Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

radio_main EATGS
I don't want to involve in politics! Print E-mail
Written by Simon Mebrahtu   
Friday, 03 August 2007

ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ኣይደልን’የ፣

“ብርቱዕ ሕማም’ሲ ካብ ሞት ኣይሓልፍን!” 

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሰቃቒ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ኤርትራውያን ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ተመስሪተን ኣለዋ። ኣስማተን ከም ዝሕብሮ፡ ዕላማ ናይ ዝበዝሓ ካብዘን ሲቪካውያን ማሕበራት ምስ ምትካልን ምድንፋዕ ደሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ግዝኣተ ሕግን ዝዛመድ’ዩ። ምስ’ዘን ማሕበራት ዘለኒ ሌላ ድሩት ስለ ዝኾነ፣ እንታይ ይገብራ እንታይ’ከ ኣፍሪየን ኢለ ክትንትን ኣይተበገስኩን። ህላወ ከምዚኤን ዝበላ ማሕበራት፡ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽበር ብግዝኣተ ሕጊ ዝቕየድ ስርዓተ-ደሞክራሲ ንምትካልን ንምድንፋዕን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ግን ዘማጉት ጉዳይ ኣይኮነን።

እዘን ከምዚ ዝበላ ማሕበራት፡ ዕላማታተን ክወቕዓን ኣድማዕቲ ክኾና እንተኾይነን፡ ሳዓብቲ ክህልወን ኣገዳሲ’ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ምስ ኩሉ’ቲ ዘለወን ናይ ዓቕሚ ድሩትነት፡ ዝተበገሳሉ ዕላማ ኣብ ምዝርጋሕን ሳዓብቲ ኣብ ምርካብን ይሰርሓ’የን። ኣብ’ዚ መደያ’ዚ ግን፡ ተመክሮ ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ንዑኡ ዘሰኒያ ትካላትን ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይጸነሐ፡ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝረኽበኦ መለሰ-ግብሪ፡ ምስ ግዜ እናተማሓየሸ’ኳ እኸይድ እንተሎ፡ ቡዙሕ ግን ዘታባብዕ ኣይኮነን። ካብ ትዕዝብትታተይ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝነብሩ፣ በቲ ኣብ ዝንብሩለን ሃገራት ዘሎ ስሮዓተ ደሞክራሲ፡ ናጽነትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝምሰጡን፡ ኣብ ኤርትራ ክድንፍዕ ዝምነዩን’ኳ እንተኾኑ፣ ነዘን ነዚ ዕላማ ኩዉን ንምግብር ኢለን ዝተበገሳ ማሕበራት ንዘይምድጋፎም ግን ብዙሕ ምኽንያታት እዮም ዘቕርቡ። ሓደ ካውኡ፡ ቡዙሕ ምኽንያታት ኣብ ውሽጡ ዝሓዘለ፡ “ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ኣይደልን’የ” ዝብል’ዩ። 

ብርግጽ እዚ ኣባሃህላ’ዚ ኤርትራውያን ዝማሃዝዎ ነገር ኣይኮነን። ገለ ሰባት ከም መግለጺ ወረጃነት ጌሮም ዝወስድዎ፡ ኣብ ቡዙሕ ኣጋጣሚታትን ቦታትን ክዝረብ ዝስማዕ ኣዛራርባ’ዩ። ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ግን ብዘይ ኣፋልጦን ንኻልእ ዕባራ ምኽንያት ከም መሸፈንን ዘገልግል ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ። 

ንምዃኑ ፖለቲካ እንታይ ማለት’ዩ? ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ኣይደልን’የ ምባል’ከ ካብ ከመይ ዝበሉ ነገራት ምሕራም ማለት’ዩ? ስለምንታይ’ከ ካብ ፖሊቲካ ምሕራም ተደል’ዩ?  

ፖለቲካ እንታይ ማለት’ዩ ንዝብል ሕቶ ኣዕጋቢ መልሲ ክተረኽበሉ ኣይካኣልን’ዩ። ‘ፖለቲካ’  ትብል ቃል ኣብ ቡዙሕ ነገር’ያ ትኣቱ። ብርግጽ፡ ሕመረት ፖለቲካ ዝኾነ ነገር ንምልላይ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ናይ ፖልቲካ ጫፋት ንምሕንጻጽ ግን ብዘይ መጠን ኣጸጋሚ’ዩ። ስለ ዝኾነ፡ ፖለቲካ እንታይ’ዩ ዝብል ሕቶ ኣብ ክንዲ ምምላስ “ካብ ፖሊቲካ ናጻ’የ፡ ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ኣይደልን’የ” … ወዘተ ንዝብሉ ኣጋላጽታት ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ትርጉም ከም ዝህቡ ንምርዳእ ክፍትን።    

ብኣራኣእያይ፡ ኣብ ሓደ ግዝኣተ ሕጊ ደልዲሉ ዝሰረተሉ ስርዓት ዝነብር ሰብ፡ ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ኣይደልን’የ እንተበለ ዘምሕረሉ ኮይኑ ይስማዓኒ። ዓዲ እንግሊዝን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ከም ኣብነት እንተወሲደ፣ ኣብዘን ክልተ ሃገራት ግዝኣተ ሕጊ ደልዲሉ ዝተሰረተ ድጊ ወይ መትከል’ዩ። ኣብዘን ሃገራት ኩሉ ነገራት ብሕጊ’ዩ ዝግዛእ። ዘይከም ኣብ ካሎኦት ሃገራት፡ ፖለቲካ’ውን ብሕጊ‘ዩ ዝግዛእ። ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቦታ መሪሕነት ኣየናይ ሰብ ወይ ሰልፊ ደይቡ ብዘየገድስ፡ ፖለቲካዊ ኣካይዳ እዘን ሃገራት ኣብ ሓፈሻዊ መንበብሮ ህዝበን ብዙሕ ለውጢ ኣይምጽእን።  

ዜጋታት እዘን ሃገራት ዘለዎም መሰላት ብቅዋም ውሕስ’ዩ። ኣብ ብዙሕ ነገራት፡ መንግስቲ ዘይትንክፎም ገጻት ሂወት ኣለዉ። ምስ ምቕያር መራሕትን ሰልፍታትን ድማ ዝለዋወጡ ኣይኮኑን። ኩነታት መነባብሮ ዜጋታተን’ውን ርጉእ’ዩ። ምስ ምምጻእን ምውራድን መንግስታት ብዙሕ ለውጢ ኣየርእን። ስለ ዝኾነ፡ ኣብዘን ሃገራት “ኣብ ፖለቲካ ኣይግደስን’የ” ዝብል ኣዘራርባ ዝውቱር’ዩ። ንምንታይ’ከ ይገልጽ ምምርማሩ ግን ኣገዳሲ’ዩ። 

ንኣብነት ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝካየዱ ምርጫታት ዝሳተፍ ህዝቢ ኣዝዩ ሒደት ምዃኑ’ዩ ዝንገር። እቲ ዝዋሃብ ምኽንያት፡ ምርጫታት ኣብ ኩሉ ሸነኻት ሂወት ህዝቢ ዘምጽዎ ለውጢ ድሩት’ዩ ስለ ዝባሃል’ዩ። ይኹን’ምበር፡ ምርጫታት ወይ ዝኾነ መንግስታዊ ሕጊ ወይ ስጉምቲ ንመንባብሮን መሰላትን ዜጋታት ቅሩብ’ውን ዝትንክፍ እንተኾይኑ፣ እቲ ኣብ ፖለቲካ ኣይግደስን’የ ዝብለ ሰብ ኣቐዲሙ’ዩ ናብ ጎደናታታ ብምውጻእ ተቓውምኡ ዝገልጽ። 

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓንቲ ኣሜሪካዊት ብገንዘብ ጥሮታ ትናበር ኣደ፡ ብወዝቢ ሓንቲ ካብቶም ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ንሓደ እማመ ዝድግፉን ዘይድግፉን ምዃኖም ቃለ መሕትት ዝግበረሎም ሰባት ኮይና ተለለየት። ግዜ ዝሑል ኲናት ብምንባሩ፡ ቀንድ ሕመረት ናይቲ መጽናዕቲ፡ ነታ መንግስቲ ኣመሪካ ከማዕብላ ዝሕልን ዝነበረ ኣዝያ ክብርቲ ነፋሪት ኲናት ህዝቢ ኣመሪካ ዝድግፋ እንተኾይኑ ንምድህሳስ’ዩ ነይሩ።  

በዚ መሰረት መጻንዕቲ ዘካይዱ ሰባት ናብ መንበር ገዛ’ታ ኣደ ብምኻድ ሕቶታቶም ምሕታት ይጅምሩ። ኣቐዲሞም ዝሓተትዋ ሕቶ ኣብ ፖለቲካ ኣሜሪካ ክሳብ ክንደይ ግድስቲ ምዃና’ዩ። ወዮ ኣደ 'It is not my business’ ብምባል’ያ ፋዕራ ከምዘይብላ ሓቢራቶም። ሕቶታቶም ብምቕጻል ነታ ክትስራሕ ትሕሰብ ዝነበረት ነፋሪት ኲናት ትድግፋ እንተኾይና ምስ ሓተትዋ ግን፡ “እዚ ትሓስብዎ ዘለኹም ሓሳብ ካብዘን ቁርብ-ቁራቦ ናይ ጥሮታ ገንዘበይ ዘጉድል እንተኾይኑ ወይ ድማ ነዘን ዝስቀለን ታክሲ ዋጋ ከም ዝውስኻ ዝገብረን እንተኾይኑ ኣይከድግፎን’የ” ኢላ መለስትሎም።  

ኣመሪካ ኣብ ቬትናም ንተካይዶ ዝነበረት ኲናት፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ መወዳእታ እዋናት ዳርጋ ዘይኮነኖ ኣመሪካዊ ኣይነበረን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ሰራዊት ክትሰድድ ምስ ወሰንት’ውን ተመሳሳሊ ህዝባዊ ኩነታት’ዩ ሲዒቡ። ቡዙሕ ካብ’ቲ ዝኾነነ ሰብ ኣብ ምርጫታት ዘይሳተፍ፡ ኣብ ማዕልታዊ ሂወቱ ድማ ኣብ ፖለቲካ ከምዘይግደስ’ዩ ዝዛረብ። ኣብ’ዞም ክልተ ጉዳያት ግን ተገዲሱ። 

ነዚ ዝተጠቕሰ ኣብነት ዝማሳሰል ነገራት ቡዙሕ’ዩ። መንግስቲ እንታይ ይብል ኣሎ ክሰምዕ ዘይደሊ ግን ከኣ ዋጋ ባኒ ሓንቲ ሳንቲም ወሲኹ ምስ ተባህለ ብቕጽበት ኣብ ጎደናታት ወጽዩ ተቓውምኡ ዝገልጽ ሰብ ኣብዘን ከም ኣብነት ዝጠቐስክወን ሃገራትን ካሎኦትን ቡዙሕ’ዩ። እዞም ጉዳያት ናይ ፖለቲካ ጉዳያት ኣይኮኑን ማለት ድዩ? ኣይፋለን! እቲ ሓቂ፡ ኣብዘን ሃገራት ሓደ ሰብ ኣብ ፖለቲካ ኣይግደስን’የ እንተበለ፡ ፖለቲካ ንሓፈሻዊ መነባብሩኡ ክሳብ ዘይጸለዎ ኣይግደሰሉን’የ ማለት’ዩ። ኣብ ዋጋ ባኒ ሓንቲ ሳንቲም እንተተወሲኻ ግን ይግደስ’ዩ። 

እዚ ሓቂ’ዚ ሃገራት ንውሽጣዊ ጉዳያተን ከይተንከፋ ኣብ ዝኽተለኦ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ዝረአ ንቡር ነገር’ዩ። ከም ኣብነት፡ ኣሜሪካ ንከፈልቲ ግብሪ ዝኾኑ ዜጋታታ ከይተንከፈት ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዝዋሃብ ደገፍ ክብ ከብሎ’የ እንተበለት፣ ብዜካ ነቶም ላዕለዋይ ፖለቲካዊ ላህመት ናይታ ሃገር፡ ንቡዙሓት ዜጋታት ዘገድሶም ጉዳይ ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣይግደስን’የ እንተበለ ድማ ደረጃ ንቕሓቱ ኣብ ግምት የእቲኻ ትርጉም ዝዋሃቦ ዘረባ’ዩ።  

እዚ ነገር’ዚ ዋላ ኣብተን ቡዙሓት ሰብኣውያን መሰረታውያን መሰላት ዘይኽብራን ንህዝቡ ዘይምእዘዝን ስርዓተ መንግስቲ ዘለወን ሃገራት ከም ባዓል ሊቢያን ኩባን ይረአ’ዩ። ብምኽንያት ዘለወን ተፈጥሮኣዊ ትዕድልቲ፡ ሓፈሻዊ ደረጃ መነባብሮ ህዝበን ዝተማሓየሸ’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ብዜካ’ቲ ስልጣኑ ዘይገድፍ ዘይደሞክራሳዊ ባህሪያት ዘለዎ ስርዓተ-መንግስተን፡ መንግስታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከም ናይ ኤርትራ ዝበለ ማእሰርቲ ዝመስል ጽኑዕ ምቁጽጻር ኣብ ውልቃዊ ሂወት ኣይገብሩን’ዮም። በዚ ምኽንያት፡ ምስኩሉ’ቲ ህዝቢ ሊቢያን ኩባን ንመንግስቲ ዘለዎ ፍርሂ፡ ሓፈሻዊ ዘይተገዳስነት ኣብ ፖለቲካ ሃገሩ እንተርኣየ ዘገርም ኣይኮነን። 

“ኣነ ኣብ ፖለቲካ ኣይግደስን’የ” ንዝብል ምኽኒት ኣብ ኩነታት ኤርትራ የእቲና ክንሪኦ ከለና’ኸ እንታይ ትርጉም ይህብ? ሓደ ዋዛ ዝመስል ግን ከኣ ቁምነገር ሓዘል ዘረባ ብምጥቃስ ክጅምር። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ከባቢ 35 ዓመት ዝበጸሐ መንእሰይ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናይ መርዓ መደብ እንተለዎ ተሓቲቱ ዝመለሶ’ዩ። “መንግስትና ማዓስን ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታትን ከም ንምርዖ ባዕሉ’ዩ ዝውስኖ” ብምባል’ዩ ተረካብ ዘረባ ተዛሪቡ። እዚ ዋዛ ዝመስል ዘረባ’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ክሳብ ክንደይ ነቲ ብሕታዊ ሂወት ዜጋታት ከይተረፈ ይቋጻጸር ከም ዘሎ’ዩ ዘረድእ።  

ብርግጽ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ብወከልቱ ኣቢሉ ብደሞክራሳዊ መገዲ ሕጊ የውጽእ፣ በቲ ዘውጸኦ ሕጊ ድማ ይማሓደር፣ ሰብኣዊ መሰላት ይኽቦሩ’ዮም፣ መንግስቲ ንድሌታት ህዝቢ ይሰምዖን የኽብሮን’ዩ ምባል ካብ ሓቂ ምርሓቕ ጥራይ’ዩ። በንጻሩ፡ ህዝቢ መሰሉ ተነፊግዎ ንመንግስቲ እናፈረሀ’ዩ ዝነብር። መንግስቲ ድማ ነቲ ክትንከፍ ዘይግብኦ ብሕታዊ ሂወት ዜጋታቱ ከይተረፈ ተንኪፍዎ’ዩ።  

ኣብነታት ክህብ። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ሃገራት ኣፍሪቃ ወሲኽካ፡ ዜጋታት ካብ ሃገሮም ክወጹን ክኣትዉን ናጻ’ዮም። ኣብ ቡዙሓት ሃገራት ወለዲ ንውላዶም በቲ ዝደሊዎን ውላዶም ዝረብሓሉን መገዲ ከምህሩን ከዕብዩን ንቡር ነገር’ዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም እንተላይ ኣፍሪቃ ሎሚ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፡ ናይ ምጽሓፍ፡ ናይ ምእካብን ምውዳብን፡ ናይ እምነትን ካሎኦትን መሰላት ሕልዋት’ዮም። ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ግን እዞም መሰላት እዚኦም ተኸቢሮም ይነብሩ ኣለው ምባል ሓቂ ምጉሳይ ጥራይ’ዩ። 

እሞ ድኣ ሓደ ናይ እምነት መሰሉ ዝተነፍገ። ዘምልኸሉን ዝጽልየሉን መኻን ዝተዓጽዎ ሰብ ‘ኣነ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ኣይግደስን እየ’ ክብል የምሕረሉ’ዶ? ሓደ ናይ ሂወቱ መደባት ክትልም ዘይክእል ሰብ፡ ከም ተራ ንብረት ክግመቶም ኣብ ዘይክእል እዋናት ኣብዝን ናብትን ዝካላበት ሰብ፡ ኣብ ፖለቲካ ኣይግደስን’የ ክብል ይኽእል’ዶ? ሓደ ገበርቲ ሰናይ ብናጻ ንዝላዓለ ደረጃ ከምህርዎ ዕድል ዝረኸበ ሰብ፡ ዜጋታት ካሎኦት ሃገራት ከም ዉሁብ ዝወስድዎ መሰል ምርካብ ፓስፖርትን ፍቓድ ካብ ሃገርካ ምውጻእን በቲ ክሕግዞ ዝግባእ መንግስቲ ዝተነፍጎ ሰብ ኣብ ፖለቲካ ኣይግደስን’የ ክብል ይኽእል’ዶ?    

ዝበዝሕ ካብዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገሩ ገዲፉ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ፡ ቀንዲ መስደዲኡ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ንኩለ ገጻት ሂወት ዝጸሉ ናጽነት ዝጎደሎ ኣገባብ ኣታሓሕዛ መንግሲቲ’ዩ። ሓደ ኣብነት ንውሰድ። ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ህዝብታት ካብ ሃገሮም ክወጹን ናብ ሃገሮም ክምለሱን፡ ኣብ መገሻታቶም ዘድሊዮም ፓስፖርትን ካለኦት ሰንዳትን ክረኽቡ መሰል ኣለዎም። እዚ መሰል’ዚ ድማ ኣብ ዓንቀጽ 19(9) ቅዋም ኤርትራ ተዋሂቡ ኣሎ። ኣመሪካውያን ካብ ሃገሮም ንክወጹ ቪዛ ኣየድልዮምን። ኬኒያውያን ካብ ሃገሮም ንክወጹን ንክምለሱን ቪሳ ኣየድልዮምን። ኤርትራዊ መንእሰይ ግን ካብ ኤርትራ ምውጻእ ንባዕሉ ሂወት ኣብ ሓደጋ የእቲኻ ዝውሰድ ሓደገኛ ስጉምቲ’ዩ። ካብ ዶባት ኤርትራ ምስ ወጻኻ ዘጋጥም ከልበትበትን ምረትን ቀሊል ኣይኮነን። ኣብዛ ጽልኣት ወጻእተኛ ነጊሱላ ዘሎ ዓልም ድማ ከም ስደተኛ ዘድልየካ መለለዪ ወረቐት ንክትረክብ ዘሎ ጸገም ቀሊል ኣይኮነን። 

እቲ ዝገርም ነገር፡ እዚ መስገደላት ሓሊፉ ካብ ኤርትራ ዝወጸ መንእሰይ፡ ኣብ ሃገረ ስደት ምስ ሰፈረ፡ ነቲ ኣብ ዝነብረሉ ዓዲ ዝሰረተ ስርዓተ ደሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ተጠቒሙ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ነገራት ንክዕረን ንክማሓየሽን እጃምካ ብስልጡንን ዘይጎነጻውን ኣገባብ ኣበርክት ክባሃል ከሎ፡ “ኣነ ኣብ ፕለቲካ ኤርትራ ኣይግደስን’የ” ኢሉ እንተኣመኽነየ’ስ እንታይ ክባሃል ይካኣል?  

ነዚ ኩነታት’ዚ ሓድ ካብ ምስላታት ኤርትራውያን ብዝግባእ እዩ ዝገልጾ፦ “ብርቱዕ ሕማም’ሲ ካብ ሞት ኣይሓልፍን’ዩ”። ብርግጽ ንሓደ ሕማም እንተኸፈአን እንተበርተዐን ካብ ሞት ንላዕሊ ዘምጾ ነገር የብሉን ኢልካ እንተተቐቢልካዮ፡ ኣብ ሂወትካ ዘገድሰካ ነገር የለን ማለት’ዩ። ሰብ ካብ ዝውንኖም ነገራት እቲ ዝኸበረ ነገር ሂወት’ዩ። ምእንቲ ሂወቱ ከድሕን ድማ ቡዙሕ ነገራት ክገብር ምኹኑ’ዩ። እንተሓመምካ መድሃኒት ኣብ ምርካብ ትጓየ እምባኣር ሂወትካ ስለ ተገድሰካ’ዩ። ሕማም ካብ ሞት ሓሊፉ ዝገብሮ የብሉን ምባል ግን፡ ዝኸፈአ ኣበሳ እናወረደካ’ውን ሉኡም ምዃን ማለት’ዩ። 

ከም ወላዲ መጠን። መንግስቲ ንህጻናት ኣብ ዝደለዮ መደባት ይሽመሞም ኣይገድሰንን ትብል እንተኾንካ፣ ኣብ’ዛ ዓለም ድኣ እንታይ ከገድሰካ’ዩ? ኣብ ኤርትራ ስርዓተ ትምርቲ ክዳኸም ክሳብ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲ ክበጽሕ እናታዓዘብካ፡ በቶም ክማሃሩልካ ገንዘብ ትሰደሎም ሓምሹተ ደቅኻ ዘይትግደስ እንተኾንካ፡ ኣብ’ዛ ዓለም እንታይ ከገድሰካ’ዩ ማለት’ዩ?  እዚ ኣባሃህላ’ዚ ግን ብደቂቕ እንተመርሚርካዩ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምኽንያት ጥራይ’ዩ። እቲ ኣብ ፖለቲካ ኣይግደስን’የ፣ መንግስቲ ድሌቱ እንተገበር ፍዕራ የብለይን … ወዘተ ዝብል ሰብ፣ ኣብ ሓቂ እንተመጺኻስ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት በብውልቁ ፍታሕ ከነዳይሉ ህርድግ ይብል’ዩ። ኣብ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ ወጻኢ ኮይኑ ዘዋህለሎ ገንዘብ ሓዉ ካብ ኤርትራ ንምምላቚ ዘውዕል ሰብ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ።

ደቁን የሕዋቱን ካብ ኤርትራ ኣሻሓት ብምኽፋል ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘምሎቐ ሰብ፡ ኣብ ኬንያ ኣቐሚጡ ወርሓዊ ዶላራት እናሰደደ ዝቕልብ ሰብ ቡዙሕ’ዩ።  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዘይገድስ እንተኾይኑ ድኣ ስለምንታይ ንሓውኻ ካብ ኤርትራ ኣሽሓት ንደቂ ጓና ከፊልካ ብዶብ ተምልቖ? ስለምንታይ’ከ ኣብ ኬንያ ብዘይስራሕ ኮፍ ኣቢልካ ትቕልቦ? ስለምንታይ ኣብ ዓዱ ክጸንሕ ዘይትገድፎ?  

ነዞም ሕቶታት ክዋሃብ ዝካኣል መልሲ፡ እቲ ምኽኒት ዕባራ ምዃኑ ጥራይ’ዩ ዘርኢ። ስለምንታይ ግን ኤርትራውያን መንእሰያት ነቲ ሃዲሞምሉ ዝወጹ ኩነታት ሃገሮም ክልውጡ ዘይሰርሑ? ኣብዛ ዓለም ዘሎ ብተዛማዲ ስልጡን ዝኾነ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ወለዶታት ብቃልሲ ዝሰረትዎን ብቀጻሊ ድማ ዝሕልውዎን እምበር ካብ ሰማይ ዝወረደ ማና ኣይኮነን።

ዓወት ንጉባኤ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.!

 Active Image

  

ሰምኦን መብራህቱ

ባንጁል፡ ጋምቢያ

3 ነሓሰ 2007 

This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it  

Last Updated ( Monday, 01 October 2007 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow I don't want to involve in politics!