Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

Bdho_Antsar_atahasasbana EATGS
Article By Amanuel Issac Print E-mail
Written by Aklilu   
Friday, 06 July 2007

“ሰማያዊ መንዲል ተበሊሉ”
ብኣማኒኤል ኢሳቅ

ኣብ ሑቕፊ ግዜ ዝነብር ፍጡር ናይዛ ምድሪ፡ ኣብ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ሰለይ እንዳበለ ይነብር፡፡ ኣብዛ ዓለም ለውጥን ሃንደበትነትን ክሳዕ ዘለዉ ልብኻ ኣውዲቕካ ትኣምኖ ነገር ኽህሉ ኣሸጋሪ እዩ። ነገራት ኸምዝነበርዎ ኣይነብሩን፡ ነገራት ሕብሮም ፡መልክዖም፡ ባህርያቶም እንዳቐየሩ ይነብሩ። ጸሓይ ትበርቕ ጸሓይ ትዓርብ፡ ንሕና ድማ ኣብ ውሽጢ ሕጊ ናይ ለውጢ ኾይንና ምስ ግዜ ባህርይና እንዳቐያየርና ንነብር። እንሓንሳብ መላእኽቲ ንመስል፡ እንሓንሳእ ድማ ናብ ኣራዊት ንቕየር።እንሓንሳእ ነፍቅር እንሓንሳብ ንጸልእ፡እንሓንሳእ ንልውህ እንሓንሳእ ንጭክን፡ እንሓንሳእ ንጥዒ እንሓንሳእ ንጽለል፡ እንሓንሳእ ንብርትዕ እንሓንሳእ ንደክም፡ተስፋ ጣዕሳ ይኸውን ናፍቖት ጽልኢ ይቕየር፡ ወዲ ሰብ ኽም ቢሑቕ ምሉቕ ምሉቕ ዝብል ፍጡር’ዩ የብለካ።

ኽም ለማዳ ኣባጊዕ ምሳኻ ቀንዮም ሃንደበት ናብ ዝዕምጥሩ ድቢ ይቕየሩኻ፡ ድሓን ዝመስሉ ናብ ዝባልዑ ጨካናት ይልወጡኻ፡ናብ አድባረት ዝምህለሉ ዝነበሩ ንጽህንኦም ኽም ቅልቀል ጥንጢኖም ኣብ ጓይላ ባቢሎን ኽጸለሉ ኽለዉ፡ኸም መማህራን ዝራአዩ ዝነበሩ ሊቅነቶም ደርብዮም ስራሕ እንስሳ ዘገዳም ኽገብሩ ኸለዉ፡ ርህሩሃት ዝነበሩ ልቢ ሰገን ኣትይዎም ንዝወለድዎም ኽጥንጥኑ ኸለዉ፡ ኣየ ወዲ ሰብ ታኣማሚነካ ዘይትጉዝጎዞ ትኽ ዝበለ ዓፍራ እዩ የብለካ። ኣየ ደቂ ሰብ..ኸም ማዕበል ሓፍ ለጠቕ እንዳበልና ኸም ንፋስ በረኻ መኣዝንና እናቐያየርና ኣብ ናይ ህይወት መድረኽ ንገላበጥ። ነፋሒቶ ንኽንመስል ዝሓባብለና ድማ እቲ ሰብኣዊ ባህርይና እዩ። ስስዐ፡ ኣነነትን፡ ቅንኣትን ክሳዕ ዘለዉ ድማ ናይ ነፋሒቶ ባህርይ ምስልና ኾይኑ ይነብር።

ኣብ መንበር ሹመት ምስ ተቐመጥና ናብ ኣንበሳ ንቕየር፡ ኸም ማንም ምስ ኮንና ድማ ድምፅና ይሃጥም። ምስ ግዜ ዘይለዋወጥ ወይ ከም ዝደለኻዮ ዝኾነልካ ተኣማኒ ይህሉዶ? ኣህዛብ ቅኑዓት መራሕቲ ናብ መድረኽ ኽውጥሑ እዝግዮ ይብሉ፡ ኣልባስ ነብያት ተጎልቢቦም ግናኽ እቲ ባህርያዊ ምስሊ ኣዳም ሓቒፎም ንጋውስ በለኽ ይብሉ። ኮረሻ ዙፋን ምስ ምቖም ፍኒሕኒሕ ይጅምሩ እሞ ኻብ መራሕቲ ናብ ገዛእቲ ይቕየሩ። ጥዕንኦም ይድርብዩ ይጽለሉ መሳኪን ኣህዛብ ድማ ዕብዳን ነጋውስቶም ኸቢድዎም ሰንከልከል ይብሉ። እቲ ዝተጸበናዮ ነቢይ እዚ ኣይኮንነ ይብሉ እቶም ኣህዛብ …ኣይፋል ንሱ ‘ምበሪ ግና መለኮት ዝጎደሎ ወዲ ሰብ ዩ። ሰብ ዳኣ ደይ ከምኡ’ዩ ዝለዋወጥ! በቲ ሰብኣዊ ባህርዩ ኩሉ እዋን ናብ ስሕተት ምስ ተደፍአ’ዩ፡፡ ኸምቲ ሓደ ፈላስፋ ዝበሎ ሰብ ክልተ ተቓረንቲ ባህርያት አብ ውሽጡ እንዳተበራረዩ ዝሕንብስሉ ኣሸጋሪ ባሕሪ”ዩ፡፡

እቲ በሊሕ ኤርትራዊ ኣርቲስት በረኸት መንግስተኣብ ነዚ መሰጢር እዚ ብዘገርም ቃላቱን በቲ ቫዮሊን ዝጥዕም ድምጹን እንዳተቓነየ ገሊጽዎ። ዓለም ኣብ ናይ ለውጢ መንገዲ ኸምትጎዓዝ ምሂሩና፡ ዝደመቐ ኸምዝሃስስ ምስሃሰሰ ድማ ኻልእ ባህርይ ኸምዝሕዝ ነጊሩና። ኣየ ዓለም ዳንደ!ንዓኺ ዝኣመነን ማይ ዝሓቖንን ትጽቢቱ ኸይራኣየ ‘ዩ ዝተርፍ…ዓለም ዕደ። ዓለም ብላል!

”ሰማያዊ መንዲል ተበሊሉ፡
ዕንዳቐየሐ ከይዱ ደም መሲሉ፡ 
እሳተ ጎመራ ተላዒሉ፡

በረኸት መንግስተአብ ቃንኡ ምቁር ዖሚቕ መልእኽቱ ዘይመውት፡  እካ ዳአ ኸም ዛራ ማይ መመሊሱ ዝሕደስ መዃኑ ዘገርመካ መስጢር እዩ! ብደርፊ በረኸት መንግስተኣብ ወኖም ተባሪዑ ኣእላፍ መንእሰያት ናብ ሜዳ ኸም ዝተጸንበሩ ኽዕለል ይሰምዕ ኔረ የ፡ እዛ ደርፊ ምስ ሰማዕኩ ወኒ ኣብ ኣካላተይ ኽፈልሕ ኸሎ ተሰመዓኒ። ኣብ ሂወተይ ደርፊ ሰሚዐየሞ ኸምዚኣ ጌረ ዝፈተኹዋ ኣይዝከረንን።     
ትሕዝቶ ናይታ ደርፊ ምስ ምስኣስተንተንክዎ ኩሉ ኣካላተይ ወዓየኒ፡ኣድናቖተይ ወሲዅ፡ስምዒታተይ ከም ውዑይ ማይ ገንፊሉ ልበይ  ቅልጣፈ ትርግታኣ ወሲኻ ንኹሉ ኣካላተይ ሓፍ ሓፍ ኸተብሎ ጀመረት፡ትሕዝቶ ቓላቱ ንመትንታት ስምዒታተይ ተንኪፍዎ ዓጻጽምተይ ነዝነዝ ኽብል ጀሚሩ። ምስቲ ዘገርም ትሕስቶን ዜማን እንዳተንሳፈፉኩ ድማ ኣብ ድቕድቕ ዝበለ ናይ ምስልሳል ምስትንታን ዓለም ህልም ኢለ። ኣብ ኣደራሽ ኣእምሮይ ሓሳባት እንዳተገማድሑ፡ ስእልታት መስ መስ እንዳበሉ፡ድምጽታት መቓልሕ እንዳፈጠሩ ሓደ ህይወት ዘለዎ ዓለም ፈጠሩለይ፡ ናይ ሕሉፍ ዓለም፡ሕጂ ናብ ‘ታሪኽ’ ዝብል ስም ዝወረደ ሽዑ ግና ህይወት ዝነበሮ ግዜ፡እታ ሰማያዊት ጨርቂ ኻብ በዓትታትን ኣጻምእን ናብ  ዓዲ ሰብ ህሩግ ምስ በለት ዝነበረ ወኻዕታ፡ እልልታ፡ ናይ ሓጎስ ጭደራ፡ኸምዚ ሕጂ ኾይኑ ይራአየካ፡ ብጽውጽዋያት ዝፈልጥዋ ህጻናት ምስ ራአይዋ ኣብ ጽርግያታትን ሜዳታትን ኽዕንድሩ፡ መንእሰያት ሓጎሶም ተተኪሱ ኸም እራብ ኽዘሉ፡ኣዴታት ዕሸላት ደቀን ጠንጢነን፡ ገሊአን ዝሰንከትኦ እንጀራአን ኣብ መጎጎ ረሲዐን ምስ ብሒቖን ነታ ዝተተስፈውኣ ሰማያዊት ቆንጆ ኽቀባበለኣ ናብቲ ወኻዕታ ህዝቢ ክጺንበራ፡ኣቦታት ስሚዕቶም ተሮግ ተሮግ ኢሉ ነታ ሰማያዊት ዜማታት እንዳፈጠሩ እንኳዕ ደሓን መጻኺ ኽብልዋ፡ብዕድመ ዝደፍኡ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም፡ ‘ተመስገን ኣምላቸ ነዚኣ ዘርኣኻና፡እዛ ብርሃን ርኢና ኢና ሞ ፈጣሪ ሕጂ ተዕረፈና እንታይ ኸይብለና” ኽብሉ፡ ኣየወ ኽትዝክሮ ኽጥዕም።ነዚ ዘኪረ ንሎሚ ዘመን ክኽሕዶ ይመርጽ እሞ ኻብ በዚ ሎም ዘመን ዘምጽኦ መግደራ እናሰላሰልኩ ዝጉሂ ነቲ ናይ ሓጎስ ዘመን ተመሊሰ እናስተንተንኩ ምስ ትዝታ ኸዋኽዕ ደስ ይብለኒ።

ዘመን ከፊኡ ታይ ኽግበር! እቲ ዘጉህየኒ መዓስ ዘየጉሂ ኾይኑ ፡አረ እንሓንሳእሲ ‘ሓቂ ድዩ ዘመን ተቐይሩ”የብለካ! ወይ ጉድ!ኸም ውላዳ ዝሰኣነት ኣደ ዝርንዝሕ ነቢዕካን ድጉዕካን ዘመን ዝምለስ ተዝኸውን ኹላትና ኣፍ ልብና እናወቓዕና፡ ጸጉርና እናነጼና፡ ነቲ ዝተሓጎስናሉ ዘመን ምጸዋዕናዮ! ክላልየ ዓለም! ኣዱንያ ስቕ እልካያ! ‘ናጽነት’ ብመስፈር ዝዕደል ራሽን ምስ ኮነና፡ እቶም እኣመንናዮም ዝፋግኡ ዓንድረቦታት ምስ ተቐየሩና፡ ደመና ባርነት ምስ ኣንጸላለወና፡ ኩላትና ሰንቢድና፡ እቲ ኽረምቲ ሓጋይ ኾይኑ፡ እቲ ማይ ተመሪዙ ኻብ ንህይወት ንሞት ኾይኑና ንሕና ድማ ነቕጺ በርቲዑና፡ ድምጽና ላሕቲቱ ኣብ ገማግም ህይወትን ሞትን ተገምሲስና።እታ ቕድም ንሕቆፋን ነረምስሳን ዝነበርና  እነፍቅራ ሰማያዊት ሎሚ ውቃቤኣ የለን፡ምስሊ ሞት ለቢሳ ተንበልብል ንሕና ድማ ስንባድ ሒዙና! ገሌና እቶም ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻ ዘለና ምስላ ኣፍሪሑና ኸም ህዱናት ንርዕድ! እቶም ኻብ ሓጹራ ዘምለጥና ደማ ኣብ ግዳም ኾይንና ንቑዝም!ኣንቲ ሰማያዊት ካን ጠሊምክና!ንሕና ዳኣ ደይ ስሌኺ ኻብ አካላትና ው ዑይ ቀይሕ ኣናፍሰስና ኻብ ንስኺ ትብለሊ ንሕና ክንብለል ዝመረጽና!በለልትኺ ግና  መን ዮም፡ መን ዩ ኣብ ዘይ ናተኪ ኣሊኹኪ ሰማያዊት! ነዚ ርእዮም እኮ ዮም ቆዚሞሙልኪ፡          

”ሰማያዊ መንዲል ተበሊሉ፡
ዕንዳቅየሐ ከይዱ ደም መሲሉ፡
እሳተ ጎመራ ተላዖሉ፡

ኣየ እዛ ቆንጆ!እቲ ሰማያዊ ድምቀታ ተባሕጊጉ ካልእ ውቃቤ ለቢሱ ተዳሂሉ።እታ ጨርቂ ኣብ ደም ኣሊኾማ እቲ ባህርያዊ ሕብራ ኣዝዩ ደኺሙ ኻልእ መንነት ሒዛ፡ እቶም ናታ ጋግዮማ ተለዊጣቶም፡ ጸዊዖማ መልሲ ኸሊኣቶም ለውሃታ ሓዲጋቶያ ጨካን ነብሪ ተቐይራ! እቶም ጓኖት ፈተውታ “እዚኣ እታ ሰማያዊት መልክዔኛ ዝነበረት ቆንጆ እያ” ምስ ሰምዑ ብርቱዕ ስንባደ ሰንቢዶም ‘እዚኣ እታ ብዙሓት ተስፋ ዝገበሩላስ ኸምዚ ኢላ ተዳሂላ፡ወይ ሕማቕ ትርኢት’ይብሉ ብምግራም ።ነቶም ፈተውታ ኣህዛብ ናብ ሕሰም ወፍያቶም፡ እታ ዓንኬል ጭቆና ድማ  መሊሳ ህይወት ለቢሳ እቶም ኣህዛብ ድማ ኣብ ዙርያኣ ይዘሩ።እታ ሰማያዊት ሎሚ ኸምቲ በረኸት መንግስተኣብ ዝበሎ፤እንዳቀይሐት እንዳቀይሐት ርግእቲን  ሰላማዊትን ዝነበረት ሎሚ  ጉህይቲ መበለት ኮይና።እቲ ጓሂኣ ሙቐት ፈጢሩ  ፎኽ ፎኽ ኢላ ጉሂራ ፡ባዕ ባዕ ኢላ ናብ ባርዕ እሳተ ጎመራ ተቐይራ፡ረስና በሪቲዑ ብሃልሃልታኣ  ብዙሓት በሊዓቶም ገለ ድማ ኻብቲ ረስና ይሃድሙ፡ ኣንታ ሕማቕ ርኢና እቲ ሓዋ ኣጥፍኡላ እሞ እቲ እሳት ዝሓለፎ ልብሳ ኣውጽኡላ፡ እቲ ዝለመደቶ ሰማያዊ ኣልባሳ ኽንከድና።ግና ዝብለል ልብሲ ኸይከውን ፈቲንኩም ኽደንዋ ተበሊሉ እሳት ዝተፍእ ኸይከውን!
 
      ኣማኑኤል ኢሳቕ
      ደቡብ ኣፍሪቃ


ተበሊሉ
ሰማያዊ መንዲል ተበሊሉ፤
እንዳቀይሐ ከይዱ ደም መሲሉ፤
እሳተ ጎመራ ተላዒሉ፤
 
 እዞም ርጉማት ባዓል ሰይጣን ስእሉ
 ንጹሃት ቐቲሎም ዝዕልሉ
 መልክዖም ሰብ፤ ግብሮም ናይ ተዃሉ
 ኣብ ልዕሊ መቓብር ዝድብሉ
 ግዜ ኣለዎ ሕነ ንክኽፈሉ፤
 ዓለም ዳንደ ኣንቲ ዓለም ዳንደ
 ያዕ ዘይቲብል ዓዲ እንዳነደደ
 ወዲ ሃገር እንዳተዋረደ
 ተባሪሩ እንዳተሰደደ
 ግዜ ኣለዎ ሕነ ንኽፍደ

  ብገዛእ መሬቱ ተገበተ
  ብገዛእ ጥሪቱ ተዘመተ
  ብገዛእ ድራሩ ተሓርበተ
  ብገዛእ ፈረሱ ተጎራበተ
  ከምጽኣ ኢሉ ከይዱ ንናጽነተ
  ናብ ባዓል ዓዋተ
  ናብ ባዓል ዓዋተ
  
     ድምጻዊ በረኸት መንግስተኣብ

 

Last Updated ( Monday, 06 August 2007 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Article By Amanuel Issac