Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

Bdho_Antsar_atahasasbana radio_main
Yes! I remember Print E-mail
Written by webmaster   
Friday, 13 July 2007

ኣይረሳዕክዎን!

ንወዲ ክልተ ዓመት ህጻን ንኣዴኻ ዶ ትፈትው ንኣቦኻ ኢልካ እንተሓቲትካዮ ‘ንኣቦይ‘ እዩ ዝብል። ደጊምካ ንኣቦኻ ዶ ትፈትው ንኣዴኻ ኢልካ እንተሓቲትካዮ ድማ ‘ንኣደይ‘ ይብል። እዚምንታይሲ ህጻናት ነታ ናይ መጠረሽታ ቃል ጥራይ ስለዝዝክሩ እዩ። ዓበይቲ’ከ ኣብ ልዕሊ ሂወቶም ዋላ ሓንቲ ጽልዋ ዘይብሉ ውሳኔ ኣብ ዘመሓላልፍሉ እዋን ልክዕ ከም ናይ ህጻን ቖልዓ ጠባይ የርእዩ ዶ ኮን ይኾኑ? እምንቶ ናይቶም ኣብ ኤርትራ በትረ-ስልጣን ጨቢጦም ዝርከቡ ሰባት ሓደ እኹል ሰብ ካብ ናይ ህጻን ጠባይ ዘይፍለ ባህሪ ከምዘንጸባርቅ እዮ። እዞም ሰበ-ስልጣን ዝዘንግዕዎ ነገር እንተሎ ግን፡ ዋላ’ኳ ኤርትራዊያን ነቲ ነዊሕ ክኸይድ ዝጸንሓ ስቃይ ዜጋታት ዝረስዕዎ እንተመሰሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምምሳል ኣቋሪጹ ቁጥዕኡ ብዓውታ ክገልጽ እንተጀሚሩ ግን መዓት ክወርዶም ምዃኑ እዩ።

ኩላትና ነምስል ዲና ዘሎናስ ወይስ ፈጺምና ረሲኣን ኢና ኮይና? ትዝክርዎ‘ዶ ኣብ 1987 ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ኤርትራ ብዝሐ-ሰልፋዊ ስርዓት ክትከል ሙዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓ? ትዝክርዎ‘ዶ ቁጠባዊ ማክሮ ፖሊሲ ኤርትራ? ትዝክርዎ‘ዶ ፖሊሲ መሬት? ትዝክርዎ‘ዶ ቅዋም ኤርትራ? ትዝክርዎ‘ዶ መብጽዓ ንኩሉ ዘካተተ ሃገራዊ ምርጫ? ትዝክርዎ‘ዶ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ንኽልተ ዓመት ጥራይ ክጸንሕ ከም ዝነበሮ? ትዝክርዎ‘ዶ እቶም እልቢ ዝኮኑ ዓመት መጸ ኣብ መዓልቲ ናጽነትን መዓልቲ ስውኣትን ዝተኣትው መብጽዓታት?   

ትዝክርዎ‘ዶ ጭርሖ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ናጽነት?

ኤርትራዊያን ግን ዓያሹን ህጻናትን ኣይኮኑን። ዝረሳዕና ክንመስል ዝደለና ብምርጫና እዩ፡ እሱ ድማ ብልሓት ህላዌና ስለዝኮነ እዩ። እወ፡ ኩሎም እቶም ቅድሚ ናጽነት ዝነበሩ ዝልዓሉ ትጽቢታትና ምስ መኸኑን፡  ናይ ቃልስና መብጽዓታትምስ ተጠልሙን፡ ረሲኣን ክንመስል መሪጽና። ንሕና ግን ኣይንርስዕን፤ እቲ ምንታይ‘ሲ ዳርጋ ነፍሲ-ወከፍና ልዑል ዋጋ ዝከፈልና ስለዝኮና። ብሉጽ ህይወት ዓቢ ሓውና፣ ኣኮና፣ ሓትነና፣ ኣቦናን ኣዴናን ከፊልናሉ ኢና። እወ፡ ህይወት ወድና፣ ጋልናን ንእሽቶይ ሓውናን። ሕሉፍ ሓሊፉ’ውን ገለ ስድራቤታት ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ዝኾኑ ወፍየን እየን። ነዞም ብሉጻት በራዉር ሰማእታት ድማ ሕጂ ተመሊስና ክንረኽቦም ኣይንኽእልን ኢና፤ እንትርፎ ኣብ መንግሰተ-ሰማይ። ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ፡ ብኽብሪ እንዝክረሎም ኣገባብ ነቶም ክቡር ሂወቶም ዝሃብሎም መትከላት ብምሕብሓብን ብምክባርን እዩ። ምክባርን ምሕብሓብን ማለት ድማ እምቢ ንረሲእነት ምባል እዩ።

እቲ ዘሕዝን፡ እቶም ኣብ ሰልጣን ዝርከቡ ውልቀ-ሰባት፡ እወ! እቶም ኤርትራ ናቶም ናይ ውልቖም ጌሮማ ዝርከቡ ሰባት፡ ማዕረ‘ቲ ካልእ ዜጋ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉ ኣይኮኑን። ካብቲ ሰብኣይ (ኢሰያስ ኣፈወርቂ) ጀሚርካ፡ ኽልተ የማነታት (የማነ ገብርኣብን የማነ ገብረመስቀልን) እንተሪእና፡ ብዓል ክሻ (ሓጎስ ገብርሂወት) ሓውስካ፡ ንስለ ኤርትራ ተባሂሉ ወልሓንቲ ዝኸፈልዎ ዋጋ የለን። ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ዝሓዝኑሉ ሰብ የለን። ካብ ልቦም ዝሓምሉ መቅርብ‘ውን የብሎምን። ስለዚ ነዞም ሰባት ምርሳዕ እቲ ዝቀለለ ነገር እዩ። ምርሳዕ ቀሊል ኮይኑ ስለዝረኸብዎ፡ ድማ‘ዮም ንሕና‘ውን ብቀሊሉ ንርስዕ ኮይኑ ዝስምዖም።

ከም ኣብነት ነቲ እዛ ዓለምና ፕረሲደንትኹም ትብለና ሰብኣይ እንተወሲድና፡ አብ ጽንኩር ኩነታት፡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ፡ ህይወቱ ዝሓለፈ ሓዊ ወይ ሓፍቲ፡ ዓርኪ ወይ ምሓዛ የብሉን። እቲ ዝቀለለ ክገብሮ ዝክእል ንኣብርሃም ተወልደ ይኹን ኢብራሂም ዓፋ ንብዓት ሓርገጽ‘ውን ትኹን ክነዝሕ ኣይተራእየን። ብውሽጢ ልቡ እንተኾነ እንቛዕ ጠፍኡ ኢሉ የመስግን ይኸውን። እቲ ምንታይሲ፡ ብህይወት እንተዝህልው ረሳዕቲ ኣምበይ ምኾኑን ኔሮም።

ክሳብ ኣነ ኣረጋጊጸ ዝፈልጦ ክልተ የማነታትን ክሻን ይትረፍ‘ዶ ኣብ ቃልሲ ዝተሰውኡ ኣብቲ ቃልሲ ዝነበሩ የሕዋት ወይ ኣሓት የብሎምን።

ንኣብነት ኪሻ እንተወሲድና ክሳብ 1993 ኣብ ኣሜሪካ ማክዶናልዱ ዝበልዕ ዝነበረ ሰብ እዩ። ኣብ መጠረሽታ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብወግዒ ኣንጻሩ ምስ ተልዓሉ ንዓዲ ክምለስ ተገዲዱ። ክልተ የማነታት፡ ይትረፍ‘ዶ ኣብ ድፈዓት ኣንጻር ጸላኢ ክገጥሙስ፡ ሓንቲ ጥይት እኳ ተኩሶም ኣይፈልጡን። እቲ ሓደ ብዛዕባ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ንህዝቢ መደረ ክህብ፡ እቲ ሓደ ድማ ብዛዕባ ሰናይ ተግባራትን ሓጥያትን ውልቀ-ሰባት ክጽሕፍ እዩም ግዜኦም ኣሕሊፎምዎ።

እዞም ሰባት ንኤርትራ ክብሉ ኣይተቃለሱን። ንኤርትራ ክብል ዝተሰውአ መቅርብ‘ውን የብሎምን። ክሓምሉን ክሕብሕብዎ ዝኽእሉ መትከላት ዝተሰውኡ መቅርብና‘ውን የብሎምን። እወ፡ ነቶም ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ክብርቲ ህወቶም ዝበጀዊ ሰባት ብዕጫኦም ዝተረትዑ እዮም ኢሎም ዘባጭዉ። ነዚ ዝንቡዕ ርድኢቶም ሒዞምዎ ድማ ናብ ናጻ ኤርትራ ኣትዮም።


ዝተጠልመ ምብጽዓ

ትዝክርዎ‘ዶ ግን!

ትዝክርዎ‘ዶ ኣብ መዓልቲ ናጽነትን መዓልቲ ሰማእታትን ዝቐርቡ ናይቲ ሰብኣይ መደረ? እወ ይዝከረኒ፡ ብዛዕባ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ፣ ብዝሐ-ሰልፋዊ ስርዓት ንምትካል ዘደልዩ ትሕተ-ባይታ ምንጻፍ፣ ግሉጽ ስርዓተ-ምምሕዳር ንምርግጋጽ ዝግበሩ ጻዕርታት ምሕያል ወዘተ ተረፍን የጠቃልል ኔሩ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ግን፡ ብፍቃዶም ረሲኣን ክኮኑ ዝደልዩ ሰባት ብዙሓት ኣይነበሩን።

ትዝኽርዎ‘ዶ ኣብ መንጎ ሪፈረንዱምን (1993) ቕዋም ኤርትራን (1995) ዝነበረ ግዜ ዝጸደቁ ክልተ ዓበይቲ ፖሊሲታት? ቁጠባዊ ማክሮ ፖሊሲን፡ ፖሊሲ መሬትን።

እወ ይዝከረኒ ጽኑቅ ጌሩ፡ ኣብ መወዳእታ 1994 ቁጠባዊ ማክሮ ፖሊሲ ኤርትራ ብወግዒ ክእወጅ። እዝከረኒ ቃላት ላዕለዎት ሓለፍትና ደጋጊምና ክንጠቅስ። እዝከረኒ ‘ብማይክሮ ቁጠባዊ ፖሊሲና እናተመራሕና ንገብሮ ዘለና...‘ ክንብል። ደቂቅ ትሕዝትኡ ብዘየገድስ ማክሮ ፖሊሲ ሓረስታይ ክሓርስ፣ ሰራሕተኛ ክሰርሕ፣ ነጋዳይ ክነግድ፣ ተምሃራይ ክምሃር፣ ቤት-ትምህርቲ ክምህር፣ ቤተ-ክህነት ወይ መስጊድ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክህባ፣ መንግስቲ ከምሓድር፣ በላሕቲ ኤርትራውያን ድማ መንኮርኮር ምዕባለና ክኾኑ ዝብል ትሕዝቶ ከም ዝነበሮ ንምብዛሕትና ብሩህ ከም ዝነበረ ኣጸቢቑ ይዝከረኒ፡ እንታይ ኮይኑ ዘይዝከረኒ።

ትዝክርዎ‘ዶ ቅዋም ኤርትራ? ሎሚ ብዛዕባ ቅዋም ምልዓል ከም ጸወታ ሕንቅልሕኒሊተይ እዩተቆጺሩ! ኣብቲ እዋን ግን፡ ቅዋም ኣብ ምንዳፍ ነዊሕ ግዜ ንምንታይ ኣድለየ ዝብል ሕቶ ምስቀረበሎም፡ ንኹሉ ድሌታት ህዝቢ ዘካተተ ቅዋም ክንደፍ እንተደኣ ኮይንኑ ኣብ ምንዳፉ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ክረጋገጽ ኣለዎ ዝብል ናይጠቢባን መልሲ ሂቦምና። ምልስ ኢሎም ድማ፡ ንምንታይ ቅዋም ዘይትግበር ዝብል ክሲ ምስ ቀረበሎም? ብዘስደምም ኩነታት፡ እዚ ቅዋም ንእሽቶ መጽሓፍ ጥራይ እዩ ክብሉ መሊሶምልና። ንኣብነት፡ ይብሉ ንሶም፡ ንሃገራዊ ጸጥታ ኣብ ሓደጋ ዘውደቁ ዜጋታት ብኸምይ ኣገባብ ክተሓዙ ከምዝግባእ እዚ ቅዋም ብግቡእ ኣይምልሶን እዩ ዝብል ዓይኒ-ዘውጻ ሓሶት መልሲ ሂቦሙና። 

እቲ ሓቂ ግን፡ ነዚኦምን ካልኦት ከም ብዓል ሰብኣዊ መሰላት፣ ዕልመናዊ፣ ሲቪላዊ ሓርነት ዝበሃሉ ጉዳያት ብግቡእ ዘቲናሎምን ብሕጋዊ ኣገባብ ድማ ኣጽዲቕናዮም ኢና። እዞም ሰባት ግን ክንርስዓም ከም ዘሎና ኣዚዞምና። ካልኦት ገለ ካብኦም መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ ከም ብዓል ድሩዕ፣ ሸሪፎን ወዲ ሰለሙንን ግን ክንርስዖ ከም ዘይብልና ሓቦሮምና።

ኣብቲ ሽዑ ግዜ፡ ዜጋታት ንቅዋም እንዳጠቐሱ ካይፈርሑ ብዛዕባ ዲሞክራስን ፍትሕን ዓው ኢሎም ክካትዑ ጀሚሮም። ኮይኑ ግን እዚ ጉዳይ ኣብ ቅዋም ከም ዘይተሰነደ፡ ንኽልተ ዓመት መመላእታ ከምዘይተኻታዕናሎም፡ እቶም ንኽርስዑ ብዙሕ ጸገም ዘይብሎም ሰባት “ንሓድነትና ብዝሐ-ሰልፋዊ ስርዓት ሓደገኛ እዩ፤ ቅዋም ሕጂ ክትግበር ኣክእልን እዩ“ ኢሎምና።

ግን ነዞም ጉዳይት‘ውን ዘቲናሎም ኔርና ኢና። ብዛዕባ ሓድነትን ብዝሐ-ሰልፋዊ ስርዓትን ዘቲና፤ ከስርሓና ዝኽእል ቅጥዒ ኣፍሊቅና ብወግዒ‘ውን ኣጽዲቅናዮ። ወይሲ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን በጺሕና ኩልና፤ ሓሙሻይ መስርዕ፡ ኣንጻር ሓድነት ኤርትራን ኮይና? ነዚ ሕጊ ዘጽደቅና ኣብ ኩሉ ኣውራጃን ወረዳን እንርከብ ዜጋትታ ድሮ ሓሙሻይ መስርዕ ተቀይርና?

ቅዋም ኤርትራ ሓንስብን ንሓዋሩን ትሕቲ መሬት ምስ ተቀብረ፡ መራሒና ሓድሽ ቅደን ፐሮፖጋንዳን ክምህዝ ኔርዎ። ነዚ ሓድሽ ውጥኑ ከይሓፈረ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝብል ሽም ኣጠመቖ። ቅዋምን ልዕልና ሕግን ዶ ትፈትው ወይስ ጸጥታን ቁጠባዊ ተኣምራት? ነዴኹም ዶ ነቦኹም ትፈትው ክብል ሓቲቱና።  ከም ኣብ ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት ዝተራእየ ነፍስ-ወከፍ ኣመሓዳሪ ዞባን ወረዳን “ዓወት ንወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ“ ዝብል መዝሙር ክዝምር ተራእየ። 

ግን ትዝክርዎ‘ዶ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ንኽልተ ዓመት ተባሂሉ ጥራይ ከምዝተኣወጀ? ሎሚ ግን 5ይ ዓመቱ ኣቁጺሩ ይርከብ። ክንርስዖ ከም ዘለና ተኣዚዝና። ምእንቲ ክንነብር ድማ ከምዝረሳዕናዮ ክንምስል መሪጽና።

ነዴና ምእንቲ ክንርስዕ፡ እቲ ሰብኣይን መዛምርቱን ናይ ኣቦና ፍረ-ዕዮ ኣጋኒኖም ከቕሩብልና  ኔርዎም። ክሳብ ሕጂ ክልተ የማነታት እቲ ናይ ቀደም ተራኦም እዮም ዝጻወቱ ዘለው። እቲ ሓደ ብዛዕባ ማርክሳዊ ክልሰ-ሓሳብ ንህዝቢ መደረ ይህብ፡ እቲ ሓደ ድማ ጸብጻባት ብዛዕባ ናይ ገለ ውልቀ-ሰባት ጽቡቅን ሕማቕን ብቀጻሊ ይጽሕፍ። የማነ ብደውና ከሎና ዓይንናን እዝንናን እንዳሰማዕና ይብለና፡ እዚ እዩ እቲ ዓቢ መራሒ፣ ፈጺሙ ክምህ ዘይብል፣ ዝናብ ዝፈጥር፣ ፍጹም ምሉእን ዘይጋገን ንኤርትራ ሃገርና ታእምራት ዝፈጥር፣ ውሕስነት መግቢን ዞባዊ ጸጥታን ዘረጋግጽ።

ሓደ ካብ ክልቲኦም፡ ማለት ውሕስነት መግቢ፡ ጃይ ተረጋጊጹ እዩ! ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ናጽነት፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ መደርኡ “ውሕስነት መግቢ ኣረጋጊጽና ኣሎና“ ኢሉና። ህዝቢ ተገሪሙ፡ ብህይወት ክትነብር ናይ ምድላይ ውሽጣዊ ስምዒቶም ግን ዕለታዊ ሰዓት 5 ወጋሕታ ተንሲኦም ባኒ ክገዝኡ ከምዝጓየዩ ከምዝረስዕዎ ከምስሉ ኣገዲድዎም። ንደቖም‘ውን ክርስዑ ከምዘለዎም ዓሊሞምዎም። “ጓለይ!“ ትብል ወላዲት “ብትዃቦ ኣይኮናን ንነብር ዘለና ማለቱ እዩ“።

መጎስ ንዘይሕለል መራሒ ይኹን፡ ሎሚ ኤርትራ እኹል ጣፍ፣ ማሸላ፣ ስርናይ፣ ዓደስ፣ ዘይቲ ዋላ‘ውን ሽኮር ኣሎዋ። ሳላ ቅኑዕ ቁጠባዊ ፖሊሲ ኢሳያስ ሎሚ ዜጋታት ጣፍ ንኹንታል ብ4000 ናቕፋ፣ ፊኖ ንኹንታል ብ2000 ናቕፋ፣ ሽኮር ብ27 ናቕፋ ንኪሎ ክገዝኡ ይኽእሉ። ብሙልአን ፋብሪካታት ማለት፡ ፋብሪካ ሽኮር፣ ፋብሪካ ሳልሳ፣ እንዳ እቺ ጸባ፣ እንዳ ዓሳ ፍርያተን ካብቲ ኣቐድም ኣቢለን ዝወጠንኦ ንላዕሊ ማዕቢሉ ኢሉ ይርከብ። ሎሚ ኤርትራ፡ ብመግቢ ነብሳ እትኽል ሃገር ኮይና ትርከብ። ኣብ‘ዚ ሕጂ ግዜ ድማ ኣብ ሞቛድሾን ዳርፉር ሱዳንን ጸጥታ ንኽረጋገጽ ኣበርቲዓ ትሰርሕ። አረ ዝናብ ክራማት እንተሓጊዙስ ምህርቲ ንሶማል፣ ኬንያን የመንን ክትልእኽ ትጽቢት ይግበረላ። እኹል ምህርቲ ምስዘይሕፈስ ግን እቲ ሰብኣይ ከም ወትሩ “ክራማት ስለ ዘይሓገዘ፡ ዲጋታት ኸኣ ሰለ ዘይመልአ ከምቲ ዝድለ ምህርቲ ኣይተረኽበን“ ክብል እዩ። ከምዝረሳዕካዮ ኮይንካ ምቅራብ  እቲ ዝበለጸ ኣማራጺና ካብ ኮነ፡ ንሕና ድማ ከም ረሳዓን ንዋሳእ።

ሽሕ እኳ ኢሰያስ ክፉእ እንተኾነ፡ ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን ናይዚ ኩሉ ጸገማት ሓላፍነት ዝስከም። ድልየቱ ንኸርዊ፡ ንዓና ድማ ናብ ግሃነብ ንኸእቱ፡ ልሙሳት ሚኒስተራት፣ ማእዝኖም ዘጥፍኡ ምሁራት፣ እሺ በሃላይ ህዝቢ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ነብሶም ዝፈትውን ካብ ኣዕናዊ ጻዕርታቶም ሞሳ ዝረኽቡን ካድረታት የድልይዎ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ እንዕዘቦ ዘሎና ቅድድም “መን ቀዳማይ ኣጣቕዓ፡ መን‘ከ ቀዳማይ ንኢሰያስ ቃላቱ ደገመ“ እዩ። እቲ ሰብኣይ መዓልቲ ስውኣት ኣጋጣሚ ብምግባር ኣብ ኣቁርደት ዘስመዖ መደረ ንመጀመርታ ግዜ “ጭፍራ ወያኔ“ ትብል ሓረግ ጠቂሱ ነይሩ። ይዝከረኒ ኣብ ካልኣይ ወራር ነዛ ሓረግ እዚኣ ቀዳማይ ዝደገማ ሙስጣፋ ኑርሑሴን ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝነበረ እዩ። እቲ ዓቢ መራሒ ግልብጥ ኢሉ “ኤርትራ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ክትከውን ኣለዋ...ኩሎም ብዓል ጉጅለ 13 ዋላ‘ውን ጉጅለ 15 ኣሜሪካ‘ውን ከይተረፈ ኣልቃይዳ እዮም“ እንተዝብል ነዚ ሓሳብ መን ቀዳማይ ደገመ ዘበገሶ ሓያል ህልኽ ዝመልኦን ቅድድም ኣብ መንጎ ሰበስልጣናት ኤርትራ ምተራእየ።

እቲ ዘስደምም፡ እዞም ነብሶም ዝፈትው ካድረታት ንኤርትራ ናይ ውልቆም ጌሮማ ይርከቡ። ብቀጻሊ ንሓድ ሕዶም ህያባት ይዕደሉ‘ሞ፡ በቶም ህያባት ድማ ደጊሞም ንሓድ-ሕዶም ይበኣሱ።


ካድረታትን ህያባቶምን

ረሲዕኩሞ ዲኹም? ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣስመራ ከባእሶም ዝቀነይ ህያብ ቪላ ገዛውቲ እንድ‘ዩ። ትርጉም መዓልቲ ናጽነትን መዓልቲ ሰማእታትን ከማን ብመንጽር እዚ ክርኣ ዝቀነይ ባእሲ ሃሲሱ እዩ ተሪፉ። እዚ ብዓቐኑ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘባጎራፍጦም ነገራት ማለት ማኪናን ኮምፒተራትን ሕይል ዝበለ እዩ ኔሩ።

እቲ ሰብኣይ ንላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ሰራዊትን ገዛውቲ ክዕድል ወሲኑ። እቶም ጽቡቕ ቪላታት ዝረኸቡ ድማ ከብዕሉ ጀሚሮም። እቶም ዘይረኸቡ ድማ ከዕዘምዝሙ ተራእዮም። ነቲ ኣሰራርሓ ድማ ዘይምዕሩይ እንዳበሉ ክሓምዩ ጀሚሮም። ንርዱእ ምኽንያታት ምዓት መረረ ኣኸቲሉ።

መረረ? ህዝቢ መዓት መረረ እዩ ዘለዎ። መረረ ብዛዕባ ሪጋ ባኒ፣ መረረ ብዛዕባ ግፋን ወረ ግፋን፣ መረረ ብዛዕባ ግዱድ ምርጫ ኣብ መንጎ ናጽነት ደቖም ዶስ ወይስ ማእሰርቲ! እወ፡ መረረ ብዛዕባ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተኣስሩ ቤተሰብናን መቕርብናን፡ መረረ ብዛዕባ ነፍሰ-ጾር ኮይና ንገዛ ዝተመልሰት ንእሽቶ ጓልና፡ መረረ ብዛዕባ ከንቱ ዝባኽን ዘሎ ዕድመ ውላድና። ግን ብኸመይ ኣገባብ ከምተማርር ክንርስዕ መሪጽና።

ነቶም ንዝኾነ ነገር ክርስዑ ጸገም ዘይብሎም፡ ነቶም ኣብ ልቦም ክሓድር ዝኽእል ወልሓንቲ ተዘክሮታት ዘይብሎም ሰባት ግን ጥቕሞም ንኽርስዑ ኣዝዩ የጸግሞም። እዞም ሰባት መረረታት ዘልዕሉ ክሳብ እቲ ወሃቢ ህያባት “ፖሊሲ ምምቕራሕ ህያባት ንግዜኡ ይጽናዕ ኣሎ“ ዝብል። ወልሓቲ ጣዕሳ ድማ ኣይገብረሎምን። እቲ ምንታይ ከም ንርስዕ ስለ ዝፈልጡ።

ዋላ‘ኳ ንፍትሒ ከምዝረሳዕናዮ ነምስል እንተኾንና፡ ኣብ ሓደ እዋን ግን ክልተ ነገር ዝረሳዕና ከነምስል ኣይንኽእልን ኢና። ፍትሒ የብልናን። ወትሩ‘ውን ኣዝዩ ርሑቕ ካባና እዩ ዝርከብ። ምሕረት እግዝኣብሄር ግን ኩል ግዜ ምሳና እዩ። እቶም ኣብ ስልጣን ዘለው ከማን ንኸይንጽሊ ክኽልክሉና ኣይክእሉን። ንፍትሒ ካብ ምጽላይ ድማ ፍጹም ኣይከነቛርጽን ኢና! ኣብ መንጎ ኣዴናን ኣቦናን ድማ ኣይከነማርጽን ኢና!


[ብለተናል ኪዳነ ዝብል ናይ ብርዒ ስም ካብ ኣስመራ ናብ ዓዋተ ዳት ኮም ዝተላእከን ብቛንቛ እንግሊዝኛ ድማ ብ4 ሓምለ 2007 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዳት ኮም ዝተዘርገሓ ጽሑፍ። ናብ ትግርኛ ኣብ ምትርጓሙ ንዘጋጥሙ ጌጋታት ተሓታቲ ድምጺ መሰልና ደሊና እዩ]
Last Updated ( Wednesday, 15 August 2007 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Yes! I remember