|
ስነ ሓሳብ ፖለቲካዊ መአዲ ዘተ ፖለቲካዊ መአዲ ዘተ ብሕጽር ዝበለ አገላልጻ፡ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ዝበዝሑ ተራጸምቲ ወይ ተጻረርቲ አካላት አብ ልዕሊ ዘገድሶም ጉዳያት ኩሎም ብዝተሰማምዕሉ አገባብ ወይ ቅርጺ ንዝተወሰነ ግዜ ፖለቲካዊ ስምምዕ ወይ መፍትሒ ክገብሩ ከለዉ እዩ።
ፖለቲካዊ መአዲ ዘተ እምበአር ሓደ አገባብ ወይ አማራጺ ዘይጐነጻዊ መፍትሒ ናይ ፍልልያት እዩ። አብ ሓንቲ ሀገር ናይ ፖለቲካ ምጽራር እንተሃልዩ አዕናዊ እዩ። ምክንያቱ ንኹሉ ሓይልኻን ሃብትኻን ኣብ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ነገራት ይመርሖ። እቶም ኣብ ሕብረተሰብ አገደስቲ ዝበሃሉ ወይ መሰረታዊ ነገራት ሸለል ይበሃሉ። ንኣብነት ከም ስርዓተ ትምህርቲ፡ መንበሪ አባይቲ፡ ናይ ጥዕና አገልግሎት። አብ ክንዲዞም መዓቀኒ ምዕባሌ ዝኾኑ አገልግሎታት እቶም አዕነውቲ፡ እቶም ዘየድለይቲ ጉዳያት አገደስቲ እናኾኑ ይመጹ። ንኣብነት ናይ ብሔራት ምቅርሓንን፡ ኣውራጃውነት ይዕምብብ፡ ሃገራዊ ሞራል ይዓኑ፡ አብ ረብሓ ዘይብሉ ጎንጽታት ከአ የእትወካ። ብዛዕባ እዚ አርእስቲ'ዚ ብዙሕ ክጽሓፍ ምተኻእለ። እንተኾነ ዕላማ ናይዚ ሓጺር ጽሑፍ፡ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣዕናዊ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሃገርና ኤርትራ ፖለቲካዊ ረጽሚ ብኸመይ ዝዓይነቶም ፖለቲካዊ መአዲ ዘተ ብዘይ ጎነጽ ኪፍታሕ ይኸእል ንዝብል ስነሓሳብ ንምድህሳስ እዩ። ሃገራዊ ዝኾነ ሰላማዊ መፍትሒ ብዘተ ንምርካብ እምበኣር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ወይ አካል፡ ኣብ ሃገርና ከም ስርዓት ህግደፍ፡ ስልጣኑ ቅቡል ዝኸውን ሕዝቢ ክሳብ ዝተቐበሎ ግዜ ምዃኑ ብምእማን ነባሪ ወይ ዘልአለማዊ ስልጣን ከም ዘየሎን ብመሰረቱ ከኣ ስልጣን ምስ ግዜ ዝቀያየር ምዃኑ ብምእማን ኣብዚ መአዲ ዘተ ንምቕራብን ኣፍ ደገ ክኸፍትን መሪሕ ተራ ክጻወት ይግብኦ። ካብቲ ስርዓት ህግደፍን ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ንጥጡሕ መአዲ ፖለቲካዊ ዘተ ኪወስድዎ ዚግባእ ተበግሶ ውሑድ ንምጥቃስ፡ - ህግደፍ፡ ኩሎም ተጻረርቲ አካላትን ውድባትን ምስ ኩሎም ደገፍቶም ካብ መኣዲ ዘተ ቅኑዕን ቅቡልን ዝኾነ ፖለቲካዊ መፍትሒ ኪርከብ ከምዝከኣል ትጽቢት ክገብሩ ከተባብዕን ኪሰርሓሉን ይግባእ።
- ኩሎም ተጻረርቲ አካላት ቃልዓለም ዘይብሉ ሓቀኛ ተበግሶን እምነትን ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ዘተን ሃገራዊ ዕርቅን ኪህልዎም ይግባእ።
- ስልጣን ገቢቱ ዘሎ አካል ኣብ ዘተ ክቐርብ ከሎ ብዝተኻእለ መጠን ሓይሉ ወይ ስልጣኑ ማዕረን ሚዛን ዝሓለወን ክኸውን ከምዘለዎ ክአምን ይግባእ።
- እቲ ዘተ ውጽኢታዊ ክኸውን ተሳተፍቲ አካላት ሓቀኛ ዝኾነ ዓቢ ናይ ሕዝቢ ደገፍን መሰረትን ክህልዎም ይግባእ።
- ተዛተይቲ አካላት ብዛዕባ መስርሕ ፖለቲካዊ ዘተን ሃገራዊ ዕርቅን ዓሚቍ አፍልጦን ርድኢትን ክህልዎም ይግባእ። ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ፡ አብ ኩሉ ደረጃታት ዘተ፡ ተጻረርቲ አካላት ናይ ሓባር ጸገም ንምፍታሕ ሓቢርካ ምስራሕ ዝብል መንፈስ ዘጥረዩ ኪኾኑ ይግባእ። እዚ ማለት እቶም ጸገማት ብሓደ ኮይኖም ከለልይዎምን፡ ኪገልጽዎምን፡ ብሓባር ኮይኖም ከኣ ፍታሕ ከናድዩሎምን ነቲ ፍታሕ ከኣ ክግምግምዎም ይግባእ። አብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ፍታሕን እማመን ብተወፋይነት ከተግብርዎ ዝተበገሱ ኪኾኑ አለዎም።
እዚ ብዘይ ክሳራ ፖለቲካዊ መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል መአዲ ዘተ ክውን ንምግባር ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስርዓት ህግደፍን መራሕትን ብፍላይ ከኣ ካብ ፕረሲደንት ኢሰያስ አፎወርቂ እንታይ ይጽበ፡ እቲ ሓቀኛ ዝኾነ ህልዉ ኩነታት ሃገርና ብምግምጋም ነባሪ ፍታሕ ንምምጻእ ህዝቢ ኤርትራ ዕድል ክወሃቦ አለዎ። "ሓሶትን ስንቅን እንዳሓደረ ይፎኩስ" ከምዚበሃል ፕረሲደንት ኢሰያስ ብበዓላት ወይ ከኣ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝግበር መደረ ብፍላይ ከኣ ካብ 2000 ዓ.ም. ንድሓር መቀረቱ ዘጥፍአ ሓቂ ዝጎሰየ ተቀባልነቱ ብሕዝቢ ዝነከየ ስለዝኾነ ብትብዓት ነቲ ሓቂን ህሉው መነባብሮ ሕዝቢ ብምልላይ መገዲ ምዕባለን ሰላምን ሃገርና ክኽተልን ከተኣታቱን ኣለዎ። ህግደፍ ብቅንዕናን ትብዓትን ክግምግሞምን ፍታሕ ከናድየሎምን ዚግባእ ዛዕባታት እዞም ዚስዕቡ እዮም፡ - ማሕበራዊ ጉዳያት፡ እዚ ኩሉ ግዜ ኡይ እንብለሉ ዘሎና ቅዋማዊ ለውጢ ክንዮ'ቲ ሕጋውን ፖለቲካውን ጉዳያት ዝሓቆፈ ክኸውን አለዎ። መሰረታዊ ናይ ህዝቢ ሽግር ከይፈታሕካ ዕዉት ክኸውን አይክእልን ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕሱም ድኽነት፡ ስራሕ ኣልቦነት፡ ሕጽረት ኣባይቲ፡ ዘይብቁዕ ስርዓተ ትምህርትን ስልጠናን፡ ሕጽረት ናይ ሕክምና አገልግሎታትን ካልኦት ብዙሓት መዐቀኒ ምዕባለ ሃገር ዝኾኑ ነገራት ተገምጊሞም ፍታሕ በብደረጃኦም ክናደየሎም ይግባእ።
- ቁጠባ ሃገር፡ ሓዳስ ኤርትራና ክውንቲ ክትከውን እንተድኣ ኮይና ቁጠባኣ ዕብየት ከርእን ንዜጋታት ስራሕ ክፈጥርን እንተኽኢሉ ጥራሕ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ከኣ መንግስቲ ዓይኑ ቋሕ አቢሉ ክግንዘቦን ኣድላዩ ምኽሪ ካብ በዚ ጉዳይ ዝግደሱ ክኢላታትን ኣካላትን ትካላትን ኣቃልቦ ሂቡ ክቅበል ይግባእ። ሕመረት ናይዚ መልእኽቲ ከኣ ኤርትራ ልክዕ ከምተን ናይ ቁጠባዊ ቅርጺ ለውጢ ገይረን ቁጠባአን ዘውሓሳ ሃገራት ዓበይትን አገደስትን ለውጥታን ክትግብር አለዋ። ኣገዳሲ ዝኾነ መበገሲ ነጥቢ እምበአር መንግስቲ ኣብ ቁጠባ ዝጻወቶ ተራ ደረጃ ዝሓለወ ኮይኑ፡ ዝዓበየ ዕድል ንብሕታዊ ክፋል ክወሃብ አለዎ። እዚ ከኣ ውድድር ፈጢሩ ናይ ዕዳጋ ኩነታት ከተዓራርይ ይሕግዝ። ካልኦት አገደስቲ ነገራት ከኣ ከም ባጀትን ወጻኢታት መንግስትን ብውሕልነት ተታሒዞም አብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኾኑ አለዎም። ሃገራዊ ባንኪ ኤርትራ አብ ወለድን ገንዘባዊ ፖሊሲን ዘለዎ ሓላፍነት ተገንዚቡ ዕብየት ቁጠባ ሃገር ከውሕስ መሪሕ ተራ ኪጻወት አለዎ። መንግስቲ ከኣ ውሕስነት ዘለዎ አታዊ ክረክብ ጽፉፍ ዝኾነ ናይ ግብሪ መአከቢ አገባባት ከተአታቱ አለዎ። ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፍታት ዝኾኑ ክፋላት ቁጠባ አለሊኻ ንምድንፋዖም ብተገዳስነት ክስርሓሎም ይግባእ። እዚ ሓፈሻዊ ሓሳብ ኢዩ እምበር መንግስቲ ሚዛንን ዕብየትን ቁጠባ ሃገር ንምሕላው ዝጻወቶ ተራ ሰፊሕ እዩ። እምበአር ህግደፍ ፖሊሲ ቁጠባ ሃገርና ክግምግሞ ይግባእ።
- ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ህግደፍ ነቲ መሰረታዊ ናይ ህዝቢ መሰል ሸለል ኢሉ አብ አዝዩ ዘሕፍር ምግሃስ መሰረታዊ ሰብአዊ መሰላት ይርከብ። እዚ ጉዳይ'ዚ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ከምዘሎ ብምግንዛብ፡ ሓንቲ ናይ ሕግን መሰረታዊ መሰል ዜጋታትን እትግምግምን ንምምሕያሹ ክግበር ዝግብኦ እማመታትን እተቅርብ ጉጅለ (ሓይሊ ዕማም) መስሪቱ ምሉእ ሓላፍነት ክህባ ይግባእ። በዚ አገባብ እዚ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ዜጋን ትካልን ማሕበራትን ርእይቶኦም ክህቡን ነቀፌታኦም ከስምዑን ዕድል ይረኽቡ። እዚ ከአ ኣብቲ ቅዋም ሃገር ዝተካተተ ኮይኑ መንግስቲ ብዘይወዓል ሕደር አቃልቦ ሂቡ ብቐዳምነት መሰል ዜጋታቱ ኬኽብር ይሕግዞ።
- ስልጡን ዓቅሚሰብ፡ ሓንቲ ሃገር ቁጠባዊ ምዕባለ ከተረጋጽ ብቁዕ ዓቅሚ ሰብ የድልያ። እዚ ከአ ብውሕሉል ስርዓተ ትምህርትን ስልጠናን ይረጋገጽ። ኣብ ሃገርና ካብቲ ዓበይቲ ማህሰይቲ ዝወረዶ አዝዩ ዘሰክፍ ብቅዓት መንእሰይ ኤርትራ ሰንኪሉ ይርከብ። እዚ ከኣ ዓቢ ናይ ኪኢላታት ሃጓፍ ፈጢሩ አሎ። መንእሰይ ኤርትራ ክንዲ ትምህርትን ስልጠናን አብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ተገዲዱ ይነብር አሎ። እቲ ዕድል ዝረኸበ ከኣ ናብ ስደት ኣምሪሑ አሎ። መንግስቲ እምበአር ነዚ ባይታ ዝዘበጠ ዓቅሚ ሰብ ገምጊሙ ክውን ፍታሕ ከናድየሉ ይግባእ። እዚ እንተፈዊስና ጥራሕ ኢና ኤርትራ ህዝባ ኢዩ ሃብታ ኢልና ከነእምን እንኽእል።
- ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት፡ መንግስቲ ክፈልጦን ክቕበሎን ዘለዎ ጉዳይ አበርክቶ ካልኦት ሃገራት ኣብ ሰላምን ምዕባለን ሃገርና እዩ። ሰላምን ድሕነትን ሕዝብና ብዘይካ ምይይጥን ምትሕግጋዝን ካልኦት ሃገራት ከነውሕስ ኣይከኣልን እዩ። ጽልኢ ብሓባራዊ ዘተን፡ ብምርድዳእን፡ ኢሂን ምሂን ብምብህሃልን ኪፍታሕ አለዎ። እዚ ከኣ ካብ ጐረቤትካ እዩ ዚጅምር። ወቅቲ ጎነጽን ፈኸራን አብቂዑ እዩ።
ሓፈሻዊ መደምደምታት እማመን ዝኾነ መራሒ መአዲ ዘተ መፍትሕን ዕርቅን ከምጽእ ከም ዝኽእል ይአምን እዩ። እንተኾነ ግን መብዛሕቲኡ ግዜ ሓደሓደ ቅቡላት ዘይኮኑ ፖለቲካዊ ምኽንያታት ብምቕዳም ነዚ መስርሕ ዕርቂ ይሕሰምዎ'ሞ ወርቃዊ ግዜ ናይ ሃገርን ህዝብን ብኸንቱ ይጠፍእን ይባኽንን። እቲ ሃረርታናን ትምኒትናን እምበአር ነፍሲ ወከፍ ናይ ፖለቲካውያንን በርገሳውያን ማሕበራት መራሕትን ከምኡውን ናይ ማሕበረኮም መራሕቲ ነዚ መአዲ ዘተን ሃገራዊ ዕርቅን ከም ብሓድሽ ዕድል ሂቦም ብሃናጺ መገዲ ክገጥምዎ ይግባእ። ኤርትራውያን ግዜና ተጸንቂቁ እዩ፡ ዝተረፈ የለን፡ ናብ ዕርቂ ንኸየምርሕ ዝዓግተና ዓበይቲ ምኽንያታት ከምዘየለ መራሕትና ክግንዘብዎ ይግባእ፤፤ ሃገርናን ህዝብናን ንነዊሕ ግዜ ብኹናትን ግጭትን መግዛእትን ሓሊፉ እዩ። አረ በቃ ይአኽሎ ነዚ ዓንኬል ሕሰምን ድኽነትን ንስበሮ። ናብ ሃገራዊ ዕርቂ ቦሎኽ ኢልና ንውጻእ። እቲ አፉ ዘይከፍት መስኪን ሕዝቢ ነዚ ብሃንቀውታ ይጽበዮ አሎ። መንእሰይን ሓድሽ ወለዶን ኤርትራን ከአ ሰላም ክረክብ መሰሉ እዩ፡ ይግብኦ ከአ እዩ። ታሪኽ ኤርትራ ከኣ ኣብ መሪሕነት ህግደፍ ዓቢ ሓላፍነት አሸኪሙ አሎ። ንሃገርና ካብዚ ሒዛቶ ዘላ ዘጥፍእ መገዲ ተመሊሶም ናብ ሰላምን ምርግጋእን ክመርሕዋ ዓቢ ተራ ክጻወቱ ንላቦ። ተስፋን ቆላሕታን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ናብ ህግደፍ አቢሉ ይጥምት አሎ። ብሩህ ተስፋ ኤርትራ አብ መራሕታ ጠልጠል ኢሉ አሎ። መራሕትና ነዚ ቅዱስ ዓላማ ብዘይቃልዓለም እንተ ገጢምክምዎ መስኪን ህዝብኹም ከምወትሩ አብ ጐድንኹም ኢዩ። አረ ትብዑ ብዙሕ ዝስራሕ ነገራት እዩ ዘሎና። ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ከአ ልዕሊ ኩሉ ፈጣሪ አእምሮኩም ከፊቱ ክመርሓኩምን ብጸጋታቱ ባሪኹ ንኹሉ ምእንቲ ሰላም እትገብርዎ ጻዕሪ ፍርያምን ውጽኢታውን ክኾነልኩም እምነ። በረኸትን ሰላምን ምዕባለን ንህዝቢ ኤርትራ ዮሓንስ ሓጐስ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ጨንፈር ጆሃንስበርግ ደቡብ አፍሪቃ መወከሲ መጽሓፍ፡ Johann C. De Wet, “The Art of Persuasive Communication”, 2nd Edition, 1991 |