Jump Links
Main Site
EMDHR Weblog
Discussions
Multimedia
Eritrean Movement For Democracy and Human Rights

Click to download Geez Fonts

Main Menu
Home
About
Join EMDHR
Press Releases
ZaRa Getemti
Articles
Downloads
Contact Us
Links
Syndicate

Bdho_Antsar_atahasasbana EATGS
Eritrean martyrs day Print E-mail
Written by emdhr   
Saturday, 16 June 2007
ሰማእታት ኤርትራ 

 ሰነ 20፡ ኤርትራና፡ ጀጋኑ ሰማእታታ ብኽብሪ እትዝክረላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት፡ መዓልቲ ሰማእታት ክትከውን ዝኸኣለት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ)፡ ኣብ 1991 ብዘጽደቖ ውሳኔ መሰረት እዩ። ብወግዒ ከም ዝተገልጸ፡ እዛ ዕለት ክትምረጽ ዝበቅዓትሉ ምኽንያት “ዝበዝሕ መስዋእቲ ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ 6ይ ወራር ስለ ዘጋጠመን፡ ወርሓቱ ድማ ወርሒ ሰነ ስለዝነበረን” እዩ።

ንምንታይ ምኽንያት 20 ሰነ ተመሪጻ ብዘየገድስ፡ አብዛ ዕለት፡ ንሕና ሽምዓ ኣብሪህና ሰማእታትና ብኽብሪ እንዝክረላ ክብርቲ ዕለት ኮይና እያ ጸኒሓ።

ብተወሳኺ፡ እዛ ዕለት፡ ምልክት ሓድነትናን ኤርትራዊ መንነትናን እያ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን፡፡ ከምኡ እናበለት ንወለዶታት እትቕጽል ክትከውን ንምነ። 

ሎሚ 20 ሰነ ንኽትከውን ሒደት መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኤርትራና ዝሓለፈቶን እትሓልፎ ዘላን መድረኽ ታሪኽ ደጊምና ክንድህስሶ ንጅምር’ሞ፡ ሻቡ ድማ ኣብ ማንታ ስምዒት ንጥሕል። በቲ ሓደ ንትስፎ በቲ ሓደ ድማ ነስተንትን። ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ዘለናዮ መድረኽ ኣዝዩ ጽልግልግ ዝብለ ከምዝኾነ ንርዳእ። ነዮናይ ሃገራዊ ጉዳይ ኣልዒልና ነዮናይ ከም ነወንዝፍ ብንጹር ከነለልየሉ ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ ንበጽሕ’ሞ፡ ሽዑ ንሽዑ ኩሎም እቶም ኣብ ተፈላለዩ ቦታን መድረኽን ካባና ብመስዋእቲ ዝተፈልዩ መቕርብናን መሓዙትናን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ቕጅል ይብሉና። “ንምንታይ?” ዝብል ቃል ድማ ብትሑት ድምጺ ሕሹኽ ንብል።

እወ፡ እቲ ኣብ ግንባር ጾሮና ኣብ ጎንና ዝነበረ’ሞ ምሳና ግን ዘይተመልሰ፡ እታ ቀደም ብዕሸልና ኮለና ንሜዳ ዝወጸት ግን ኸኣ ንገዛ ዘይኣተወት ተጋዳሊት ሓፍትና፡ እቲ ዘይፍትሓዊ ትእዛዝ መራሒ ኣሃዱና ስለ ዝተቓወመ ኣብ ቃልዕ ዝተረሸነ ንእሽቶ ኩሉና፡ ኮታስ በብወገንና ሓደ ብሓደ ኩሎም ሰማእታት ኤርትራና ክርኣዩና ይጅምሩ። ጎኒ ንጎኒ ምስዚ፡ ዘለናዮ ኩነታት ኣዝዩ ዘይጭበጥ፡ መጻኢና ስደት፡ ኩንታትና ፍርሒን ጥርጣረታትን እምብዛ ዝሰፈኖ፡ ኩነታት ሃገርና ቁጠባዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝመለለይኡ ከምዝኾነ ክበርሃልና ምስጀመረ፡ ምልስ ኢልና ዓበይቲ ሕቶታት ከነልዕል ንግደደ።

ንምዃኑ፡ ንብል ንሕና፡ “ሰማእታትና ክንብል ከሎና እንታይ ማለት እዩ? ዝብልን ካልኦት ሕቶታትን ኣልዒልና መልሲ ክንረኽበሎም ንህቕን።


ሰማእታት ክንብል ኮለና እንታይ ማለት እዩ?

ዝተፈላለዩ መዛግብቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ሰማእታት ዝብል ቃል ንሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ወይ ህዝቢ ዝውክል ዕላማ ወይ ሃይማኖታዊ እምነት ንምክልኻል ወይ ንምዕዋት ክብሉ ህይውቶም ዘሕለፉ ውልቀ-ሰባት ይውክል። እዞም ወልቀ-ሰባት ኣብ ቤት-ማሕቡስ፡ ዘይጎናጻዊ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊታትን ኣብያታትን፡ ኣብ ዓውደ-ኹናትን ካልኦት ኣገባባት ቃልሲን እናካየዱ ዝተሰውኡ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡

እቲ ኣገዳሲ ረቛሒ ሓደ ውልቀ-ሰብ ወይ ጉጅለ ሰማእታት ተባሂሉ ክጽዋዕ ዘኽእሎ፡ ኣብቲ ዝወደቀሉ ዕላማ ወይ ሃይማኖታዊ እምነት ምርኩስ ብምግባር ጥራይ ይኸውን።

ንኣብነት ሓደ ሰብ ንምስልምና ሃይማኖት ክከላኸልን ክጣብቕን ክብል እንተሞይቱ፡ እዚ ሰብ‘ዚ ብኣመንቲ ምስልምና ሰማእታት ወይ ሹሃዳእ ተባሂሉ ብኽብሪ ይዝከር። ከምኡ’ውን ሓደ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ክብሩ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ፡ እቶም ነዚ ሓደጋ ንምክልኻል ክብሉ ህይውቶም ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልየት፡ እቲ ሕብርተሰብ ሰማእታት ኢሉ ይጽውዖም።

በዓል መን እዮም ሰማእታት ኤርትራ ተባሂሎም ዝፍለጡ?

 ኣብ ኩነታት ኤርትራና ምስ እንምለስ፡ ከም ልሙድ ሰማእታት ኢልና ንጽውዖም ነቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፎም ንናጽነት ዝተቓለሱን ህይውቶም ድማ ዘሕልፉ ክኸውን ከሎ፡ ከምኡ‘ውን ነቶም ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ልኡላውነት ሃገር ንኽከላኸሉ ዝወደቑ ኣባላት ሃገራዊ ወትሃደራዊ ኣገለግሎትን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ይሓቑፍ። ኣቐደም ኣቢሉ ከም ዝተገልጸ ግን፡ ትርጉም ሰማእታት፡ ናይ ሓደ ማሕበር፣ ውድብ፣ ወይ ምክልኻል ሃገር ኣባል ብምዃን ዘይኮነ ዝግለጽሲ፡ ኣብ ዕላማ ናይ መስዋእቲ ምርኩስ ብምግባር ጥራይ እዩ ዝግለጽ። ስለዚ፡ ትርጉም ዕላማ ናይ መስዋእቲ እንታይ ምዃኑ ኣቀዲሙ ከይነጸረ፡ እከለ ስውእ’ዩ ወይ በዓል እከለ ስውኣት ኣይኮኑን ምባል ፍጹም ዘይከኣል ይኸውን፡፡

እምበኣርከስ፡ ኣምር ሰማእታት ኤርትራና ርትዓዊ ብዝኾነን ዕሙቕ ብዝብልን ኣገባብ ክንሪኦ እንተኾይንና፡ ኤርትራ ክትሓልፎም ዝጸንሐት ዝተፈላለዩ መድረኽት ናይ ታሪኽ ብሕጽር ዝብል ኣገባብ ደጊምና ምድህሳስ  ከድሌና እዩ። እዚ ንምግባር ኸኣ ኣብ ክልተ ናይ ግዜ ሰሌዳ ከፊልና ክንርእዮ ንኽእል። እቲ ሓደ ቅድሚ 1993፡ ኤርትራ ብመገዲ ሪፈረንዱም ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ልኡላውነታ ዘረጋገጸትሉ ግዜ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ሓደ ክፋል ድማ ድሕሪ 1993 ኮይኑ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ዘካተተ ይኸውን።

ቅድሚ 1993 ዝነበረ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንተወሲድና፡ ዕላማኡ “ሰብኣዊ ክብርን መሰል ርእሰ-ውሳኔን ኤርትራዊ ዜጋ ምጭባጥ” ዝብል እዩ ኔሩ። ስለዚ ኩሎም እቶም ነዚ ቁዱስን ናይ ህዝቢ ዊንታን ድሌትን ዘንጸባርቅ ዕላማ ከዐውቱ ክብሉ ህይወቶም ዘሕለፉ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ንሓና ሰማእታት ኤርትራ ኢልና ክጽንውዖም ንኽእል። እዞም ሰማእታት፡ ነቶም ኣብ 40ታትን 50ታትን ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ ዝተቀትሉ፡ ኣብ ናይ ናጽነት ብረታዊ ቓልሲ ተሰሊፎም ዝወደቑ፡ ብውልቖም ነቲ ዘይፍትሓዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት እናተቓወሙ ከለው ዝተረሸኑ፡ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ብሰሪ ከቢድ መቕጻዕቲ ህይወቶም ዝሓለፈትን ካልኦት ነዚ ቅዱስ ዕላማ ንምዕዋት ዝወደቑን የጠቓልል ማለት እዩ።

ኣብ 1993 ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ብመሰረት ሪፈረንደም ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብቒዑ፡ ኤርትራ ናብ ሓዲሽ መድረኽ ምዕባለ ተሰጋጊራ። በዚ መንጽር ሓዲሽ ራኢን ዕላማን ኤርትራና ካብቲ ቅድሚ 1993 ዝነበረ ኩነታት ዝተፈልየ ክኸውን ናይ ግድን ኮይኑ። ኣብ ናጻ ሃገር፡ ራኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ሰብኣዊ መሰል ኩሉ ዜጋ ዝኽበረላ፡ ፍትሒ ዝነግሰላ፣ ሰላማዊት፣ ዲሞክራሲያዊትን ብልጽግትን ኤርትራ ምህናጽ” ዝብል እዩ። ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ኩሎም እቶም ነዚ ናይ ህዝቢ ራኢ ወይ ዕላማ ንኸዐውቱ ህይወቶም ዝሰኣኑ ዜጋታት፡ ንሕና ሰማእታት ኤርትራ ኢልና ክንጽውዖም ሓላፍነት ኣለና።

ንኣብነት፡ ኩሎም እቶም በብዓመቱ ምስ ናይ ቀረባ ጎረባብትና (ማለት ምስ ሱዳን፣ የመንን ኢትዮጵያን) ዋላ’ውን ርሑቅ ስግረ-ዶብ ብምኻድ (ማለት ኣብ ጫድ፣ ኮንጎን ሶማልን) ዛጊት ኣብ ዘካየድናዮም ወትሃደራዊ ግጥማት ዝወደቁ መንእሰያት ሰማእታት ኤርትራ ተባሂሎም ክጽውዑ ይኽእሉ። በንጻሩ ኸኣ፡ እዞም ዝተኻየዱ ወትሃደራዊ ግጥማት ብመሰረቱ ንረብሓ ህዝብን ምክልኻል ሃገርን ተባሂሎም ኣይኮኑን ተኻይዶም ዝብሉ ርእይቶታት ኣለው። ገለ’ውን እዞም ወትሃደራዊ ግጥማት “ንጥቕምን ምንዋሕ ስልጣንን ናይ ኢሰያስ” ተባሂሎም ዝተኻየዱ ደኣምበር “ንረብሓ ህዝብን ምክልኻል ሃገርን” ኣይኮኑን ዝብሉ ኣተሓሳስባታት’ውን ኣለው። እዞም ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ዜጋታት፡ እቶም ወትሃደራዊ ግጥማት ንረብሓ ህዝቢ ክሳብ ዘይኮኑ፡ እቶም ኣብኡ ዝወደቑ ዜጋታት ሰማእታት ኤርትራ ኢልና ክንጽውዖም ርትዓዊ ኣይኮነን ኢሎም ይኣምኑን ይምጉቱን። ግን፡ ካብዞም ክልተ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ኣየናዮም እዮ ርትዓዊ?

እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ወትሃደራዊ ግጥማት ግዜ ባዕሉ ከብርሃልና’ኳ እንተኾነ፡ ሓደ ኩልና ክንስሕቶ ዘይግባእ ነገር እንተሃልዩ፡ እቶም ኣብዞም  ግጥማት ዝወደቑ መንእሰያት ቅድሚ ብሞት ካብዛ ዓለም ምፍላዮም፡ ብቅንዕናን ሙሉእ ልቦምን ሰብኣዊ ክብሪ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሓደጋ ንኸይወድቅ ኢሎም፡ ረብሓ ህዝቢ ንምሕላው ወይ ልኡላውነት ሃገር ንምክልኻል ንቃለስ ኣለና ዝብል እምነት እዩ ኔርዎም። እዞም መንእሰያት ክሳብ ንራኢን ዊንታን ናይ ህዝቢ ዝውክል ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝነበሮም፡ ሎሚ ንሕና ሰማእታት ኤርትራ ኢልና ብኽብሪ ክንዝክሮም ይግባእ።

ብተወሳኺ፡ ድሕሪ 1993 ጥራይ ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ናይ ዜጋታት ንምክልኻል ክብሉ፡ ኤርትራና ብሃገራዊ ቅዋም ንኽትመሓድር ዝጠለቡን ካልእ ዓይነት ተቓውሞን ትብዓት ዝሓቱ ንጥፈታት ዘካየዱን፡ ብሰሪ’ዚ ኸኣ ዝተኣስሩ’ሞ ክሳብ እዛ ዕለት’ዚኣ ደሃይ ዘይብሎምን ዝተሰወሩን ዜጋታት ውሑዳት ኣይኮኑን። ገለ’ውን ደሃይ ኣጥፊኦም ጥራይ ዘይኮኑስ፡ መስዋእቶም’ውን ብታሕቲ ታሕቲ ወይ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ኣስታት 17 ዝኾኑ መንእሰያት ጋዜጠኛታት ገለ ከም ኣብነት ክጥቐሱ ይኽእሉ። እዞም መንእሰያት ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ኣብ ኤርትራ ንኸውሕሱ ኣበርቲዖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ተባዓት ዜጋታት እዮም። ብሰሪ’ዚ እዞም ጋዜጠኛታት ኣደዳ ማእሰርትን ድሃይ ምጥፋእን ኮይኖምሲ፡ ገለ ካብኣቶም ድማ ዓሪፎም ክብሃል ብተደጋጋሚ ንሰምዕ ኣለና። ካብቶም ዓሪፎም ተባሂሉ ዝንገረሎም፡ ገዲም ተጋዳላይን ጋዜጠኛን ፍሰሃየ ጀሽዋን ጋዜጠኛ መድሃኔ ሃይለን  ይርከብዎም። ስለዚ፡ እዞም ንመሰረታዊ ናጽነትና ከውሕሱ ክብሉ ህይወቶም ዝሰኣኑ ዜጋታት ኤርትራና፡ ሎሚ ንሕና ሰማእታት ኤርትራ ኢልና ብኽብሪ ክንጽውዖምን ክንዝክሮምን ሞራላዊ ሓላፍነትና ይኸውን።

እምበኣርከስ፡ ሓደ ሰብ ወይ ጉጅለ ሰማእታት ዘብሎ ኣብቲ ዝሞቶሉ ዕላማ ምርኩስ ብምግባር ጥራይ ይኸውን። ሓደ ሕብረተሰብ ንሰማእታቱ ብፈላላዩ ዓይኒ፡ ስውእ እከለ ካብ ስውእ እከለ ይበልጽ ወይ ይትሕት ብምባል ፍጹም ኣይገልጾምን። ንኹሎም ሰማእታቱ፡ ምዓስን ብኸመይን ተሰዊኦም ብዘየገድስ፡ ነቲ ሕብረተሰብ ዝውክል ዕላማ ከዐውቱ ክሳብ ዝተሰውኡ፡ ብሓደ ዓይኒን ብኽብርን እዩ ዝዝክሮም።

 

ሰማእታትና ንዓና ንኤርትራውያን እንታይ እዮም?   

ንገለ ሕልፍ ዝበሉ ሰባት፡ ሰማእታት ካብ ጅባኦም ኣውጽእ ኣቢሎም ንስለ ናጽነት ኤርትራ ክብሉ ከም ጥረ ገንዘብ ጫሕ ጨርባሕ ኣቢሎም ከም ዝኸፈሉዎም እዮም ዘምስሉ። እዞም ዝለዓለ ሓለፋ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክህልዎም ዝደልዩ ሰባት፡ ዜጋታት ከምበርክኹ ወይ ከፈራርሑ ምስ ዝደልዩ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም “ንሕና’ኮ 65 ሽሕ ስውኣት ከፊልና ዘምጻናያ ሃገር እያ” ይብሉ። ሰማእታት ኤርትራ ናቶም ናይ ሓላሎም እምበር፡ ኣካል ነፍስ-ወከፍ ቤተሰብ ከም ዝኾኑ ምሉእ ብሙኡእ ይዝንግዕዎ።

ሓደ ክንግንዘቦ ዝግበኣና ነገር እንተሃልዩ፡ ሰማእታትናስ ኣብዛ ዓለም ብህይወት የለውን፡ ንዓና ንህልዋት ግን እንታይ እዮም? ናይ ሓባር ሰማእታትና ክነሶም፡ ንሕና ግን ብዛዕባኦም ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ክህልወና ፍጹም ርትዓዊ ክኸውን ኣይከኣልን። ነዚ ሕቶ ግቡእን ርትዓውን መልሲ ክንረኽበሉ እንተኮይንና፡ እቲ ሰማእታትና ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ቅድሚ ምፍላዮም ዝነበረ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ሕብረተሰብናን እቲ ንሶም ነቲ ኩነታት ንምልዋጥ ዘርኣይዎ ንጥፈታትን ደጊምና ምድህሳስ የድልየና።

ብሓፈሽኡ ሰማእታትና ንሰብኣዊ ክብሪ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ኣብ ሕብረተሰብና ምስ ነገሰ፡ ነቲ ሓደጋ ንምክልኻልን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ዜጋታት ንምውሓስን፡ ትብዓትን ጅግንነትን ዝሓቱ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ቃልሲ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ ሁሞት፡ ህይወቶም ብመስዋእቲ ካብዛ ዓለም ዝተፈልየት እዮም። እምበኣርከስ፡ ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡ ንዓና ሰማእታትና እንታይ እዮም ንዝብል ሕቶ ክንምልሽ እንተኾይንና፦ “ሰማእታትና፡ ትብዓትን ጅግንነትን ዘውረሱና ኮይኖም፡ ንዝኾነ መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርናን መሰልናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት፡ ምእዙዛትን ተምበርከኽትን ካብ ምዃን ክንቑጠብን ካብ ናይ ፍርሒ መንፈስ ኸኣ ናጻ ክንከውን ከምዘለና ብግብሪ ዘርኣዩናን ዘምሃሩናን ጀጋኑ እዮም።” እዚ ኸኣ እቲ ልዑል ባህሊ ካብ ሰማእታትና ዝወረስናዮ እዮ።


ሰማእታት ብኸመይ ኣገባብ ይዝከሩ?

ከም ልሙድ ተርእዮ ሓደ ሕብረተሰብ ንሰማእታቱ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ሰዓት ድዩስ ወይስ መዓልታዊ ወይ’ውን ሓንሳብ ኣብ ዓመት ብዘየገድስ፡ ብናይ ሓደ ደቂቅ ጸሎት ብኽብሪ ይዝክሮም። ንሕና‘ውን ካብቲ ናይ ካልኦት ህዝብታት ዓለም ብዘይፍለ መገዲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ብናይ ሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ጸሎት ብኽብሪ ንሰማእታትና ክንዝክሮም ጸኒሕና። ኣየኖት እዮም እቶም ኣጋጣምታት ንሰማእታትና ክንዝክረሎም ዝግብኣናን፤ ትርጉም ናይ ሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ጸሎት’ከ እንታይ’ዩ?

ሓደ ሕብረተሰብ ንሰማእታቱ ብወግዒ ዝዝክረሎም ኣጋጣምታት ነዞም ክልተ የጠቓልል። ሓደ፡ ዕላማ መስዋእቲ ናይ ሰማእታት ሸቱኡ ምስ ዝወቅዕን፡ እቲ ዓወት ብወግዒ ኣብ ዝጽንበለሉ ግዜ ክኽውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ዕላማ መስዋእቲ ገና ሸቱኡ ዘይሃረመ ኮይኑ፡ ነቲ ዕላማ ኣብ ምዕዋት ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ትብገሰሉ ግዜ ይኸውን። ብመንጽር እዞም ክልተ ኣጋጣምታት ድማ ትርጉም ናይ ሓደ ደቂቅ ጸሎት ይፈላለይ።

ንኣብነት ዕላማ መስዋእቲ ሸቱኡ ወቂዑ እንተኾይኑ፡ ነዚ ዓወት ብወግዒ ኣብ ምጽንባል ንሰማእታት ብኽብሪ ንምዝካር ኣብ ዝግበር ናይ ሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ጸሎት ትርጉሙ “ነቶም ነዚ ዕላማ ንኸዐውቱ ትብዓትን ጅግንነትን ዝሓትት ሓያል ቃልሲ ብምክያድ ኣብነት ዝኾኑና፡ ሎሚ ግን ምሳና ብህይወት ዘየለው ንልዑል ፈጣሪ ጸሎት ምብጻሕ” ይኸውን። ኩሉ ኣባል እቲ ሕብረተሰብ ድማ በብቛንቑኡን በብሃይማኖቱን ንልዑል ፈጣሪ ናይ ሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ጸሎት የብጽሕ ማለት እዩ።

እቲ ካልኣይ ኣጋጣሚ እንተወሲድና ግን ትርጉም ናይ ሓደ ደቂቅ ጸሎት ካብዚ ቀዳማይ ቅሩብ ዝተፈልየ ኮይኑ ንረኽቦ። ዕላማ መስዋእቲ ሸቱኡ ዘይወቕዐ እንተኾይኑ፡ ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ዝኾነ ትብዓት ዝሓትት ንጥፈታት ንምግባር ኣብ ትብገሰሉ እትገብሮ ናይ ሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ጸሎት ትርጉሙ “ቅድሚ ምብጋሰና ነቶም ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ትብዓትን ጅግንነትን ዝሓትት ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ባህሊ ዘውረሱና ሰማእታትና ንልዑል ፈጣሪ ጸሎት ምብጻሕ” ይኽውን። ስለዚ ዕላማ መስዋእቲ ሕመረት ናይቲ ጉዳይ ምዃኑ ብቀሊሉ ክንርዳእ ንኽእል።


ሎሚ ኣብ ዓመተ 2007 ሰማእታትና ብኸመይ ንዝክሮም?

ብሰፊሑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዘጋጥሙ ዕላማ መስዋእቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ሓንቲ ሓረግ ክጥቅለል ይኽእል። እሱ ድማ ክብርን መሰልን ኤርትራዊ ዜጋ እዩ። ሰማእታትና “ሰማእታት” ኢልና ነኽብሮም ብመሰረት ቅዱስ ዕላማ መስዋእቶምን ንዓና ሓያል ባህሊ ኣውሪሶምና ብምሕላፎምን እዩ። ክብርናን መሰልናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ኩነታት ምስ ዝገሃድ ከኣ ነዚ ሓደጋ ንምክልኻል ካይፈራሕና ኣድላዩን ሓላፍነታውን ዝኾነ ስጉምቲ ክንወስድ ንግደድ። እቲ’ምንታይ’ሲ ሰማእታትና ዘውረሱና ልዑል ባህሊ ስለዝኾነ።

ብቐሊሉ ኣብ ፍርሒ እንሕቖን ተምበርከኽንትን ምእዙዛትን እንተኾይንና ወይ ዝኾነ ዓይነት ሓላፍነታዊ ስጉምቲ፡ ንኡሽተይ ይኹን ዓቢ ብዘየገድስ፡ ካብ ምውሳድ ዓዲ እንተውዒልና ግን፡ ጅግንነትን ተወፋይነትን ሰማእታትና፡ ንወለዶታት ዝመሓላለፍ ልዑል ባህሊ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሓደ ውሰን መድረኽ ታሪኽ ኤርትራና ዝተራእየ፡ ግን ኸኣ ክቕጽል ዘይከኣለ ናይ ከንቱነት ከንቱ ኮይኑ፡ ነበረ ያ ነበረ ተባሂልሉ ጥራይ እዩ ክተርፍ።

እታ ወትሩ ሰማእታትና እንዝክረላ ዕለት ሒደት መዓልታት ተሪፍዋ ይርከብ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ ምስቅልቅል ዝበለን ጽልግልግ ዝብልን ኩነታት፡ ሰብኣዊ ክብርናን መሰልናን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እንዳሃለወ፡ ንሕና ንሰማእታትና ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓመት 20 ሰነ ብኸመይ ኣገባብ ንዝክሮም? ብኻልእ ኣዘራርባ፦

1. ሰላምናን ጸጥታዊ ውሕስነት ህይወትናን ተኸቢሩ ኣብ ገዛእ ዓድና ናይ ምንባር መሰልና ኣብ ሓደጋ ስለ ዝወደቀ፡ ባህላዊ ልምድታትናን መንነትናን ኣጥፊእና፡ ኣብ ስደት ካልኣይ ዜጋ ኼንና ንኽንነብር ተገዲድና ኣብ ንርከበሉ ግዜ፤

2. ብዘይገድስ ናይ ነፍስ-ወከፍና ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ኤትኒካዊ መቦቖልናን ሃይማኖታዊ እምነትናን፡ ከም ክብሪ ዘለዎም ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብ ዝኾነ ግዜ፡ ብዘይዝኾነ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ፡ ብናጻ ናብ ሃገርና ናይ ምእታውን ካብ ሃገርና ናይ ምውጻእን መሰልና ኣብ ሓደጋ ወዲቁ እናሃለወ፤

3. ኣብ ሃገርናን ምስ ቤተሰብናን ህዝብናን እንዳነበርና፡ ንሕብረተሰብና ርትዓውን ኣድማዕን ብዝኾነ ኣገባብ ዓቕምና ዝፈቕዶ ናይ ምብርካት ልባዊ ውንታናን ሞራላዊ ሓላፍነትናን ናይ ምፍጻም ዜግነታዊ መሰልና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እንዳሃለወ፤

4. ብኽብሪን ኣብ ሓድ-ሕድ ሓልዮት ዝተመርኮሰ ኩነታትን ሃገራዊ ግቡእናን ሓላፍነትናን ናይ ምውጻእ መሰልና ተዓጊቱስ፡ ልኡላውነት ሃገርና ብዲፕሎማሲያዊ ኣገባብ ዱዩስ ዋላ ብሕጋዊ መዳይ ናይ ምዕቃብ መሰልና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እንዳሃለወ፤ ሎሚ ዓመተ 2007 ንሕና ብኸመይ ኣገባብ ንሰማእታትና ክንዝክሮም ይግባእ?

እቲ መልሲ ንነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዝሕደግ እዩ።


ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ
15 ሰነ 2007

Last Updated ( Friday, 13 July 2007 )
 
< Prev   Next >


Voice of Meselna Delina
Archive

© 2008 Eritrean Movement For Democracy and Human Rights
Joomla! is Free Software released under the GNU/GPL License.
Home arrow Articles arrow Eritrean martyrs day