሊል ትዋሃቦ። እዞም ኤርትራና ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዘላ ከስተብህሉ ዘይክእሉ ዓቕሚ ኣዳም ዝኣኽሉ ዜጋታት፡ ልክዕ ከም ህጻን ቖልዓ ብሓንቲ ዲጋ ወይ ዝተሓደሰት ጽርግያ ክእበዱ ክንዕዘብ ከለና ኣዝዮ ከብድኻ ዝበልዕ ጉዳይ ኮይኑ ንረኽቦ።

ገለ ካልኦት ዜጋታት’ውን ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ፍልይ ዝብል ነጥብታት ሒዞም ክቐርቡ ንዕዘብ ኢና። እዞም ዜጋታት ብዛዕባ ማሕበረ-ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ኤርትራና፣ ዞባናን ኣህጉርናን ካብ ካልኦት ዝለዓለ ኣፍልጦ  ዘሎዎም ኮይኖም እዮም ዝቀርቡ። እሶም ዘምጽዎ ምኽንያት ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል… “ኤርትራና ንዜጋታታ ዘይፍትሓዊትን ቀራንን ኮይና ዘላ ብሰንኪ ወያኔ፣ ምዕራባውያን ሃገራት፣ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ዘይመንግስታውያን ትካላት፣ ኮፊ ኣናን፣ ወይ’ውን ግብረ-ሰናይ ማሕበራት እዩ” ብምባል፡ ምትሕብባርና ምስ ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ ምኽኑይ ክገብርዎን ንኻልኦት ዜጋታት’ውን ብኸምዚ ኣተሓሳስባ ክጸልውዎምን ይፍትኑ። ካብዚ ፍልይ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ድማ ኤርትራውነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ የእትዮም፡ ብጥርጠራ ክሪኢዎ ይጅምሩን ንኻልኦት ዜጋታት ድማ ነቲ ዜጋ ልክዕ ብናቶም ዓይኒ ንኸርእይዎ ይደፋፍኡ።

ብመሰረቱ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ኣተሓሳስባ፡ ምስቲ ኣብ መእተዊ ናይዚ ጽሑፍ ብሕጽር ዝበለ ዝተገልጸ መባእታውን ኣድማሳውን ስነ-ሓሳብ ኣነጻጺርካ ክትሪኦ ከለኻ ፍጹም ተጻራሪ ኮይኑ ንረኽቦ። እቲ ቀዳማይ ነገር፡ ባህርያዊ ኮይኑ ራኢኻ ንምትግባር ዝተፋላለዩ ብድሆታት ከጋጥሙ ከምዝኽእሉ ክትኣምን ይግባእ። እዋናዊ ገምጋም ብምክያድ ድማ፡ ነቶም ብድሆታት ክትሰግሮም ዘኽእለካ መጽናዕትን ሕንጻጻትን ምንዳፍ የድሊ። ብመሰረት ሕንጻጻ  ድማ ነቶም ብድሆታት ንምስጋሮም ይስራሕ። ካብዚ ተሪፉ ግን፡ እቲ ፍታሕ ካብቶም ንኤርትራና በዲሎማ ኢልካ ዝኣመንካሎም ወገናት መርገጺኦም ኣብ ልዕሊ ኤርትራና ክቅይሩ ምጽባይ እንተኾይኑ፡ ኩነታት ኤርትራና ማዕረ ኽንደይ ናይ ደገ ሓይልታት ተቖጻጺሮሞ ምህላዎም እዩ ዘርኢ። እዚ ኸኣ ጸገም ኤርትራና ዘይኮነስ፡ ስንፍናናን ማዕረ ኽንደይ ኣንፈት ስሒትና ከምዘለናን እዩ ኣጉሊሑ ዘርእይ።

ገለ የውሃት ዜጋታት’ውን ሽግር ኤርትራና ብሰንኪ እቶም ኣንጻር ጉጅለ መርሒነት ህግደፍ ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለው ኤርትራውያን ዜጋታት፣ ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን እዩ ዝብሉ ኣይተሳእኑን። “እዞም ተቓወምቲ ሓድነትና ክብትንዎ እዮም፡ ክፈላልዩና እዮም” እንዳበሉ ኸኣ ንእምነቶም ከራጉድዎ ይፍትኑን ምትሕብባርና ምስ ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ ክንቅጽሎ ከምዘለና ኸኣ ይሕብሩና። እዞም ሰባት ብሓቂ ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ድዮም ዘለው ዋላስ ከም ዕጨ-እምኒ ነብሶም ኣብዛ ዓለም ኣእምርኦም ድማ ኣብ ካልእ? ኢልካ ክትሓትት ይደፋፍኡኻ። ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ ደኣ መዓስ ዝሓንጸጾ ፖሊሲ እዩ ብሰንኩ ህዝቢ ኣደዳ መግፋዕትን ቁጠባዊ ቅልውላዋትን ኮይኑ ዘሎ፤ እዚ ኹሉ መንእሰይ ዝሳደደ ዘሎ፣ እዚ ኹሉ ዜጋ ኣብ ዘይተፈልጠ ጎዳጉዲ ተዳጉኑ ዘሎ? “ጎራዙት ከም ዓብየት ይቕደዳ፡ ጓል መኣምን ኸኣ …” ከም ዝበሃል፡ ኤርትራዊ ዜጋ ኣንፈቱ ጠፊእዎ ከም ደቒ ዛግራ ናብ ኣርባዕተ ኩርናዓት ዓለም ፋሕ እንዳበለስ፡ ገሊኡ ኣብ ጎዳጉዲ ጉጅለ ህግደፍ ንዓመታት እንዳተሳጸየስ፡ “ንሕና ኤርትራውያን ሓድነት ኣለና” ኢልካ’ዶ ይዝረብ እዩ? ንዑ ንሕበር ሃገናን ታሪኽናን ከይጠፍእ ዶስ፡ ዋላስ ሓድነትና ከይብተን? ሓድነት ሓደ ህዝቢ እኮ ብድሌት ጥራይ ኣይኮነን ዝረጋገጽ። ሓድነት ዘጣጥሕ ባይታ ንምህናጽ ሓያል ቃልሲ ከተካይድ የድሊ። እሱ ኸኣ ብምፍርራሕ ዘይኮነስ፡ ሓድ ሕድ ብምጽውዋር፣ ብጎነጽ ዘይኮነስ፡ ሓድ ሕድ ብምልዛብ፤ ብምሕያር ዘይኮነስ፡ ሓድ ሕድ ብምክብባር፡ ብጽልኢ ዘይኮነስ፡ ሓድ ሕድ ብምትሕልላይ እዩ ሓደነት ክረጋገጽ ዝኽእል።

ሓደ ኣሰቃቒ ኩነታት ሃገር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተመሓየሸ ይመጽእ እንተልዩ፡ ነቲ ሽግር ግዜ በሊዑ ክሳብ ዝጠፍእ ክትጻወሮ ምፍታን ቅቡል እዩ። ኣብ ትሕቲ ስርዓተ-ምምሕዳር ጉጅለ መርሒነት ህግደፍ ግን፡ ሽግር ኤርትራና እንትርፎ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳኸፍአ ክኸይድ ክመሓየሽ ርኢና ኣይንፈልጥን። ሓደ ኣብነት ናይዚ ሓቂ  ድማ እዚ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ጉጅለ መርሒነት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ወለዲ ኤርትራና ወሲድዎ ዝርከብ ብኣልማማ ናይ ምሕያር ስጉምቲ እዩ። ሓደ ካብ ኣበዋትና ዝወረስናዮ ሃብታም ባህሊ፡ ንወለዲ ምኽባርን ወለዲ ዝበልዎ ምስማዕን እዩ። ስርዓት ደርጊ ከማን ከምዚ ናይ ሎሚ ንዕዘቦ ዘሎና ጌሩ ንኤርትራውያን ወለዲ ተዳፊርዎም ኣፈልጥን። እንተኾነ ግን ገለ የውሃት ዜጋታት፡ ከም ብዓል ሚኒስተር ፍዝያ ሓሽም፡ ኣብ ቃልዕ ወጽዮም፡ ነዚ ኣንጻር መሪሕ ባህልናን ክብርን ዝኾነ ተግባራት ክንጻወሮን ምኽኑይ ምኻኑን ከእምንኑና ይፍትኑ ይኾኑ። እወ፡ እንትርፎ ካብ ጉጅለ መርሒነት ህግደፍ ንዝወሃባ ትእዛዛት ኣሜን ኢልካ ምፍጻም፡ ፍትሓዊ ስጉምቲ ዘይትወስድ፡ ሚኒስተር ፍዝያ ሓሽም፡ ታሪኽ ናይ ገዛእ ርእዙ መዛግብ ከምዘለዎ ብምዝንጋዕ፡ ወርቀንን ስልማተንን ወፍየን ሃገር ንዘውሓሳ ኣዴታት ኤርትራ ከምዚ ኢላ ከተንኣእሰን ፈቲና … “ኣዴታት ኤርትራ ወርቀን ሸይጠን፡ ደቀን ንዓዲ ሃገር የሳድዳ ስለዘለዋ፡ ምእሳር ወለዲ ኣይከነቛርጾን ኢና” በለት። እዚ ኣንጻር ወለዲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ግን ንኤርትራና ኣንጻር መሪሕ ባህላን ክብራን እዩ። ስለዚ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ነዚ ተግባራት ክጻወሮን ምትሕብራሩ ምስ ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ ክቕጽልን ብዝኾነ ዓይነት መለክዒ ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን። እቲ’ምንታይ’ሲ ደጊም ከምዚ ምግባር፡ ኣንጻር ኤርትራዊ መንነትና፣ ባህልና፣ ክብርናን ታሪኽናን ምዕጣቕ ማለት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዓቢኡ’ውን ምስ ተምበርካኽነትን ንወለድኻ የሕሊፍካ ምሃብን እዩ ዝቁጸር።

ልክዕ’ዩ እቲ ንዓመታት ክንሃንጾ ዝጸናሕና ግዕዙይ ስርዓተ-ምምሕዳር ጉጅለ መርሒነት ህግደፍ፡ ብሓደ ረፍዲ ኣብቲ ግቡእ መደምደምታኡ ከነብጽሖ ዘይሕሰብ እዩ። ምስ ጉጅለ መርሒነት ህግደፍ ዘይምትሕብባርናን ዘይምብርካኽናን ኣብ ውልቂ ነፍስ-ወከፍና ይኹን ንብረትና፣ ቤተሰብናን መቕርብናን፡ ብዓቢኡ’ውን ኣብ ሕብረተሰብና ዋጋ ከኽፍለና እዩ። ህይወትና ክንከፍል ንግደድ ንኸውን፤ ኣብ ስደት ሰሪሕና ዘጥረናዮ መሬትናን ገዛናን’ውን ይምንዛዕ ይኸውን፤ ወለድና’ውን ኣደዳ ስቅያትን ማእሰርትን ንክኾኑ ይግደዱ ይኾኑ፤ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጥታት ዝገብሩ ኣሸገርቲ ኩነታት ህይወት ንኽንሓልፍ’ውን ንሕተት ንኸውን። እቲ ኾይኑ እቲ ግን፡ እቲ ዝኽፈል ዋጋ ከጉህየናን ከቖዝመናን ዘይኮነ ዝግብኦስ፡ ከም ስልማትናን ኣካል ታሪኽናን ምዃኑ ተረዲእና፡ ብሕጉስ መንፈስ ክንከፍሎ ቅርቡነትና ከነረጋግጽ እዩ ዘሎና። እቲ’ምንታይ’ሲ ኤርትራና ክትበጽሖ ዝግባእ ራኢ ኣሎዋ። ባህርያዊ ኮይኑ ድማ ዋጋ ከይተኽፍሎ እዚ ልዑል ራኢ ኤርትራና ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ታሪኽ ዝሓለፈ ቃልሲ ኤርትራናን ህዝብታት ዓለምን ህያው መምህራን እዮም።  

ዓቀኑ ብዘየገድስ እቲ ቃልሲ ህዝቢ ክካየድ ጸኒሑ እዩ፡ ብዙሓት ንጹሃት ዜጋትት’ውን ድሮ ተሰዊኦምሉ እዮም። ሕጂ’ውን ኣሎ፡ ንዝመጽ’ውን ክቅጽል እዩ። ባህርያዊ ስለዝኾነ ድማ ኣብ መወዳእታ ክዕወት እዩ። ኤርትራና ድማ ደጊም ናይ ኩሎም ዜጋታት ክትከውን እያ። ሓደ ከነስተብህለሉ ዝግባእ ነገር እንተልዩ፡ ዘለናዮ መድረኽ ታሪኽ፡ እከለ እንታይ ኣይገበረን እከለ እንታይ ጌሩ ኢልና ንሓድ ሕድና ንጠማመተሉ ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብማዕረ እዩ ዝብጽሖ። ኩሉ ዜጋ ድማ ሓላፍነቱ ክውጻእ ታሪኽ ይጽውዕ ኣሎ። ወይ ኣካል ታሪኽ ንኹን ወይ ሓተላ ታሪኽ። እቲ ምርጫ ናይ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ እዩ።

ዮኤል ኣለም
ደቡብ ኣፍሪቃ

Last Updated ( Wednesday, 26 March 2008 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Be part of History!